ጸገም ኦቲዝም ስፐክትሩም ምስ ጸገማት ምዕባላ ሓንጎል ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ሰብ ንኻልኦት ንምርዳእን ማሕበራዊ ሂወት ምስ ካልኦት ሰባት ጸገም ዝፈጥር እዩ። ብትወሳኺ፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባትን ዝርርብን። ብተወሳኺ፡ እዚ ጸገም፡ ብተደጋጋሚ ዝንጸባረቑ ጠባያት የርእዩ እዮም። ጸገም ኦቲዝም ስፐክትረም ዝተፈላለዩ እኩባት ጸገማት ምዕባለ ኣእምሮ ኮይኑ ዝተፈላለየ ምልክታትን ክብደትን ዘለዋም እዮም።
ጸገም ኦቲዝም ኣብ መጀመርያ ዕድመ ቁልዕነት ዝጅምር ኮይኑ፡ ቀስ ብቀስ ድማ፡ ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ ንኸይነብር ጸገማት ይፈጥር፡ ንኣብነት፡ ማሕበራዊ፡ ኣብ ትምህርትን ስራሕን። መብዝሓትኡ እዋን፡ ቆልዑ ምልክታት ኦቲዝም ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዕድሚኦም እዮም ክርእዩ ዝጅምሩ። ሓደ ሓደ እዋን ግን፡ ገለ ቆልዑ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቶም፡ ንቡር ጸገም ዘይብሉ ምዕባለ ክርእዩ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪኡ ግን ካብ 18 ካሳብ 24 ወርሒ ዘሎ ዕድመ እንዳ ኣንቆልቆሉ ክኾዱ ይጅምሩ።
ጸገም ኦቲዝም ዋላ’ኳ መድሃኒት እንተዘይብሉ፡ ብእዋኑ ዝግበሩ ጹቑቕ ሕክምናታት ግን ኣብ ሂወቶም ብዙሕ ለውጢ የምጽኣሎም እዩ።
ክነስተባህለሎም ዘለና ምልክታት እንታይ ይመስሉ?
ገለ ቆልዑ ምልክታት ኦቲዝም ኣብ ህጻንነቶም ከርእዩ ይጅምሩ እዮም፡ ንኣብነት፡ ቁሊሕ ኢልካ ሰባት/ወለዲ ዘይምርኣይ፡ ስሞም ክጽውዑ ከለው ዘይምምላስ ወይ ንወለዶም ወይ ንኣለይቶም ዘይምግዳስ። ገለ ገለ ቆልዑ ድማ፡ ኣብቲ መጀመርያ ዘሎ ዓመት ንቡር ምዕባለ ዋላ’ኳ እንተርኣዩ፡ ሃንደበት ግን ክቕየሩ፡ ካብ ሰብ ክርሕቁ ወይ ጸርጸር ክብሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጥዋ ቋንቃ ክእለቶም ከጥፍኡ ይጅምሩ። እቲ ዝበዝሕ ምልክታት ደቂ 2 ዓመት ክኾኑ ከለው ይርአ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ጸገም ኦቲዝም ዘለዋ ቆልዓ፡ ንሶም ጥራሕ ዘርእይዋ ፍሉይን ተደጋጋምን ብክብደቶም ዝፈላለዩ ጠባያት የርእዩ እዮም። ክእለት ትግባረኦም ድማ ካብ ትሑት ዓቕሚ/ክእለት ክሳብ ልዑል ክእለት/ዓቕሚ ክኸውን ይኽእል።
ጸገም ኦቲዝም ዘለዋም ቆልዑ፡ እቶም ገሊኦም ክመሃሩ ዝሽገሩ ኾይኖም፡ ካብቲ ተራ ሰብ ትሑት ኣእምሮኣዊ ብልሒ ዘለዋም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ገሊኦም ድማ፡ ንቡር ብልሒ ሓንጎል፡ ወይ ልዕሊ ንቡር ብልሒ ሓንጎል ክህልዎም ይኽእል እዩ። ከምዚኦም ልዑል ብልሒ ዘለዋም ቆልዑ፡ ቀልጢፎም ክመሃሩ ዝኽእሉ ኾይኖም ወይ ፍልጠት ናይ ምቕባል ዓቕሞም ልዑል ኮይኑ፡ ኣብ ምዝራብን እቲ ዝተመሃርዋ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ከውዕልዋ ወይ ምስ ማሕበራዊ ኩነታት ክወሃሃዱ ግን ይሽገሩ።
እቶም ዘርኢዋም ምልክታት ፍሉያትን ዝተሓዋወሱን ብምዃኖም፡ ብልክዕ ኣብቲ ቆልዓ ዝረኣዩ ጸገማት ክተለልዮም ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብሓፈሻ፡ እቶም ምልክታት፡ ማዕረ ክንደይ ክብደት ኣለዋምን፡ ኣብ ሂወት እቲ ቆልዓ ድማ ማዕረ ክንደይ ንቡር ሂወት ንኽህልዋ ጽልዋ ይፈጥሩ እዩ ከም መዐቀኒ ዝውሰድ።
ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ብብዝሒ ዝረኣዩ ምልክታት ጸገም ኦቲዝም ስፐክትረም እዮም።
መለክዒታት ነጸርታ
ሀ. ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ፡ ቀጻሊ ጉድለታት ማሕበራዊ ዝርርብን ማሕበራዊ ምውሳእን፣ ኣብ መንጽር ብዙሕ መዳያት ዝርአዩ ምልክታት ኮይኖም፣ ኣብ ህሉው እዋን ይኹን ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ። ( እዚ ኣብነታት መብርሂ ደኣ እምበር ኣጠቓለልቲ ኣይኮኑን)
- ንኣብነት ካብ ዘይንቡር ማሕበራዊ ኣገባብን፣ ፍሽለት ንቡር ንየው ነጀው ዝርርብን ክሳዕ ዝነከየ ምክፋል ዝንባለታት፡ ስምዒታት ወይ ድርኺት፡ ክሳዕ ፍሽለትን ንማሕበራዊ ምውስሳእ ምጅማር ወይ ግብረ መልሲ ምሃብ ዝዝርጋሕ ጉድለታት ማሕበራዊ-ስምዒታዊ ምልውዋጥ ወይ ምውህሃብ።
- ንኣብነት ካብ ብሕማቕ ኣገባብ ዝተወሃሃደ ኣፋዊን ዘኣፋዊን ዝርርብ፡ ክሳዕ ዘይንቡርነት ኣብ ርክብ ኣዒንቲን ኣካላዊ ቋንቋን ወይ ጉድለታት ኣብ ምርዳእን ምጥቃምን ምልክታት፣ ክሳዕ ፍጹም ስእነት ወይ ሕጽረት ናይ ገጽ መግለጺታትን ዘይቃላዊ ዝርርብን፣ ዝዝርጋሕ ንማሕበራዊ ምውስሳእ ዝጠቕሙ ሕጽረታት ዘይቃላዊ ባህርያት ዝርርብ።
- ንኣብነት ካብ ጉድለት ምስ ሓያለ ማሕበራዊ መዳይ ዝሳነ ምስትኽኻል ባህርያት ምህላው፣ ክሳዕ ጸገማት ኣብ ምክፋል ፈጠራዊ ጸወታ ወይ ኣዕሩኽ ምግባር፣ ክሳዕ ኣብ መሳቱ ተገዳስነት ዘይምህላው ዝዝርጋሕ ጉድለታት ኣብ ምምዕባል፡ ምዕቃብን ምርዳእን ዝምድናታት።
ለ. እንተወሓደ ብክልተ ካብዞም ስዒቦም ዝተጠቕሱ ብቀያዲ ወይ ተደጋጋሚ ባህርያት ጠባይ፡ ዝንባለታት፡ ወይ ንጥፈታት ኮይኖም፣ ኣብ ህሉው እዋን ይኹን ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ። (ኣብነታት መብርሂ ደኣ እምበር ኣጠቓለልቲ ኣይኮኑን)
- ልሙድ ወይ ተደጋጋሚ ምንቅስቓስ ኣንቀሳቐስቲ፡ ምጥቃም ነገራት፡ ወይ ዘረባ (ንኣብነት ተራ ልሙድ ወይ ክሊሸ ኣንቀሳቓሲ፡ ምስራዕ መጻወቲ ቆልዑ፡ ወይ ኣቕሓ ምግምጣል፡ ምድግጋም ዘረባ፡ ፍሉይ ጠባይ ሓረጋት)
- ኣብ ተመሳሳልነት ግድን ምባል፡ ንዝውቱር ነገራት ብዘይተዓጻጻፍነት ምስዓብ፡ ወይ ወግዓውነት ዝለበሱ ኣቃውማታት ኣፋዊን ዘኣፋዊን ባህርያት (ንኣብነት ክቱር ጭንቀት ንናኣሽቱ ለውጥታት፡ ኣብ መሰጋገሪ ምሽጋር፡ ደረቕ ኣቃውማ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ሰላምታ ወግዕታት፡ ኩሉ መዓልቲ ሓደ መንገዲ ክትጥቀም ወይ ሓደ ዓይነት መግቢ ክትምገብ ምድላይ)
- ኣብ ብርታዐ ወይ ኣተኩሮ ዘይንቡር ዝኾነ ኣዝዩ ድሩት፡ ሃምን ቀልቢን ዝሰልብ ዝንባለታት (ንኣብነት ሓያል ልግበት ወይ ቀልቢ ምስሓብ ኣብ ዘይንቡር ኣቕሓ፡ ልዕሊ ንቡር ደረት ወይ ምሕጻር፡ ወይ ናይ ምዕጋስ ዝንባለታት)።
- ኣመና-ንጡፍነት ወይ ትሑት-ንጡፍነት፡ ንህዋሳዊ እትዋት ወይ ዘይንቡር ዝንባለ ኣብ ህዋሳዊ መዳይ (ከም ንቃንዛ ወይ ሙቐት ግሁድ ዝኾነ ዘይምግዳስ ምርኣይ፣ ንውሱናት ድምጽታት ወይ ማእለማ ተጻራሪ ግብረመልሲ ምሃብ፣ ልዕሊ ንቡር ምሽታት ወይ ምትንኻፍ ኣቓሑ፣ ኣብ መብራህቲ ወይ ምንቅስቓስ ርእየታዊ ምሳጠ ምሕዳር)።
ሐ. ምልክታት ኣብ ፋልማይ ናይ ምዕባለ ግዜ ክህልዉ ኣለዎም። እንተኾነ እቶም ምልክታት፡ ማሕበራዊ ጠለባት ንድሩታት ክእለታት ክሳዕ ዝዛይድዎም ምሉእ ብምሉእ ዘይክርኣዩ፡ ወይ ድማ ኣብ ዳሕርዋይ ህይወት ብዝማሃርዎም ስትራተጅታት ክሽፈኑ ይኽእሉ እዮም።
