ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት እንታይ እዩ?

ዝኾነ ኣጨናቒ ኩነት ምስ ኣጋጠመካ፡ ኣብ ዝስዕብ ሰሙናት፡ ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ክተማዕብል ትኽእል ኢኻ። ዝበዝሕ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ 1 ወርሒ ዝምዕብል ኮይኑ፡ እቶም ምልክታት እንተወሓደ ካብ 3 መዓልቲ ክሳብ 1ወርሒ ክረኣዩ ኣለዋም። ኣብዚ ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ዝርኣዩ ምልክታት፡ ምስቶም ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ዝርኣዩ ተመሳሰልቲ እዮም። ኣብ መንጎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ንምንጻር ኣብ ታሕቲ ተመልከት። 

መመርመሪ ቅጥዒ (Diagnostic Criteria)

. ንሂወት ኣስጋኢ ወይ ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ሂወት ምቅላዕ፡ ከቢድ ሓደጋ ምውራድ ወይ ውን ጾታዊ ዓመጽ በዞም ዝስዕቡ መገድታት ምስ ዘጋጥም፡

  1. ብቀጥታ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣጨናቒ ኣጋጣሚታት ሂወት ምስትሙከር
  2. ብኣካል ብዓይንኻ ኣብ ካልኦት ሰባት ክወርድ ምስ እትዕዘብ
  3. ንመቕርብካ፡ ቤተሰብካ ወይ ዓርከ-መሓዛ ከምዘጋጠሞም ምስ እትሰምዕ። (ኣስተውዕል፥ ኣብ መቕርብ ስድራቤት ወይ ዓርከ-መሓዛ ምስ ዘጋጥም፡ ንሂወት ናብ ሓደጋ ወይ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ኩነት፡ ሃንደበታዊ ብጎነጽ ወይ ሓደጋ ዘጋጠመ ክኸውን ኣለዋ። 
  4. ብተደጋጋሚ ንእጨናቒ ዝኾነ ተመክሮታት ሂወት ምስ ትቃላዕ (ንኣ. ኣባላት ፖሊስ ንኣብቆልዑ ዘጋጥም ዓመጽ፡ ድሕሪ ሃደጋ መኪና፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ባርዕ ሓዊ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ዕልቕልቕ ናይ ማይ ወይ ውን ኩናት . . . ወዘተ ብተደጋጋሚ ዝቃልዑ)

 . ካብዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ሮቛሒታት (ገሃስቲ፡ ኣሉታዊ ስሚዒታት፡ ግለልቲ፡ ወገድትን ኣነደርቲ/ቀስቀስቲ  ምልክታት)  ትሽዓተ ወይ ልዕሊኡ ምልክታት ምስዘጋጥሙ፡

ገሃስቲ ምልክታት (Intrusive Symptoms)

  1. ብዘይድሌት ተደጋጋሚ፡ ረባሺ፡ ዘየድሊ ኣጨናቒ ተዘክሮታት ትሽገር/ሪ። (ኣስተውዕል፡ ኣብ ቆሉዑ፡ ተደጋጋሚ ጸወታ ወይ ንጥፈታት ዘካይድዎ፡ ቴማ ወይ ገለ ክፋል ናይቲ ኣጨናቒ ተመክሮ ሂወትይ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።)
  2. ብተዳጋጋሚ ረባሺ ሕልምታት ትሽገር/ሪ ወይ ገለ ትሕዝቶ ወይ ስሚዒት ናይቲ ሕልሚ ምስቲ ኣጨናቒ ክኖታት ዝተኣሳሰር ምስዝኸውን። (ኣስተውዕል፡ ኣብ  ህጻናትን ቆሉዑን፡ ትሕዝቶ ዘይብሎም ኣባህረርቲ ወይ ኣፍራሕቲ ሕልምታት ክረኣዩ ይኽእሉ እዪም።)
  3. ገለልቲ ስሚዒታት (ንኣ. ማሕታዊ ወይ ሃንደበታዊ ተዘክሮ) ብዛዕባ ሕሉፍ ኣጨነቕቲ ተመክሮታት ክደጋገም ከሎ። ሓንሳብ ሓንሳብ፡ እዚ ስሚዒት ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክምኮር ዝኽእል ኮይኑ፡ ብኸቢድ ምስ ዝወርድ፡ ሃለዋትካ ምጥፋእ ይኹን ንቕሓትካ ወይ ከባቢኻ ናይ ምስትብሃል ዓቕምኻ ከጉድል ይኽእል እዩ። (ኣስተውዕል፡ ኣብ ቆሉዑ፡ ነቲ ኣጨናቒ ተመክሮ ሂወት ወይ ስንባደ ዝመሳሰል ጸወታ ክዋስኡ ይኽእሉ እዪም።)
  4.  ብሰንኪ ውሽጣዊ  ወይ ግዳማዊ ነቲ ኣጨናቒ ተመክሮ ሂወት ወይ ስንባደ ዝመሳሰል ምልክታት፡ ሓያል ወይ ዘተናወሐ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ውን ኣካላዊ ጭንቀት ክትምኮር ከለኻ። 

