ቅዛነት ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪ ሕርስን

ንመብዛሕትአን ደቀንስትዮ፡ ቈልዓ ምውላድ ኣዝዩ ዜረብጽ፡ ዘሐጒስን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዘሀንጥን እዩ። የግዳስ፡ ነተን ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ (ቀደም ድሕረ-ሕርሲ ዝበሃል ዝነበረ) ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ቈልዓ ምውላድ ኣዝዩ ኣቓዛንን ኣጸጋምን እዩ። ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ነቲ ኣብ እዋን ጥንስን ድሕረ ሕርስን ዘጋጥም ቅዛነት ዝገልጽ እዩ። ጥቕሚ ናይዚ ስያመ ‘ጥቓ-ሕርሲ’፡ ምስ ምውላድ ቈልዓ ዝተኣሳሰር ቅዛነት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ እዋን ጥንሲ ከም ዝጅምር ኣፍልጦ ስለ ዝህብ እዩ።  

ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ከቢድ እዩ። የግዳስ፡ ብሕክምና ክፍወስ ዝኽእል ስምዒት ጓሂ፡ ዘይምግዳስን ሻቕሎትን፡ ኣብ ጸዓት፡ ድቃስን ሸውሃትን ለውጢ ከስዕብ ዝኽእል ጸገም እዩ። እዚኦም ድማ ነታ ኣደን ነቲ ህጻንን ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ። 

ብግምት ሓንቲ ካብ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ግዳይ ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ትኸውን።

ጥንስን ኣብ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜን ንደቀንስትዮ ብፍላይ ተኣፋፊ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣዴታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከቢድ ስነ ህይወታዊ፡ ስምዒታዊ፡ ፊናንሳውን ማሕበራውን ለውጥታት የርእያ። ገለ ደቀንስትዮ ኣብ ሓደጋ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ብፍላይ ቅዛነትን ሻቕሎትን ክቃልዓ ወይ ክወድቃ ይኽእላ።  

ኣስታት 70 ቦካራት ኣዴታት፡ ምስ ወሊድ ዝተኣሳሰር ቅዛነት ይሽገራ (baby blues)። እዚ ቅዛነት ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ኰነታት ኰይኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ። ሕክምናዊ ኣድህቦ ዘድልዮ እውን ኣይኰነን። ምልክታት ናይዚ ስምዒታዊ ኲነታት – ንብዘይ ምኽንያት ምብካይ፡ ነዳርነት፡ ዕልባጥን ሻቕሎትን የጠቓልል። እዞም ምልክታት ንሓደ ሰሙን ወይ ክልተ ሳምንቲ ክቕጽሉ ይኽእሉ። ብዘይዝዀነ ሕክምናዊ ክንክን ከኣ፡ ባዕላቶም እዮም ዝጠፍኡ።   

ቅዛነት ‘ጥቓ-ሕርሲ’ (Peripartum depression) ካብ ትካዘ ድሕረ ሕርሲ ዝተፈልየ ዝገብሮ፡ ስምዒታውን ኣካላውን ዘማስን ኰይኑ፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ወይ ክንዮኡ ክቕጽል ይኽእል። እታ ኣደን እቲ ህጻንን ሕክምናዊ ክንክን ክረኽቡ ድማ ኣገዳሲ ይኸውን። 

ምልክታት ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ (Peripartum depression)

