መጥቃዕቲ ፍርሂ እንታይ’ዩ
መጥቃዕቲ ፍርሂ ዝበሃል ኣብ ባይታ ዘሰክፍ ሓደጋ ወይ ከኣ ጠንቂ ዘየልቦ ኽነሱ ኣብ ኣካላትና ልዑል ሃስያ ዘውርድ ሃንደበታውን ሓያልን ፍርሂ’ዩ። ናይ ፍርሂ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ኣሸቝራሪ’ዩ። ክኽሰት ከሎ፡ ወይ ሕማም ልቢ ከም ዘሎካ ወይ ድማ ትመውት ከም ዘሎኻ ዀይኑ ክስምዓካ ይኽእል’ዩ።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓንሳእ ወይ ከኣ ክልተ ግዜ መጥቃዕቲ ፍርሂ የጓንፎም። ምናልባት ሓደ ኣጨናቒ ኵነታት ኣብ ዝዘልቀሉ እዋን ከኣ እቲ ጸገም ብኡ ኣቢሉ ይጠፍእ። እንተዀነ፡ ዝመላለሰካ እንተዀይኑ፡ ዘይተጸበኻዮ መጥቃዕቲ ፍርሂ ዝመጽኣካ እንተዀይኑ፡ ኣብ ጸጽባሕ ዘፍርህ ነገር ክመጽኣኒ’ዩ ኢልካ ትሓስብ እንተዄንካ፡ ናይ ፍርሂ ነውጺ (Panic Disorder) ኣጓኒፉካ ኣሎ ክበሃል ይከኣል።
ዋላ’ኳ መጥቃዕቲ ፍርሒ ክሳዕ ክንዳኡ ንህይወት ኣስጋእቲ ኣይዅን፡ ኣጨናቕን ንዓይነት ህይወትካ ብኣሉታ ዝጸሉን ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ሕክምናዊ ክንክን ብምግባር ክመሓየሽ ይኽእል’ዩ።
መጥቃዕቲ ፍርሂ ብዘይ ገለ ድሎ፡ ሃንደበት ይኽሰት። ኣብ ዝዀነ እዋን ክመጽእ ይኽእል። ማኪና እናመራሕካ፡ ዕዳጋ ኣብ እትወርደሉ እዋን፡ ደቂስካ ከሎኻን ኣብ ኣኼባ ስራሕን ክኽሰት ይኽእል። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ፍርሂ ከጥቅዓካ ይኽእል’ዩ። ብተደጋጋሚ ኸኣ ክረኣየካ ይኽእል’ዩ።
መጥቃዕቲ ፍርሂ ብዙሕ ጅር ወይ ዓይነት’ዩ ዘለዎ። ምልክታቱ ግና ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ክረአ ይከኣል። እናሰኸነ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድኻምን ስልክይናን ክስምዓካ ይኽእል።
ናይ ፍርሂ ነውጺ ኣብ ዘጓንፈካ እዋን እዚ ቀጺሉ ዝጥቀስ ምልክታት ክረኣየካ ይኽእል’ዩ።
መምዘኒ ምልክታት መጥቃዕታዊ ፍርሒ እንታይ ይመስሉ?
