ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ሓደ ካብ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ኾይኑ፡ ብሰንኪ ኣፍራሒ ወይ ኣሰቃቒ ኩነት ዝፍጠር ጭንቀት እዩ። እዚ ኩነት ኣብ ነብስኻ ወይ ኣብ ካልኦት ዝወረደ (ብዓይንኻ ዝመስከርካዮ ወይ ዝሰማዕካዮ) ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ካብ ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ንምጥቃስ፡ ለይቲ ምብህራር፡ ከቢድ ጭንቀት፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ኩነት ማሕታዊ ተዘክሮ ወይ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ኩነት ካብ መጠን ንላዕሊ ምሕሳብ ምስቁርቋር. . . ወዘተ። 

ዝበዝሕ ሰብ ከምዚ ዓይነት ኣጨናቒ ኩነት ዘጋጥሞ፡ ግዝያዊ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ይኽእል እዩ። ምስ ግዜን ጽቡቕ ክንክንን ግን፡ እቲ ጭንቀት እንዳጎደለ ወይ እንዳጠፍአ እዩ ዝኸይድ። እቲ ጭንቀት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳገደደ እንተኸይዱን ካብ 1 ወርሒ ንላዕሊ ወይ ንዓመታት እንተጸኒሑ ግን፡ ጸገም ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Posttraumatic Stress Disorder; PTSD) ኣማዕቢልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። 

ከምዚ ዓይነት ኣጨናቒ ኩነት ምስ ኣጋጠመካ፡ ብኣግኡ ሕክምና ምግባር፡ ነቶም ምልክታት ክተወግዶምን ሂወትካ ክተመሓይሽን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። 

ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ እንታይ እዩ?

ብሰንኪ ዘጋጠመካ/ኪ ኣጨናቒ ኩነታት ወይ ኣጋጣሚ፡ ከቢድ ዊሽጣዊ ጸቕጢ ወይ ነዊጺ፡ ዕግርግር፡ ረብሻ ንነዊሕ እዋን ክስመዓካ ከሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ወይ ማህሰይቲ እዩ። ንኣብነት፡

  • ሓደ ስደተኛ ኣባላት ስድራቤቱ ወይ ብምልኦም ስድራቤቱ ገዲፉ ክስደድ ከሎ።
  • ሓደ መንእሰይ ከቢድ ናይ መኪና ሓደጋ ከጓንፎ ከሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ክፈጥሪ ይኽእል።
  • ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ወይ ሓደ ወተሃደር፡ ኣብ ኲናት ኣሰቀቕቲ ነገራት ወይ ሰብ ክቕተል ምስ ዝርኢ፡ ስንባደ ክፈጥሮሉ ይኽእል።
  • ሓደ ስደተኛ ኣብ ሃገሩ ብዝለዓለ ደረጃ ተማሂሩ፡ ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮ፡ ኣብ’ቲ ዘተሰደደሉ ሃገር፡ ትምህርቱን፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክርኡን፡ ዘይቅቡል ኮይኑ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ክሰርሕ ከሎ፡ ጭንቀትን ሰነ-ኣእምሮኣዊን ስንባደን ክፈጥረሉ ይኽእል። 

ጠንቅታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ እንታይ የጠቓልል?

ስሉስ ስንባደ (TRIPLE TRAUMA) እንታይ እዩ?

ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ እንታይ ይመስሉ?

ሳዕቤናት ስነ-ኣእሞሮኣዊ ስንባደ

ንስፍሕ ዝበለ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪደዪ ንከታተል።