ምምዝባል ጸገም ቀልቀልን ሽንትን ኣብ ቆልዑ ወይ ኮተቴ ዝርአ ኮይኑ፡ ምስ ዕድመ ዘይከይድ ካብ ንቡር ወጻኢ ኣተኣላልያ ሽንቲ ወይ ቀልቀል የመልክት። እዞም ጸገማት ክልተ ዓይነት ዘጠቓለሉ ኮይኖም፡ ኢንዩርሲስን ኢንኮፕርሲስን ይበሃሉ። ኢንዩርሲስ፡ ብተደጋጋሚ ብዘይንቡርን ዘይልሙድን ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሽንቲ ምኽዓው ኮይኑ፡ ኢንኮፕርሲስ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዘይግቡ ቦታታት ቀልቀል ምግዳፍን ምጽያቕን እዩ። እዞም ጸገማት ብኽልተ ንኡስ መገድታት ድማ ክከፋፈሉ ይኽእሉ፡ ማለት ኒንዩርሲስ፡ ኣብ ለይትን ቀትርን ዘጋጥሙ ብዘይ ኣገባብ ሽንቲ ምድፋእ ክኾኑ ከለው፡ ንኢንኮፕርሲስ ድማ፡ ድርቀት ምህላውን ዘይምህላውንን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዘግዒ ቀልቀልን ተባሂሎም ይፈላለዩ። መርመራ ኣብ ዝካየደሉ፡ ዕድመ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን፡ ናይ ትውልዲ ዕድመ ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ዕድመ እዩ ዝርአ። እዞም ጸገማት፡ ብፍላጥ ዘጋጥሙ ወይ ብዘይፍቓድ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ናይቲ ሰብ ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ እዞም ጸገማት፡ ዝበዝሕ እዋን በበይኖም ዘጋጥሙ እኳ እንተኾነ፡ ሳሕቲ ብሓንሳብ ክርኣዩ ይኽእሉ እዮም። 

ምልክታት ጸገም ኢንዩርሲስ (Enuresis) ወይ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ እንታይ ይመስሉ?

ዝርግሐ ጸገም ኢንዩርሲስ (Enuresis) ወይ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ

ምዕባለን ኣንፈትን ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ

ረቛሒታት ሓደጋን ቅድመ ገምጋማውን ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ

ምስ ጾታ ዝዛመድ ጕዳያት መርመራ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ

ተመሳሰልቲ ሕማማት (Comorbidity) ምስ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ ክረኣዩ ዝኽእሉ

ምልክታት ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል (Encopresis) እንታይ ይመስሉ?

ዝርግሐ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ከመይ ይመስል?

መስርሕን ኣመዓባብላን/ ምዕባለን ኣንፈትን ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል

ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል

ተደረብቲ ሕማማት (Comorbidity) ምስ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ክረኣዩ ዝኽእሉ