መ. ምልክታት ኣብ ማሕበራዊ፡ ሞያዊ፡ ወይ ካልኦት ኣገደስቲ ክፋላት ናይ ህልዊ ዕማማት ክሊኒካዊ ዕዙዝነት ዘለዎ ጉድኣት የኸትሉ።
ሰ. እቶም ጸገማት ብዝበለጸ ብስንክልና ኣእምሮ (ጸገማት ኣእምሮኣዊ ምዕባለ) ወይ ምድንጓይ ዕቤት ኣይግለጹን እዮም። ስንክልና ኣእምሮን ሕማም ምትሃት በይንነትን ዝበዝሕ ግዜ ብሓደ የጋጥሙ እዮም። ነጸርታ ሓባራዊ ሕማም፡ ስንክልና ኣእምሮን ሕማም ምትሃት በይንነትን ክግበር እንተኾይኑ፡ ማሕበራዊ ዝርርብ ካብቲ ንሓፈሻዊ ደረጃ ምዕባለ እንጽበዮ ክትሕት ይግባእ።
ዝርግሐ (Prevalence)
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ካብ ሕቡራት መንግስታት ወጻኢ ዝርከባ ሃገራትን ቁጽሪ ሕማም ምትሃት በይንነት ዘለዎም ሰባት 1 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ክበጽሕ ከሎ፣ ኣብ ናይ ህጻናትን ኣባጽሕን ቅምሶ ድማ ተመሳሳሊ ግምታት ኣሎ። ዝልዓለ መጠን ማለት ድማ፡ ንትሕተ-ደረት ጉዳያት፡ ዝበረኸ ንቕሓት፡ ፍልልያት ኣብ መጽናዕቲ ስነ-ኣገባብ፡ ወይ ሓቀኛ ወሰኽ ኣብ ምድግጋም ሕማም ምትሃት በይንነት ንምጥቕላል ተባሂሉ ንምስፋሕ ነጸርታዊ መለክዒ ሕማማት ምርባሽ ልብወት(ተግንዝቦ)፡ ስሩዕ ስምዒት ወይ ባህሪ ዘንጸባርቕ ከይከውን ንጹር ኣይኮነን።
ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን
ኣብ ውሽጢ ሕማም ምትሃት በይንነት ንውልቃዊ ውጽኢት፣ እቲ ዝበለጸ ዝተረጋገጸ ቅድመ-ገምጋማዊ ረቛሒታት ምህላው ወይ ዘይምህላው ዝተኣሳሰረ ኣእምሮኣዊ ስንክልናን ድኽመት ቋንቋን (ንኣብነት ተግባራዊ ቋንቋ ኣብ 5 ዓመት ዕድመ ጽቡቕ ምልክት ቅድመ-ግምገማ እዩ)ን ተወሰኽቲ ጸገማት ኣእምሮ ጥዕናን እዮም። ሕማም ምንፍርፋር ከም ተደራቢ ሕማም ምስ ዝላዓለ ኣእምሮኣዊ ስንክልናን ዝተሓተ ዘረባዊ ክእለትን ዝተኣሳሰረ እዩ።
ከባብያዊ፡ ዝተፈላለዩ ዘይንጹራት ናይ ሓደጋ ረቛሒታት ከም ወለዲ ኣብ ዕቤቶም ምስ ዝወልዱ፡ ትሑት ሚዛን ሰብነት ኣብ ግዜ ወሊድ፡ ወይ ምቅላዕ ዕሸል ንሕማም ምንፍርፋርን ኣታዊ ወጻኢ ሕማም ኣእምሮ ዝውዕል መድሃኒት፡ ንሕማም ምትሃት በይንነት ኣስተዋጽኦ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ተወርሶኣዊን ስነ-ኣካላዊን፡ ናይ ሕማም ምትሃት በይንነት ናይ ተወራስነት ገምጋም ኣብ መጠን ተቓድዎ ማናቱ ምርኩስ ብምግባር፣ ካብ 37 ክሳዕ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ይዝርጋሕ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክሳዕ 15 ሚእታዊት ካብ’ቶም ሕማም ምትሃት በይንነት ዘለዎም ምስ ፍሉጥ ጀነቲካዊ ለውጢ፣ ምስ ዝተፈልየ ዳግም ልውጥ ቁጽሪ ቅዳሕ፡ ወይ ምስ ኣብ ካልኦት ስድራቤታት ዘሎ ጸገም ዝተኣሳሰር ዳግም ለውጢ ኣብ ኣብ ዝተወሰኑ ፈርዒታት ዝተተሓሓዙ ይመስሉ። እንተኾነ፡ ዋላ’ኳ ሕማም ምትሃት በይንነት ምስ ፍሉጥ ዝኾነ ጀነቲካዊ ለውጢ ዝተኣሳሰረ ይኹን፡ ምሉእ ብምሉእ ዝሓልፍ ኣይመስልን እዩ። ነቶም ዝተረፉ ጉዳያት እቲ ናይ ሓደጋ ጠንቂ ናይ ብዙሓት ፈርዒ ይመስል፤ ምናልባት’ውን ኣማኢት ፈርዓዊ ሕመረታት ብተዛማዲ ንእሽቶ ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ይኾኑ።
ምስ ጾታ-ዝተኣሳሰሩ ነጸርታዊ ጉዳያት
