ሓፈሻዊ ሻቕሎት እንታይ እዩ?
ሳሕቲ ዘጋጥም ሻቕሎት ንቡር ኣካል ህይወት እዩ። ብዛዕባ ጥዕናኻ፡ ገንዘብካ ወይ ጸገም ስድራ ቤትካ ክትጭነቕ ትኽእል ትኸውን። የግዳስ ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ ዝጠቕሙን ዘይጠቕሙን ጕዳያት ምሒር ይጭነቑ ወይ ይቝጥዑ። ኣብ ገለ እዋን ብፍላይ፡ ኣብ ፈጺሙ ዘየጨንቕ ጕዳይ ከይተረፉ እዮም፡ ካብ ባይታ ተበጊሶም ከም ዝጭነቑ ዝዀኑ። ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት፡ ንሻቕሎቶም ኣብ ምቍጽጻር ይጽገሙ። ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከድህቡ ኸኣ ኣይክእሉን።
ሓፈሻዊ ሻቕሎት ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ነገራት ቀጻሊን ልዕሊ ንቡርን ጭንቀት ብምንጽብራቕ እዩ ዝግለጽ። ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀነ ሰብ፡ ሓደጋ ከጋጥሞ ክጽበ ይኽእል። ልዕሊ ንቡር ብዛዕባ ገንዘቡ፡ ጥዕናኡ፡ ስድራቤቱ፡ ዕዮኡ ወይ ካልኦት ጕዳያት ክሻቐል እውን ይኽእል። ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት፡ ጭንቀቶም ክቈጻጸሩ ይእግሞም። ንሳቶም ክንዮ እቲ ህሉው ፍጻመ ዝተጋነነ ጭንቀት እዮም ዘንጸባርቑ። ዝዀነ ዓይነት ስግኣት ኣብ ዘየለወሉ ህሞት ከይተረፈ፡ ሕማቕ ነገር ክጐንፎም ትጽቢት የሕድሩ።
ሓደ ሰብ ንሓያሎ መዓልታት ምናልባት እውን ክሳብ መንፈቕ ንጭንቀቱ ምቍጽጻር እንተ ኣጊምዎ ኣብ ርእሲኡ እውን ክንዮ ሰለስተ ምልክታት ሕማም እንተ ኣርእዩ፡ ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ኰይኑ ከም ዘሎ ክፍለጥ ይከኣል። እዚኣቶም ንሓፈሻዊ ሻቕሎት ካብ ካልኦት ዓይነታት ጸቕጢ ወይ ካብ ካልኦት ንሓጺር ግዜ ዝቕጽሉ ጭንቀት ይፈልዩዎ።
ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዓመታዊ ን6.8 ሚልዮን ወይ 3.1% ካብ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዳይ ይገብር። ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዕጽፊ ግዳይ ይዀና። እቲ ጸገም ቀስ ኢሉ እዩ ዝጅምረካ። ሽሕ’ኳ እቲ ሓደጋ ኣብ መንጎ ህጻንነትን ማእከላይ ዕድመን ልዑል እንተዀነ፡ ኣብ ዝዀነ ክሊ ዕድመ ክጅምረካ ይኽእል እዩ።ዋላ’ኳ እቲ ልክዕ ጠንቂ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዘይፍለጥ እንተዀነ፡ ስነ ህይወታውያን ረቛሒታት፡ ስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይታ ከምኡ’ውን፡ ተመኵሮ ህይወት ብፍላይ ጸቕጢ፡ … ግደ ከም ዘለዎም ጭቡጥ መረጋገጺ ኣሎ።
እናሓንሳእ ንሓንቲ መዓልቲ ብኸመይ ከም እትሓልፋ ክትሓስብ እንከለኻ ጥራይ ሻቕሎት ይፈጥረልካ እዩ።ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዘለዎም ሰባት ንዑደት ሻቕሎት ብኸመይ ደው ከም ዘብልዎ ኣይፈልጡን እዮም። ዋላ ሻቕሎቶም ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ጕዳይ ንላዕሊ ጽዑቕ ምዃኑ እንተ ፈለጡ፡ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ከም ዘይኰነ ምኽኣምኑ ይጽገሙ። ኵሎም ዓይነታት ሻቕሎት ምስ ጸገም ንዘይርጉጽነት ኣብ ምጽዋር እተኣሳሰሩ እዮም። ክንዲ ዝዀነ፡ ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት እውን፡ ንዅነታት ብመደብ ኣብ ምቍጽጻር ጸገም ይረኣዮም። ብዙሓት ሰባት ጭንቀት ሕማቕ ነገር ከየጋጥም ከም ዝከላኸል ይኣምኑ። ክንዲ ዝዀነ ካብ ጭንቀት ምግልጋል ሓደገኛ ምዃኑ ይሓስቡ። እናሓንሳእ እቶም ግዳያት ብቕርጸት ከብድን ሕማም ርእስን ክሳቐዩ ይረኣዩ።