ኣሉታዊ ፊናውነት (Negative Mood)

  1. ቀጻሊ ኣወንታዊ ስሚዒታት ክትምኮር ዘይምኽኣል (ንኣ. ሓጎስ፣ ዕጋበት ወይ ፍቕራዊ ስሚዒታት ክስመዓካ ዘይምኽኣል)።

ግለልቲ ምልክታት (Dissociative Symptoms)

  1. ሃለዋትካ ምስሓት ወይ ብሰንኪ ሃለዋትካ ምስሓት ከባቢኻ ወይ ነብስኻ ዘይምፍላጥ (ንኣ. ምዕንዛዝ ወይ ግዜ ጠጠው ዝበለ ኮይኑ ክስመዓካ ከሎ።)
  2. ብሰንኪ ዲሰስዪቲቭ ኣምነዥያ ዘጋጠመ ምርሳዕ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ዘጋጠመካ ኣጨናቒ ተመክሮ ሂወት ክትዝክር ዘይምኽኣል። እዚ ምርሳዕ ግን ብሰንኪ ማህረምቲ ርእሲ፡ ኣልኮሆል/መስተ ወይ ዕጸፋርስ ክኸውን የብሉን። 

ውገዳዊ ምልክታት (Avoidance Symptoms)

  1. ንኣጨነቕቲ ተዘክሮታት፡ ሓሳባት፡ ስሚዒታት ወይ ምስቲ ኣጨናቒ ተመክሮ ሂወት ዝተኣሳሰሩ ነገራት ክተወግዶም ጻዕርታት ምክያድ። 
  2. ኣጨነቕቲ ተዘክሮታት፡ ሓሳባት፡ ስሚዒታትን ዘላዓዕሉ ነቲ ኣጨናቒ ተመክሮ ዘዘኻኽሩ ወይ ዝተኣኣሳሰሩ ግዳማውያን ነገራት ንምውጋድ ጻዕርታት ምክያድ (ንኣ. ሰባት፡ ቦታት፡ ዕላላት፡ ንጥፈታት . . . ወዘተ)። 

ቀስቀስቲ ምልክታት (Arousal Symptoms) 

  1. ድቃስ ምብልሻው (ንኣ. ድቃስ ምስኣን፡ ብብዝሒ ምድቃስ፡ ቀጨውጨው ዝመልኦ ድቃስ
  2. ነድሪ ዝመልኦ ጠባይ ወይ ሕርቃን በጨቕ ምባል (ምኽንያት ዘይብሉ ወይ ብዘይጠቅም ምቑጣዕ)። ዝበዝሕ እዋን እቲ ነድሪ ብቓል ዓውዓውታ ወይ ኣካላዊ ጎንጺ ዝመልኦ ኾይኑ፡ ኣብ ሰባት ወይ ንዋት ዝወርድ እዩ። 
  3. ኣብ ጥርጠራ ዝተመርኮሰ ሚሒር ጥርጣረ
  4. ጸገም ኣተኩሮ ወይ ምስትውዓል
  5. ብቀሊሉ ድሁል

. እቲ መምዘኒ ቅጥዒ ኣብ “” ተገሊጹ ዘሎ፡ ካብ 3 መዓልቲ ክሳብ 1 ወርሒ ድሕሪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ምግጣሙ ክኸውን ኣለዋ። 

  1. ኣስተውዕል፡ እቲ ምልክታት ቀልጢፉ ድሕሪ እቲ ዘሰንብድ ናይ ሂወት መሰናኽል ዝጅምር እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ናይ መርመራ ቅጥዒ ንምምላእ ግን፡ ካብ 3 መዓልቲ ክሳብ 1 ወርሒ ክቕጽል ኣለዋ። 

. እቲ ምልክታት ከቢድ ዝኾነ ጭንቀት ወይ ኣብ መዓልታዊ ማሕበራዊ ይኹን ስራሕን ካልእ ክፋላት ሂወትን ጸገም ዝፈጥር ክኸውን ኣለዋ። 

. እቲ ምልክታት ብኣካላዊ ጸገም (ንኣን. ናይ ርእሲ ማህረምቲ) ወይ ብናይመድሃኒት ወይ ኣልኮሆላዊ መስተን ድፊኢት ክኸውን ይበሉን። ብተወሳኺ፡ ካብ ኣብ ሓጺር እዋን ዝምዕብልን ዝጠፍእን ብርቱዕ ሕማም ኣእምሮ (Brief Psychotic Disorder) ዝመጸ ክኸውን የብሉን።