ሕማም ምትሃት በይንነት፡ ካብ ደቀንስትዮ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብ4 ዕጽፊ ዝያድ ነጸርታ ይካየድ። ኣብ ክሊኒካዊ ቅምሶታት፡ ደቀንስትዮ ዝያዳ ዝተተሓሓዘ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ናይ ምህላው ባህሪ ኣለወን። እዚ ድማ ዝተሓሓዝ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ወይ ምድንጓይ ቋንቋ ዘየርእያ ደቀንስትዮ ከይተፈልጣ ክጸንሓ ይኽእላ። እቲ ጠንቂ ድማ ብሰንኪ ዝረቐቐ ማሕበራዊን ዝርርብን ጸገማት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ተደሪቦ ክምዕብሉ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ጸገማት (Comorbidity)
ሕማም ምትሃት በይንነት፡ ብተደጋጋሚ ምስ ኣእምሮኣዊ ስንክልናን መዛርዓዊ ጸገም ቋንቋን ዝተኣሳሰረ እዩ። (ማለት ብግቡእ ሰዋስው ምሉእ ሓሳባት ምስራሕን ምግንዛብን ዘይምኽኣል ዝተእሳሰር እዩ) እዚ ድማ ኣብ ኣድላይነት ዘለዎ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ብቑዓት ኣነጸርቲ ክፍለጥ ዝግባእ እዩ። ብዙሓት ሕማም ምትሃት በይንነት ዘለዎም ውልቀሰባት፡ ክፋል ናይቲ ነጸርታዊ መልክዒ’ቲ ሕማም ዘየቑሙ ኣእምሮኣዊ ምልክታት ኣለዎም። (ኣስታት 70% ሕማም ምትሃት በይንነት ዘለዎም ውልቀሰባት ሓደ ተደራቢ ሕማም ናይ ኣእምሮ ጸገም ክህልዎም ይኽእል። 40% ድማ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ተደረብቲ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ክህልዎም ይኽእል)። መለክዒታት ንክልተኡ ጸገማት ጉድለት-ኣተኩሮ ወይ ኣመና-ንጡፍነትን ሕማም ምትሃት በይንነትን ምስ ዝማልኡ፡ ክልተኡ ነጸርታታት ክወሃብ ይግባእ። እዚ ዓይነት መትከል ድማ ሕማም ምትሃት በይንነትን ምዕባለኣዊ ጸገም ምውህሃድ፡ ሕማም ሻቕሎት፡ ሕማም ቅዛነት፡ ካልእ ተደረብቲ ሕማማትን ብሓደ ምስ ዘጋጥሙ ይትግበር። ካብ’ቶም ዘረባ ዘይክእሉ ወይ ሕጽረት ቋንቋ ዘለዎም ውልቀሰባት ክርአዩ ዝኽእሉ ምልክታት፡ ከም ለውጢ ኣብ ድቃስ ወይ ኣመጋግባን ምብራኽ በዳህቲ ጠባያትን ንግምገማ ሻቕሎት ወይ ቅዛነት ክቕስቅሱ ይግባእ። ፍሉያት ጸገማት ምምሃር (መሃይምነት ምጥፋእን ኣሃዘነትን) ልክዕ ከም ምዕባለኣዊ ጸገም ምውህሃድ ልሙዳት እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሕማም ምትሃት በይንነት ዝተኣሳሰሩ ውሽጣዊ ሕማማት ኣብ ትሕቲ “ምስ ውሽጣዊ ወይ ተወርሳዊ ወይ ኣከባብያዊ ወይ ዝተጠረየ ጸገም” ዝብል ኣነጻሪ ክምዝገቡ ይግባእ። ከምዚኦም ዓይነት ውሽጣዊ ጸገማት ንሕማም ምንፍርፋር፡ ጸገማት ድቃስን ድርቀትን የጠቓልሉ። ጸገም ኣወጋዲ-ቀያዲ ምውሳድ መግቢ ብመጠኑ ብብዝሒ ዝርአ ጠባይ ሕማም ምትሃት በይንነት ኮይኑ፡ ሕሉፍን ጸቢብን ምርጫ መግቢ ድማ ቀጻሊ ወይ ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ መንጎ ጸገም ኦቲዝምን ቫክሲን ወይ ክታበት ምትእስሳር ኣሎ ዶ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ ካብቲ ኣዘራራብን ኣከራኻርን ዝኾነ ዛዕባ፡ ቫክሲን ወይ ክታበት ጠንቂ ጸገም ኦቲዝም ድዩ ዝብል እዩ። ብዘይ መጠን ብዙሕ መጽናዕትታት ነዚ ጉዳይ ንምርግጋጽ እኳ እንተተገብሩ፡ ንጹር ዝኾነ ርክብ ከምዘሎ ዝሕብር ውጺኢት ግን ኣይተረኽበን። ማለት፡ ቫክሲን ወይ ክታበት ጠንቂ ጸገም ኦቲዝም እዩ ዝብል ውጺኢት ኣይተረኽበን። እምበሺ፡ እቲ ናይ መጀመርያ መጽናዕቲ ክታበት ጠንቂ ጸገም ኦቲዝም እዩ ዝብል፡ ብሰንኪ ዝንቡዕን ዘይቁኑዕን ኣጠራጣሪ ዝኾነ ኣሰራርሓ እቲ መጽናዕቲ ከምዝሰሓብ እዩ ተጌሩ።