መጠን ሻቕሎቶም ትሑት ወይ ማእከላይ እንተ ዀይኑ ወይ ሕክምናዊ ክንክን እንተ ደኣ ዝረኽቡ ሃልዮም፡ ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ክነጥፉ፡ ምሉእን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ከስተማቕሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽቡቕ ስራሕ ክቍጸሩይኽእሉ። ብዙሓት ካብ ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ካብቶም ዘሰክፍዎም ኵነታት ክርሕቁ እዮም ዝመርጹ። እቲ ምንታይሲ፡ እቲ ጸገም ኣለዎም ወይ ብሰሪ ጭንቀቶም ነቲ ዘጋጥሞም ዕድል ብዝግባእ ክብርብርዎ ኣይክእሉን እዮም። እቶም ጭንቀታቶም ንማሕበራዊ ኵነታት፡ መገሻን ምውሳኽ ሓላፍነትን ከጠቓልሉ ይኽእሉ። ገለ ሰባት ሻቕሎቶም ክብርኽ እንከሎ፡ ዋላ ነቲ ዝቐለለ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ከሰላስሉ እዮም ዝእገሙ።
ምልክታት ሓፈሻዊ ሻቕሎት እንታይ እዮም?
ሀ. ሕልፊ ሻቕሎትን ጭንቀትን (ዘስግእ ትጽቢት)፡ ንመዓልታት ዘጋጥም የግዳስ ካብ መንፈቕ ዘይሓልፍ፡ ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ፍጻመታት ወይ ንጥፈታት (ከም ውጽኢት ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ)።
ለ. እቲ ውልቀ ሰብ ነቲ ዝወረዶ ጭንቀት ክቈጻጸሮ ይጽገም።
ሐ. እቲ ሻቕሎት ወይ ጭንቀት ምስ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ምልክታት ይተኣሳሰር (ገለ ካብቶም ምልክታት ብዉሑዱ ንመዓልታት ዝቕጽሉ ኰይኖም፡ ክንዮ ሽዱሽተ ወርሒ ዝሰግሩ ግዳ ኣይኰኑን)።
መዘኻኸሪ፦ ኣብ ህጻናት ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ እያ ተድሊ።
- ምዕልባጥ ወይ ምርባጽ ወይ ምንጽርጻር።
- ቀልጢፍካ ረሸሽ ምባል።
- ጸገም ኣድህቦ ምግባር ወይ ኣእምሮኻ ምስጋል።
- ነዳርነት ወይ ሓራቕነት።
- ምውጥጣር ጭዋዳታት።
- ምርባሽ ድቃስ (ጸገም ምድቃስ ወይ ጸገም ኣብ ድቃስ ምቕጻል ወይ ርቡሽ፡ ዘየዕግብ ድቃስ)።
መ. እቲ ሻቕሎት፡ ጭንቀት ወይ ኣካላዊ ምልክታት – ቀንዲ ጠንቂ ጭንቀት ወይ ማሕለኻ ኣብ ማሕበራዊ፡ ሞያዊ ወይ ካልኦት ኣገደስቲ ዓይነታት ስራሓት እዩ ዝኸውን።
ረ. እቲ ረብሻ ብሰሪ ኣካላዊ ጽልዋታት ግዛዓት (ንኣብነት፡ ሓሽሽ ወይ መድሃኒት) ወይ ካልኦት ኵነታት ሕክምና ዝሰዓበ ኣይኰነን።
ሰ. እቲ ረብሻ ዝያዳ ብኻልእ ጸገም ኣእምሮ ክግለጽ ኣይክእልን እዩ። (ንኣብነት፡ ሻቕሎት ወይ ጭንቀት ብዛዕባ ብሰሪ ራዕዳዊ ጸገም፡ ግዳይ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ምዃን፡ ኣሉታዊ ገምጋም ኣብ ማሕበራዊ ሻቕሎት (ማሕበራዊ ዘይርትዓዊ ፍርሒ)፡ብኽለት ወይ ካልእ ተሰብሎ ኣብ ተሰባሊ-ቀሳቢ ጸገም፡ ምፍላይ ካብ እትፈትዎም ነገራት ኣብ ሻቕሎት ምፍላይ፡ ንኸቢድ ጸቕጢ ዘዘኻኽሩ ኣብ ሕሉፍ ከበድቲ ጸቕጢ፡ ብሰሪ ብዙሕ ምብላዕ ምኽራሽ፡ካብ ክውንነት ወጻኢ ዝዀነ ምልክታት ሕማም ምንጽብራቕ፡ ብዛዕባ ኣበር መልክዕካ ልዕሊ ዓቐን ምስትምሳል፡ ኣብ ሕማም ሻቕሎት ልዕሊ ንቡር ምሕማም ወይ ትሕዝቶ ዘህተፍትፍ እምንቶ ኣብ ስኪዞፍረንያ ወይ ጸገም ምህትፍታፍ)።
ዝርጋሐ (Prevalence)
