ጭንቀት ወይ ሳዛ እንታይ እዩ (What is Anxiety)?
ጭንቀት፡ ሓደ ካብ ስምዒታት ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ሓዘን፡ ሻቕሎትን ካልእ ኣሉታዊ ኣጋጣሚታት ሂወት ዝክሰት እዩ። ብእኡ መጠን ድማ ኣካላትና ይኮማተር ወይ ይውጠር፡ ኣእምሮ ድማ ኣብ ሓደ ጉዳይ ጥራይ ጸቒጡ ስርሑ ከሰላስል ይሽገር። በዚ ድማ፡ ካልእ ጉዳያት ሂወት ይውንዘፍን ኣተኩሮ ይስእኑን። ብተወሳኺ፡ ጭንቀት ሸውሃት ድቃስን ማሕበራዊ ርክባት ይኹን መዓልታው ንጥፈታትና (ስራሕ፡ ትምህርቲ ወዘተ) የዘናብል።
ሓደ ሓደ እዋን መጠኑ ዘይሓለፎ ጭንቀት ኣገዳሲ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ መርመራ፡ ጭንቀት ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። እዚ ድማ ኣመና ኣይኹን ደኣ እምበር፡ ምድላዋት ንመርመራ ኣብ ምዕዛዝ ከም መንጠሪ ባይታ ከምዝጠቅም ይሕብር። እዚ ጭንቀት እንተደኣ ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ምስ ዝኸውን፡ ምጉዳል ትኩርነት ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክኽሰት ይኽእል። በዚ ኸኣ እቲ ጭንቀት ኣገዳስነት ኣይህልዎን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ውን ከስዕብ ይኽእል።
መጠን ኣልቦ ጭንቀት፡ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ሓደገኛ ኾይኑ፡ ህይወትና ብዝግባእ ከይንመርሕ ዕንቅፋት ክፈጥረልና ይኽእል እዩ። በዚ ድማ ናብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ክንቃላዕ ንኽእል ኢና። ሓያለ ዓይነታት ሕማም ጭንቀት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ተሰባሊ-ቀሳቢ ጸገም (Obsessive-Compulsive Disorder; OCD)፡ ማሕበራዊ ጭንቀት (Social Anxiety)፡ ከምኡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Posttraumatic Stress Disorder, PTSD) ክጥቀሱ ይከኣሉ።
ምልክታት ደረት ኣልቦ ጭንቀት
ዓቐን ጭንቀት ካብ ሰብ ናብ ሰብን ካብ ኩነታት ናብ ኩነታት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንገለ ልሙዳት ምልክታት ጭንቀት ምስ እንሪኢ፡
- ሩፍታ ምስኣንን ነድርን
- ኣተኩሮ ምስኣን
- ምጭብባጥ ምውጣር ወይ ቃንዛ ጭዋዳታት
- ስእነት ድቃስ ወይ እውን ካብ ንቡር ወጻኢ ነዊሕ ሰዓታት ምድቃስ
- ድሕሪ ግቡእን እኹልን ዕረፍቲ ዘጋጥሙ ናይ ሃልኪ ወይ ድኻም ስምዒታት
- ካብ ናይ ሃልኪ ስምዒታት ንምህዳም ዝግበሩ ጻዕርታት
- ኣብ ኣእምሮ ዝመላለሱ ፍታሕ ኣልቦን ዘይኣገደስትን ሓሳባት
ሓያለ ሰባት፡ መጠኑ ዝሓለፎ ጭንቀት ናብ ቅዛነት ከሰጋግሮም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ክልተ ዓይነት ጸገማት ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ኣብዞም ጸገማት ዝረኣዩ ምልክታት ኣብ ክልቲኡ ተቐራራቢ ወይ ተመሳሳሊ ኮይኑ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።
ዓይነታት ጭንቀት ወይ ሳዛ ኣለዉ’ዶ?
