ጉድለት ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ሓደ ካብቶም ከበድቲ ጸገማት ኣእምሮ ኾይኑ፡ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ቆልዑ ዘሸግር ኮይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ውን ምስ ዕቤት ዝቕጽል እዩ። ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት፡ ዝተፈላለየ ጸገማት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እቲ ዝበዝሕ ግን፡ ጸገም ኣተኩሮ (difficulty sustaining attention)፡ ዋዒ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ንጡፍነትን (hyperactivity) ብዘይ ምሕሳብ ወይ ብድፊኢት ዝትግበሩ ጠባያትን (Impulsive behavior) የጠቓልል። 

ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዘለዋም ቆልዑ፡ ብነብሰ ምትሓት፡ ሙዕሩይ ምስ ዓርከ-መሓዛ ምፍጣርን ድኽመት ኣብ ትምህርትን የርእዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቶም ምልክታት ምስ ዕድመ እንዳሃድኡ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ሓደ ሰባት ምስዚ ጸገም ተወሃሂዶም ንምሉእ ሂወቶም ምስኡ ክነብሩ ይግደዱ እዪም። እዚ ግን ተስፋ ንሙቕራጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ጸገም ከቃልሉ ዝኽእሉን ብዘይ ጸገም ወይ ብውሑድ መሰናኽላት ብዕዉት ስራሕካን ሂወትካን ክተሰላስል እትኽእለሉ ስትራተጂታት ወይ ሜላታት ኣቐዲምካ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። 

ዝተፈላለዩ ሕክምናታት ንጸገም ልዑል ንጡፍነት ወይ ኣተኩሮ ንምብዳህ ዝሕግዙና ኣለው። እዞም ሕክምናታት ግን፡ ነዚ ጸገም ጨሪሾም ከጥፍእዎ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣሸገርቲ ምልክታትን ጸገማትን ንምቅላል እዩ። እዞም ሕክምናታት፡ መድሃኒትን ናይ ባህሪ ለውጥታትን ዘጠቓለሉ ኾይኖም፡ ኣቐዲሙ ወይ ብኣግኡ እቲ ጸገም እንተለልዩ፡ ብዙሕ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ እዮም። 

ኩነታትናን ኩነታት ደቅናን ክንግምት፡ ነዞም መርመሪ መሕትት ብምምላእ ግምት ክንወስድ ንኽእል።

ምልክታት ጸገም ኣተኩሮን ልዑል ንጡፍነትን እንታይ ይመስሉ?
ዝርጋሐ (Prevalence)
ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን
ምስ ጾታ-ዝተኣሳሰሩ ነጸርታዊ ጉዳያት
ተግባራዊ ሳዕቤናት ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ
ምክልኻል (Prevention)
ምስ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዝመሳሰሉ ጸገማት ኣእምሮን ካልእን

ተወሳኺ ኣርእስትታት. . .