እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ዝተፈላለዩ መሕትት፡ ንኩነታት ስነ-ኣእምሮና ንምግምጋም ዝሕግዙና መለኪዒታት እዮም። በዚ ውጺኢት ተመርኩስና ድማ ኩነታት ጥዕናና ወይ ጥዕና መቕርብና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከብ ገሚትና: ብኣግኡ ጉዳይ ኣእምሮና ክንከታተል ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መፍቲሒ ወይ ውን ከምዘለዎ ብዘይ ናይ ኪኢላ ስነ-ኣእምሮ መርመራን ምኽርን ክንጥቀመሉ ኣይኮነን ተዳልዩ።

ጭንቀት (Anxiety)

ትካዘ (Depression)

ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Trauma)

ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት (ADHD)

ሓሳባት ነብሰ-ቕትለት (Suicide)

ካልእ (Other)

ተወሰኽቲ ኣርእስትታት. . .

ሓሳባትን ፈተነን ነብሰ-ቕትለት

ኣጠንቀቕቲ ረቛሒታት ነብሰ ቕትለት እንታይ ይመስሉ (Warning Signs of Suicide)?

ንነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ክትገብሮም ዝግብኣካ ነገራት

ሓሳባት ወይ ፈተነ ነብሰ-ቕትለት ምስ ሕማም ስኪዞፍረንያ (Schizophrenia disorder) እንታይ ምትትእስሳር ኣለዎ?

READ MORE 

ምልክታት ትካዘ ኣብ መንእሰያት

ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ኣብ መንእሰያት እንታይ ይመስሉ?

ውላድካ ብትካዘ ዝሳቐ እንተኾይኑ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል?

READ MORE 

ትካዘ ድሕረ-ሕርሲ (Postpartum Depression)

ምልክታት ድሕረ ሕርሲ ዘጋጥም ትካዘ እንታይ ይመስሉ?

ቅዛነት እንተ ኣጋጢሙካ ብኸመይ ነብስኻ ክትሕግዝ ትኽእል?

READ MORE →

መተሓሳሰቢ፥ ህጹጽ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምስዘድልዪኩም/ክን ኣብ ከባቢኹም/ኽን ንዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ረዲኤት ኣግልግሎት ክትውከሱ/ሳ ብትሕትና ንሕብር።

ብውልቂ ዝሕተቱ ሕቶታት፡ ርኢቶታት፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ይኹን ኩነታት መርመራ ብሰንኪ ዝመጹና ብዝሒ ሕቶታት ንግዚኡ ክንምልስ ከምዘይንኽእል፡ ኣጸዲምና ይቕሬታ እንዳሓተትና፡ ብትሕትና ክንሕብር ንፈቱ።