  • ስምዒት ጓሂ ወይ ኣብ ቅዙን ኲነተ ኣእምሮ ምሽማም። 
  • ኣብቶም ቀደም ባህታ ዝፈጥሩልካ ዝነበሩ ንጥፈታት ተገዳስነት ወይ ባህታ ምጥፋእ።
  • ለውጢ ኣብ ሸውሃት።
  • ጸገም ድቃስ ወይ ልዕሊ ዓቐን ምድቃስ።
  • ብኽነት ጸዓት ወይ ምግዳድ ረሸሽታ። 
  • ምውሳኽ ኣብ ዕላማ ዘይብሉ ኣካላዊ ንጥፈታት (ንኣብነት፦ ሃዲእልካ ኣብ ሓደ ኮፍ ዘይምባል፡ ወይ ቁምነገር ዘይብሉ ንዮው ነጀው ምባል . . . ወዘተ)፡ ኣብ ኣዘረርባን ኣካይዳን ለመምታ ወይ ዛሕሊ።
  • ስምዒት ኪነሚን፡ ዋጋ ዘይምህላው ወይ ገበንነት
  • ጸገም ምሕሳብ፡ ኣድህቦ፡ ትኩርነት ወይ ውሳነ ምውሳድ
  • ብዛዕባ ሞት ወይ ርእሰ-ቕትለት ምሕሳብ
  • ብዘይዝዀነ ምኽንያት ምብካይ
  • ኣብቲ ናጽላ ተገዳስነት ምጥፋእ፡ ምስቲ ናጽላ ምትእስሳር ከም ዘይብላ ምስማዕ ወይ ብዛዕባ እቲ ናጽላ ምሒር ምሽቓል
  • ሕማቕ ኣደ ኰይና ይስምዓ።
  • ነቲ ናጽላ ወይ ንገዛእ ርእሳ ከይትጐድእ ትፈርሕ። 

ግዳይ ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ዝዀነት ጓለንስተይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንዝበዝሑ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ምልክታት ተርኢ። እቶም ምልክታትን ጽኑዕነቶምን ክልወጡ ይኽእሉ ይዀኑ። እዞም ምልክታት ንቦካራት ኣዴታት ስምዒት ተነጽሎ፡ ቅሬታ ወይ ሕንከት ከስዕበለን ይኽእል። መርመራ ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ንምግባር፡ እቶም ምልክታት ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሳምንቲ ክጅምሩ ይግባእ።

ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ዘለወን ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ምልክታት ሻቕሎት እውን የርእያ እየን። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘነጸሮ፡ ካብተን ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ዘለወን ደቀንስትዮ፡ እተን ኣስታት ክልተ-ሲሶ ሻቕሎት እውን ኣለወን። 

ንቕዛነት ጥቓ-ሕርሲ ፍሉይ መርመራ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ብዕቱብ ክረአ ዘለዎ ናይ ብሓቂ ሕማም እዩ። ምልክታት ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ዘርኣየት ዝዀነት ነፍሰጾር ጓለንስተይቲ ወይ ቦኳር ሓራስ፡ ብሓኪም ውሽጣዊ ኣካላት ወይ ንሱ ኸኣ ናብ ሳይክያትሪስት ወይ ሓኪም ኣእምሮ ክመርሓ ይኽእል። እቲ ገምጋም ንስነ ልቦናዊ ገምጋምን ንሕክምናዊ ገምጋምን ብምጥቕላል፡ ነቶም ምስ ቅዛነት ተመሳሳሊ ምልክታት ዘርእዩ ኣካላዊ ጸገማት (ከም ጸገማት ጒዕጒዕቲ ወይ ሕጽረት ቪታሚናት) ኣብ ግምት ዘየእቱ እዩ። 

ነዞም ዝስዕቡ እንተ ተራእዮምኺ ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ይግባእ፥ 

  • መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ምልክታት ንልዕሊ ክልተ ሳምንቲ እንተ ተራእዮምኺ። 
  • ርእሰ ቅትለት ክትፍጽሚ ሓሳብ እንተ’ልዩኪ ወይ ንውላድኪ ክትጐድኢ ሓሳብ እንተ’ልዩኪ
  • ቅዙን ስምዒታትኪ እናብኣሰ እንተ መጺኡ 
  • ዕለታዊ ስራሕኪ ከተሰላስሊ ወይ ንውላድኪ ምክንኻን ጸገም እንተ ኣጊሙኪ

