ሓፈሻዊ ሻቕሎት እንታይ እዩ?

ሳሕቲ ዘጋጥም ሻቕሎት ንቡር ኣካል ህይወት እዩ። ብዛዕባ ጥዕናኻ፡ ገንዘብካ ወይ ጸገም ስድራ ቤትካ ክትጭነቕ ትኽእል ትኸውን። የግዳስ ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ ዝጠቕሙን ዘይጠቕሙን ጕዳያት ምሒር ይጭነቑ ወይ ይቝጥዑ። ኣብ ገለ እዋን ብፍላይ፡ ኣብ ፈጺሙ ዘየጨንቕ ጕዳይ ከይተረፉ እዮም፡ ካብ ባይታ ተበጊሶም ከም ዝጭነቑ ዝዀኑ። ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት፡ ንሻቕሎቶም ኣብ ምቍጽጻር ይጽገሙ። ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከድህቡ ኸኣ ኣይክእሉን። 

ሓፈሻዊ ሻቕሎት ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ  ነገራት ቀጻሊን ልዕሊ ንቡርን ጭንቀት ብምንጽብራቕ እዩ ዝግለጽ። ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀነ ሰብ፡ ሓደጋ ከጋጥሞ ክጽበ ይኽእል። ልዕሊ ንቡር ብዛዕባ ገንዘቡ፡ ጥዕናኡ፡ ስድራቤቱ፡ ዕዮኡ ወይ ካልኦት ጕዳያት ክሻቐል እውን ይኽእል። ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት፡ ጭንቀቶም ክቈጻጸሩ ይእግሞም። ንሳቶም ክንዮ እቲ ህሉው ፍጻመ ዝተጋነነ ጭንቀት እዮም ዘንጸባርቑ። ዝዀነ ዓይነት ስግኣት ኣብ ዘየለወሉ ህሞት ከይተረፈ፡ ሕማቕ ነገር ክጐንፎም ትጽቢት የሕድሩ።

ሓደ ሰብ ንሓያሎ መዓልታት ምናልባት እውን ክሳብ መንፈቕ ንጭንቀቱ ምቍጽጻር እንተ ኣጊምዎ ኣብ ርእሲኡ እውን ክንዮ ሰለስተ ምልክታት ሕማም እንተ ኣርእዩ፡ ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ኰይኑ ከም ዘሎ ክፍለጥ ይከኣል። እዚኣቶም ንሓፈሻዊ ሻቕሎት ካብ ካልኦት ዓይነታት ጸቕጢ ወይ ካብ ካልኦት ንሓጺር ግዜ ዝቕጽሉ ጭንቀት ይፈልዩዎ። 

ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዓመታዊ ን6.8 ሚልዮን ወይ 3.1% ካብ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዳይ ይገብር።  ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዕጽፊ ግዳይ ይዀና። እቲ ጸገም ቀስ ኢሉ እዩ ዝጅምረካ። ሽሕ’ኳ እቲ ሓደጋ ኣብ መንጎ ህጻንነትን ማእከላይ ዕድመን ልዑል እንተዀነ፡ ኣብ ዝዀነ ክሊ ዕድመ ክጅምረካ ይኽእል እዩ።ዋላ’ኳ እቲ ልክዕ ጠንቂ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዘይፍለጥ እንተዀነ፡ ስነ ህይወታውያን ረቛሒታት፡ ስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይታ ከምኡ’ውን፡ ተመኵሮ ህይወት ብፍላይ ጸቕጢ፡ … ግደ ከም ዘለዎም ጭቡጥ መረጋገጺ ኣሎ።

እናሓንሳእ ንሓንቲ መዓልቲ ብኸመይ ከም እትሓልፋ ክትሓስብ እንከለኻ ጥራይ ሻቕሎት ይፈጥረልካ እዩ።ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዘለዎም ሰባት ንዑደት ሻቕሎት ብኸመይ ደው ከም ዘብልዎ ኣይፈልጡን እዮም። ዋላ ሻቕሎቶም ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ጕዳይ ንላዕሊ ጽዑቕ ምዃኑ እንተ ፈለጡ፡ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ከም ዘይኰነ ምኽኣምኑ ይጽገሙ። ኵሎም ዓይነታት ሻቕሎት ምስ ጸገም ንዘይርጉጽነት ኣብ ምጽዋር እተኣሳሰሩ እዮም። ክንዲ ዝዀነ፡ ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት እውን፡ ንዅነታት ብመደብ ኣብ ምቍጽጻር ጸገም ይረኣዮም። ብዙሓት ሰባት ጭንቀት ሕማቕ ነገር ከየጋጥም ከም ዝከላኸል ይኣምኑ። ክንዲ ዝዀነ ካብ ጭንቀት ምግልጋል ሓደገኛ ምዃኑ ይሓስቡ። እናሓንሳእ እቶም ግዳያት ብቕርጸት ከብድን ሕማም ርእስን ክሳቐዩ ይረኣዩ። 

መጠን ሻቕሎቶም ትሑት ወይ ማእከላይ እንተ ዀይኑ ወይ ሕክምናዊ ክንክን እንተ ደኣ ዝረኽቡ ሃልዮም፡ ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ክነጥፉ፡ ምሉእን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ከስተማቕሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽቡቕ ስራሕ ክቍጸሩይኽእሉ። ብዙሓት ካብ ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ካብቶም ዘሰክፍዎም ኵነታት ክርሕቁ እዮም ዝመርጹ። እቲ ምንታይሲ፡ እቲ ጸገም ኣለዎም ወይ ብሰሪ ጭንቀቶም ነቲ ዘጋጥሞም ዕድል ብዝግባእ ክብርብርዎ ኣይክእሉን እዮም። እቶም ጭንቀታቶም ንማሕበራዊ ኵነታት፡ መገሻን ምውሳኽ ሓላፍነትን ከጠቓልሉ ይኽእሉ። ገለ ሰባት ሻቕሎቶም ክብርኽ እንከሎ፡ ዋላ ነቲ ዝቐለለ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ከሰላስሉ እዮም ዝእገሙ።

ምልክታት ሓፈሻዊ ሻቕሎት እንታይ እዮም?

ዝርጋሐ (Prevalence)

ሓደጋን ቅድመ ገምጋማውን ረቛሒታት

ምስ ጾታ ዝዛመዱ ምርመራዊ ጕዳያት

ጠንቂ ሓፈሻዊ ሻቕሎት እንታይ እዩ?  

ሓፈሻዊ ሻቕሎት ብኸመይ ይፍወስ?

ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ምዃን እንታይ ይመስል?