እዞም ኣብዚ ገጽ ተጠቒሶም ዘለው ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስነ-ኣእምሮ ጥዕና ሃበሬታ ንምርካብ ዝሕግዙና መባእታዊ ጽሑፋት እዮም። በዚ ተመርኩስና ድማ ሓፈሻዊ ኣፍልጦና ኣኻዕቢትና፡ ኩነታት ጥዕናና ወይ ጥዕና መቕርብና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከብ ገሚትና: ብኣግኡ ጉዳይ ኣእምሮና ክንከታተል ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መፍቲሒ ወይ ውን ከምዘለዎ ብዘይ ናይ ኪኢላ ስነ-ኣእምሮ መርመራን ምኽርን ክንጥቀመሉ ኣይኮነን ተዳልዩ። ህጹጽ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምስዘድልዪኩም/ክን ኣብ ከባቢኹም/ኽን ንዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ረዲኤት ኣግልግሎት ክትውከሱ/ሳ ብትሕትና ንሕብር። ብውልቂ ዝሕተቱ ሕቶታት፡ ርኢቶታት፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ይኹን ኩነታት መርመራ ብሰንኪ ዝመጹና ብዝሒ ሕቶታት ንግዚኡ ክንምልስ ከምዘይንኽእል፡ ኣጸዲምና ይቕሬታ እንዳሓተትና፡ ብትሕትና ክንሕብር ንፈቱ።