ኣብ ቆልዑነት ዝወሃብ ክታበት ዘይምሃብ ብዙሕ ጉድኣታት እዩ ዘምጽእ ወይ ነቲ ቆልዓ ናብ ዝተፈላለዩ ሕማማት እዩ ዘቃልዖ። ገለ ካብኦም ንምጥቃስ፡ ትኽትኽታ፡ ንፍዮ፡ ፍሮማይ፡ ፖልዪ . . . ወዘተ።
ምስ ጸገም ኦቲዝም ዝተኣሳሰሩ ክእለዩ ዘለዋም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት
ኣብ ልዕሊ ጸገም ኦቲዝም፡ ቆልዑ ኮተቴን መንእሰያትን ዝተፈላለየ ጸገማት ከጓንፎም ይኽእል እዩ። ገለ ንምጥቃስ፡
ኣካላዊ/ሕክምናዊ ጸገማት፡ ጸገም ኦቲዝም ዘለዎ ቆልዑ፡ ብዙሕ ግዜ ተወሰኽቲ ጸገማት ጥዕና የርእዩ እዮም። ንኣብነት፡ ምስ ካልኡት ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለው ጸገም ኦቲዝም ዘይብሎም ክወዳደሩ ኸለው፡ ጸገም ከስዐን (7 ዕጽፊ)፡ ውጽኣት (3.5 ዕጽፊ); ኣለርጂ ናይ ቆርበት ወይ አዚማ (eczema፡ 1.6 ዕጽፊ)፡ ኣዝማ (1.8 ዕጽፊ)፡ ረኽሲ እዝኒ (2.1 ዕጽፊ)፡ ከቢድ ሕማም ርእሲ (2.2 ዕጽፊ)፡ ሕማም ምንፍርፋር (ብልምዲ ሕማም ባርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ)፡ ጸገም ድቃስ . . . ወዘተ። ነዞም ጸገማት ብኸመይ ክትኣልዪም ትኽእል ምስ ናይ ውላድካ ሓኪም ተዘራረብ።
ካብ ኮተቴ ናብ ብጽሕና ምስግጋር፡ ጸገም ኦቲዝም ዘለዋም ኮተቴን መንእሰያትን ኣካላቶም ክጉብዝን ክቕየርን ከሉ ንኽርድእዎ ይሽገሩ እዮም። ብተወሳኺ፡ ማሕበራዊ ሂወትን ርክባትን፡ ኣብ ዕድመ ኮተቴ እንዳተሓላለኸ እዩ ዝኸይድ። በዚ መጠን ነቲ ጸገም ኦቲዝም ዘለዋ ኮተቴ ዘርእዮ ፍሉይ ጠባያት፡ ካልኡት ናቱ ዕድመ ከይጻወርዋ ይኽእሉ እዮም።
ተወሰኽቲ ስነ-ኣእምሮዊ ጸገማት፡ ኮተቴን መንእሰያትን ብጸገም ኦቲዝም ዝሽገሩ፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ተወሰኽቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት የርእዩ እዮም። ንኣብነት፡ ጭንቀት፡ ትካዘ፡ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት (ADHD)፡ ጸገም ቀሳቢ-ተሰላቢ (Obsessive-Compulsive Disorder)፡ ጸገም ድቃስ . . . ወዘተ።
ናብ ሕክምና ንውላድካ ክተወስዶ እንተወሲንካ ክትዳለወሉ ዘለካ ነገራት
ናይ ውላድካ ሓኪም፡ ካብ ዝውለዱሉ ሰዓት፡ ኩነታት ጥዕኖኦም ብምክታትል፡ ቀጻሊ ምዕባለኦም ኣብ ከመይ ደረጃ ከምዘሎ መርመራታት የካይድሎም እዮም። ዝኾነ ነኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ውላድካ ዝተዓዘብካዮ ብዘይ ወዓል ሕደር ንሓኪም ክትሕብር ኣለካ። ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምልክታት ኦቲዝም ውላድካ እንተኣርእዩ፡ ነቲ ጸገም ብግቡእ ክምርምር ዝኽእል ናብ ስፐሻሊስት ሓኪም ክትሰጋገር ትኽእል ኢኻ።
መጀርያ ናብ ሓኪም ኣብ ትኸደሉ፡ እቲ ሓበሬታት ዝህብኻ ብዙሕን ኣጨናቕን ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ምሳኻ፡ ክሕግዘካ ዝኽእል ካልእ መቕርብ ሒዝካ ኺድ።
እንታይ ክተግብር ትኽእል?