ሓደጋን ግምታዊ ረቛሒታትን

ምርቃቕ ጠባይ፥ ሓደገኛታት ረቛሒታት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሐ ጸገም ስነ-ኣእምሮ፡ ልዑል ኣሉታዊ ስሚዓታት ኣእምሮ፡ ካብ ግብኦም ንላዕሊ ኣጨነቕቲ ኩነታት ሂወት ሓይሊ ምሃብ ወይ ካብ ጸገምካ ምህዳም ኣብክንዲ ፋታሕ ምንዳይ። ንኩነታት ጭንቀት ልዕሊ ዝግብኦም ብዝተጋነነ ብኣሉታ ምምዛንን ምጥማትን ወይ ተርእዮታት መጻኢ ተስፋ ቆረጽ ጽልሙት፡ ገበንነትን ሓደጋ ዝመልኦን ጌርካ ምጥማት ሓደ ካብቲ ረቛሒ ናይ ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት እዩ። 

ኣከባብያዊ፥ ቅድሚ ኹሉ፡ ዝኾነ ሰብ፡ ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ከማዕብል ተኾይኑ፡ ናብ ኣጨናቒ ኩነት ሂወት ክቃላዕ ኣለዋ። ቅድሚ ሕጂ ሕሉፍ ኣጨናቒ ኩነት ኣጋጢምዋ እንተኔሩ፡ ሓደገኛ ረቛሒ ይኸውን። 

ጀነቲካውን ፊዝዮሎጂያውን፥ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ሓደገኛነት የማዕብላ። ዝለዓለ ህዋሳዊ ምላሽ፡ ብፍላይ ብድምጺ ዝተበገሰ ብቐሊሉ ምስንባድን ቅድሚ ሕጂ ኣጨናቒ ኩነት እንተጋጢሙን፡ ዝለዓለ ተኽእሎታት ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ይፈጥር። 

ጠንቅታት ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት

ኣጨነቕቲ ኩነታት ከጋጥመካ፡ ክትምኮር ወይ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ። እዞም ኩነታት፡ ብርቱዕ ፍርሒ ወይ ስንባደ ይፈጥሩልካ ወይ ሕልናኻ ክዓርበካ ይኽእል እዩ። ገለ ካብ ኣጨነቕቲ ኩነት ንምጥቃስ፡

  • ሞት
  • ንሂወትካ ወይ ሂወት ካልኦት ብሞት ምፍርራሕ
  • ኣብ ነብስኻ ወይ ካልኦት ሰባት ከቢድ ጉድኣት ምፍጣር
  • ውሕስነትካ ምጥፋእ

መጽናዕታት ከምዝሕብርዋ፡ ኣጨናቒ ኩነት ዘጋጥሞም ሰባት፡ ካብ 6% ክሳብ 33% ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት የማዕብሉ። እዚ ፍልልይ ዝርግሐ፡ ብክብደት ናይቲ ኣጨናቒ ኩነት ዝጽሎ እዩ። 

ፍልልይ ኣብ መንጎ ስነኣእምሮኣዊ ስንባደን ጸገም ብርቱዕ ጭንቀጥን 

ኣብ መስርሕ ምርመራን ምልክታትን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ጸገም ብርቱዕ ጭንቀትን  ተመሳሰልቲ እዮም (መለኪዒ ‘ሀ’ ተመልከት)። እንተኾነ ግን፡ ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ብብዙሕ ነገራት ካብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ይፍለ እዩ፡

  • ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ኣለዋን የብሉን ክትምርምር ከለኻ፡ እቶም ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ብጥምሮ እዮም ዝግለጹ (ንዝበለጸ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)። ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ግን፡ ብጥምሮ ዘይኮነ፡ ብጠቕላላ እቶም ምልክታት ማዕረ ክንደይ ተንጸባሪቖም ግምት ብምውሳድ እዩ ዝካየድ። 
  • ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ፡ ኣብ ፍርሒ ዘይተመርኮሱ ምልክታት ከም መዐቀኒ ይጥቀም እዩ (ንኣብነት. ሓደገኛ ወይ ኣዕናዊ ባህርታት፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣሉታዊ ኣረኣእያን ብዛዕባ ነብሱን ዓለምን ወይ ብዝተጋነነ ነቲ ዘጓነፎ ጭንቀታት ንኻልኦት ሰባትን  ዓለምን ከወንጅል፡ ዝሕታለ ድሌታትን ንጥፈታትን፡ ተነጽሎን ካልእን)። ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ግን ኣብ ፍርሒ ዘይተመርኮሱ ወይ ዘይነቐሉ ምልክታት ኣብ  እዋን መርመራ ኣብ ግምት ኣየእቱን እዩ። 
  • ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ፡ ገለሊ ስሚዒት ንኡስ ክፋል ኣለዋ። ጸገም ብርቱዕ ጭንቀት ግን፡ ገለልቲ ምልክታት (ሰብኣዊ መንነት ዝቕንጥጥን ካብ ኩውንነት ዝንጽልን) ከም ክፋልይ ናይቲ ምልክታት እዮም ዝቑጸሩ።