(ዝበዝሕ መዓልታዊ፡ እንተወሓደ ንክልተሰሙን ዝረኣዩ ምልክታት)

ዝበዝሕ እዋን፡ ወለዲ ኣብ ደቆም ዝርአ ኣጠንቀቕቲ ምልክታት፡ ንኣብነት ትካዘ፡ ኣልኮሆልን ድራግን ምጥቃም፡ ኣየስተባህልሎምን እዮም ወይ ብዕቱም ክብደት ወይ ሓደገኛነት ናይቶም ምልክታት ኣይርእይዎምን። ሓሳባትን ናብ ነብሰ ቕትለት ከብጽሑ ዝኽእሉ ምልክታት ብዑትብነትን ጥንቃቐን ክርኣዩ ኣለዎም። ሓደ ኮተቴ ወይ መንእሰይ፡ ንሓጺር እዋን ኣብዛ ዓለም ዝጸንሐ ወይ ብዙሕ ዘይረኣየ ሂወቱ ከሐልፍ ኢሉ ክሓስብ ወይ ክፍትን፡ ንብዙሕ ሰብ ብጣዕሚ ኣደንጻዊ ወይ ኣገራሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ መንእሰያትን ኮተቴን ንምልክታት ትካዘ ክብድዎም ዘይከኣሉ፡ ገለ እዋን ሂወቶም ከም እንኮ ኣማራጺ ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ውላድካ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ዝሽገር እንተኾይኑ፡ ብጥንቃቐ ንምልክታት ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ክትካታተል ኣለካ። ገለ ካብቶም ምልክታት ክንዕዘቦም ዘለና፡ 

  • ጓሂ (ንብዓት/ብኽያት ዘለዋን ዘይብሉን)
  • ጭንቀት
  • ረሸሽታ ወይ ሓይሊ ምስኣንን፡ ሞራል ሙውዳቕን
  • ጸርጸር ምባል ወይ ሃንደበት ናይ ምዕግርጋር ባህርታት
  • ብቐሊሉ ወይ ብዘይ ጠቅም ነገራት ምቑጣዕ
  • ካብ ንቡር ወጻኢ ውሑድ ወይ ብዙሕ ሰዓታት ምድቃስ
  • ሽውሃት ምስኣን ወይ ካብ ንቡር ወጻኢ ውሑድ ወይ ብዙሕ ምብላዕ
  • ካብ ዓርከ-መሓዛን ቤተሰብ/ስድራቤት ምርሓቕ
  • ቅድሚ ሕጂ ዝግደስሎምን ዝፈትውዋምን ዝነበሩ ነገራት ድሌታት/ተገዳስነት ምጉዳል (ንኣብነት፡ ትምህርቲ፡ ስፖርት)
  • ስሚዒታት ፍርሒ (እቲ ፍርሒ መበገሲ ዘይብሉ ወይ መብገሲኡ ዘይፍሉጥ ክኸውን ይኽእል እዩ)
  • ካብ ንቡር ወጻኢ ከቢድ ስሚዒታት ሕንከት ወይ ገበንነት 
  • ከተኩሩ ዘይምኽኣል (ኣብ ትምህርቲ፡ ገዛ፡ ዕላላት፡ ስራሕ)
  • ድኹም ናይ ምዝካር ተኽእሎ
  • ኣልኮሆል ወይ ድራግ ክጥቀሙ ምጅማር ወይ ምውሳኽ
  • ኣብ ትምህርቲ ወይ ስፖርት ነጥብታቶም ምጉዳል
  • ትምህርቲ ዘይምኻድ ወይ ምቕጻዕ
  • ካብ ንቡር ወጻኢ ነብሰ ነቐፌታ
  • ኩነታት ሂወቶም ንምቕያር ረሸሽ ምባል ወይ ረዳኢ ዘይብሎም ኮይኑ ክስመዖም ከሎ*
  • ስሚዒታት ተስፋ ምቑራጽን ኩነታትም ኣይመሓየሽን እዩ ዝብል ስሚዒታት ምህላውን*
  • ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ሞትን ምሟትን ርእይቶታት ምሃብ*
  • ብዛዕባ ተስፋ ምቑራጽ፡ በይንነት፡ ጠበናጁ ወይ ሞት ክጽሕፉ፡ ክስእሉ ወይ ምዚቃ ክሰምዑ እንተጀሚሮም*
  • ነብሰይ ክቐትል እየ ዘስምዕ ዘረባታት (ዋላ ላግጺ ዝተሓወሶ ይኹን)*

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘልው ምልክታት 4 ወይ ልዕሊኡ ንልዕሊ ክልተሰሙን ምስዝርእዩ ውይ ምስትዕዘብ፡ ኩነታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦም ምስ ሓኪም ወይ ኪኢላ ብምልዛብ ክምርመሩ ኣለዎም። 

*ኣብ ዝኾነ እዋን 1 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካብዞም 5 ምልክታት እንተተርኣዮም ወይ ጥርጣረ እንተለካ፡ ብህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዋ። 