ሀ. ዘይተጸበኻዮ ሃንደበታዊ ፍርሂ እናተመላለሰ የሸግረካ። መጥቃዕቲ ፍርሂ ሃንደበት ዝመጽኣካ ስምዒት ፍርሂ ወይ ከኣ ባህ ዘየብል ስምዒት ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ክበጽሕ ተኽእሎ ኣለዎ። ካብዚ ስዒቡ ዝተዘርዚሩ ዘሎ ኣርባዕተ ወይ ልዕሊኡ ምልክታት ከኣ ይረኣየካ።
እቲ ሃንደበታዊ ግንፋለ ፍርሂ ኣብ ህዱእ ኵነታት ይኹን ኣብ እዋን ጭንቂ ከጓንፍ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።
- ምዝያድ ህርመትን ዲጕዲጕታን ልቢ።
- ረሃጽ
- ምንቅጥቃጥ ኣካላት
- ሕጽረት ትንፋስ
- ስምዒት ምስርናቕ ወይ ምዕባስ
- ቃንዛ ኣፍልቢ ወይ ዘይምችእና
- ቃንዛ ከብዲ
- ስልክይና፡ ዘይምርጋእ፡ ምፍዛዝን ፍዅሰት ርእስን
- ቍሪቝሪ የብለካ ወይ ረስኒ ይገብረልካ
- ሰሓ ወይ ቃጸሎ ቘርበት
- ካብ ክውንነት ዝወጻእካ ወይ ከኣ ዘይንስኻ ዀይኑ ይስምዓካ
- ነብስኻ ዘይምቍጽጻር ወይ ምስሓት ኣእምሮ
- ፍርሂ ሞት
ኣስተውዕል፤ ባህላዊ ሰረት ዘለዎ ምልክታት (መበገሲኡ ዘይፍለጥ ድምጺ ኣብ ኣእዛንካ፡ ቃንዛ ኽሳድ፡ ሕማም ርእሲ፡ ዘይትቈጻጸሮ ውጫጨ ወይ ከኣ ብኽያት) ክረአይ ይኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክታት ምስ ልዕል ኢሉ ዝተዘርዘረ ከጓንፍ ዝኽእል ኣርባዕተ ምልክታት ዝኣቱ ኣይኰነን።
ለ. እቲ ከጓንፍ ዝኽእል ፍርሂ ካብዚ ትሕት ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ንሓደ ወርሒ መመላእታ ክረኣዮ ይኽእል፤
- ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ፍርሂ ወይ ሳዕቤኑ ዝመላለስ ጭንቂ(ነብሰ-ምቍጽጻር ምጥፋእ፡ ኣእምሮ ምስሓት፡ ሕማም ልቢ ምጥራይ)
- ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ባህርያትካ ርኡይ ለውጢ ምግባር (ነቲ ኣሎኒ እትብሎ መጥቃዕቲ ክትኣልዮ ዝድርኽ ባህርያት፣ ንኣብነት፡ ምንቅስቓስ ደው ምባል ወይ ከኣ ካብ ዘይተለምደ ኵነታት ወይ ተርእዮታት ነብስኻ ምግላል)
ሐ. እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነውጺ፡ ብሰንኪ ዕጸፋርስ ወይ ከኣ መድሃኒት ንዝስዕብ ፊስዮሎጅያዊ ጽልዋ ምትእስሳር የብሉን።
መ. እዚ ነውጺ’ዚ፡ ምስ ካልእ ናይ ኣእምሮ ሕማም ወይ ጸገም ተተሓሒዙ እንተ ዘይተገልጸ ዝሓሸ’ዩ። (ንኣብነት፡ መጥቃዕቲ ፍርሂ ብሰንኪ ዘፍርህ ማሕበራዊ ኵነታት – ከም ሕማም ማሕበራዊ ጸገማት፣ ክቱር ፍርሒ ነገራት ወይ ኵነታት – ከም ውሱን ራዕዲ ዝፈጥር ነገራት፣ ወልፍን ብሰንኩ ዝስዕብ ሕማምን፣ ዝኽሪ ዘርዕድ ኣጋጣሚታት – ከም ናይ ድሕረ ማህሰይቲ ሳዕቤናት፣ ዝለመድካዮ ነገር ምስኣን ጥራይ ኣይክሰትን።
ዝርግሐ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ኣብ በጽሕታትን እኹላትን ሰባት ዝተኸስተ ተርእዮ ነውጺ ፍርሂ ካብ 2%-3% ይበጽሕ። ኣብ ኣመሪካ፡ ደቂ ላቲን፡ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን፡ ጸለምቲ ደቂ ካሪብያንን ኤስያውያን ኣመሪካውያንንን ምስ ዘይላቲናውያን ጸዓዱ፡ ኣመሪካውያን ህንዳውያንን ብምንጽጻር ብትሑት ደረጃ’ዮም ዝጥቅዑ። ካብ 0.1%-0.8% ዝበጽሕ ትሑት ደረጃ መጥቃዕቲ ፍርሂ ኸኣ ኣብ ሃገራት ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ተራእዩ። ደቀንስትዮ ብዙሕ እዋን ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ተጠቃዕቲ እዚ ሕማም’የን። እቲ ገምጋም 2፡1 ይበጽሕ። እቲ ጾታዊ ፍልልይ ኣብ በጽሕታት ዝያዳ ይረአይ። ኣብ ልዕሊ ትሕቲ 14 ዝዕድሚኦም ህጻናት’ውን ዘይረአይ ኣይኰነን። ዋላ’ውን መጥቃዕቲ ፍርሂ ኣብ ህጻናት ዝረአይ እንተዀነ፡ እቲ መጠን ግና ትሕቲ 0.4 ይበጽሕ። ነውጺ ፍርሂ ኣብ እዋን በጽሒ ዕብየቱ እናርኣየ’ዩ ዝኸይድ – ብፍላይ’ኳ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ። እቲ ዝርግሐኡ፡ ድሕሪ ግርዝውና ኸኣ ኣብ ደረጃ እኹላት ሰባት ኣብ ጥርዚ ይበጽሕ። ኣብቶም ልዕሊ 64 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዝርግሐ ነውጺ ፍርሂ ጕድል ይብል’ዩ። 0.7% ከኣ ይበጽሕ።
