ጸገም ኦቲዝም ስፐክትሩም ምስ ጸገማት ምዕባላ ሓንጎል ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ሰብ ንኻልኦት ንምርዳእን ማሕበራዊ ሂወት ምስ ካልኦት ሰባት ጸገም ዝፈጥር እዩ። ብትወሳኺ፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባትን ዝርርብን። ብተወሳኺ፡ እዚ ጸገም፡ ብተደጋጋሚ ዝንጸባረቑ ጠባያት የርእዩ እዮም። ጸገም ኦቲዝም ስፐክትረም ዝተፈላለዩ እኩባት ጸገማት ምዕባለ ኣእምሮ ኮይኑ ዝተፈላለየ ምልክታትን ክብደትን ዘለዋም እዮም። 

ጸገም ኦቲዝም ኣብ መጀመርያ ዕድመ ቁልዕነት ዝጅምር ኮይኑ፡ ቀስ ብቀስ ድማ፡ ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ ንኸይነብር ጸገማት ይፈጥር፡ ንኣብነት፡ ማሕበራዊ፡ ኣብ ትምህርትን ስራሕን። መብዝሓትኡ እዋን፡ ቆልዑ ምልክታት ኦቲዝም ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዕድሚኦም እዮም ክርእዩ ዝጅምሩ። ሓደ ሓደ እዋን ግን፡ ገለ ቆልዑ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቶም፡ ንቡር ጸገም ዘይብሉ ምዕባለ ክርእዩ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪኡ ግን ካብ 18 ካሳብ 24 ወርሒ ዘሎ ዕድመ እንዳ ኣንቆልቆሉ ክኾዱ ይጅምሩ። 

ጸገም ኦቲዝም ዋላ’ኳ መድሃኒት እንተዘይብሉ፡ ብእዋኑ ዝግበሩ ጹቑቕ ሕክምናታት ግን ኣብ ሂወቶም ብዙሕ ለውጢ የምጽኣሎም እዩ። 

ክነስተባህለሎም ዘለና ምልክታት እንታይ ይመስሉ?

ዝርግሐ (Prevalence)

ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን

ምስ ጾታ-ዝተኣሳሰሩ ነጸርታዊ ጉዳያት

ተደሪቦ ክምዕብሉ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ጸገማት (Comorbidity)

ኣብ መንጎ ጸገም ኦቲዝምን ቫክሲን ወይ ክታበት ምትእስሳር ኣሎ ዶ?

ምስ ጸገም ኦቲዝም ዝተኣሳሰሩ ክእለዩ ዘለዋም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት 

ናብ ሕክምና ንውላድካ ክተወስዶ እንተወሲንካ ክትዳለወሉ ዘለካ ነገራት

ንሓኪም ውላድካ ክትሓቶም ዘለካ ሕቶታት

ካብ ሓኪም ውላድካ እንታይ ክትጽበ ትኽእል

ፍወሳ (Treatment) እንታይ ይመስል?