ኣብ ኣመሪካ ኣብ 12 ኣዋርሕ ዝተመዝገመ ምስፍሕፋሕ ሓፈሻዊ ሻቕሎት፡ ኣብ ኣባጽሕ 0.9% ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ድማ፡ 2.9% ተራእዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ 12 ኣዋርሕምስፍሕፋሕ እዚ ሻቕሎት፡ካብ 0.4% ክሳብ 3.6% ይዝርጋሕ። ኣብ መላእ ዕምሪ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ስእነት ጥዕና ክሳብ 9.0% ይበጽሕ። ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብዕጽፊ ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ናይ ምዃን ዕድል ኣለወን።እቲ ምስፍሕፋሕ ኣብ እዋን ማእከላይ ዕድመ ኣብ ጥርዙ ይበጽሕ። ኣብ ከባቢ መወዳእታ ዕምሪ ድማ፡ የንቈልቍል። ኤውሮጳዊ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያን፡ ካብቶም ኤውሮጳዊ ዘርኢ ዘይብሎም ኣመሪካውያን (ኤስያዊ፡ ኣፍሪቃዊ፡ ኣመሪካውያን ደቀባት፡ … መበቈል ዘለዎም) ንላዕሊ ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ይዀኑ። ብተወሳኺ፡ ዜጋታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ካብቶም ዜጋታት ምዕቡላት ሃገራት ንላዕሊ ምልክታት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ከም ዝዀኑ መጽናዕትታት የረጋግጹ።
ሓደጋን ቅድመ ገምጋማውን ረቛሒታት
ጠባያዊ፦ ባህርያዊ ሕንከት፡ ኣሉታዊ ጽልዋታት (ንውጸተ ኣእምሮ) ከምኡ’ውን፡ ምውጋድ መጕዳእቲ ምስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣከባብያዊ፦ሽሕ’ኳ ጸገም ኣብ ግዜ ህጻንነት ወይ ልዕሊ ንቡር ምሕብሓብ ወለዲ ንህጻናት ምስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝተኣሳሰር እንተዀነ፡ዋላ ሓደ ካብ ኣከባቢያዊ ረቛሒታት ብፍሉይ ምስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝተኣሳሰር የለን።
ተወርሶኣውን ኣካላውን፦ ሓደ ሲሶ ካብቲ ሓደጋ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዘስዕብ፡ ተወርሶኣዊ እዩ። እዞም ተወርሶኣውያን ረቛሒታት ምስ ንውጸተ ኣእምሮ ዝጋጠሙ እዮም። ምስ ካልኦት ዓይነታት ሻቕሎትን ጸገማት ኵነተ ኣእምሮን ብፍላይ ድማ ምስቶም ቀንዲ ጸገማት ቅዛነት ይካፈሉ እዮም።
ምስ ጾታ ዝዛመዱ ምርመራዊ ጕዳያት
ኣብ ክሊኒካዊ ድሕረ ባይታ፡ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ደቀንስትዮ እዩ ዝገሃድ (ካብቶም ንመርመራ ዝቐረቡ እሞ እቲ ሕማም ዝተረኽቦም፡ ኣስታት 55%-60% ደቀንስትዮ ኰይነን ጸኒሐን)። ኣብ ስነ-ለበዳዊ መጽናዕትታት፡ ብግምት እተን ኣስታት ክልተ ሲሶ ደቀንስትዮ እየን። ግዳያት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡እቲ ዘርእዩዎ ምልክታት ሕማም ተመሳሳሊ እዩ። የግዳስ ኣብ ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ሕማም ንላዕሊ ናይ ምንጽብራቕ ጕዳይ ግዳ፡ ኣብ መዳይ ጾታ ይፈላለዩ እዮም። ኣብ ደቀንስትዮ ሓንቲ ሰብ ግዳይ ካብ ሓደ ሕማም ንላዕሊ ምዃን፡ እቲ ጠንቂ ሻቕሎትን ቅዛነትን እዩ። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ግዳ፡ እቲ ጠንቂ ብሰሪ ሓሽሽ ምጥቃም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጠንቂ ሓፈሻዊ ሻቕሎት እንታይ እዩ?
