ምምዝባል ጸገም ቀልቀልን ሽንትን ኣብ ቆልዑ ወይ ኮተቴ ዝርአ ኮይኑ፡ ምስ ዕድመ ዘይከይድ ካብ ንቡር ወጻኢ ኣተኣላልያ ሽንቲ ወይ ቀልቀል የመልክት። እዞም ጸገማት ክልተ ዓይነት ዘጠቓለሉ ኮይኖም፡ ኢንዩርሲስን ኢንኮፕርሲስን ይበሃሉ። ኢንዩርሲስ፡ ብተደጋጋሚ ብዘይንቡርን ዘይልሙድን ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሽንቲ ምኽዓው ኮይኑ፡ ኢንኮፕርሲስ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዘይግቡ ቦታታት ቀልቀል ምግዳፍን ምጽያቕን እዩ። እዞም ጸገማት ብኽልተ ንኡስ መገድታት ድማ ክከፋፈሉ ይኽእሉ፡ ማለት ኒንዩርሲስ፡ ኣብ ለይትን ቀትርን ዘጋጥሙ ብዘይ ኣገባብ ሽንቲ ምድፋእ ክኾኑ ከለው፡ ንኢንኮፕርሲስ ድማ፡ ድርቀት ምህላውን ዘይምህላውንን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዘግዒ ቀልቀልን ተባሂሎም ይፈላለዩ። መርመራ ኣብ ዝካየደሉ፡ ዕድመ ኣብ ግምት ዝኣቱ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን፡ ናይ ትውልዲ ዕድመ ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ዕድመ እዩ ዝርአ። እዞም ጸገማት፡ ብፍላጥ ዘጋጥሙ ወይ ብዘይፍቓድ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ናይቲ ሰብ ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ እዞም ጸገማት፡ ዝበዝሕ እዋን በበይኖም ዘጋጥሙ እኳ እንተኾነ፡ ሳሕቲ ብሓንሳብ ክርኣዩ ይኽእሉ እዮም።
ምልክታት ጸገም ኢንዩርሲስ (Enuresis) ወይ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ እንታይ ይመስሉ?
መለኪዒታት መርመራ
ሀ. ብተደጋጋሚ ሽንቲ ኣብ ዓራት ይኹን ክዳን፡ ብፍላጥ ወይ ዘይፍላጥ ምሻን።
ለ. እዚ ጸገም ምምዝባል ሽንቲ፡ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ንሰለስተ ወርሒ ክርአ ኣለዋ ወይ ድማ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሉ ጸቕጥን ጭንቀትን ምስ ዝፈጥር ወይ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ትምህርቲ፡ ስራሕን ካልእ ኣገደስቲ ክፋላት ሂወት ጸገም ምስ ዝፈጥርን።
ሐ. መዐቀኒ ዕድመ ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ (ወይ ድማ ብኣተሓሳስባ ወይ ምዕባለ ናይ 5 ዓመት ዝበጽሐ)
መ. እዚ ጸገም ካብ ኣካላው ጸገም (ንኣብነት፡ ሕማም ሽኮርያ፡ ምንፍርፋር፡ ጸገም ዓንዲ ሕቖ ወይ ምልመስቲ) ወይ ብሰንኪ ብመድሃኒት ምውሳድ ዝፍጠር ፊዝዮሎጅያዊ ጸገማት ዝተፈጥረ ክኸውን የብሉን (ንኣብነት፡ ንጸገም ስነ-ኣእምሮ ዝወሃብ መድሃኒት)።
ዝርግሐ ጸገም ኢንዩርሲስ (Enuresis) ወይ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ
ዝርግሐ ጸገም ኢንዩርሲስ ካብ 5%-10% ኣብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ 3%-5% ኣብ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ከባቢ 1% ድማ ኣብ 15 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሚኦም ቆልዑ ይርአ።
ምዕባለን ኣንፈትን ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ
ክልተ ክፋላት ኢንዩርሲስ ተገሊጾም ኣለው፡ ቀዳማይ ደረጃን (እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ጸገም ሽንቲ እንተይ ኔርዋ) ካልኣይ ደረጃን (እዚ ድማ፡ እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሽንቲ ምቁጽጻር ጸገም እንተ ኔርዋ)። እዞም ክልተ ደረጃታ ብዝርግሐ ኣይፋላለዩን እዪም። እቲ ቀንዲ ፍልልይ፡ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ኢንዩርሲስ ኣብ 5 ዓመት ዕድመ ክጅምር ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ደረጃ ድማ፡ ዝበዝሕ እዋን ካብ 5 ክሳብ 8 ዓመት ይጅምር። እንተኾነ ግን፡ እዚ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ውን ክጅምር ይኽእል እዩ።
ድሕሪ 5 ዓመት ዘሎ ናይ ምጉዳል ወይ ምጥፋእ ተክእልኡ ካብ 5%-10% ኣብ ዓመት እዩ። ኣብ መብዝሓትኦም ቆልዑ፡ እዚ ጸገም ኢንዩርሲስ ኣብ ናይ ኮቴቴ ዕድመ ምስ በጽሑ ይጠፍእ እዩ። ኣብ ከባቢ 1% ኣቢሉ ግን፡ እዚ ጸገም ክሳብ በጽሒ ወይ እኹል ሰብ ዝኾኑ ክቕጽል ይኽእል እዩ። ኣብ ቀትሪ ዝርአ ጸገም ኢንዩርሲስ፡ መብዝሓትኡ እዋን ድሕሪ ዕድመ 9 ዓመት ኣይርአን እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀትሪ ዝርአ ኢንዩርሲስ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለው ዕድመ ብዙሕ ዘይርአ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ዕድመ’ዚ ዘለው ቆልዑ ኣብ ለይቲ ዝርአ ጸገም ኢንዩርሲስ ምስ ዝህልዋም ግን፡ ብብዝሒ ብናይ ቀትሪ ኢንዩርሲስ ውን ይሽገሩ እዪም። እዚ ጸገም ኢንዩርሲስ ክሳብ ዕድመ 10 ወይ 11 ውይ ኮቴቴ ምስ ዝቕጽል፡ እቲ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ ብተዓጻጻፊ ክውስኽ ይኽእል እዩ። ብተዛማዲ፡ ሽንቲ ምቁጽጻር ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ንዘለው ምስ ኣብ ለይቲ እዋን ምስ ኣብ ዓራት ናይ ምሻን ምትእስሳር ኣለዋ።
ረቛሒታት ሓደጋን ቅድመ ገምጋማውን ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ
