እቲ ልሙድ ሕክምና ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት፡ መድሃኒት፡ ባህርያዊ ለውን፡ ስነ-ልቦናዊ ምኽርን ትምህርትን ዘጠቓለለ እዩ። እዞም ዓይነታት ሕክምና፡ ንብዙሓት ምልክታት ንብዳህ ክሕግዙ ዝኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን፡ ካብቲ ጸገም ዘናግፉ ኣይኮኑን። ኣየናይ ዓይነት ሕክምና ምስቲ ቆልዓ ይሰማማዕ፡ ምስ ሓኪም ምዝርራብ የድሊ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ገለ ገል እዋን፡ እቲ ዝሰማምዖ ንምፍላጥ ግዜ ክወስድ ይኽእል ወይ ውን በብሓደ ምፍታን ከድሊ ይኽእል እዩ። 

ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት (Stimulant Medications)

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት (ንኣእምሮና ዘነቓቕሑ) ንጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ንምእላይ ዝእዘዙ ልሙዳት መድሃኒታት እዮም። እዞም መድሃኒታት ንቀመማት ሓንጎልና ሃይልን ምርርጋእን ብምፍጣር ንመትናዊ ዋህዮታት (Neurotransmitters) ዝሕግዙ እዮም። እዞም መድሃኒታት ነቲ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ምስትውዓልን ልዑል ንጡፍነት ወይ ዋዕን ንክመሓየሽ ይህግዙ። ሓደ ሓደ እዋን፡ እቲ ለውጢ ኣብ ሓጺር እዋን ክርአ ይኽእል እዩ። 

ንኣብነት፡

ኣምፈተማይንስ (Amphetamines)፡ እዞም ኣምፈተማይንስ ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት እዮም። ገለ ካብኦም ንምጥቃስ፡ ደክሰድሪን (Dexedrine), ኣደሮል ኤክስ ኣር ወይ ሚዳይስ (Adderall XR, Mydayis) ወይ ቫይቫንስ (Vyvanse) የጠቓልሉ።

ሚታይልፍኒደይትስ (Methylphenidates)፡ እዞም ኣምፈተማይንስ ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት እዮም። ገለ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኮንቸርታ(Concerta) ሪታሊን (Ritalin)  ወይ ፎካሊን (Focalin) የጠቓልል።

እዞም ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሰርሑን (short-acting) ኣብ ነውሕ እዋን ንኽሰርሑን (long-acting) ተኸፋፊሎም ይዳለዉ። በዚ መጠን ድማ፡ እቲ ልክዕ ዓቐን ናይቲ መድሃኒት (dose)፡ ካብ ቆልዓ ናብ ቆልዓ ይፈላለ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እታ ልክዕ ዓቐን ንምርካብ፡ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ብትወሳኺ፡ እቲ ቆልዓ፡ ካብቲ መድሃኒት ዝተበገሰ ኣሉታዊ ጎድንታት እንድሕር ኣርእዩ፡ ምስ ሓኪም ብምዝርራብ፡ እቲ ዓቐን ናይቲ መድሃኒት ክስተኻኸል እለዋ። ቅድሚ እቲ መድሃኒት ንውላድካ ምሃብካ ወይ ንባዕልኻ ቅድሚ ምውሳድካ፡ ምስ ሓኪም፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ ጥቕሙን ኣሉታዊ ጎድንታቱን ተዘራርብ። ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣቐዲምካ ንሓኪምካ እንታይ ክትሓቶ/ታ ከምትደሊ ኣዳሊኻ ወይ ሓሲብካ ኺድ።

ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታትን ጎድናዊ ሳዕቤናቶምን

ገለ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዋ፡ ንጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት እንጥቀመሎም ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት፡ ሓደገኛነት ጸገማት ልብን ካልእ ጸገማት ኣእምሮን ክውስኽ ይኽእል እዩ። 

