እዚ ስልጠና ብእኩም ኣብ ዝተፈላለይ ዕድመ ዘለው ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ኣፍልጦ ንምውሳኽ፡ ኣተኣላልያ ክእለታት ንምኽዕባትን፡ ብሓፈሻ ሂወትናን ሂወት መቕርብናን ንምምሕያሽ ዝሕግዘና ስልጠና እዩ። 

እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ዝተፈላለዩ ስልጠናታት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ግዜን ንማሕበረኮም ኤርትራውያንን ኢትዮፕያውንን ዝተፈላለዩ ስደተኛትትን ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዋምን ስልጠናታት ዝተዋህቡ እዮም። 

እዞም ስልጠናታት፡ ብዕድመን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣርእስትን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎም፡ እዚ ስልጠና፡ የገድሰና እዩ ትብሉ እንተኾንኩም፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሕትት ብምምላእ፡ ሓበሬታ ክትውከሱ ትኽእሉ። እዚ ብእኩብ ዝወሃብ ስልጠና፡ እንተወሓደ 10 ሰብ ተሳተፍቲ ክህልውዋ ኣለዋ። ትሕቲ 10 ሰብ ምስዝኸውን፡ ኣቐዲምኩም፡ ምስ ኣካየድቲ እቲ ስልጠና ክትዘራረቡ ወይ ክትውከሱ ነተባብዕ። 

እዞም ስልጠናታት መብዝሓትኦም ብቋንቋ ትግርኛን ኢንግሊዘኛን ዝወሃቡ ኾይኖም፡ ግለ ካብቶም ትምህርታት ግን፡ ብትግርኛ ጥራይ ወይ ኢንግሊዘኛ ጥራይ ዝወሃቡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ -19፡ መብዝሓትኦም እቶም ስልጠናታት፡ ንግዚኡ፡ ብቪድዮ ደወል (zoom) ጥራሕ ከምዝወሃቡ ክንሕብር ንፈቱ። 

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ንወከስ። 

(General Mental Health Trends for Migrants & the Diaspora)

ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀዳማይ ረዲኤትንመንእሰያት (Mental Health First Aid – Youth)**

ኣድማዕነት ቀዳማይ ረዲኤት ስርዓተ ትምህርቲ

ኣብ ሃገር ኣእውስትራልያ ብዛዕባ ቀዳማይ ረዲኤት ብጥንቃቐ ዝተኻየዱ ኣርባዕተ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዋ፡ እዚ ስርዓተ ትምህርቲ፡

  • ፍልጠት ብዛዕባ ጥዕና ስነ-ኣእምሮ ይውስኽ
  • ንኣብ ቅሉውላው ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ኣፍልጦ ይውስኽ
  • ሓግዝ ዘድልዮም ሰባት፡ ሕክምና ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣግልግሎት የራኽቦም
  • ተነጽሎ የጉድል

ዕላማ ቀዳማይ ረዲኤት

  • ንኣባላት ሕብረተሰብ ብኸመይ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ክኣልዩን፡ ኣብ ህጹጽ ወይ ቁሉውላው እዋን፡ ብፍላይ ንኮተቴን መንእሰያትን ክኣልዩ ይሕግዝ
  • ኣብ ጭንቀትን ስሚዒታዊ ጎነጽን ዝተሸመመ ሰብ ሓግዝ ንምሃብ የገልግል

መወከሲ መህትት (Request Form)

ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀዳማይ ረዲኤት – ንወለድን ኣለይትን ብዛዕባ መንእሰያት (Mental Health First Aid – About Youth)**

ስነ-ኣእምሮኣዊ ቀዳማይ ረዲኤትዓበይቲ (Mental Health First Aid – Adults)**

ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ኣተኣላልዩን – መባእታዊ ትምህርቲ (Trauma 101 and Trauma informed care)**

ነብሰቅትለት ሓሳባትን ኣተኣላልእዪምንንኮተቴን መንእሰያትን (Suicide Prevention and Intervention Training – Youth)**

ነብሰቅትለት ሓሳባትን ኣተኣላልእዪምንንዓበይቲ (Suicide Prevention and Training – Adults)**

(Attentive Listening and how to Help a Friend in Distress)**

Mindfulness- based Stress Reduction and other coping skills training*

(Intergenerational Conversations: Youth & Young Adults (ages14-35))**

(Intergenerational Conversations: Adults & Caregivers)**

መወከሲ መህትት (Request Form)