ኣቦታት፡ ጥንሲ/ሕርሲ ከምኡ’ውን ቅዛነት

ቦካራት ኣቦታት እውን፡ ምልክታት ቅዛነት ጥቓ ሕርሲ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ምልክታት ንረሸሽታ ከምኡ’ውን፡ ንለውጥታት ኣብ ኣመጋግባን ድቃስን ከጠቓልሉ ይኽእሉ። ኣስታት 4% ዝግመቱ ኣቦታት፡ ውላዶም  ምስ ተወልደ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓመት ግዳይ ቅዛነት ይዀኑ። መንእሰያት ኣቦታት፡ እቶም ታሪኽ ቅዛነት ዘለዎምን እቶም ቊጠባዊ ጸገማት ዘለዎም ኣቦታትን፡ ንቐጻሊ ዝበኣሰ ቅዛነት እተቓልዑ እዮም።  

ፍወሳ (Treatment)

ብዙሓት ደቀንስትዮ ነቲ ዘሕልፍኦ ቃልሲ ከም ንቡር ኣካል ጥንስን ሕርስን እንዳቐጸራ ብስቕታ ዝሳቐያ ብዙሓት እየን። ብእኡ ምኽንያት ድማ ሕክምናዊ ክንክን ክረኽባ ኣይፍትናን እየን። ኣብ እዋን ጥንሲ ንዘጋጥም ቅዛነት ምፍዋስ ኣገዳሲ እዩ። ዝዓበየ ንቕሓትን ርድኢትን ምስ ዝጥረ፡ ኣብ ኣዴታትን ናጽላታትን ዝበለጸ ውጽኢት የምጽእ።

ከም ካልኦት ዓይነታት ቅዛነት፡ ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ብሳይኮተራፒ (ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ)፡ መድሃኒት፡ ለውጢታት ቅዲ ህይወትን ሓገዝቲ ኣከባቢን ንምቁጽጻር ትካዘ ክሕግዙ ይኽእሉ። ብሓፈሻ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ከጋጥም ዝኽእል መንቅብ ዘለዎ ዕሸል ከጋጥም ዘሎ ዕድል ትሑት እዩ። እቲ ውሳነ ጥንቃቐ ብዝመልኦ ኣገባብ ንተኽእሎ ሓደጋ-መኽሰብ መጠን ፍወሳ ኣንጻር ዝዀነ ፍወሳ ንጥዕና ኣደ ኣይጸልዋን እዩ ዝብል፡ እቲ ዘይተወልደ ህጻን ወይ ምእላይ ሓድሽ ዝተወልደ/ናጽላ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግባእ።   ነፍሰጾራትን ሞጒዚታትን ብዛዕባ ጥቕምን ሓደጋን እቶም መድሃኒታት ምስ ዶክተራተን ክመያየጣሉ ይግባእ።   

ኣብ እዋን ጥንሲ ዝወሃብ ኣማራጺ ጸረ-ቅዛነት፥   

  • ሰለክቲቭ ሰረቶኒን ሪኣፕቴክ ኢንህቢተርስ ወይ ‘ኤስ.ኤስ.ኣር.ኣይ’ ተባሂሎም ዝፍለጡ፦ ምስ ሓኪምካ ብምምኻር ጥቕምን ኣሊታዊ ጎድንታት ናይዚ መድሃኒትን ኣለሊ። ሳሕቲ ‘ኤስ.ኤስ.ኣር.ኣይ’ ከቢድ ጸገም ሳንቡ ኣብቶም ናጽላታት (ቀጻሊ ሳንቡኣዊ ጸቕጢ ደም ኣብቲ ናጽላ) ከስዕብ ይኽእል። (Selective serotonin reuptake inhibitors (SSRIs): Consult with your physician, but note that some SSRIs have been associated with a rare but serious lung problem in newborn babies (persistent pulmonary hypertension of the newborn)).
  • ቢርፕሮፒየን ወይ ብልምዲ ወልበትሪን ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሃኒት (Bupropion (Wellbutrin))
  • ጸረ-ቅዛነት ትራይሳይክሊክ (Tricyclic antidepressants (TCAs))

ዝበዝሓ ቦካራት ኣዴታት ግቡእ ሕክምና እንተ ረኺበን ካብ ምልክታተን ይፍወሳ እየን። ግዳይ ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ዝዀና ኣዴታት፡ ዋላ ሕማመን ምስ ሓሸን ነቲ ሕክምና ክቕጽልኦ ይግባእ። ነቲ ሕክምና ቀልጢፋ እንተ ኣቋሪጻቶ፡ እቲ ምልክታት ክደግሳ ይኽእል እዩ።   

