ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ኮተቴ (Adolescent Mental Health)

ቀንዲ ነጥብታት

  • ዓለምለኻዊ፡ 1 ካብ 7 ኣብ ክሊ ዕድመ 10 -19 ዘለው፡ ብሓፈሻ ናይ ጥዕና ጸገም ኣብዞም ክሊ ዕድመ እዚኦም ዝርአ፡ እቲ 13% ንጥዕና ኣእምሮ ዝምከት እዩ። 
  • ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ፡ ጭንቀትን ናይ ጠባይ ጸገምን፡ እቶም ቀንዲ ጠንቅታትን ማህሰይቲ ወይ ስንክልና ኣብ ኮተቴ ዘውርዱ እዮም።
  • ኣብ ክሊ ዕድመ 15 -19 ዘለው ኮተቴ፡ ካብ ጠንቅታት ሞት፡ ነብሰ ቕትለት ኣብ 4ይ ደረጃ ይስራዕ
  • ኩነታት ስነ-ኣእምሮ እዞም ኮተቴ ከይተኣልየ እንተተሪፉ፡ በጽሕታት ኣብዝኾኑሉ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣታት የስዕብ። 

ሓፈሻዊ ሓበሬታ

ኣብ 2021 ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም 1 ካብ 6 ሰባት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 10 – 19 ይርከቡ። ዕድመ ኮተቴ ፍሉይን ወሳንን ግዜ እዩ። ኣብዚ ዕድመ፡ ኣካላዊ፡ ስሚዒታዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራውን ለውጥታት ይርኣዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንዝተፈላለዩ ሽግራት ምስ ዝቃልዑ፡ ንኣብነት፡ ድኽነት፡ ዓምጽ፡ ጎነጽ፡ ኩናት፡ ማሕበራዊ ለውጥታት (ፍትሕ ናይ ወለዲ፡ ቦታ ምቕያር . . . ወዘተ)፡ ንጸገማት ስነ-ኣእምሮ ብቐሊሉ ክቃልዑ ይኽእሉ እዮም። ካብ ከምዚ ዓይነት ሽግራት ክትከላኸለሎም ወይ ጽልውኡ ከይሳዕረረ ክትኣልዮም፡ ኣብ ጥዕንኦም ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ትኽእል ኢኻ። በዚ መጠን ድማ፡ ካብ ድሒሮም ዝስዕቡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ስሚዒታዊ፡ ማሕበራውን ኣካላውን ጸገማት ጥራሕ ዘይኮንካ ተናግፎም፡ ውሑስ ወለዶ ንምቕያስ ውን ዓቢ ተራ እዩ ዘለዋ። 

ዓለምለኻዊ፡ 1 ካብ 7 ኣብ ክሊ ዕድመ 10 -19 (13%) ዘለው ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት የጓንፎም። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዝበዝሕ ብኣግኡ ከይተለልየን ከይተኣልየን ይተርፍ። 

ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝሽገሩ ኮተቴ፡ ንዝተፈላለዩ ነገራት ቅሉዓት ይኾኑ፡ ንኣብነት፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ ሌላን ጉሌላን ወይ ኣድልዎ፡ ተነጽሎ (ብፍላይ ሓገዝ ንምሕታት)፡ ጸገም ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ሓደጋ ከእትውዎም ዝኽእሉ ጠባያት ምእታው (ንኣብነት፡ መስተ፡ ሓሽሽ ወይ ካልእ ዕጸፋርስ፡ ምብኣስ ወይ ምስ ጭፍራ (Gang) ምጥርናፍ)፡ ጸገም ኣካላዊ ጥዕና፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን። 

ተወሳኺ ሓበሬታ

ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣብ ኮተቴ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰኸ ከምዝመጽእ ዘሎ እዩ ዝግለጽ። 1 ካብ 5 ኣብ ክሊ ዕድመ 12 -18 ዘለው ኮተቴ፡ እንተወሓደ ብሓደ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ከምዝሽገሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። 

  • ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ 2009ን 2017 ዝተግበረ መጽናዕቲ ኣብ ሕ.መ.ኣ፡
  • ብትካዘ ዝሽገሩ ኮተቴ (ዕድመ 16 -17)፡ ብ 69% ከምዝወሰኸ ይሕበር።
  • ምልክታት ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ክሊ ዕድመ 17-25 ዘለዉ ብ 71% ወሲኹ። 
  • 1 ካብ 5 ኣዋልድ ኮተቴ ( ዕድመ 12 -17)፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብትካዘ ከምዝተሸገራ ይሕበር።
  • ኣብ መንጎ 2008ን 2017 ዓመተምህረት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 18-19 ዘለው ኮተቴ፡ ነብሰ ቕትለት ብ 56% ወሲኹ።