ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ሓደ ካብ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ኾይኑ፡ ብሰንኪ ኣፍራሒ ወይ ኣሰቃቒ ኩነት ዝፍጠር ጭንቀት እዩ። እዚ ኩነት ኣብ ነብስኻ ወይ ኣብ ካልኦት ዝወረደ (ብዓይንኻ ዝመስከርካዮ ወይ ዝሰማዕካዮ) ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ካብ ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ንምጥቃስ፡ ለይቲ ምብህራር፡ ከቢድ ጭንቀት፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ኩነት ማሕታዊ ተዘክሮ ወይ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ኩነት ካብ መጠን ንላዕሊ ምሕሳብ ምስቁርቋር. . . ወዘተ።
ዝበዝሕ ሰብ ከምዚ ዓይነት ኣጨናቒ ኩነት ዘጋጥሞ፡ ግዝያዊ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ይኽእል እዩ። ምስ ግዜን ጽቡቕ ክንክንን ግን፡ እቲ ጭንቀት እንዳጎደለ ወይ እንዳጠፍአ እዩ ዝኸይድ። እቲ ጭንቀት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳገደደ እንተኸይዱን ካብ 1 ወርሒ ንላዕሊ ወይ ንዓመታት እንተጸኒሑ ግን፡ ጸገም ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Posttraumatic Stress Disorder; PTSD) ኣማዕቢልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ከምዚ ዓይነት ኣጨናቒ ኩነት ምስ ኣጋጠመካ፡ ብኣግኡ ሕክምና ምግባር፡ ነቶም ምልክታት ክተወግዶምን ሂወትካ ክተመሓይሽን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ እንታይ እዩ?
ብሰንኪ ዘጋጠመካ/ኪ ኣጨናቒ ኩነታት ወይ ኣጋጣሚ፡ ከቢድ ዊሽጣዊ ጸቕጢ ወይ ነዊጺ፡ ዕግርግር፡ ረብሻ ንነዊሕ እዋን ክስመዓካ ከሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ወይ ማህሰይቲ እዩ። ንኣብነት፡
- ሓደ ስደተኛ ኣባላት ስድራቤቱ ወይ ብምልኦም ስድራቤቱ ገዲፉ ክስደድ ከሎ።
- ሓደ መንእሰይ ከቢድ ናይ መኪና ሓደጋ ከጓንፎ ከሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ክፈጥሪ ይኽእል።
- ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ወይ ሓደ ወተሃደር፡ ኣብ ኲናት ኣሰቀቕቲ ነገራት ወይ ሰብ ክቕተል ምስ ዝርኢ፡ ስንባደ ክፈጥሮሉ ይኽእል።
- ሓደ ስደተኛ ኣብ ሃገሩ ብዝለዓለ ደረጃ ተማሂሩ፡ ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮ፡ ኣብ’ቲ ዘተሰደደሉ ሃገር፡ ትምህርቱን፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክርኡን፡ ዘይቅቡል ኮይኑ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ክሰርሕ ከሎ፡ ጭንቀትን ሰነ-ኣእምሮኣዊን ስንባደን ክፈጥረሉ ይኽእል።
ጠንቅታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ እንታይ የጠቓልል?
- ኩናት፡ ጾታው ዓመጽ፡ ጎንጺ፡ ናዕቢ፡ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋ፡ ማእሰርቲ
- ዓሌታዊ ኣፈላላይ (Racism and discrimination)
- ሓድሽ ባህልን ሓድሽ ቋንቋን
- ባህልን ልምድን ምጥፋእ ወይ ምስ ዓብላሊ ሕብረተሰብ ክትጽንበር ክትግደድ ከለኻ (acculturation)
ስሉስ ስንባደ (TRIPLE TRAUMA) እንታይ እዩ?
ቅድመ ስደት (PRE-MIGRATION)
ማሕበራዊ፡ ባህላዊን ፖሎቲካዊ ጸገማት፡ ንኣብነት ፖሎቲካዊ ጸቕጢ፡ ውትህድርና፡ ኩናት፡ ጎንጺ፡ ዓመጽ፡ ብዘይ ገበን ማእሰርቲ፡ ስቅያተ፡ ብሓለፍትን ሰበስልጣንን ምርሳይ ወይ ሰብኣዊ መሰልካ ምግሃስ፡ ኣባላት ስድራቤት ወይ ናይ ቀረባ መቕርብ ሃለዋት ምጥፋእ
ኣብ እዋን ስደት (MIGRATION)
- እሰርቲ፡ ጾታዊን ኣካላዊን ዓመጽ፡ ምጭዋይ፡ ሞት ወይ ከቢድ ኣካላዊ
- ሞቕሰልቲ ወይ መጉዳእቲ ምርኣይ፡ መዕቖቢ ምስኣን፣ ትሑት ኣገልግት ጥኦናን ጽሬትን፡ ትምህርቲ ምቁራጽ (ብፍላይ ንቆልዑ)፡ ብሞያኻ ክትሰርሕ ዘይምኽኣል
- ማእሰርቲ፡ ጾታዊን ኣካላዊን ዓመጽ፡ ምጭዋይ፡ ሞት ወይ ከቢድ ኣካላዊ ምቕሰልቲ ወይ መጉዳእቲ ምርኣይ፡ መዕቖቢ ምስኣን፣ ትሑት ኣገልግት ጥኦናን ጽሬትን፡ ትምህርቲ ምቁራጽ (ብፍላይ ንቆልዑ)፡ ብሞያኻ ክትሰርሕ ዘይምኽኣል
ድሕሪ ስደት (POST-MIGRATION)
ቅልውላው መንነት፡ ዓሌታዊ ኣድልዎን ምፍልላይን፡ ጭቆና(oppression)፡ ጸገም ቋንቋ፡ ማሕበራዊን ስድራቤታዊን ሓገዝ ምስኣን፡ ምስ መንበሪ ፍቓድ ዝተኣሳሰሩ ተወሰኽቲ ጸገማት. . . ወዘተ።
ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ እንታይ ይመስሉ?