ጭንቀት ወይ ሳዛ፡ ካብ ፍርሒ ዝምንጩ ሕማም ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ክሳብ ኣብ ባህሪ ምምዝባል ድማ ይፈጥር። ፍርሒ፡ ሓደ ካብ ስምዒታት ኮይኑ፡ ጠንቁ ድማ ስግኣት እዩ። ብመንጽሩ፡ ጭንቀት ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ንዝኽሉ ስግኣታት ብምውሳኽ ዝፍጠር ፍርሒ እዩ። ብርግጽ እዚ ኽልቲኡ ሓሳባት ንሓድሕዱ ዝጣመር እኳ እንተኾነ፡ ፍልልያት ግና ኣለዎ። ፍርሒ፡ ስግኣት ናይ ሓደ ፍጻመ ኮይኑ፡ ንኣብነት ከም ባእሲ፡ ንፍራ፡ ሓደጋ ካብ ዘስዕቡ ባእታታት ንምክልኻል ዝስዕብ ስምዒት ኮይኑ፡ ጭንቀት ግና ምስ ውጥረት ጭዋዳታት፡ ጸገም ኣተኩሮ፡ ንመጻኢ ከጋጥሙና ንዝኽእሉ ኣሸገርቲ ነገራት ንምድላው ዝካየድ ጥንቃቐን እዩ። ሓደ ሓደ እዋን፡ ፍርሒን ጭንቀትን፡ ንሓደ ጉዳይ ወይ እውን ፍጻመ ብኹሉ ሸነኻት ንምምርማር ዝካየድን ካብ ውድቀት ኮነ ጎባእነት ንምእላይ ዝግበር ባህሪ እዩ።
ጠንቅታት ጭንቀት እንታይ እዮም?
ከም ኩሉ መበገሲ ሕማም ኣእምሮ፡ ጠንቂ ጭንቀት እውን ሓደ መገገሲ ጥራይ ከይህልዎ ይኽእል እዩ። ሓያለ ጠንቅታት ጭንቀት፡ ማለት ሮቛሒታት ኢልና ንጽውዖም ኣለዎ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ ሓያለ ረቛሒታት እንተደኣ ኣጋጢሞምኻ፡ ምስ ግዜ ጭንቀት ናይ ምምዕባል ተኽእሎኻ ክዛይድ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ እዋን ግና፡ ብዘይ መጠንቀቕታ ወይ ሃንደበታዊ፡ ቃታ ዘስሕብ ጸቕጢ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ሓያለ ረቛሒታት ናይ ጭንቀት እኳ እንተሃለዉ፡ ንውሑዳት ንምጥቃስ፡
- ስነ ሰረት (Genetic)፦ ኩነታት ጥዕና ኣእምሮ ካብ ወለዲ ንዝውሰዱ ተወርሶታት ክተኣሳሰር ይኽእል እዩ። ገለ ኣባላት ስድራ እንተደኣ ሕማም ጭንቀት ሃልይዎም ወይ እውን ካልእ ናይ ኣእምሮ ሕማም ምስ ዝህልዎም፡ በዚ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ክዛይድ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ግን፡ ሓደ ካብ ወለድኻ ወይ ኣባላት ስድራቤትካ ጭንቀት ስለ ዘማዕበሉ፡ ንስኻ ውን ክተማዕብል ኢኻ ማለት ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን፡ ምስ ካልኦት ጸገም ጭንቀት ዘየርኣዩ ስድራቤታት ክወዳደር ከሎ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ኣጨነቕቲ ወይ ወጠርቲ ኩነታት ሂወት ምስ ዘጋጥሙኻ፡ ጸገም ጭንቀት ናይ ምምዕባል ተኽእሎኻ ይዛይድ ማለት እዩ።
- መነባብሮ (Environment)፦ ጸቕጢ ኣብ ዘለዎ መንባብሮ፡ ንሕማም ጭንቀት ናይ ምቅልዑ ተኽእሎ ልዑል እዩ። ኣብ ድኽነት ምንባር ወይ እውን ዓመጽ ኣብ ዘለዎ ስድራቤት ምስ እትህሉ፡ ጸቕጢ ኣእምሮ ክፈጥር ይኽእል እዩ። በዚ ድማ ዓለም ዘይውሕስቲ ኮይና ክትስመዓካ ትኽእል።