ርእሰ ምሕጋዝን ምቊጽጻርን (Self-help and Coping)

ሓገዝ ናይ ኣባላት ስድራ ቤትን መሓዙትን፡ ምጽንባር ኣብ ጒጅለ ሓገዝ ኣዴታት ከምኡ’ውን፡ ጽቡቕ ኣመጋግባን ምውስዋስ ሰብነትን ሓገዝቲ ክኹኑ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ርእይቶታት ኣብ ምቊጽጻር ቅዛነት ጥቓ-ሕርሲ ንብዝተኻእለኪ ብዙሕ ዕረፍቲ ምውሳድ (ውላድኪ ክድቅስ እንከሎ ምስኡ ደቅሲ) ከምኡ’ውን፡ ንዙረት ወይ መሓዙትኪ ንምብጻሕ ግዜ ምምዳብ የጠቓልል።

ብኸመይ ወለዲ፡ ስድራቤትን መሓዙትን ክሕግዙ ይኽእሉ

ብዙሕ ሓገዝ ካብ ወለዲ፡ ስድራቤትን መሓዙትን ኣመና ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ፈተውቲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ ካብ ‘ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣዴታት ዋጋ ኣለዎ’ ዝበሃል ሃገራዊ ትካል ንተበግሶ ጥዕና ዝተዋህበ መልእኽቲ፡ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥ 

  • ነቶም ምልክታት ፍለጦም፦ ንምልክታት ቅዛነትን ሻቕሎትን ክተለልዮም ጸዓር። ዝዀነ ምልክታት እንተ ሪኢኻላ፡ ናብ ሕክምና ክትከይድ ተማሕጸና።
  • ስምዓያ፦ ንስክፍታኣ ወይ ጸገማታ ክትሰምዕ ድሌት ከም ዘለካ ከም እትፈልጥ ግበር። ንኣብነት፡ “ድቃስ ትስእኒ ከም ዘለኺ አቕልበልኪ ኣለኹ። ዋላ ማማይ ምስ ደቀሰ ማለት እዩ። እንታይ እዩ ዘጨንቐኪ ዘሎ?” 
  • ሓግዛ፦ ንበይና ከም ዘይኰነት ኣዘኻኽራ። ንስኻ እውን ክትሕግዛ ከም እትቐርባ ዘለኻ ኣፍልጣ። ኣብ ናይ ገዛ ዕዮ ክትሕግዛ ፈትን። ንሳ ምእንቲ ከተዕርፍ ወይ ናብ እንዳ መሓዙታ ምእንቲ ከትበጽሕ፡ ነቲ ማማይ ክትሕዘላ ይግባእ።     
  • ሓገዝ ኣብ ዘድልያ ንኽትሓትት ኣተባብዓያ፦ ሓገዝ ክትሓትት ከጸግማ ወይ ኣይትደልን ትኸውን። ኣብ ሕክምና ክትርአ ኣተባብዓያ። ኣብ ኲነታት ጥቓ-ሕርሲ ገለ ሓበሬታታት ኣካፍላ። ምስ ዝዀነ ሰብ ክትዘራረብ ቈጸራ ሓዘላ።

ተዛመድቲ ኲነታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን

ሻቕሎት ጥቓ-ሕርሲ – ሽሕ’ኳ እቶም ግምታት ዝፈላለዩ እንተዀኑ፡ ኣብ 2013 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣስታት 16% ካብ ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ጸገም ሻቕሎት ከም ዘጋጥመን  ከምኡ’ውን፡ እተን ኣስታት 17% እቲ ጸገም ዘጋጥመን ኣብ እዋን ጥቓ-ሕርሲ ከም ዝዀነ እዩ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ሕርሲ፡ ገለ ኣዴታት ጽዑቕ ሻቕሎት፡ ምስ ቅልጡፍ ትርግታ ልቢ፡ ስምዒት ምጽኣተ ኣለም ከም ዝተቓረበ፡ ከምኡ’ውን፡ ዘይርትዓዊ ፍርሒን ስ’ባለን የማዕብላ። ገለ ጸገም ከጋጥም እንከሎ፡ ብስምዒት ቅሬታን ርእሰ ወቐሳን ይሕመሳ። ብዘይዝዀነ ይዂን ምኽንያት፡ ምጭናቕን ብራዕዲ ምውሓጥን ሕላገት ሻቕሎት ኣብ እዋን ጥቓ-ሕርሲ እዮም።  