ሓፈሻዊ ክንርእዮ ከለና፡ እዚ ምልክታት ስንባደ ንቡርን ኣብ ዝበዝሕ ሰብ ዘጋጥም እንተ ኾነ፡ ኣብ ገለ ሰባት ግን ንንውሕ ዝበለ እዋን የሳቕዮም። እዞም ምልክታት ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው፡ ንልዕሊ 3 ወርሒ ምስ ዝጸንሑ፡ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (PTSD) ከማዕብል ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ብፍላይ ካብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለው ምልክታት ብርክት ዝበሉ እንተተራእዮም፡ ብዝቐልጠፈ መገዲ ናብ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ ክትውከስ ኣለካ።
- ስነ-ኣእምሮኣዊ ጎንጽን ምድንዛዝን(shock and numbness)
- ፍርሒ፡ ራዕዲ፡ ጭንቀት (fear and anxiety)
- ኣጨነቕቲ ተዘክሮታት (Flashbacks)
- ጭንቅት ዝተሓወሶ ድንጽውና/ኣግርሞት፡ ዘይምእማን፡ ምኽሓድ፡ ሕርቃን (Denial, disbelief and anger)
- ብቐሊሉ ምድሃል ወይ ምስንባድ(Easily startled)
- ሕማም ርእሲ፡ ሕቖ፡ ቃንዛ (Headaches, Backaches, stomachaches)
- ሃንደበት ኣካላዊ ረሃጽ፡ ትርግታ ልቢ ምውሳኽ፡ ራዕራዕ ምባል (Sudden sweating, palpitation)
- ብዘይ መጠን ኣልኮል ወይ ድራግ ምውሳድን ምጥላዕ (Increased use of alcohol and drugs, and gambling)
- ቅዛነት፡ ሃሚ – ኣብ ነፍስኻን ዓለምን ትሰፍ ምቕራጽ (Depression – feeling hopelessness and helplessness)
- ኣተኩሮ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ምሳኣን
- ድቃስ ምስኣን ወይ ተደጋጋሚ ለይቲ ምብርባር ወይ ውን ሓንሳብ ምስተበራበርካ ተመሊስካ ክትድቅስ ዘይምኽኣል
- ምብህራርን ሃተፍተፍን
- ኣብ ካልኦት ሰባት ወይ ሓፈሻዊ ኣብ ሰብ ዝነበረካ እምነት ይጎድል
- ነብሰ ምትሓት (low self-esteem)
- ኣብ ቆልዑ ንምዝካር ዝሕግዝ ሓንጎሎም ብዓቐን ይንእስ (Smaller Hippocampal volume)
- ቃንዛ ርእስን ከስዐን
- ጭንቀት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ይጎድል
- ምንጽርጻር
- ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ምጽናሕ
- ነቲ ኣጨነቕቲ ነገራት ዘዘኻኽሩ ነገራት ምውጋድ (Avoidance)
ሳዕቤናት ስነ-ኣእሞሮኣዊ ስንባደ
ካብ ሰብ ናብ ሰብን ብዕድመን ይፈላለ እኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ እዞም ዝስዕቡ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል፥
- ልዕሊ ዓቐን መስተን ድራግን ምጥቃም
- ተወሰኽቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት (borderline personality disorder, conduct disorder, oppositional defiant behavior)
- ናይ ባህሪ ለውጢ (ብፍላይ ኣብ ቆልዑን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን)
- ነብሰ መጉዳእቲ
- ልቢ ድኻም ደም ብዝሕን
- ጭንቀት
- ትካዘ፡ ምቅዛን
- ሕርቃን፡ ምንጽርጻር
- ዕርክነት ወይ ምሕዝነት ብቀሊሉ ክትፈጥር ዘይምክኣል
- ነብስ-ቅትለት ሓሳባትን ጠባያትን
- ምግርጫው ኣብ ስራሕ፡ ምስ ኣባላት ስድራቤት ወዘተ
- ሕጽረት ትንፋስ
- ናይ ከስዕ ጸገማት
- ድቃስ ምስኣን
ንስፍሕ ዝበለ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪደዪ ንከታተል።