ስኪዞፍረንያ ሓደ ካብቶም ከበድቲ ጸገም ስነ-ኣእምሮ እዩ። በዚ ጸገም ዝሽገሩ ሰባት፡ ኩውንነት ብቁኑዕ ንምርኣይ ይሽገሩ። ጸገም ስኪዞፍረንያ ዘለዋም ሰባት መዓልታዊ ሂወቶም ብህልወሳ ወይ ሃተፍተፍ (Hallucination)፡ ህውረራ ወይ ዓጀውጀውን (Delusions) ካብ ክውንነት ዝረሓቐን ዘይተወደንን ኣተሓሳስባን ጠባያትን ዝተጸልወ እዩ። 

ጸገም ስኪዞፍረንያ ዘለዋም ሰባት፡ ንምሉእ ሂወቶም ዝቕጽል ሕክምናን መድሃኒትን የድልዮም እዩ። ልክዕ ከም ካልእ ከበድቲ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ንኣብነት ሕማም ሽኮርያ ዘለዋ ሰብ፡ ንምሉእ ሂወቱ፡ መዓልታዊ መድሃኒት (ኢንሱሊን) ብኸኒና ይኹን መርፍእ እንዳወሰደ እዩ ዝናበር። ብእኡ መጠን ድማ፡ ጸገም ስኪዞፍረንያ ዘለዋ ሰብ፡ ብዘይ ምቁራጽ ምስ ሓኪም ምልዛብን መድሃኒትካ ተኸታቲልካ ምውሳድን ኣገዳሲ ይገብሮ። 

መርመራውያን ረቛሒታት

ሀ. ክልተ (ወይ ዝያዳ) ካብዞም ዝስዕቡ፡ ነፍሲ ወከፎም ንኣገዳሲ ግዜ ኣብ እዋን 1 ወርሒ እዋን (ወይ ትሕቲኡ ብዓወት እንተ ተፈዊሱ) ይህልዉ። ብውሕዱ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ (1)፡ (2) ወይ (3) ክህልዉ ይግባእ፥ 

  • ዓጆውጆዋት (Delusions)
  • ሃተፍተፋት (Hallucinations)
  • ዘይተወደነ ዘረባ (ኣብነት – ተደጋጋሚ ምህውታት ወይ ዘይቅድወት)Disorganized speech (e.g., frequent derailment or incoherence).
  • ምሒር ዘይተወደነ ወይ ካታቶኒካዊ ባህሪ (Grossly disorganized or catatonic behavior)
  • ኣሉታውያን ምልክታት (እዚ ማለት – ምንካይ መግለጺታት ስምዒት ወይ ኣቮሊሽን)Negative symptoms (i.e., diminished emotional expression or avolition)

ለ. ንኣገዳሲ ክፋል እቲ ግዜ ካብ ምጅማር እቲ ረብሻ ኣትሒዙ፡ መጠን ትግባረ ኣብ ሓደ ወይ ዝያዳ ከቢድ ቦታታት ከም ዕዮ፡ ሓድሕዳዊ ዝምድናታት ወይ ርእሰ ሓልዮት፡ ብግሉሕ ትሕቲ መጠን ዝተረኽበ ቅድሚ እቲ ምፍላም (ወይ እቲ ምፍላም ኣብ ግዜ ህጻንነት ወይ ብጽሕና ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ መጠን ሓድሕዳዊ፡ ኣካዳምያዊ ወይ ሞያዊ ከተመዝግብ ትፈሽል)። 