- ማሕበራዊ ናብራ (Social Life)፦ ሕፍረት ወይ እውን ዘይርጉጽነት ኣብ ሕብረተሰብ፡ ማሕበራዊ ጭንቀት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ተነጽሎ ወይ ተገላልነት ጭንቀት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ከም ደቂ ሰባት፡ ዝበዝሐ ድልየታትና ንምርካብ ኣብ ካልኦት ሰባት ስለእንምርኮስ።
- እዋን ቁልዕነት ዘጋጥም ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Childhood Trauma)፦ ሽሕ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዘለዎ ናብራ ኣይትሃሉ፡ ኣብ እዋን ንእስነትካ ወይ እውን ቁልዕነትካ ዘጋጠመካ ኣጨነቕቲ ኩነታት ሂወት፡ ምስ ዓበኻ ካልእ መዘዝ ከምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብኡ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ኣጨናቒ ህሞት (Stressful Events)፦ ኣብ እዋን ቁልዕነት ዘጋጥሙ ራዕዲ ጤረር፡ ምስ ዓበኻ እውን ነቲ ራዕዲን ጭንቀትን ሒዝካ ናይ ምንባር ይረአ እዩ።
- ዘይጥዑይ ኣመል (Unhealthy Habits)፦ ንኣብነት ምስኣን ድቃስ ወይ እውን ምርጋጥ ሸውሃት፡ ንኣእምሮ ብግቡእ ከይዓምም ይድርትዎ እዮም። ምኽንያቱ መኣዛታት ንኣእምሮና ኣዝዩ ስለዘገድሶ።
- ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን (Alcohol and Drugs)፦ ሓሽሽን ኣልኮልን ቃታ ጭንቀት ክስሕብ ይኽእል እዩ። ብፍላይ፡ ትምባኾን ዕጸፋርስን ንኣእምሮ ናብ ጸቕጣዊ ሃዋሁ የምርሕ። ሰባት ካብ ጭንቀት ንምድሓን ናብ ኣልኮልን ሓሽሽን የምርሑ እዮም። ብኣንጻሩ ግና ኣብ ዝተናውሐ እዋን ካብቲ ጭንቀት ክናገፉ ኣይክእሉን እዮም። ብዝገደደ እኳ ደኣ ናብ ዝለዓለ ጭንቀት ይወስዱና።
- ቀመም ኣእምሮ (Brain Chemistry)፦ ጸገማት ሻቕሎት ዘይምዕሩይ ባህርያውያን ቀመማት ኣብ ኣእምሮኻን ኣካላትን ከስዕብ ይኽእል እዩ።
እዞም ኮንደዀናዊ ረቛሒታት፡ ቅድም ቀዳድም መን ኣእምሮኣዊ ሕማም የማዕብል ንዝብል ጥራይ ኣይኰኑን ዝጸልዉዎ። እቲ ምልክታቶም ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝኸውን ከምኡ’ውን፡ መዓስ እቶም ምልክታት ክንጸባረቑ ከም ዝጅምሩ ንዝብሉ ሕቶታት እውን ይጸልዉ እዮም። ማእለያ ዘይብሎም ዝተፈላለዩ ጸገማት ሻቕሎት ኣለው። ነፍሲ ወከፎም ድማ፡ ቍሩብ ፍልይ ዝበሉ ኮንደኾናዊ ረቛሒታት ኣለዉዎም። ንሻቕሎትካ እትቈጻጸረሉ ሓደ መንገዲ፡ ንኮንደዀናዊ ረቛሒታትካ ንምንካይ ግብራዊ ስጕምቲ ብምውሳድ እዩ። እዚ ኸኣ ግቡእ ሕክምናዊ ምክትታታል ማለት ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ ወይ መድሃኒት ብምሳድ እዩ።
ጭንቀትን ጸቕጥን ፍልልዩ እንታይ እዩ?