እቲ ክንክን ንመድሃኒት ምውሳድን ፍወሳን፡ ንበይኖም ወይ ብምውህሃድ ከጠቓልል ይኽእል። 

ጸገም ባይፖላር ጥቓ-ሕርሲ (Peripartum bipolar disorder) – ጸገም ባይፖላር ክልተ ደረጃታት ኣለዉዎ። እቲ ደረጃ ቅዛነት (እቲ ‘ዝተሓተ’) ከምኡ’ውን፡ እቲ ደረጃ ጽላለ (እቲ ‘ዝለዓለ’) ድማ ይበሃሉ። እቲ ‘ዝተሓተ’ን ‘ዝለዓለ’ን ኣብ ሓደ እዋን ክኽሰቱ እንከለዉ፡ ከም ‘ዝተሓዋወሰ’ ዛንታ ጒዕዞ ይቚጸር። ሕማም ባይፖላር ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ከጋጥም ይኽእል። ረቛሒታት ሓደጋ ንዝቐደመ ጸገም ኲነተ ኣእምሮን ንጸገም ታሪኽ ስድራቤታዊ ኲነተ ኣእምሮን ዘጠቓልል እዩ።   

ምልክታት ቅዛነትን ጽላለን (Symptoms of depression and mania)፡

  • ከቢድ ጓሂን ነድርን
  • ብርኽ ዝበለ ኲነተ ኣእምሮ (Elevated mood)
  • ህዉኽ ኣዘራርባን ሕምባበ ሓሳባትን
  • ቊሩብ ወይ ጭራሽ ዘይምድቃስን ልዑል ጸዓትን
  • ሃንደበታዊ ውሳነታትን ድኹም ፍርድን
  • ዓጀውጀዋት – ናብ ሰማይ-ሰማይ ከም እትመጣጠር ዝገብሩ ወይ ፓራኖያዊ ዝገብሩ 
  • ሃተፍተፋት – ዘየለዉ ነገራት ምርኣይን ምስማዕን።

እቲ ክንክን ንኣረጋጋእቲ ኲነተ ኣእምሮን መድሃኒታት ጸረ ሕማም ኣእምሮን ምስ ፍወሳ ከጠቓልል ይኽእል። 

ጸገም ህውረራ ጥቓ-ሕርሲ (Peripartum Psychosis)ሕማም ኣእምሮ ጥቓ-ሕርሲ ምሒር ውሑድ እዩ። የግዳስ ከቢድ ኲነታት እዩ። ካብ 1000 ሓራሳት ኣዴታት ኣብ ሓንቲ ወይ ክልተ ጥራይ እዩ ዝኽሰት። ምልክታት ሕማም ኣእምሮ ጥቓ-ሕርሲ ሕሉፋት እዮም። ንስእነተ ድቃስ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጸዓት፡ ርባጸ፡ ምስማዕ ድምጽታት ከምኡ’ውን፡ ሕሉፍ ፓራኖያ ወይ ምጥርጣርን ድማ የጠቓልል። ብዙሓት ግዳያት ሕማም ኣእምሮ ጥቓ-ሕርሲ ዝዀና ኣዴታት ውልቃዊ ወይ ስድራቤታዊ ታሪኽ ጸገም ባይፖላር ኣለወን። ምልክታት ሕማም ኣእምሮ ጥቓ-ሕርሲ ከቢድ ዝዀነ ህጹጽ ሕክምና ኰይኑ፡ ቀጥታዊ ኣድህቦ ዝሓትትን እዩ።