  • ጸገም ልቢ፡ እዞም ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት፡ ጸቕጢ ደም ወይ ህርመት ልቢ ክውስኹ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን፡ በዚ ዝሰዓበ ወይ ክስዕብ ዝኽእል ከቢድ ጸገም ወይ ሞት ግን ኣይተረጋገጸን። ወላድካ ቅድሚ እዚ መድሃኒት ምጅማሩ፡ ሓኪም፡ ጸገማት ልቢ ወይ ጸቕጢ ደም ንኸይህሉ መርመራ ከካይድ ኣለዋ። እዚ መርመራ፡ ኣብቲ ቆልዓ ክህሉ ዝኽእል ጸገም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ወለዲ ክውረስ ዝኽእል ጸገማት ልቢ ወይ ጸቕጢ ደም ከይህሉ ውን፡ ታሪኽ ጥዕና እታ ስድራቤት ክሓትት ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቆልዓ እዚ መድሃኒት ክወስድ ምስ ጀመረ፡ ጥቡቕ ምክትታል ክግበሩ ኣለዋ።
  • ጸገማት ስነ-ኣእምሮ፡ እዞም ኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት፡ ሳሕቲ ጠባይ ኣብ ምርቃቕ ወይ ከበድቲ ጸገማት ኣእምሮ (Psychotic or manic symptoms) ከርእዩ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት እንተተዓዚብካ፡ ብህጹጽ ንሓኪም ሓብር። 

ተወሰኽቲ ሓገዝቲ ክኾኑ ዝኽእሉ መድሃኒታት

ካልኡት መድሃኒታት ኣብ ምቅላል ጸገማት ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ጽቡቕ ውጽኢት ዘርኣዩ፡ 

  • ስትራተራ (Strattera)
  • ጸረ ትካዘ መድሃኒኣታት። ንኣብነት ዝተፈላለዩ መድሃኒታት ቡፕረፕዮን (bupropion)። ገለ ንምጥቃስ፡ ወልበትሪን (Wellbutrin SR or XL)።
  • ኢንቱኒቭ (Intuniv)
  • ክሎኒዲን (Clonidine)

ሓደገኛነት ነብሰ ቕትለት

ዋላኳ ብመጽናዕትታት ዝተረጋገጸ ተዘይ ኮነ፡ ንዘይኣነቓቓሕቲ መድሃኒታት ወይ ጸረ-ትካዘ መድሃኒታትን ዝወስዱ ቆልዑን ኮተቴን ገለ ወሰኽ ኣብ ሓሳባት ነብሰቕትለት የርእዩ እዮም። ሓሳባት ነብሰቕትለት ወይ ምልክታት ትካዘን ተመሳሰልቲ ጸገማትን እንተኣስተባሂልኩም፡ ብቕልጡፍ ንሓኪም ናይ ውላድኩም ተወከሱ። 

ብጥንቃቐ መድሃኒታት ምሃብ

ብሓኪም ዝተኣዘዘ ቅኑዕ ዓቐን መድሃኒት ውላድካ ከምዝወስድ ክተገብር ይግባእ። ብዛዕባ ኣሉታዊ ጎድንታት ናይዞም መድሃኒታት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ብዙሓት ስድራቤታት ደቆም ወልፉ ከየጥርዩ ይስከፉ’ኳ እንተኾኑ፡ ብሓኪም ዝኣዘዞ ዓቐን ምውሳድ፡ ውሑስ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። ውላድኩም ብቐጻሊ ምስ ሓኪም ብምርኻብ፡ ቅኑዕ ዓቐን ይወስድ ኣሎን የለን ንምርግጋጽ ወይ ምትዕርራይ ንምግባር ጻዕርታት ክካየድ ኣለዋ። 

እንተኾነ ግን፡ ገለ ገለ እዋን ቆልዑን ኮተቴን ነዚ መድሃኒት ብዘይግቡእ ክጥቀምሉ ይረኣዩ እዮም። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ሓደጋ ክኣትው ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ መድሃኒት ኩሉ ግዜ ኣብ ውሑስ ቦታ ብምቕማጥን፡ እቲ ቆልዓ እቲ ዝግብኦ ዓቐን ይወስድ ከምዘሎ ምርግጋጽን ኣገዳሲ እዩ። 

  • ብጥንቃቐ መድሃኒት ምሃብ፡ ቆልዑን ኮተቴን ባዕሎም መድሃኒት ክወስዱ ሓላፍነት ክወሃቦም የብሉን። ብኣልያ ወይ ቁጽጽር ናይ ወለዲ ጥራሕ ክወሃብ ኣለዋ። 
  • ኣብ ገዛ፡ እቲ መድሃኒት ቆልዓ ኣብ ክረኽቦ ዘይክእል ዕጹው መቐመጢ ክቕመጥ ኣለዋ። ካብ ዓቐን ንላዕሊ መድሃኒት ብሓንሳብ ምውሳድ ናብ ሓደጋ ከአቱን ማዕረ ሞት ከብጽሕ  ስለ ዝኽእል፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሑስ ቦታ ክቕመጥ ኣለዋ። 
  • ቆልዓ፡ መድሃኒት ሒዚ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ የብሉን። ውላድኩም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ወይ ኣብ እዋን ትምህርቲ ዝወስዶ መድሃኒት እንተኣለዋ፡ ባዕሉ ነቲ መድሃኒት ክወስዶ ኣይግባእን። ወለዲ ወይ ኣለይቲ ናይቲ ቆልዓ፡ ብኣካል ናብ ነርስ ወይ ሓኪም ናይቲ ውላድኩም ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ክወሃብ ኣለዋ።