ሓደጋን ግምታዊ ረቛሒታትን
ምርቃቕ ጠባይ፤ ኣሉታዊ ጽልዋ (ነውጺ ኣእምሮ) (ንኣሉታዊ ስምዒት ተቓላዒ ምዃን) ንጭንቀት ተኣፋፍነት ምዃን (ምልክታት ጭንቀት ጐዳኢ’ዩ ኢልካ ምእማን) ከምጠንቂ መጥቃዕቲ ፍርህን ብዛዕባኡ ምጭናቕን ክቝጸር ዝከኣል ናይ ሓደጋ ረቛሒታት’ዩ። እዚ ይኹን’ምበር መጠኑ ወይ ደረጃኡ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ተርእዮ፡ ናብ ደረጃ ነውጺ ፍርሂ ዘይደየበ ውሱን ምልክታት መጥቃዕቲ ፍርሂ እንተ ጸኒሑ፡ ናብ ዓብይ ደረጃ መጥቃዕቲ ፍርህን ነውጺ ፍርህን ክድይብ ይኽእል’ዩ። ብሰንኪ ምፍላይ ካብ ስድራ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘጓንፍ ጭንቀት’ኳ እንተሎ፡ ዋላ’ውን ኣዝዩ ልዑል ይንበር ድሒሩ ናብ ነውጺ ፍርሂ ከደይብ ዝኽእል ረቛሒ’ዩ ኢልካ መደምደምታ ክወሃብ ኣይከኣልን’ዩ።
ኣከባብያዊ፤ ተመክሮ ጾታውን ኣካላውን ጐነጽ ዘጓነፎም ቈልዑ ካብ ካልእ ዓይነታት ጭንቀት ብጭንቀት ፍርሂ ከም ዝሳቐዩ እዩ ዝፍለጥ። ብዘይካ’ዚ፡ ምትካኽ ሽጋራ ጠንቂ ናይ ፍርሂ መጥቃዕትን ነውጺ ፍርህን’ዩ። ዝበዝሑ ውልቀሰባት፡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ጭንቀቶም ጠንቅታት ናይ ምልላይ ዓቕሚ ኣለዎም። (ንኣብነት፤ ናይ ውሽጦም ጠንቂ ጭንቀታትን ምስ ኣካላዊ ጥዕና ዝተኣሳሰር ካልእ ጠንቅታት ከም ኣሉታዊ ተመኵሮ ምስ መድሃኒት፡ ሕማም ወይ ከኣ ሞት ኣባል ስድራ ክኸውን ይኽእል።)
ጀነቲካውን ፊስዮሎጅያውን፤ ጅን ንነውጺ ፍርሂ ከም ዘቃልዕ ይእመነሉ’ዩ። እንተዀነ፡ ንጹር ዝዀነ ምኽንያት ኣይተፈልጠን ኣሎ። ካብ ጭንቀት፡ ጸቕጥን ኣታውን ወጻእን ሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ስድራ ዝውለዱ ቘልዑ፡ ነውጺ ፍርሂ ከጓንፎም ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ስድራ ናይ ሕማም ታሪኽ ኣብ ዘሎወሉ፡ ከም ኣዝማ ዝኣመሰለ ናይ ትንፋስ ሕማማት’ውን ምስ ነውጺ ፍርሂ ምትእስሳር ኣለዎ።
ሓደጋ ነፍሰ-ቕትለት
ዋላ’ውን ሕማማት፡ ዓመጽ ትሕቲ ዕድመን ካልእ ረቛሒታትን ኣብ ግምት ዝኣቱ እንተዀነ፡ መጥቃዕቲ ፍርሂ ጠንቂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተኸስተ ዝበዝሐ ነፍሰ-ቕትለት ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
ሳዕቤናት ነውጺ ፍርሂ
ነውጺ ፍርሂ ምስ ኣዝዩ ልዑል ማሕበራዊ፡ ሞያውን ኣካላውን ጸገማት፣ ቍጠባዊ ሃስያ፣ እቲ ናብ ሕክምና ዝመላለስዎ ብዝሒ ግዜ (ጽልኣት ሰባት ስለ ዘለዎም) ይተኣሳሰር’ዩ።ነውጺ ፍርሂ ዘለዎም ሰባት ናብ ሕክምና ወይ ከኣ ናብ ዶክተር ክበጽሑ ስለ ዘለዎም ብዙሕ እዋን ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ይበዅሩ’ዮም። ኣብ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ናይ ሓልዮት ወይ ከኣ ወለንታዊ ንጥፈታት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ጕድኣት ክበጽሖም ይኽእል’ዩ። ኣሎ ዝበሃል ምልክታት መጥቃዕቲ ፍርሂ ካብቲ ውሱን ምልክታት መጥቃዕቲ ዝረኣዮ ክስተት ዝያዳ ምስ ዓበይቲ ሕማማት (ንኣብነት፡ ልዑል ሕክምናዊ ክንክን፡ ዝያዳ ስንክልናን ሕማቕ ኵነታት ህይወትን) ይተኣሳሰር።
ሓደ ሰብ መጥቃዕቲ ፍርሂ ዘለዎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?
ሓደ ሰብ እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ምልክታት እንተ ተራእይዎ፡ ብፍርሂ ተጠቒዑ ኢልካ ትጥርጥር ድማ እንተዄንካ፡ እንታይ ይኸውን ኣሎ ክትሓትት ወይ ድማ ቅድሚኡ ብነውጺ ፍርሂ ተጠቒዑ ነይሩን ኣይነበረን ክትውከሶ ጽቡቕ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ተጠቒዑ ምንባሩ እንተ ሓቢሩካ፡ ሕጂ’ውን ተጠቒዑ ምህላዉ እንተ ኣረጋጊጹልካ ሓገዝ ዘድልዮ እንተ ዀይኑ ሕተቶ። ደገፍ ድማ ግበረሉ። ንዘይትፈልጦ ሰብ ትሕግዝ እንተሊኻ ድማ ምስ ነብስኻ ኣላልዮ።
ቅድሚ ሕጂ ብመጥቃዕቲ ፍርሂ ተለኺፍካ እንተ ኔርካ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣርዓዲ ምዃኑ ይስወጠካ’ዩ። ነብስኻ፡ ንሓደ ዘየሎ ወይ ከኣ ክሳዕ ክንዳኡ ግብረመልሲ ዘየድልዮ ነገር ወይ ክሃድመሉ ወይ ክገጥሞ ኣብ ቃልሲ ይርከብ ኣሎ ማለት’ዩ። ዋላ’ውን ኣብ ፍጹም ህድኣት ከሎኻ ብዘይ ተጸበኻዮ መገዲ ከጓንፈካ ይኽእል’ዩ።
ፈለማ መጥቃዕቲ ፍርሂ ምስ ኣጓነፈኒ፡ ልበይ ልዕሊ ንቡር ክትሃርም ተፈሊጡኒ። ሃዲኤ ኮፍ ኢለ ከሎኹ፡ ምሉእ ኣካላተይ ብረሃጽ ጠልቅዩ ነይሩ። ኣብ ከበሮ ኣእዛነይ ቡምባታት ዝፍንጀር ዝነበረ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ንገዛእርእሰይ ከኣ ካብ ላዕሊ ደኒነ ይርእያ ነበርኩ። ሕማም ልቢ ኣሎኒ ኢለ ድማ ሓሰብኩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ተኸሲቱካ ይኸውን’ዩ። እቲ ጽቡቕ ዜና፡ እቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ ዓሰርተ ደቒቕ ዘይከይድ ምዃኑ’ዩ። ዋላ’ውን ትመውት ዘሎኻ ዀይኑ ይሰምዓካ፡ ብዘይ ጕድኣት ኢኻ እትወጽኦ።
መጥቃዕቲ ፍርሂ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ንወለዲ፡ ኣዕሩኽ፡ ኣማኻሪ ወይ’ውን ንዝዀነ እትኣምኖን ብኣኻ ዝግደስን ሰብ ኣማኽር። ፍወሳን መድሃኒትን ነቲ ሕማም ንምግታእ ኣብ ግምት ዝኣትው ነገራት’ዩ። (ካልእ ኣማራጺታት’ውን ክህሉ ይኽእል’ዩ።) ብቐጻሊ መጥቃዕቲ ፍርሂ ዘጓንፈካ እንተዀይኑ፡ ወይ’ውን ከምኡ ዓይነት ፍርሂ ከይወረካ ካብ ውሱን ቦታታት ተግልል እንተ ዄንካ፡ ሓደ ካብ ምልክታት መጥቃዕቲ ፍርሂ’ዩ። እቲ ልክዕ ጠንቂ መጥቃዕቲ ፍርሂ ክትረክብ ክብል ይብል’ዩ። ምስ ኵነታትካ ዝሰርሕ ፍወሳ ብምርካብ፡ ንዘሎካ ጭንቀት ኣድህቦ ብምሃብን ዘበጋግሰካ ነገራት ብምልላይን ኣብ መጻኢ ብኸመይ ነቲ ዘጓንፈካ ሕማም ተመሓድሮ ክሕግዘካ ይኽእል’ዩ።
መጥቃዕቲ ፍርሂ ኣብ ዘጓንፈሉ እዋን ኣብ ምብዳሁ ክሕግዘካ ዝኽእል ነገራት ኣይሰኣንን’ዩ።
- ክትፍወስ ምዃንካ ዘክር፡ ስለዚ ብትብዓት ግጠሞ። ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ ፍርሂ ኣጓኒፉካ እንተ ነይሩ፡ ኣርዓዲ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ቀስ እናበለ ብዘገምታ ኸኣ ክእለየልካ እዩ። ነቲ ሕማም ኣብ እንቃለሰሉ እዋን፡ እቲ ኣርዓድነቱ እናዓበየ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ናብ ዝብኣሰ ኸኣ ክዓርግ ይኽእል። ንገሊኦም ሰባት፡ “እዚ ሕማም መጺኡኒ ኣሎ። ኣይክሃድመሉን’የ። ነቲ ዘርዕደኒ ከርዕዶ’የ፡” ምባል ብህድኣት ከስተንፍሱን ነቲ ሕማም ክነብሩሉ የኽእሎም’ዩ።
- ኣዕሚቝካን ሃዲእካን ኣስተንፍስ። ምስትንፋስ ልምምድ የድልዮ’ዩ። ምናልባት ክትቃለስ ኢኻ ምኽንያቱ፡ ኣካላትካ ንፍርሕን ቅልጡፍ እስትንፋስን ጋሻ ኣይኰነን። ንጭንቀትን ነውጽን ክትቈጻጸሮ ምኽኣል ኣካላትካን ኣእምሮኻን ብምቍጽጻር ዝሓሸ ግብረ-መልሲ ክትህብ የኽእለካ’ዩ። ብኣፍንጫኻ ኣየር ክትስሕብ ብኣፍካ ድማ ከናፍርካ ኣጽብብ ኣቢልካ ኣየር ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ከስዐኻ እንተ ተነፊሑ ኸኣ ኣስተውዕል። ኣየር እናሰሓብካን እናውጻእካን ቍጽሪ ኽትፈቅድ’ውን ትኽእል ኢኻ። ሰለስተ ሰከንድ ኣየር ንምስሓብ፣ 5 ወይ 6 ሰከንድ ከኣ ኣየር ንምውጻእ።
- ምስ ገዛእርእስኻ ተዘራረብ። ኣገዳሲ እንተዀይኑ ዓው ኢልካ ተዛረብ። ንነብስኻ ባህ ክብላ እንታይ ክትሰምዕ ትደሊ ንገራ። ክትመውት ዘይምዃንካ ንነብስኻ ኣዘኻኽራ። መዝሙር ዘምር፣ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገራት ግለጾ። ናብ ጭንቀትካ ዝመርሓካ ነገራት ዘይኰነ፡ ኣብ ኣከባቢ ምሉእ ኣድህቦ እትገብረሉ ቴክኒክ ኣማዕብል።
- ምስ ሰባት ዝምድና ፍጠር። ነገራት ክሃድእ ከሎ፡ ክድግፉኻ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ተራኸብ። ተመኵሮኻ ዝካፈሉ ሰባት፡ብሕትውናኻ ከፋዅሱልካ ዝኽእሉን ህደም ዝብል ስምዒት ኣብ ዝመጽኣካ እዋን ከኣ ጸኒዕካ ኽትቅጽል ዘተባብዑኻን ሰባት ክትረክብ ጽቡቕ’ዩ።
ኣብ መጠረሽታ፡ ይሰርሓለይ እትብሎ ነገራት ግበር። ፍጹም ገለ ነገር ዘይምግባር ግና ኣብ ምርጫኻ ኸተእትዎ የብልካን።
እቲ ሰብ መጥቃዕቲ ፍርሂ ከም ዘጓነፎ ርግጸኛ ኣብ ዘይኰንኩሉ እዋን ሕማሙ፡ ካብ ሕማም ልቢ ዘይዛይድ እንተዀነኸ?
ምልክታት መጥቃዕቲ ፍርሂ ምስ ምልክታት ሕማም ልቢ ወይ ከኣ ካልእ ዓይነት ሕማማት ይመሳሰል’ዩ። ሓደ ሰብ መጥቃዕቲ ፍርሂ ከም ዘጓነፎ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኽትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዓል ሞያ ሕክምና ጥራይ’ዩ እቲ ሕማም ከቢድ ምዃኑ ኽነግር ዝኽእል። እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ ፍርሂ ኣጓኒፍዎ ዘይፈልጥ፡ ከም ዝሓመመ ኸኣ ዘይስምዖ እንተዀይኑ፡ መምርሒ ቀዳማይ ረድኤት ምስዓብ የድሊ።
ነቲ ሰብ ሕክምናዊ ሓበሬታ ዝሓዘ ናይ ክሳድ ካቴና ወድዩን ኣይወድዩንወይ ሕተቶ ወይ ከኣ ባዕልኻ ኣረጋግጽ። ወድዩ እንተ ጸኒሑካነቲ ኣብኡ ዘሎ መምርሒታት ብምኽታል ሕክምናዊ ደገፍ ኣናድየሉ።
እቲ ሰብ ሃለዋቱ እንተ ኣጥፊኡ፡ መትከላት ቀዳማይ ረድኤት ተጠቒምካ ክንክን ግበረሉ። ትንፋስ፡ ህርመት ልቢ ኣረጋግጽ። ኣምቡላንስ ከኣ ጸውዓሉ።
እቲ ሰብ መጥቃዕቲ ፍርሂ እንተለዎ፡ እንታይ ክብልን ክገብርን’ዩ ዝሓሸ፧
መጥቃዕቲ ፍርሂ ከም ዘለዎ ኣረጋግጽ። ህድእ ክትብል ኣገዳሲ’ዩ። ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ፍርሒ ከይትሸምማ ምጥንቃቕ ከድሊ’ዩ። ነቲ ሰብ ኣርጊጽካ ሕተቶ፣ ዓቕሊ ከኣ ግበር። ንጹርን ህዱእን ሓጺርን ገላጽን ዘረባ ተዛረብ።
ኣብ ክንዲ ኣብ ግምታትካ ትምርኰስ ነቲ ሰብ ሓገዝ ክዀኖ ዘድሊ እንታይ ምዃኑ ሕተቶ።
ንተመኵሮ ናይቲ ሰብ ኣይተነኣእሶ። እቲ ዘርዕድ ነገር ሓቂ ምዃኑ እመን፣ እንተዀነ ዋላ’ውን ኣርዓዲ እንተዀነ፡ ንህይወት ዘስግእ ዘይምዃኑ ኣረጋግጸሉ። ደሓን ምዃኖምን እቲ ምልክታት ክቕህም ምዃኑን ኣረጋግጸሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ፍርሂ ዘፍ ምስ በለ እንታይ ክብልን ክገብርን’ዩ ዝሓሸ፧
እቲ መጥቃዕቲ ዘፍ ምስ በለ፡ ብዛዕባ’ቲ ሕማም ኣበይ ሓበሬታ ክረክብ ይኽእል ነቲ ሰብ ሕተቶ። ዘይፈልጥ እንተዀይኑ፡ ሓጋዚ ሓሳባት ሃቦ።
እቲ ሕማም ዝደጋገም እንተዀይኑ፡ ጭንቀት ከኣ ይፈጥረሉ እንተዀይኑ፡ ነቲ ሰብ ምስ ዝምልከቶ ናይ ጥዕና ብዓል ሞያ ክዘራረብ ከም ዝግባእ ንገሮ። ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ መጠን ደገፍ ሰብ ሞያ ጥዕና ክትፈልጦ ጽቡቕ’ዩ። ቀረብ ኣድማዒ ፍወሳ መጥቃዕቲ ፍርህን ነውጺ ፍርህን ከም ዘሎ ነቲ ሰብ ኣረጋግጸሉ።