ኣጉላዊ ብሂላትን ሓቅታትን ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ኣብ መንእሰያት

ብሂል፡ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ምዝራብ ወይ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ምሕታት፡ ሂወቶም ከሕልፉ መሊሱ ከተባብዖም ይኽእል እዩ።
ብሂል፡ መንእሰያት ወይ ንኣሽቱ ቀጻሊ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ዝዛረቡ፡ ሂወቶም ኣየሕልፉ ኣይፍትኑን ወይ ብነብሰ ቕትለት ኣይመቱን። 
ብሂል፡ ፈተነ ነብሰ ቕትለት ወይ ሞት፡ ሃንደበት ብዘይ መጠንቀቕታ እዩ ዘጋጥም።
ብሂል፡ ሓደ ሰብ፡ ቅድሚ ሕጂ ሂወቱ ከሐልፍ ፈቲኑ ግን እንተዲሒኑ፡ ካልኣይ ግዜ ሂወቱ ከሐልፍ ኣይፍትንን እዩ። 
ብሂል፡ ሓደ ሰብ፡ ሂወቱ ናይ ምሕላፍ ሓሳብ እንተጌሩ፡ ብዝኾነ መገዲ ጠጠው ክተብሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። 
ብሂል፡ ሂወተይ ከሐልፍ እየ ኢሎም ዘፈራርሑ ሰባት፡ ኣቓልቦ ናይ ካልኦት ሰባት ስለ ዝደልዩ ጥራሕ እዪም። 
ብሂል፡ ነብሰ-ቕትለት ተወርስኣዊ (ካብ ወለዲ) እዩ። 
ብሂል፡ ገለ ውሑዳትን ፍሉያትን ሰባት እዮም ሂወቶም ከሕልፉ ዝፍትኑ። ኩሉ ሰብ ኣይኮነን።
ብሂል፡ ነብሰ ቕትለት ቃንዛ የብሉን።
ብሂል፡ ትካዘን ንሂወት የዕናዊ ዝኾነ ጠባያትን ሳሕቲ እዮም ኣብ መንእሰያት ዝረኣዩ። 
ብሂል፡ ኩሎም ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዋም መንእሰያት ትኩዛት እዮም ወይ ብጸገም ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ይሽገሩ እዪም። 
ብሂል፡ ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ ነብሰ-ቕትለት ሓንሳብ ክሓስብ ምስ ጀመረ፡ ኣኺሉዋ ንኹሉ ግዜ እዩ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ዝሓስብ።
ብሂል፡ ሂወቱ ናይ ምሕላፍ ሓሳባት ዘለዋ መንእሰይ፡ ባዕሉ ንሂወቱ ክሕግዝ ኣይክእልን እዩ። 
ብሂል፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ሓገዝ ወይ ፍታሕ፡ ካብ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዋም ኪኢላታት ስነ-ኣእምሮ ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል።
ብሂል፡ መብዝሓትኦም ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዋም መንእሰያት፡ ጸገሞም ንብዳህ ከነጭራሹ ሓገዝ ኣይሓቱን እዮም። 
ብሂል፡ ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዎም መንእሰያት፡ ኩሎም ጸገም ስነ-ኣእምሮ ዘሎዎም ወይ ብዓይኒ ሕጊ ‘ጹሉላት (Insane)’ እዮም።
ብሂል፡ መብዝሓትኦም ነብሰ ቕትለታት፡ ኩነታት ኣየር ናብ ቁሪ (winter) ምስ ተቐየረ እዮም ዘጋጥሙ። 
ብሂል፡ ነፍሲ ወከፍ ከጋጥም ዝኽእል ሞት ክውገድ ይከኣል እዩ።