ኣከባብያዊ፦ ጸገም ኢንዩርሲስ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ወይ ከጋድዱ ዝኽእሉ ኣከባብያዊ ወይ ማሕበራው ነገራት ገለ ንምጥቃስ፡ ድንጉይ ወይ ዘይስሩዕ ትምህርቲ ኣተቓቕማ ሽንትቤትን ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራዊ ጸቕጥታትን።
ተወርሶኣውን ስነ ኣካላውን፦ ኢንዩርሲስ ምስ ምዝንባልን ምዱንጋይን ድቃስ ሰዓታት (Circadian Rhythm) ሽንቲ ምዑቋር፡ ኣብ ለይቲ ዘጋጥም ጸገም ኢንዩርሲስ ፍሕኛ ምርባሽ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ኣብ ለይቲ ዘጋጥም ኢንዩርሲስ ዝተፈላለዩ ወይ ብዙሕ ተወርሶኣዊ ጠንቅታት እዩ ዘለዎ። ኣብ ተወርሶኣዊ (heritability) መጽናዕትታት ዝተኻየደ፡ እታ ኣደ ጸገም ኢንዩርሲስ ምስ ዝህልዋ፡ እቲ ቆልዓ 3.6 ግዜ ናይ ጸገም ኢንዩርሲስ ምምዕባል ተኽእሎ እለዋ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣቦ ጸገም ኢንዩርሲስ ምስ ዝህልዋ ድማ፡ እቲ ቆልዓ፡ 10 ዕጽፊ ጸገም ኢንዩርሲስ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ እለዎ። እዚ ካብ ወለዲ ዝውረስ ጸገማት፡ ነቲ ኣብ ቀትርን ለይትን ዝጋጥም ኢንዩርሲስ፡ ብማዕረ ጽልዋ ኣለዋ።
ምስ ጾታ ዝዛመድ ጕዳያት መርመራ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ
ኣብ ለይቲ ዘጋጥም ኢንዩርሲስ ብብዝሒ ኣብ ደቂ ተባዕትዪ ዝርአ ኾይኑ፡ እቲ ኣብ ቀጥሪ ዘጋጥም ኢንዩርሲስ ግን ብብዝሒ ኣብ ደቂ ኣንስትዪ ይርአ። ቅድሚ ሕጂ እቲ ኣቦ ብጸገም ኢንዩርሲስ ይሽገር እንተኔሩ፡ እቲ ቆልዓ ጸገም ኢንዩርሲስ ናይ ምምዕባል ተክእልኡ ዝለዓለ ይኸውን ምስ እታ ቅድሚ ሕጂ ብጸገም ኢንዩርሲስ እትሽገር ዝነገበረት ኣደ።
ተመሳሰልቲ ሕማማት (Comorbidity) ምስ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ ክረኣዩ ዝኽእሉ
ዋላ’ኳ መብዝሓትኦም ብኢንዩርሲስ ዝጥቅዑ ቆልዑ ተመሳሰልቲ ወይ ተደረብቲ ሕማማት ዘይብሎም እንተኾኑ፡ ምስ ካልኦት ጸገም ኢንዩርሲስ ዘይብሎም ቆልዑ ክወዳደሩ ከለው ግን፡ ብተዛማዲ፡ ዝለዓለ ናይ ባህሪ ጸገማት የርእዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብኢንዩርሲስ ዝሽገሩ ቆልዑ፡ ዝሕታለ ኣብ ዝርርብ፣ ቋንቋ፡ ናይ ምምሃር ዓቕሚን ክእለት ምንቅስቓስ ኣካልን የርእዩ እዮም። ብተወሳኺ፡ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል፡ ብድቁስካ ምኻድ፡ ለይቲ ምብህራርን ይረኣዩ እዮም። ናይ ፍሕኛ ረኽሲ ዝበዝሕ እዋን ምስ ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ ዘይብሎም ቆልዑ ክወዳደሩ ከለው፡ እቶም ብጸገም ኢንዩርሲስ ዝሽገሩ ብብዝሒ ይርአ።
ምልክታት ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል (Encopresis) እንታይ ይመስሉ?
