ኣብ ደቅና ክነስተባህለሎም ዘለና ምልክታት
ኣብ ዝተፈላለይ ዘለው ቆልዑን ኮተቴን፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ባህርያታት ከርእዩ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ ምስ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕነኦም ዝተኣሳሰር ኣብ ባህሪኦም ይኹን፡ ኣተሓሳስብኦምን ስሚዒቶምን ዓበይቲ ይኹን ንኣሽቱ ዝመስሉ ለውጥታት ይርኣዩ እዮም። ብእዋኑ ብምስትብሃል፡ ከይሳዕረሩ ኸለው፡ ንምእላዮም ሃሰው ክንብል ኣለና። ገለ ካብቶም ክነስተባህለሎም ዘለና ምልክታት ንምጥቃስ፡
- ሕዙን/ትኩዝ፡ ባዶነት፡ ተስፍ ምቑራጽ፡ ዘይረብሕ/ብላሽ (Feeling sad, empty, hopeless, or worthless)
- ተነቃፍነት ንድምጺ፡ ብርሃን፡ ጨና፡ ወይ ምትንካፍ (Sensitivity to sound, sight, smell, or touch)
- ብዘይ መጠን ወይ ካብ ዓቕን ንላዕሊ ምጭናቕ ወይ ምሽቓል (Feeling overly worried)
- ትምህርቲ ብግቡእ ክከታትሉ ወይ ዕዩ ገዛ ብግቡእ ክሰርሑ ዘይምኽኣል (Not being able to do school work)
- ሓንጎሎም ከናውጾም ከሎ (Feeling like your brain is playing tricks on you and hearing knocking or scratching sounds, or your name being called)
- ድሌታቶም ክጎድል ከሎ (ንኣ፡ ጸወታ ክዑሶ፡ ባስኬትቦል፡ ወይ ካብ መሓዙቶም ክርሕቁ ከለዉ) (Lost interest in things you used to enjoy, or withdrawal from others)
- ድቃሶም ክበላሾ ከሎ ወይ ዘይንቡር ለውጢ ከርእዩ ከለዉ (Changes in sleep patterns or energy levels)
- ምንዳር/ምሕራቕ፡ ዓቕሊ ምጽባብ ወይ ምዕልባጥ (Irritability or restlessness)
- ጸገማት ጥኹሩነት፡ ምዝካር ወይ ሓሳብ (Problems with concentration, memory or thinking)
- ሽውሃት ምዕጻው ወይ ልዕሊ ዓቐን ምብላዕ (Loss of appetite or overeating)
ውላድካ/ኪ ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክዛረበካ/ኪ ምስዝደልዩ ክትክተሎ ዘለና ረቛሒታት
- ጽን ኢልካ ምስማዕ
- ዝኾነ ሓበሬታ (ንኣብነት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ) ከምጽኡልካ ከለዉ ኣንብቦ/ብዩ
- ብምስጢር ክተሓዝ ዘለዎ ተኾይኑ ብምስጢር ክተሓዝ ኣለዎ
- ኣተሃዳድእዮም
- ፍርሕኻ/ኺ ብምላላይን ምቕባልን – ብግህዶ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተነጽሎን ኣፈላይን ክትብድሆ/ህዮ ፈትን/ኒ
- ናይ ኪኢላ ሓገዝ ንክሓቱ ኣተባብዕዮም
- ኣብጎኖም ከምኻንካን ኣብ ክንድኦም ክትጣበቕ ምኻንካን ኣረጋግጸሎም
ክውገዱ ዘለዎም ሃሰይቲ ረቛሒታት
- ምንእኣስ፡ ነቲ ዝስምዖም ዘሎ ነገራት ምንእኣስ ወይ ድማ “ኮምኡ ክስመዓካ የብሉን . . .” ኢልና ንንነግሮም ኣይግባእን። ንመብዝሓትኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዝስምዖ ወይ ዘሸግሮ ነገራት ንኻልእ ሰብ ስሚዒታቱ ከካፍል ቀሊል ኣይኮነን። ሓፈሻዊ ክንርእዮ ከለና፡ ዝበዝሕ ሰብ ወይ እቲ ቆልዓ በይኑ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ፡ ቅድሚ ናባኻ ምምጽኡ ኣቐዲሙ እዩ ዝጭነቕ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ምትትብባዕ እምበር ምንእኣስ ሓጋዚ ኣይኮነን።
- ብስሚዒት ምዝራብ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብስሚዒት ምዝራብ ወይ ነቲ ክትብሎ ዝደለኻ ብሕርቃን ምምላሽ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ ዘለዋ። ንኣብነት፡ ኣሉታውያን ቃላት (“. . . በቃ ኣኺሉካ ኩሉ ግዜ ንድሕሪት ምስተጎተትካ. . .” ወይ “ . . . እንታይ ዓይነት ዶንቆሮ ኢኻ ንስኻ. . .”) ጎዳእትን ኣጨነቕትን ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ነቲ ቆልዓ ንነዊሕ ዝጸንሕ ጸገማት ኣብ ባህርኡ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕንኡ ክፈጥረሉ ይኽእል እዩ።
- ጽሉል፡ ብላሽ፡ ሰነፍ . . . ወዘተ ዝብሉ ቃላት ምጥቃም
- ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ምእዛዝ ኣብ ክንዲ እንታይ ከምዝደልዩ ምሕታት
- ብዛዕባ ዘይንቡር ሓሳባት፡ ጠባያት ወይ ተርእዮታት ምስ ዘዕልሉኻ ሸለል ምባል። ዝበዝሕ እዋን፡ ቆልዑ ብዛዕባ ዘይንቡር ሓሳባት ወይ ዘይንቡር ድምጽታት ብውሽቶም ዝስምዖም ክሓትኑና ኸለው፡ ከም ኣጠንቀቕቲ ምልክታት ናይ ዝኸበደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም እዮም ዝውሰዱ። ብኣግኡ ከይጎሰኻ ክትሰምዖምን፡ እንታይ ምዃኑ እቲ ሽግር ንምምብርባር ክትሕግዞምን፡ ካብ ዘይተደልየ ከጓንፉ ዝኽእሉ ከበድቲ ጸገማት ክትኣልዮም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ ቖልዓ፡
- ምክታዕ፡ ንደቅኻ ኣብ ትዛረበሉ እዋን፡ ተቛውሞ እንተመጺኳ፡ ዘረባኻ ኣቋሪጽካ ጽን ኢልካ ክትሰምዖም ፈትን። ንምርዳእ ዝሕግዙ ወይ ዝተፈላለየ ርኢቶታት ከሳስዩ ዝኽእሉ ሕቶታት (ንኣብነት፡ ክፉት ዝኣንፎም ሕቶታት፡ Open-ended questions) ብምጥቃም ክትርድኦምን ክተረድኦምን ፈትን።
- ምኽንያት ምፍጣር ወይ ንኻልኦት ምውንጃል
- ደቅኹም ነንሕድሕዶም ወይ ምስ ካልኦት ቆልዑ ምውድዳር። ብልምዲ ወለዲ ደቆም ምስ የሕዋቶም ወይ ካልኦት ቆልዑ ብዙሕ ግዜ ከወዳድሩ ይርኣዩ እዮም። እዚ ተርእዮ ንቡር ወይ ልሙድ እካ እንተኾነ፡ ኣዝዩ ሃሳይ ዝኾነ ጽልዋ እዩ ግን ዘለዋ። ንሓደ ቖልዓ ንኣብነት፡ “ሓፍትኻ ደኣ ኮምኡ ዘይትኸውን. . . እንታይ እዩ ሽግርካ ንስኻ. . . ከምኣ ዘይትኸውን!” ወይ “ኣታ ኣድጊ፡ መጉሃይ ስድርኡ፡ ከም ወዲ ኽስቶ ግዳ ዘይትኸውን . . . ብላሽ. . . ንዓኻስ ዘይምውላድ ምሓሸኒ. . .” ምስ ካልኦት ቆልዑ ወይ የሕዋቶም ምስ ነዋዳድሮም፡ ዋላ’ኳ ሓሳብካ ንደቅኻ ንምትብባዕ ዝመስል እንተኾነ፡ እቲ መልእኽቲ ነቲ ውላድካ ዝስምዖ ግን፡ ኣብኦም ዘለካ ኣሉታው ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም ሰብ ተስፋ ከምዘይብሎም፡ ዝገበሩ እንተገበሩ ከም ወዲ ኽስቶ ወይ ከም ሓዎም/ሓፍቶም ክኾኑ ከምዘይኽእሉ እዩ ዝስምዖም። ብተወሳኺ፡ ብውሽጦም “እምበኣር ጸገም ኣለኒ” ኢሎም ብምሕሳብን ምእማንን፡ ነብሰ ምትሓት፡ ትካዘ፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ምንጽርጻር፡ ምብኣስ፡ ጭንቀትን ካልእ ጎዳእቲ ጠባያትን ከርእዩ ይጅምሩ። ስለዚ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ክንድግፎም ደኣ ኣለና እምበር፡ ብምውድዳር ሞራሎም ክንሰብር ወይ ተስፋ ክነቕርጾም ኣይግባእን።
ተወሰኽቲ ነገራት ክነስተባህለሎም ዘለና
- እንታይ ዓይነት ምልክታትን ተመክሮታትን ኣስተብሂልና
- ንክንደይ እዋን እዞም ምልክታት ጸኒሖም
- መዓስ ምልክታት ይገዱ ወይ ፍሉይ ተርእዩ እንተሃሊይዋም (ንኣ. ኣብ ግዜ ክረምቲ (Winter) ብብዝሒ ወይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክበልዑ ምስትብሃል)
ሓገዝ ኣበይ ክንሓትት ንኽእል
- ቤት ትምህርቲ
- ዞባዊ ናይ ስነ-ኣእምሮ መወከሲ
- ፋሚሊ ዶክቶር
ኣብነብስና ክነስተባህለሎም ዘለውና ነገራት
- ፍርሕን ጭንቀትን (Fear and anxiety)
- ጓሂ (Sadness or disappointment)
- ዘይምእማን (disbelief)
- ገበንነት (guilt)