ቅድሚ ናብ ሓኪም ምኻድካ፡ ብጽሑፍ ሓበሬታ ኣኪብካ ኺድ። ንኣብነት፡
- መድሃኒታት፡ ዝተፈላለዩ ውላድካ ዝወስዶ መድሃኒታት፡ ቪታሚናት፡ ባህላዊ ህክምናታትን፡ ዓቐናትን።
- ዝኾነ ስክፍታት ዘለካ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ኣካላትን ሓንጎልን ወይ ዘይንቡር ጠባያት ዘርእዮም ውላድካ እንተሃልዩካ፡ ንሓኪም ኣካፍሎ።
- መዓስ ውላድካ ዘረባ ከምዝጀመረን፡ እቶም ኣገደስቲ ደረጃታት ምዕባለ ከምዝበጽሖምን፡ ውላድካ ኣብ እዋኑ ዘረባ ወይ ደው ምባል፡ ምኻድ . . . ወዘተ ከምዝጀመረ ሓበሬታ ክትሕዝ ኣለካ። ብተወሳኺ፡ ውላድካ ካልኡት የሕዋት/ኣሓት እንተሃልዮሞ፡ ብዛዕብኦም ውን ሓበሬታ ክትህብ ሓጋዚ እዩ።
- ውላድካ ብኸመይ ምስ ካልኡት ቆልዑን፡ ተሕዋቶምን ስድርኦምን ይጻወትን ይቐርብን ሓበሬታ ሕዝ።
- ሕቶታት፡ ግዜኻ ብግቡእ ክትጥቀመሎም ምእንቲ ክትሓቶም እትደሊ ሕቶታት ኣቐዲምካ ሓሲብካን ጺሒፍካን ኪድ።
ብተወሳኺ ክሕግዙ ዝኽእሉ ነገራት፡
- ካብ ካልኦት መቕርብ፡ ኣለይትን ኣባላት ስድራቤትን ዝሰማዕካዮ ነገራት። ንኣብነት፡ ካብ መምህራን፡ ኣዝማድ፡ ኣለይቲ ቆልዑን ካልኦት ኣባላት ስድራቤትን ዝሰማዕካዮ ብዛዕባ ዘይንቡር ጠባያት ወይ ምንቅስቓሳት ብጽሑፍ መንዝገብ ሕዝ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ውላድካ ብኻልኦት ሓካይም ወ ኪኢላታት ተመርሚሩ ወይ ተሓኪሙ እንተኔሩ፡ ነቲ ናይ መርመራ ወይ ሕክምና ወረቓቕቲ ቅዳሕ ሒዝካ ኺድ ወይ ነቲ ናይ ውላድካ ሓኪም፡ ኣቐዲሙ ካብቲ ካልእ ሓኪም ከምጽኦ ከምዘለዋ ሓብሮ።
- ደረጃታት ምዕባለ ውላድካ ዝሓዘ ካርድ። ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣብ መዝገብ፡ ምዕባለ ውላድካ ካብ እዋን ናብ እዋን ተዓዘብን መዝግብን።
- ኣብ ቪድዮ ዝተመልአ ዘይንቡር ጠባያት ወይ ምንቅስቓሳት ውላድካ። እንተኺኢልካ፡ ናይ ቪድዮ መቕድሒ፡ ንኣብነት ሞባይል ተለፎን፡ ፊድዮ ካሜራ ነቲ ዘይንቡር ጠባያት፡ ምንቅስቓሳት ወይ ድምጽታት፡ ቀሪጽካ ንሓኪም ኣርእዮ።
ንሓኪም ውላድካ ክትሓቶም ዘለካ ሕቶታት
- ስለምንታይ ጸገም ወይ ምልክታት ኦቲዝም ኣለዋ (የብሉን)?
- ነዚ ጸገም ኦቲዝም ክነረጋግጸሉ ንኽእል መርመራ ወይ መገድታት ኣለው’ዶ?
- ውላደይ ጸገም ኦቲዝም እንተኣለዋ፡ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከምዝኾነን ዘይኮነን ክፍለጠሉ ዝኽእል መገዲ ኣሎ’ዶ?
- ውላደይ እንዳዓበየ ክኸይድ ከሎ፡ እንታይ ለውጥታት ክጽበ ይኽእል?