ሐ. ቀጸልቲ ምልክታት ናይ እቲ ረብሻ፡ ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ይቕጽል። እዚ ናይ 6 ኣዋርሕ እዋን ንብውሕዱ 1 ወርሒ ምልክታት (ወይ ዝወሓደ ብዕዉት እንተ ተፈዊሱ) ንረቛሒ ሀ ዘማልእ (እዚ ማለት – ንጡፍ ደረጃ ምልክታት) የጠቓልል ከምኡ’ውን፡ ንእዋናት ቅድመ-ምሕማም ወይ ምልክታት ተረፍ የጠቓልል። ኣብ እዋን እዞም ቅድመ ምሕማም ወይ ተረፍ እዋናት፡ እቶም ምልክታት ረብሻ ብኣሉታውያን ምልክታት ጥራይ ወይ ብኽልተ ወይ ዝያዳ ምልክታት ኣብ ረቛሒ ሀ እተዘርዘሩ ኣብ ዝማህመነ ቅርጺ (ኣብነት – ጊንጢ እምንቶታት፡ ዘይተለምዱ እተቐርጹ ተመኩሮታት) ይግለጽ።  

መ. ጸገም ስኪዞኣፈክቲቭን ቅዛነትን ወይ ጸገም ባይፖላር ምስ ባህርያት ሕማም ኣእምሮ ኣብ ግምት ኣይኣተዉን። እቲ ምንታይሲ 1) ዋላ ሓደ ከቢድ ቅዛነት ወይ ጽላለ ዛንታታት ጒዕዞ ምስ እቶም ምልክታት ንጡፍ-ደረጃ ብሓንሳእ ኣይክሰቱን እዮም ወይ 2) ዛንታታት ጒዕዞ ኲነተ ኣእምሮ ኣብ እዋን ምልክታት ንጡፍ-ደረጃ እንተ ተኸሲቶም፡ ኣብ ሓፈሻዊ ዕምሪ እቶም ንጡፍን ተረፍን ግዜያት ናይቲ ሕማም ህላውነቶም ከም ውሕዳን ህላወ እዮም።       

ረ. እቲ ረብሻ ብሰሪ ጽልዋታት ስነ ኣካላት ናይ ግዛዕ (ኣብነት – ምጥቃም ሓሽሽ ወይ መድሃኒት) ወይ ካልእ ሕክምናዊ ኲነታት ዝስዕብ ኣይኰነን። 

ሰ. ታሪኽ ጸገም ምትሃት ኦቲዝም ወይ ምፍላም ጸገም ምብህሃል ናይ ህጻንነት እንተሃልዩ፡ ተወሳኺ መርመራ ስኪዞፍረንያ ይካየድ፡ ግሉሓት ዓጆውጆዋት ወይ ሃተፍተፋት ጥራይ እንተ ሃልዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ካልኦት ዝሕተቱ ምልክታት ስኪዞፍረንያ፡ ብውሕዱ ን1 ወርሒ (ወይ ዝተሓተ ብዓወት እንተ ተፈዊሱ)።  

እዞም ምልክታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዓይነትን ክብደትን እንዳገደዱን ክኸዱ ይኽእሉ። ገለ ምልክታት ውን፡ ኩሉ ግዜ መዓልታዊ ዝረኣዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። 

ኣብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምልክታት ጸገም ስኪዞፍረንያ ኣብ መጀመርያ ክሳብ ፍርቂ 20ታት እዩ ዝጅምር። እብ ደቂ ኣንስትዮት ግን፡ ኣብ መወዳእታ 20ታት እዩ ዝርአ. ኣብ ቆልዑን ካብ 45 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑን፡ ሳሕቲ ክርአ ይኽእል እዩ።

ምልክታት ኣብ ኮተቴ

ምልክታት ስኪዞፍረንያ ኣብ ኮተቴ ምስቶም ምልክታት ኣብ ዓበይቲ ዝርአ ተመሳሳሊ እዩ። እንተኾነ ግን ንምልላዮም ኣሸገርቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምኽንያት፡ ገለ ካብቶም ምልክታት ስኪዞፍረንያ፡ ምስቶም ኣብ ኮተቴ ዝረኣዩ ንቡር ጠባያት ስለ ዝመሳሰሉ እዮም። ንኣብነት፡

  • ካብ ዓርከ-መሓዛን ቤተሰብን ምርሓቕ
  • ደረጀኦምን ዓቕሞምን ኣብ ትምህርቲ ምጉዳል
  • ድቃስ ምስኣን
  • ምንጽርጻር ወይ ትኩዝ ስሚዒታት
  • ሞራል ምስኣን

ብተመሳሳሊ፡ ኣዘናጋዕቲ ሓሽሻት ወይ ቀመማት (ንኣብነት፡ ማሪዋና፡ ኤልኤስ-ዲ . . . ወዘተ) ተመሳሳሊ ምልክታት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። 

ምስ ኣብ ዓበይቲ ዝረኣዩ ምልክታት ስኪዞፍረንያ፡ ኮተቴ ፡

  • ወሑድ ምልክታት ህውረራ ወይ ዓጀውጀው (delusions) የርእዩ።
  • ብዙሕ ምልክታት ህልወሳ ወይ ሃተፍተፍ (hallucination) የርእዩ። 

ምስፍሕፋሕ (Prevalence)

እቲ ናይ ዕምሪ ምሉእ ምስፍሕፋሕ ስኪዞፍረንያ፡ ብግምት ኣስታት 0.3%-0.7% ይበጽሕ – ዋላ’ኳ ኣብ ዓሌት/ብሄር፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከምኡ’ውን ጆግራፊያዊ መበቈል ንስደተኛታትን ህጻናት ደቂ ስደተኛታትን ፍልልይ ከም ዘሎ ጸብጻብ እንተ ሃለወ። እቲ መጠን ጾታ ኣብ መንጎ ቅምሶታትን ህዝብታትን ይፈላለ እዩ። ንኣብነት፡ ምጒላሕ ኣብ ኣሉታውያን ምልክታትም ዝነውሑ ዕምሪ ጸገም (ምስ ዝደኸመ ውጽኢት ዝተኣሳሰር) ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እቲ መጠን ሓደጋ ልዑል ምዃኑ የርኢ። ብመንጽሩ፡ ንምጥርናፍ ዝያዳ ምልክታት ኲነተ ኣእምሮ ከምኡ’ውን፡ ሓጺር ኣቀራርባ (ምስ ዝበለጽ ውጽኢት ዝተኣሳሰር) ዘፍቅዱ መግለጺታት፡ ማዕረ ሓደጋ ንኽልቲኦም ጸታታት የመልክት።  

ሓደጋን ረቛሒታት ቅድመ-መርመራን (Risk Factors)

ኣከባብያዊ፦ ወቕቲ ሕርሲ ምስ መጠን ድንገት ስኪዞፍረንያ እንኮላይ ምስ ዳሕረዋይ ሓጋይ/ፈላማ ጽድያ ኣብ ገለ ቦታታት ከምኡ’ውን፡ ክረምቲ ነቲ ሕጽረት ካብ እቲ ሕማም ይተኣሳሰር።  እቲ መጠን ድንገት ስኪዞፍረንያን ተዛመድቲ ጸገማትን ኣብቶም ኣብ ከተማ ዝዓብዩ ህጻናትን ገለ ውሑዳን ጒጅለታትን ብሄርን ዝለዓለ እዩ። 