ሓፈሻዊ ሻቕሎት ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታት ይንጸባረቕ እዩ። የግዳስ ስለምንታይ ገለ ኣባላት ስድራ ቤት ግዳይ እዚ ሕማም ከም ዝዀኑ፡ ስለምንታይ እቶም ዝተረፉ ከም ዘይኰኑ ርግጸኛ ኴንካ ንኽትፈልጥ ዝከኣል ኣይኰነን። ተመራመርቲ ከም ዘረጋገጽዎ፡ ዝበዝሐ ክፋል ኣእምሮ ከምኡ’ውን፡ ስነ ህይወታውያን መስርሓት፡ ኣብ ምስራጽ ፍርሕን ሻቕሎትን ልዑል እጃም እዩ ዘለዎም። ኣብ ግዳይ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣካልን ኣእምሮን ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ብዙሕ ብምፍላጥ፡ ተመራመርቲ ዝሓሸ ፍወሳ ከማዕብሉ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ተመራመርቲ ግደ ጸቕጥን ኣከባብን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንምርዳእ ይሰርሑ ኣለዉ።
ሓፈሻዊ ሻቕሎት ብኸመይ ይፍወስ?
ፈለማ ብዛዕባ ዝርኣዩኻ ምልክታት ሕማም ምስ ዶክተርካ ተላዘብ። እቲ ሓኪምካ መርመራ ምስ ገበረልካ፡ ብዛዕባ ጥዕናዊ ድሕረ ባይታኻ ክሓትተካ እዩ። ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት፡ ዘይተዛመድቲ ኣካላውያን ጸገማት ነቶም ዝርኣዩኻ ዘለዉ ምልክታት ጠንቂ ከም ዘይኰኑ ንምርግጋጽ እዩ። ዶክተርካ ናብ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ከም ሳይክያትሪስት ወይ ሳይኮሎጂስት ከሕልፈካ ይኽእል ይኸውን።
ሓፈሻዊ ሻቕሎት ብሓፈሻ ብፍወሳ ሕማም ኣእምሮ፡ መድሃኒት ወይ ክልቲኡ እዩ ዝፍወስ። ንዓኻ እቲ ዝሓሸ ሕክምና ኣየኒኡ ምዃኑ ምስ ዶክተርካ ተዘራረበሉ።
ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ
ሓደ ካብ ዓይነታት ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ ዝዀነ፡ ‘ተገንዝቦኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ’ ብፍላይ ኣብ ምፍዋስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ጠቓሚ እዩ። ‘ተገንዝቦኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ’ ኣብ ምቅላል ሻቕሎት ወይ ፍርሒ ክሕዙኻ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣተሓሳስባን ባህርያትን ይምህረካ። ማሕበራዊ ክእለታት ኣብ ምምሃርን ምትግባርን እውን ክሕግዘካ ይኽእል። ሻቕሎትካን ጭንቀትካን ኣብ ምንካይ እውን ጠቓሚ እዩ።
መድሃኒት
ዶክተራት ኣብ ምፍዋስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝሕግዙ መድሃኒታት ክእዝዙ ይኽእሉ እዮም። ዶክተርካ ምሳኻ ብምትሕግጋዝ እቲ ዝበለጸ መድሃኒትን ዓቐንን ክእዝዘልካ ይኽእል። ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሃኒት ኣብ ምፍዋስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ኣድማዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ፥
- Selective serotonin reuptake inhibitors (SSRIs)
- Serotonin-nonrepinephrine reuptake inhibitors (SNRIs)
- Other serotonergic medication