- ንጸገም ኦቲዝም ወይ ንውላደይ ክሕግዙ ዝኽእሉ ፍሉያት ሕክምናታት ኣለው’ዶ?
- ከመይ ዓይነትን፡ ማዕረ ኽንደይን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ውላደይ ከድልዮ እዩ?
- ንጸገም ኦቲዝም ዘለዋም ቆልዑ፡ ንወለዲ ወይ ኣለይቲ ዝኽውን እንታይ ሓገዝ ኣሎ?
- ብዛዕባ ጸገም ኦቲዝም ሓበሬታት ብኸመይ ክረክብ ይኽእል?
ካልኡት ተወሰኽቲ ሕቶታት ክትሓትት ድሕር እይትበል።
ካብ ሓኪም ውላድካ እንታይ ክትጽበ ትኽእል
ናይ ውላድካ ሓካይም ዝተፈላለየ ሕቶታት ክሓትኻ እዮም። ብዝተኻእለ መጠን፡ ግዜኻ ንምቑጣብን፡ እቶም ኣገደስቲ ነገራት ክትዘራረበሎምን፡ ተዳሊኻ ኺድ። ገለ ካብቶም ሕቶታት ሓኪም ክሓተካ ዝኽእል፡
- ምኽንያት መምጽኢኻ ናብ ሕክምና እንታይ እዩ? ወይ ኣብ ውላድካ ዝተዓዘብካዮም ናብ ሕክምና ዘሕሰብዃ ጠባያት እንታይ እዮም።
- እዞም ጠባያት ወይ ምልክታት መዓስ ጀሚሮም? ካልኡት ሰባት ነዞም ጠባያት ኣስተባሂሎምሎም’ዶ? ንኣብነት፡ መምህራን፡ ኣለይቲ፡ ካልኡት ኣባላት ስድራቤት።
- እዞም ምልክታት ብቐጻሊ ድዮም ዘጋጥሙ ወይ ኔሮም ኔሮም እዮም ዝረኣዩ?
- ውላድካ ካልእ ዘርእዮም ምልክታት ምስ ጸገም ኦቲዝም ዘይተኣሳሰሩ ኣለው’ዶ? ንኣብነት፡ ጸገም ከስዐ፡ ውጽኣት፡ ሕማም ርእሲ፡ ረኽሲ እዝኒ?
- ነዞም ምልክታት ዘመሓይሹ ነገራት ኣለው’ዶ?
- ነዞም ምልክታት ዘጋድዱ ነገራት ወይ ኩነታት ኣለው’ዶ?
- ውላድካ መዓስ ፍሑኽ ፍሑኽ ምባል፡ ምኻድ፡ ናይ መጀመርያ ቃል ጀሚሩ?
- ንውላድካ ደስ ዝብልዋ ነገራት ወይ ንጥፈታት እንታይ እዮም?
- ውላድካ ምሳኻ፡ የሕዋቱ፡ ወይ ካልኡት ቆልዑ ብኸመይ ይዋሳእ? ኣብ ካልኦት ሰባት ድሌት የሐድር’ዶ? ቁሊሕ ኢሉ ይርኢ፡ ፍሽኽ ይብል ወይ ምስ ካልኦት ይጻወት’ዶ?
- ኣብ ስድራቤትኩም ጸገም ኦቲዝም፡ ጸገም ቋንቋ፡ ረት ሲንድሮም (Rett syndrome)፡ ጸገም ቀሳቢ-ተሰላቢ (Obsessive-compulsive disorder)፡ ጽንቀትን ጸገም ትካዘን ኣሎ’ዶ?
- ትምህርታዊ መደባት ውላድካ ከመይ ይመስል? ብቤት ትምህርቱ ዝወሃቦ ሓገዛት ኣለው’ዶ ወይ እንታይ ይመስሉ?
ፍወሳ (Treatment) እንታይ ይመስል?
