ጭንቀት ወይ ሳዛ እንታይ እዩ (What is Anxiety)?

ጭንቀት፡ ሓደ ካብ ስምዒታት ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ሓዘን፡ ሻቕሎትን ካልእ ኣሉታዊ ኣጋጣሚታት ሂወት ዝክሰት እዩ። ብእኡ መጠን ድማ ኣካላትና ይኮማተር ወይ ይውጠር፡ ኣእምሮ ድማ ኣብ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ጸቒጡ ስርሑ ከሰላስል ይሽገር። በዚ ድማ፡ ካልእ ጉዳያት ሂወት ይውንዘፍን ኣተኩሮ ይስእኑን። ብተወሳኺ፡ ጭንቀት ሸውሃት ድቃስን ማሕበራዊ ርክባት ይኹን መዓልታው ንጥፈታትና (ስራሕ፡ ትምህርቲ ወዘተ) የዘናብል።

ሓደ ሓደ እዋን መጠኑ ዘይሓለፎ ጭንቀት ኣገዳሲ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ መርመራ፡ ጭንቀት ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። እዚ ድማ ኣመና ኣይኹን ደኣ እምበር፡ ምድላዋት ንመርመራ ኣብ ምዕዛዝ ከም መንጠሪ ባይታ ከምዝጠቅም ይሕብር። እዚ ጭንቀት እንተደኣ ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ምስ ዝኸውን፡ ምጉዳል ትኩርነት ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክኽሰት ይኽእል። በዚ ኸኣ እቲ ጭንቀት ኣገዳስነት ኣይህልዎን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ውን ከስዕብ ይኽእል።

መጠን ኣልቦ ጭንቀት፡ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ሓደገኛ ኾይኑ፡ ህይወትና ብዝግባእ ከይንመርሕ ዕንቅፋት ክፈጥረልና ይኽእል እዩ። በዚ ድማ ናብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ክንቃላዕ ንኽእል ኢና። ሓያለ ዓይነታት ሕማም ጭንቀት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ተሰባሊ-ቀሳቢ ጸገም (Obsessive-Compulsive Disorder; OCD)፡ ማሕበራዊ ጭንቀት (Social Anxiety)፡ ከምኡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Posttraumatic Stress Disorder, PTSD) ክጥቀሱ ይከኣሉ።

ምልክታት ደረት ኣልቦ ጭንቀት

ዓይነታት ጭንቀት ወይ ሳዛ ኣለዉ’ዶ?

ጠንቅታት ጭንቀት እንታይ እዮም?

ጭንቀትን ጸቕጥን ፍልልዩ እንታይ እዩ?

ጭንቀት ብኸመይ ክትፍውሶ ትኽእል? 

ስለምንታይ እየ ክድቅስ ዘይክእል?

ንጥዕና ኣእምሮይ ብኸመይ ባዕለይ ከማሓይሾ እኽእል? 

ተወሰኽቲ ኣርእስትታት. . .

ሓሳባትን ፈተነን ነብሰ-ቕትለት

ኣጠንቀቕቲ ረቛሒታት ነብሰ ቕትለት እንታይ ይመስሉ (Warning Signs of Suicide)?

ንነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ክትገብሮም ዝግብኣካ ነገራት

ሓሳባት ወይ ፈተነ ነብሰ-ቕትለት ምስ ሕማም ስኪዞፍረንያ (Schizophrenia disorder) እንታይ ምትትእስሳር ኣለዎ?

Read More

ምልክታት ትካዘ ኣብ መንእሰያት

ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ኣብ መንእሰያት እንታይ ይመስሉ?

ውላድካ ብትካዘ ዝሳቐ እንተኾይኑ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል?

Read More

ትካዘ ድሕረ-ሕርሲ (Postpartum Depression)

ምልክታት ድሕረ ሕርሲ ዘጋጥም ትካዘ እንታይ ይመስሉ?

ቅዛነት እንተ ኣጋጢሙካ ብኸመይ ነብስኻ ክትሕግዝ ትኽእል?

Read More