- Benzodiazepines
ዶክተራት ንቕዛነት ንምፍዋስ ብዙሕ ግዜ SSRIs ከምኡ’ውን፡ SNRIs እዮም ዝእዝዙ።ኣብ ምፍዋስ ሓፈሻዊ ቅዛነት እውን ሓገዝቲ እዮም። ከም ፈውሲ ንኽሰርሑልካ ሓያሎ ሳምንቲ ክወስደሎም ይኽእል እዩ። እዞም መድሃኒታት ከም ርእስኻ ጸርውሩው ምባል፡ ዕግርግር ወይ ስግድግድ ምባል ወይ ጸገም ድቃስ ዝኣመሰሉ ጐድናዊ ሳዕቤን ክህልዎም ይኽእል እዩ። እዞም ጐድናዊ ሳዕቤናትንመብዛሕትኡ ሰብ ምሒር ጐዳእቲ ኣይኰኑን። ብፍላይ እቲ ዓቐን መድሃኒት ምውሳድ ብትሑት ዓቕን ጀሚሩ በብቝሩብ ዝውስኽ እንተ ዀይኑ። ዝዀነ ዓይነት ጐድናዊ ሳዕቤን እንተ ተሰሚዑካ፡ ቀልጢፍካ ንዶክተርካ ሓብሮ።
ቡስፒሮን ካልእ ኣብ ምፍዋስ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝሕግዝ መድሃኒት እዩ። እዚ መድሃኒት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣድማዒ ክኸውን እንተ ዀይኑ፡ ንብርክት ዝበሉ ሳምንቲ ብቐጻሊ ክውሰድ ይግባእ።
በንዞዲያዘቢን ንኸቢድ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ኣብ ምቍጽጻር ክውሰድ ይኽእል እዩ። እዚ መድሃኒት ንሻቕሎት ቀልጢፉ ኣብ ምንካይ ኣዝዩ ኣድማዒ እዩ። የግዳስ ቀጻሊ ትጥቀመሉ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ሰብነትካ ክለምዶ ይኽእል። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ጽግዕተኛ ናይቲ መድሃኒት ክትከውን ትግደድ። ምእንቲ’ዚ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ዶክተርካ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ክእዝዘልካ ይኽእል።
ነቲ መድሃኒት ክትወስድ እንከለኻ፡ ቀልጢፍካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ክልቲኦም ፍወሳ ሕማም ኣእምሮን መድሃኒትን ንኽሰርሑልካ ገለ ግዜ የድልዮም እዩ። ጥዑይ ቅዲ ህይወት እውን፡ ኣብ ምውጋድ ሻቕሎት ሓጋዚ እዩ። እዅል ሰዓታት ድቃስ ምውሳድ፡ ምውስዋስ ሰብነት ምዝውታር፡ ዝተመጣጠነ መግቢ መብላዕ፡ ምስቶም ከም ዝሕግዙኻ እትኣምነሎም ዓርከ-መሓዙትካን ኣባላት ስድራ ቤትካን ምልዛብ፡ … ኣብ ጥዕናኻ ኣመና ሓጋዚ እዩ።
ግዳይ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ምዃን እንታይ ይመስል?
“ምሉእ መዓልቲ እጭነቕን ነድሪ ይስመዓንን። ስድራ ቤተይ ዝዀነ ዓይነት ምልክት ጸገም ከም ዘየንጸባርቕ እዮም ዝነግሩኒ።የግዳስዋላ ሕጂ እቝጣዕ ኣለኹ።ኣብ እዋን ስራሕ ኣዝየ እየ ዝጭነቕ።እቲ ምንታይሲ፡ ኣእምሮይ ኣብ ምድሃብ ጸገም ኣለኒ። ኣብ እዋን ለይቲ ኣብ ዓራት ደይበ ድቃስ ክወስደኒ እጽገም።ምስ ስድራይ ድማ፡ ቀጻሊ ጸርጸር እብል።
“ናብ ዶክተረይ ብምኻድ፡ ነቲ ቐጻሊ ዝስመዓኒ ጭንቀት ገሊጸሉ። ወዮ ዶክተረይ ናብ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሻቕሎት ዝያዳ ኣፍልጦ ዘለዎ ሓኪም ሊኢኹኒ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ንሻቕሎተይ ኣብ ምፍዃስ ምስ ዝሕግዘኒ ኣማኻሪ እረአ ኣለኹ። ሕጂ ጽቡቕ ይስመዓኒ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ንኽመሓየሽ እውን ኣበርቲዐ እሰርሕ እለኹ። ምስ ዶክተረይ ብምዝርራበይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ።”