ካስብ ሕጂ ንጸገም ክፍውስ ዝኽል መድሃኒት ኣይተረኽበን። ብተወሳኺ፡ ብጸገም ኦቲዝም ዝሽገር ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ፍሉይን ዝተሓላለኸን ጸገማት ስለ ዘለዋም፡ ብሓደ ዓይነት ሕክምና ጥራሕ ክግልገሉ ኣይክእሉን እዮም። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዝተፈላለየ ሕክምና ብምውህሃድ፡ እቲ ዕላማ፡ ነቶም ምልክታት ኦቲዝም ብምጉዳል፡ ትግባረን ዕማምን ብግቡእ ንክመሃሩን፡ ዝሓሸ ዕቤት ንኽህልዋም ምሕጋዝ እዩ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም፡ ኣብ መዋእለ ህጻናት ከለው ዝወሃብ ትምህርትን ሓገዝን፡ ማሕበራውን ናይ ምዝርራብ ክእለቶምን፡ ነብሶም ኪኢሎም ዳሕራይ መባእታዊ ዝኾነ ነገራት ክዓዩን፡ እሩም ዝኾነን ሓጋዝን ጠባያት ከማዕብሉ ዓቢ ተራ እዩ ዘለዋ።
ነቶም ኣብ ገዛን ቤት ትምህርትን ዝትግበሩ ሕክምናን መፍትሕታትን፡ ንጸገም ኦቲዝም ዘለዋ ቆልዓን ወለድን ወይ ኣለይቲ ብዘይ መጠን ኣጨናቒ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ምስቲ ጸገም ዝተኣሳሰር ድሌታት ናይቲ ቆልዓ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜን ምስ ዕድመን ክቀያየር ይኽእል እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ፡ ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ ዘለዋም፡ ምስቲ ወኪል ኢንሹራንስ ብምዝርራብ፡ እንታይ ዓይነት ሓገዛትን ኣማራጺታትን ከምዘለዋም ከለልዩ ይኽእሉ እዮም።
ውላድካ፡ ብኦቲዝም ስፐክትረም ዝሽገር እንተኾይኑ፡ ብእዋኑ ምስ ክኢላ ወይ ሓኪም ብምዝርራብ፡ ነቲ ቆልዓ ዘድልይዋ ነገራት ንምውህሃድ ሓደ ስትራተጂ ወይ መደብ ክተውጽእ ኣለካ።
ሕክምና ኣመራጺታት፡
ንጠባይን ምዝርራብን ዘማሓይሹ ሕክምና ወይ ተራፒ፡ ብዙሗት ፕሮግራማት፡ ምስ ጸገም ኦቲዝም ዝተኣሳሰሩ ማሕበራዊ ጸገማት፡ ቋንቋን ናይ ጠባይ ሽግርን ኣብ ምቅላል ብዙሕ ተራ እዮም ዝጻወቱ። ገለ ፕሮግራማት፡ ነቶም ኣሸገርቲ ጠባያት ብምጉዳል፡ ሓድሽ ክእለታት ከጥርዩ ይምህርዎም። ካልኦት ፕሮግራማት ድማ፡ ነቶም ቆልዑ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ብኸመይ ክዋስኡ ከምዘለዎም ወይ ምስ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ክዘራረቡን እሂን ምሂን ክበሃሃሉ ይምህርዋም። ኣብዚ ዝመሃርዎም ዝተፈላለዩ ክእለታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክጥወሙሎም ይኽእሉ እዮም።
ትምህርታዊ ተራፒ፡ ጸገም ኦቲዝም ዘለዋም ቆልዑ፡ ንስሩዕን ዘይተሓላለኸ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት፡ ብጽቡቕ እዮም ዝቕበልዋን፡ ዝስግሙን። መብዛሕትአን ዕዉታት ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት፡ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝሓቖፋ ኾይነን፡ ነቲ ቆልዓ ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይምህሮኦም። ንኣብነት፡ ማሕበራዊ ክእለት፡ ናይ ምዝርራብን ስሩዕ ጠባይ ከማዕብሉን ይሕግዝኦም። ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘለው ዕድመ፡ ጽዑቕ ዝኾነ ትምህርቲ፡ ብውልቁ ነቲ ቆልዓ ምስ ዝወሃብ፡ ጽቡቕ ውጺኢት እዮም ዘርእዩ።
ተወሰኽቲ ሕክምና፡ ካብ ቆልዓ ናብ ቆልዓ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ቆልዑ ፍሉይ ሕክምና የድልዮም እዩ። ንኣብነት ናይ ምዝርራብ ክእለቶም ንምምሕያሽ ናይ ቃንቃ ሓኪም (Speech Therapist) ከድልዮም ይኽእል እዩ። ዝተፈላለዩ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ክጥቀሙሎም ዝኽእሉ ንጥፈታት ንምኽዕባት፡ ኦኪፔሽናል ተራፒስት Occupational Therapist) ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ናይ ምንቅስቓስ ክእለትን፡ ስሩዕ ኣካይዳን ጥዑይ ኣካላት ንክህልዋም፡ ናይ ስፖርት መምህር ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ብምልዛብ፡ ዝሓሸ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
መድሃኒት፡ ነቶም ቀንዲ ጸገማት ኦቲዝም ክፍውስ ዝኽእል መድሃኒት የለን። እንተኾነ ግን፡ ገለ መድሃኒታት፡ ነቶም ምልክታት ከማሓይሽዋም ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ቆልዓ፡ ተወሳኺ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት (ADHD) እንተሃልዮዋ፡ ስግንጢር ወይ ረበሽቲ ዝኾኑ ጠባያት፡ ምልክታት ጭንቀትን ትካዘን ንምህዳእ፡ መድሃኒት ክእዘዘሎም ይኽእል። ናብ ሓኪም ኣብ ትኸደሉ እዋን፡ ኩሉ ግዜ፡ እቲ ቆልዓ እንታይ መድሃኒት (ብሓኪም ዝተኣዘዘ ይኹን ባህላዊ) ነቶም ሓካይም ክሕበሩ ኣለዋም። ገለ መድሃኒታት ምስ ካልእ መድሃኒታት ወይ ባህላዊ ፍወሳታት ክገራጨው ስለ ዝኽእሉ ወይ ኣሉታዊ ጎድንታት ከስዕቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ።