እዚ ስልጠና ብእኩም ኣብ ዝተፈላለይ ዕድመ ዘለው ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ኣፍልጦ ንምውሳኽ፡ ኣተኣላልያ ክእለታት ንምኽዕባትን፡ ብሓፈሻ ሂወትናን ሂወት መቕርብናን ንምምሕያሽ ዝሕግዘና ስልጠና እዩ።
እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ዝተፈላለዩ ስልጠናታት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ግዜን ንማሕበረኮም ኤርትራውያንን ኢትዮፕያውንን ዝተፈላለዩ ስደተኛትትን ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዋምን ስልጠናታት ዝተዋህቡ እዮም።
እዞም ስልጠናታት፡ ብዕድመን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣርእስትን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎም፡ እዚ ስልጠና፡ የገድሰና እዩ ትብሉ እንተኾንኩም፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሕትት ብምምላእ፡ ሓበሬታ ክትውከሱ ትኽእሉ። እዚ ብእኩብ ዝወሃብ ስልጠና፡ እንተወሓደ 10 ሰብ ተሳተፍቲ ክህልውዋ ኣለዋ። ትሕቲ 10 ሰብ ምስዝኸውን፡ ኣቐዲምኩም፡ ምስ ኣካየድቲ እቲ ስልጠና ክትዘራረቡ ወይ ክትውከሱ ነተባብዕ።
እዞም ስልጠናታት መብዝሓትኦም ብቋንቋ ትግርኛን ኢንግሊዘኛን ዝወሃቡ ኾይኖም፡ ግለ ካብቶም ትምህርታት ግን፡ ብትግርኛ ጥራይ ወይ ኢንግሊዘኛ ጥራይ ዝወሃቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ -19፡ መብዝሓትኦም እቶም ስልጠናታት፡ ንግዚኡ፡ ብቪድዮ ደወል (zoom) ጥራሕ ከምዝወሃቡ ክንሕብር ንፈቱ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ንወከስ።
(General Mental Health Trends for Migrants & the Diaspora)
ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀዳማይ ረዲኤት – ንመንእሰያት (Mental Health First Aid – Youth)**
ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀዳማይ ረዲኤት – ንወለድን ኣለይትን ብዛዕባ መንእሰያት (Mental Health First Aid – About Youth)**
ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀዳማይ ረዲኤት – ዓበይቲ (Mental Health First Aid – Adults)**
ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ኣተኣላልዩን – መባእታዊ ትምህርቲ (Trauma 101 and Trauma informed care)**
ነብሰቅትለት ሓሳባትን ኣተኣላልእዪምን – ንኮተቴን መንእሰያትን (Suicide Prevention and Intervention Training – Youth)**
ነብሰቅትለት ሓሳባትን ኣተኣላልእዪምን – ንዓበይቲ (Suicide Prevention and Training – Adults)**
(Attentive Listening and how to Help a Friend in Distress)**
Mindfulness- based Stress Reduction and other coping skills training*
(Intergenerational Conversations: Youth & Young Adults (ages14-35))**
(Intergenerational Conversations: Adults & Caregivers)**