ሀ. ብተደጋጋሚ ቀልቀል ብዘይግቡእ ኣብዘይንቡር ቦታታት ምጽያቕን ምጋድፍን (ንኣብነት፡ ክዳን፡ ምድሪቤት፡ መድቕ . . . ወዘተ)። እዚ ድማ፡ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ (ዘይምግዳስ) ክኸውን ይኽእል።
ለ. እዚ ተርእዮ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ወርሒ እንዳተርኣየ ን3 ወርሒ ክቕጽል ኣለዋ።
ሐ. ዕድመ ናይቲ ቆልዓ ድማ እንተወሓደ 4 ዓመት ወይ ዕብየት ሓንጎሉ ከባቢ 4 ዓመት ክኸውን ኣለዋ።
መ. እዚ ጸገም ብሰንኪ ኣካላዊ ጸገም፡ ሕማም ወይ መድሃኒት ዘስዓቦ ክኸውን የብሉን (ንሓብነት፡ መረጋግኢ መድሃኒት (laxatives))።
ተወሰኽቲ ምልክታት
- ምልሓኽ ቀልቀል ወይ ፈሳሲ ናብ ኮስቱሞ። እዚ ተርእዮ ምስ ውጽኣት ከመሳሰል ይኽእል እዩ።
- ድርቀትን፡ ድሩቑን ተሪርን ቀልቀል።
- ገዚፍ ወይ ዓቢ ቀልቀል ብሓንሳብ ዝወጽእ፡ ክሳብ ምዕጻው ወይ ምዕባስ ሽቓቕ ክፈጥር ዝኽእል።
- ሓፈሻዊ ጸገም ቀልቀል ወይ ኣብ እዋኑ ቀልቀል ዘይምድፋእ።
- ኣብ ነዊሕ እዋን ሽንቲቤት ምጥቃም። ማለት፡ ሓንሳብ ቀልቀል ምስ ወጻእካ፡ ንነዊሕ እዋን ሽንቲቤት ከይተጠቐምካ ምጽናሕ።
- ሸውሃት ምዕጻው
- ቃንዛ ከብዲ ወይ መዓናጡ
- ጸገም ምቁጽጻር ሽንቲ ኣብ ቀትሪ ይኹን ለይቲ (ወይ ኣብ ዓራት ምሻን)
- ብተደጋጋሚ ናይ ፍሕኛ ረኽሲ፡ ብፍላይ ኣብ ጎራዙት ወይ ኣዋልድ።
ዝርግሐ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ከመይ ይመስል?
ከባቢ 1% ካብ ደቂ 5 ዓመት ብጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ይሽገሩ። ብተወሳኺ፡ ዝበዝሕ ኣብ ደቂ ተባዕትዪ እዩ ዝርአ።
መስርሕን ኣመዓባብላን/ ምዕባለን ኣንፈትን ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል
መርመራ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ንኽካየድ፡ እቲ ቆልዓ ዕድመ 4 ክበጽሕ ኣለዎ ወይ ድማ ናይ ሓንጎል ምዕባለ ምዱንጓይ ዘርኣየ ዝዓበየ ቆልዓ፡ እንተወሓደ 4 ዓመት ክኸውን ኣለዎ። ብግቡእ ኣጠቓቕማ ሽንትቤትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን (ንኣብነት፡ ትምህርቲ ኣብዝጅምረሉ እዋን፡ ሓድሽ ምንኣሱ ህጻን ምስ ዝውለድ) ከም ጠንቂ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ጸገም ኣብ ክልተ ዝኽፈል ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ፡ እቲ ቆልዓ ቅድሚ ሕጂ ንቡር ኣተኣላልያ ቀልቀል ዘየርኣየ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ንቡር ኣተኣላልያ ቀልቀል ዝነበሮ ኾይኑ፡ ድሕሪ ግዜ ግን ዘይንቡር ጸገም ምስ ዘርኢ። እዚ ጸገም፡ ንነዊሕ እዋን፡ እንዳተመላለሰ ከሸግር ይኽእል እዩ።
ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል
ሰረት- ዘርኢ (ፈርዓዊ)ን ስነ-ኣካላዊን: ቃንዛ ዝተሓወሶ ብሓይሊ ቀልቀል ምውጻእ ናብ ድርቀት ከምርሕ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ድርቀት ድማ ናብ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል የምርሕ። ዝተፈላለዩ መድሃኒታት (ንኣብነት፡ ንሕማም ፈርፈር (ወይ ሕማም ባርያ) ወይ ንክቱር ሰዓል ወይ ትኽትኽታ ንምህዳእ ተባሂሎም ዝወሃቡ መድሃኒታት) ድርቀት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም።
ተደረብቲ ሕማማት (Comorbidity) ምስ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ክረኣዩ ዝኽእሉ
ረኽሲ ናይ ፍሒኛ ብብዝሒ ምስ ጸገም ምቁጽጻር ቀልቀል ይርአ እዩ። ብብዝሒ ድማ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮት ይርአ።