ኣብ ገዛን ቅዲ ሂወት ክግበሩ ዝኽእሉ ነገራትን

ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዝተሓላለኸን ፍሉይን ጸገም ከም ሙዃኑ መጠን፡ ንኹሉ ቆልዓ ዝኸውን ፍታሕ ክፍጠር ከቢድ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እዞም ዝስዕቡ ምኽርታት ንከባቢ ናይቲ ቆልዓ ንምምሕያሽን ዕውት ዝኾነ ሂወት ንኽህልዋ ክሕግዙና ይኽእሉ እዮም። 

ኣብ ገዛ

  • ንውላድካ ብዙሕ ፍቕርን ሓልዮትን ለጊሰሉ። ቆልዑ ክዓብዩ ከለው፡ ብኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊን ስሚዒታውን ተነቀፍቲ ስለ ዝኾኑ፡ ብዙሕ ክንክንን እዮም ዝደልዩ። ስለዚ፡ ብዙሕ ፍቕርን ሞሳን የድልዮም እዩ። ጌጋ ኣብ ዝፍጽምሉ ወይ ጽቡቕ ስራሕ ኣብዘይሰርሕሉ እዋን፡ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኻት ናይ ጠባዮም ኣተኩርካ ጥራሕ ምንቃፍ ንነብሰ ተኣማማነቶም ሃሳይ ክኸውን ይኽእል እዩ።  ፍቕሪ ብቃላት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ውን፡ ንኣብነት፡ ፍሽኽታ ብምልጋስ፡ ኣገናዕ ኢልካ መንኩብ ምጥፍጣፍ ወይ ፍቕሪ ዘለዋ ሕቑፊ ክግለጽ ይከኣል። ብተገዳስነት፡ ንውላድካ ብቐጻሊ ክተመጉሶን ክተተባብዖን ትኽእለሉ መገዲ ፍጠር። 
  • ልዑል ንያት ንኽህልዋ ጸዓር (improve self-esteem)። መብዝሓትኦም ብጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዝሽገሩ ቆልዑ፡ ኣብ ናይ ስእሊ ወይ ኣርት ስረሓት፡ ሙዚቃ፡ ሳዕሲዒት ወይ ጂዶ/ካራተ ጽቡቕ እዮም ዝስግሙ። በቲ ናቶም ድሌትን ክእለትን ተምርኩስካ፡ ንዐኦም ክሰማማዕ ዝኽእል ንጥፈታት ኣሳትፎም። ብዓቕሞም ዝኾነ፡ በብንእሽተይ ጽቡቕ ዓወታት ከመዝግቡ እንተ ኺኢሎም፡ እዚ ነቲ ናቶም ነብሰ ተኣማማነትን ንያትን ክብ ከብሎ ይኽእል እዩ። 
  • ሓበሬታት ወይ ትእዛዝ ኣብ እትህበሉ፡ ቅልል ዝበሉ ቃላት ብምጥቃም ክትገልጸሎምን ክተርእዮምን ፈትን። ብትሑት ድምጺ ቀስ ኢልካ፡ ዝጭበጥ ንጹር ቃላት ተጠቐም። እቲ ሓበሬታ ወይ ክገብርዋ ዘለዋም ነገራት፡ በብሓደ ሓብሮም። ብሓንሳብ ምዱርጓሕ ጭንቀትን ምርባሽን ክፈጥረሎም ስለ ዝኽእል ብዘይ ምህዋኽ ሓብሮም። ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ብዘይ ምፍራሕ ዓይኒ ዓይኖም እንዳ ጠመትካ በብሓደ ንገሮም። ብተወሳኺ፡ ይርድኡኻ ኣለውን የለውን፡ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ እንዳወሰድካ ተወከሶምን ንኽሓቱኻ ኣተባብዓዮምን። 
  • ዘሸግርዋም ኩነታት ኣስተብህልን ኣለልልን። ነቲ ቆልዓ ክኸብዶ ዝኽእል ነገራት፡ ንኣብነት፡ ንነውሕ ሰዓታት ኮፍ ምባል፡ ናብ ዱንኳን ወይ ዕዳጋ ምኻድ፡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝኽእል ስራሕ ትምህርቲ ወይ ዕዮ ገዛ ኣስተብህልን ኣወግድን። እዞም ከምዚኦም ንጥፈታት፡ ነቲ ቆልዓ ልዕሊ ዓቐን ክርብሽዋን ከጨንቕዋን ስለ ዝኽእሉ እንተተወገዱ ይሓይሽ። 