ውላድካ ብትካዘ ይሳቐ ከይህሉ ጥርጣረ እንተሃልዩካ፡ ትዕዝብትታትካ ክትምዝግቦ ኣለካ፡ 

እዚ ብዛዕባ ውላድካ ለውጢ ኣብ ጠባዮምን ስሚዒታቶምን ዝተዓዘብካዮ ምልክታት፡ ብዝሑፍ ናብ ሓኪሞም ወይ ኪኢላ ስነ-ልቦና ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ካብዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ምልክታት ኣብ ውላድካ እንተተዓዚብካ፡ መዓስ ከምዝተዓዘብካዮ (መዓልቲ፡ ሰዓት፡ ወቕቲ)፡ ንኽንደይ እዋን እቶም ምልክታት ከዝተዓዘብካዮም፡ ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ካብቶም ዝተዓዘብካዮም ምልክታት ወይ ጠባያት ብጽሑፍ መዝግቦም። 

እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ከም መሐበሪ ትካዘ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም፡

ውላድካ ካብዞም ኣብታሕቲ ዘለው ስሚዒታት የንጸባርቕ’ዶ?ውላድካ ብዛዕባ ካላዊ ለውጥታት የማርሩ ወይ ዕሪምሪም’ዶ ይብሉ?
ምቹእ ወይ ባህታ ክፈጥሩልካ ዝኽእሉ ነገራት ክገብሩ ኸለው፡ ዘይሕጉሳት’ዶ ይመስሉ?
ረሸሽታ ወይ ሃይሎም ድኽም ይብሎም
ሓፈሻዊ ዘይሕጉስነት ወይ ጓሂ
ተስፋ ምቑራጽ
ባዶነት
ጥቕሚ ወይ ዋጋ ዘይብሎም
ከስዐኦም ምሕማም
ለውጢ ኣብ ሽውሃት ወይ ሚዛን ኣካሎም
ልሕሉሕ (lethargic) ስሚዒታት
ድቃስ ምስኣን
ሕማም ርእሲ
ቅርጥማት ወይ ቃንዛ ኣብ መላግቦ ወይ ሕቖ
ውላድካ ካብዞም ኣብታሕቲ ዘለው ጠባያት የንጸባርቕ’ዶ?ውላድካ ካብዞም ኣብታሕቲ ዘለው ጸገማት ሓሳብ የንጸባርቕ’ዶ?
ብቐሊሉ ምንጽርጻር
ዘይምእዛዝ ወይ ምሕንጋድ
ንኽሉ ዘይምስምማዕ
ማሕበራዊ ርክባት ምውጋድ
ትምህርቲ ዘይምኻድ ወይ ምቕጻዕ
ኣልኮሆል ወይ ድራግ ምጥቃም
ኣተኩሮ
ዝጀመርዋ ስራሕ ክውድኡ ዘይምኽኣል
ኣብ ትምህርቲ ጽቡቕ ነጥቢ ከምጽኡ ዘይምኽኣል
ኣብ ምውሳን ምጽጋም

ዋላ’ኳ እዞም ምልክታት ትካዘ እንተተረኣዩ፡ ውላድኩም ብሓሳባት ነብሰቕትለት ይሻቐ ወይ ሂወቱ ከሐልፍ ሓሳብ ኣለዋ ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ብኣግኡ ነቶም ኣጠንቀቕትን ኣጋደድትን ምልክታት ምክትታል ብዙሕ ሂወት ከድሕን ይኽእል እዩ። እዞም ምልክታት ኣብ ውላድኩም ይኹን ዓርከ-መሓዝኦም ክረኣዩ ስለ ዝኽእሉ፡ ምክትታል ኣገዳሲ እዩ። እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ምልክታት ኣስተባሂልካ’ዶ ትፈልጥ?

  • ብዛዕባ ነብሰቕትለት ወይ ሞት ክዛረቡ፡ ክጽሕፉ ወይ ከንብቡ 
  • ብዛዕባ ስሚዒታት ባዶነት ወይ ተስፋ ምቑራጽ ክዛረቡ 
  • ከምዚ ክብሉ ዶ ሰሚዕካ
    • “ሂወተይ ከሐልፍ እየ”
    • “ተዝመውት መሓሸኒ” ወይ 
    • “ክውለድ ኣይነበረንን ወይ ተዘይ ውለድ ምሓሸኒ”
  • ንፈተውቶም፡ ቤተሰብ፡ ዓርከመሓዛ ክሰናበቱ፡ ደሓን ኩኑ ክብሉ 
  • ንብረቶም ወይ ኣቑሑቶም ንኻልኦት ሰባት ክዕድሉ 
  • ንመጀመርያ ግዜ መደቀሲኦም ከተዓራርዩ ወይ ከጽርዩ
  • ኣዕነውቲ ጠባያት ወይ ባህርታት – ንኣብነት፡ ብበላሕቲ ነገራት ኣካላቶም ክጠብሑ ወይ ክጎድኡ
  • ካብ ንቡር ወጻኢ ሓሳባት ብዛዕባ ሞት፡ ጎነጽ፡ ጠበንጃ፡ ወይ ካራሩ
  • ቅድሚ ሕጂ ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ወይ ሂወቶም ከሕልፉ ፈቲኖም እንተኔሮም