ስነ ተወርሶኣውን ስነ ኣካላውን፦ ዋላ’ኳ መብዛሕትኦም ብስኪዝፍረንያ እተመርመሩ ውልቀ ሰባት ታሪኽ ሕማም ኣእምሮ ናይ ስድራ ቤት እንተ ዘይሃለውም፡ ኣብ ምውሳን ሓደጋ ስኪዞፍረንያ ስነ ተወርሶኣዊ ረቛሒታ ልዑል ተራ ኣለዎም። ተቓላዕነት ብምትሃት ሓደጋ ‘ኣለል’፡ ልሙድን ሒደትን፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣለል ጭራማት ካብቲ ድምር ህዝቢ ፍሉይ ንእሽቶ ነገር የበርክት። እቲ ሕደጋ ኣለል ክሳብ ሕጂ እተለለየ፡ ምስ ካልኦት ጸገማት ኣእምሮ እንኮላይ ምስ ጸገም ባይፖላር፡ ቅዛነትን ጸገም ምትሃት ኦቲዝምን ይዛመድ። ሕልኽላኻት ጥንስን ሕርስን ምስ ሃይፖክስያን ዝለዓለ ኣባታዊ ዕድመን፡ ምስ ልዑል ሓደጋ ስኪዞፍረንያ ንዕብየት ዕሸል ይተኣሳሰር። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካልእ ሽግር ቅድመ-ውልደታውን እዋነ-ምላድን እንኮላይ ጸቕጢ፡ ረኽሲ፡ ጒድለት ኣመጋግባ፡ ናይ ኣደ ሽኮርያ ከምኡ’ውን፡ ካልእ ሕክምናዊ ኲነታት፡ ምስ ስኪዞፍረንያ ይተኣሳሰር። የግዳስ፡ እቲ ዝሰፍሐ ኣብዝሓ ናይ ውላድ ምስ እዞም ረቛሒታት ሓደጋ ስኪዞፍረንያ ኣየማዕብሉን እዮም። 

ሓደጋ ርእሰ ቕትለ (Suicide Risk)

ብግምት 5%–6% ካብቶም ስኪዞፍረንያ ዘለዎም ውልቀ ሰባት፡ ብርእሰ ቕትለት ይሞቱ። ኣስታት 20% ፈተነ ቕትለት ኣብ ሓንሳእ ወይ ዝያዳ ኣጋጣሚታት የካይዱ። ብዙሓት ድማ ርእሰ ቕትለት ከካይዱ የሰላስሉ። ባህሪ ርእሰ ቕትለት እናሓንሳእ ከም ግብረ መልሲ ትእዛዝ ሃተፍተፍ ንገዛእ ርእስኻ ወይ ንኻልኦት ምጒዳእ እዩ።

ሓደጋ ርእሰ ቕትለት ኣብ መላእ ዕምር ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ልዑል እዩ። ዋላ እኳ ኣብቶም ግዛዕ ኮሞርቢድ ዝጥቀሙ መንእሰያት ዝለዓለ እንተዀነ። ካልኦት ረቛሒታት ሓደጋ ንምህላው ምልክታት ቅዛነት ወይ ስምዒታት ተስፋ ምቝራጽን ሽቕለት ኣልቦ ምዃንን የጠቓልል። እቲ ሓደጋ ኣብ እዋን ድሕሪ ዛንታ ጒዕዞ ሕማም ኣእምሮ ወይ ካብ ሆስፒታል ምውጻእ እውን ልዑል እዩ። 

ተወሰኽቲ ኣርእስትታት. . .

ሓሳባትን ፈተነን ነብሰ-ቕትለት

ኣጠንቀቕቲ ረቛሒታት ነብሰ ቕትለት እንታይ ይመስሉ (Warning Signs of Suicide)?

ንነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ክትገብሮም ዝግብኣካ ነገራት

ሓሳባት ወይ ፈተነ ነብሰ-ቕትለት ምስ ሕማም ስኪዞፍረንያ (Schizophrenia disorder) እንታይ ምትትእስሳር ኣለዎ?

ምልክታት ትካዘ ኣብ መንእሰያት

ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ኣብ መንእሰያት እንታይ ይመስሉ?

ውላድካ ብትካዘ ዝሳቐ እንተኾይኑ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል?

ትካዘ ድሕረ-ሕርሲ (Postpartum Depression)

ምልክታት ድሕረ ሕርሲ ዘጋጥም ትካዘ እንታይ ይመስሉ?

ቅዛነት እንተ ኣጋጢሙካ ብኸመይ ነብስኻ ክትሕግዝ ትኽእል?