  • ኣብ ትቀጽዓሉ እዋን፡ እኹል መግለጺ ዘለዋን ቁኑዕን መቕጻዕቲ ተጠቐም። ብዝተኻእለ መጠን፡ ፍትሓዊ ግን ተሪርን ሓልዮት ዘለዋ ኣቀጻጽዓ ክትጥቀም ፈትን። እዚ ንእሩምን ጽቡቑን ጠባይ ንምምዕባልን፡ ኣሉታዊ ጠባይ ንምዝሕታልን ክሕግዝ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቆልዓ ኣብ ዝብድለሉ እዋን፡ ሕጽር ዝበሉ ናይ ግዜ ዕረፍቲ (Timeouts) ክትጥቀም ፈትን። ንኣብነት፡ ቆልዓ ኣብ ዝርብሸሉ እዋን፡ መጻወቲኡ የሕዲኻ ናይ ግዜ ዕረፍቲ እንተሂብካዮ፡ እቲ ክፍለ ግዜ ሕጽር ኢሉ፡ ግን ከኣ ነቲ ቆልዓ ናብ ህድኣት ክመልስ ዝኽእል እኹል ግዜ ክኸውን እለዋ። እዚ መገዲ፡ ነቶም ዘየድልዩ ሕማቕ ጠባያት ንምዝራግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታውን እዩ። ብተወሳኺ፡ ቆልዑ ናይቲ ዘርኣይዋ ጠባይ ሓላፍነት ክወስድን፡ በንጻሩ ድማ ሳዕቤናቱ ተቐቢሎም ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዘሎ ክርድኡን ይሕግዝ። 
  • ዉሁድ መደብ ንምፍጣር ስራሕ። ንውላድካ ስሩዕ ዝኾነ መደብ (ንኣብነት፡ ዕዮ ኽፍሊ/ገዝ፡ ቻርትታ ምድላው፡ ንጥፈታት ትምህርቲ ምስልሳል . . . ወዘተ) ንኸውጽእን ብግቡእ መዓልታዊ ክከታቶሎን ሓግዞ። ብተወሳኺ፡ ብጽምዋ፡ ረበሻ ወይ ጫውጫውታ ናይ ስድራቤት ይኹን ተለቪዥን ዘይብሉ ናይ መጽንዒ ቦታ ፍለየሉ። ዝኾነ ንዋት ትምህርቲ፡ መጽሓፍቲ፡ ክዳውንትን ካልእን ብስርዓትን ብጽፈትን ክቕመጡ ሓጉዞ። ብዘተኻእለ መጠን፡ እቲ ዝድቅስሉ ክፍሊ ወይ ጉዳይ ትምህርቲ ዘሰላስልሉ ከባቢ፡ ብጽፈትን ብመደብን ንኽሕዝዋ ሓግዞም። 
    • ልሙድ ሰዓታት መግቢ፡ ዕረፍትን ድቃስን ፍጠር። ብጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዝሽገሩ ቆልዑ፡ ለውጥታት ናይ ድቃስ ሰዓትት ይኹን ጸወታ ንኽወሃሃዱ ይሽገሩ እዮም። ብዓቢ ጽሑፍ፡ ንኣብነት፡ ኣብ መንደቕ ዝስቀል ዓውደ ኣዋርሕ ብምጥቃም፡ ክገብርዋ ዘለዋም ንጥፈታትን ስራሕ ገዛን ሓበሬታ ሃቦም። ብዝተኻእለ መጠን፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመደበ ለውጢ እንተሃልዩ፡ እንተኾነ፡ ለውጢ ምግባር ኣወግድ፡ ተዘይ ኮነ ግን እንተወሓደ፡ ኣቐዲምካ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ሓብሮም። 
    • ማሕበራዊ ዝምድናታት ንኽእልዋም ኣተባብዓዮም። ማሕበራዊ ዝምድናታቶምን ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎም ርክባት ንምምሕያሽ፡ ባዕልኻ ከም ሞዴል ኣርእዮም። ክእለት ኣዘራርባ፡ ስሚዒታቶም ክቆጻጸሩ ትምህርቲ ሃቦም። ምስ ዓርከ -መሓዛ ግሩም ዝኾነ ርክባት ኣብዝፈጥሩሉ፡ ኣመጉሶም። 
    • ጥዕና ዘለዎ ቅዲ ሂወት ከማዕብሉ ሓግዞም። ብግቡእ ከዕርፉ ከምዘለዋም ግበር። ብዘይ መጠን ድኻም ነቶም ምልክታት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት የጋድድዋም እዮም። ስለዚ ልዕሊ ዓቐን ከይደኽሙ፡ ንኣብነት፡ ተለቪዢን ክርእዩ ወይ ክዕልሉ ምምሳይ፡ ጸወታ ምብዛሕ፡ ሓግዞም። ብተወሳኺ፡ ዝተመጣጠነ ንዕቤት ኣካላቶምን ሓንጎሎምን ክሕግዝ ዝኽእል መግቢ ክምገቡ ኣለዋም። ምንቅስቓስ ኣካላት ውን ዝተፈላለይ ጥቕምታት ስለ ዘለዋ፡ ስሩዕ ዝኾነ ምንቅስቓስ ክገብሩ ሓግዞም።

ኣብ ትምህርቲ

ብዛዕባ ጸገማት ኣተኩሮን ልዑል ንጡፍነትን፡ ብዝተኻእለካ እኹል ዝኾነ ፍልጠ ክተኻዕብት ፈትን። ካባኻ ንላዕሊ ንውላድካ ክጣበቐሉን ሓገዛት ሃሰው ክበለሉ ዝኽእልን ሰብ የለን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንውላድካ ንምሕጋዝን ዕውት ንምግባርን ኣብ ከባቢኻ እንታይ ዕድላት ኣለሊ። 

  1. ኣብ ቤት ትምህርቱ ዘለው ፕሮግራማት ሕተት። ንኣብነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቤት ትምህርታት፡ ንጸገም (ስንክልና ኣካላት ይኹን ጸገም ኣእምሮ) ዘለዋ ቆልዓ ንምሕጋዝ፡ ብሕጊ ናይ ሓገዝ ፕሮግራማት ክህልወን ይግደዳ እየን። ስለዚ፡ ንውላድካ ክሕግዝዋ ዝኽእሉ እንታይ ዓይነት መድባት ከምዘለው ኣብ ቤት ትምህርቱ ብምኻድ ሕተት። ብተወሳኺ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ ኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዋም ቆልዑ ንተወሳኺ ሓገዛት ክበቕዑ ይኹእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሕ.መ.ኣ ብመንግስታዊ ሕጊ ብዝወጸ መሰረት፡ ዓንቀጽ 504 (1973)፡ ከም ስንክልና ክቑጸር ዝኽእል ስንክልና እንተለዋም፡ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበሮሎም የገድድ። እዚ ተወሳኺ ሓገዝ፡ ካሪክለም ናይ ቤትምህርቶም ንዐኦም ብዝሰማማዕ ክስተካኸል፡ ኣቀማምጣ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ምትዕርራይ ምግባር፡ ዝተፈላለዩ ንዐኦም ዝሰማማዕ ቅዲ ኣመሃህራ ተክኒካት ምድላው፡ ኣጸናንዓ ክእለት ምምሃር፡ ኣጠቓቕማ ወይ ምጥቃም ኮምፒተርን ዝሓሸ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ወለድን መምህራንን ይሓትት። ስለዚ፡ ነቲ ኣብቲ ትነብረሉ ዓዲ ዘሎ ሕግን ሓገዛትን ብምምልላይ ንውላድካ ሓገዝ ኣበርክተሉ። 
  2. ንመምህራን ውላድካ ኣዘራርቦም። ምስ መምህራን ውላድካ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ክህልወካ ፈትን። ብዝተኻእለ መጠን ብቐጻሊ ምስቶም መምህራን ብምዝርራብ፡ ንውላድካ ኣብ ክላስ ወይ ቤት ትምህርቲ ንኽሕግዝዋ ሓግዞም። እቶም መምሃራን ብጥንቃቐ ንጥፈታት ውላድካ ኣብ ካልስን ቤት ትምህርትን ክከታተሉ፡ ኣወንታዊን ኣተባባዕን ነቐፌታት ክህቡ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዓቕልን ተዓጻጻፍነትን ክሕግዝዎ ተላዘብ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ውላድካ ዝህብዋ ዕዮ ክፍሊ ይኹን ዕዮ ግዛ፡ ንጹርን ዘይተሓላለኸ መምርሒታት ዘለዋ ኽኸውንን ሕተቶም።