ጭንቀትን ጸቕጥን ዝብላ ቃላት እናሓንሳእ ቀያይርና ንጥቀመለን ኢና። ምእንቲ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ልሙድ ጸቕጥን ጸገም ጭንቀትን ንዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል? ክልቲኦም ብዙሕ ሓደ ዓይነት ኣካላዊ ምልክታት ከም ምንሃር ትርግታ ልቢ፡ ምውጣር ጭዋዳታት ወይ ቅልጡፍ ምስትንፋስ የስዕቡ እዮም። ኣብ ናይ ክልቲኦም ኵነታት፡ ኣካልና ነዞም ምልክታት ንምቕስቃስ ክብል ሆርሞናት ይነዝዕ እዩ።
ጸቕጢ ንቡር፡ ተመጣጣኒ ግብረ መልሲ ንጸቕጢ ዝመልኦ ኵነታት ወይ ግዳማዊ ጽቕጠት እዩ። ኣብ እዋን ናይ መወዳእታ ናይ ትምህርቲ ፈተና ወይ ስራሕ ንዅትቍጸር ጸቕጢ ክስመዓካ ንቡር እዩ።
ጭንቀት፥ ብዛዕባ ጭንቀት ከም ጸገም ጭንቀት ክንዛረብ እንከለና፡ ስነ-ኣእርምሮኣዊ ጭንቀት ብስምዒታት ስግኣት ወይ ዘይተገልጸ ሓሳባት ዘንጠጠወ ጥፍኣት ዝልለ ኵነታት እዩ።
እቲ ካልእ መንገዲ ኣብ መንጎ ጸቕጥን ጭንቀትን ዘሎ ፍልልይ እንገልጸሉ፡ ካብቲ ስምዒት ጸቕጥና ዝወስዶ ንውሓት ግዜ ትበጊስና ኢና። ንመዓልታት ወይ ሳምንታት ዝቐጸለ ጸቕጢ፡ ዕለታዊ ስራሕካ ከይተሰላስል እንተ ዓንቂጹካ፡ ኣብ ጭንቀት ተሸሚምካ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ገለ ነገር ከየጋጥመካ ወይ መበገሲኡ ዘይፍለጥ ሻቕሎት ወይ ፍርሒ እንተተመኩርካ፡ ብጭንቀት ክትውጠር ትኽእል ኢኻ። ብሻቕሎትካ ተመሊስካ ኣብ ስምዒት ጭንቀት ክትሽመም እውን ትኽእል። እንተኾነ ግን፡ ከም ደቂ ሰባት፡ ሻቕሎት ወይ ጭንቀት ከጓንፈና ንቡር እዩ። ሰለ ዝኾነ ድማ፡ ከምዚኦም ዓይነት ስግኣታት እንተ ደኣ ሃልዮምኻ፡ ንበይንኻ ከምዘይምዃንካ ዘክር። ጸገም ሻቕሎት ንቡርን ክትቈጻጸሮ እትኽእልን ጸገም እዩ።
ብጸቕጢ ወይ ሻቕሎት ከም ዝተጐባእካ እንተ ተሰሚዑካ፡ ስምዒትካ ኣብ ምቍጽጻር ምእንቲ ክሕግዙኻ ናብ ሓካይም ኣእምሮ ወይ ኪኢላታት ስነ-ልቦና ምኻድ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሕክምና ኣማራጺታት ከም ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ ወይ መድሃኒት ምውሳድ፡ ኣብ ምቍጽጻር ጸቕጢ፡ ስግኣት ጸገም ሻቕሎት ኣብ ምግላጽ ወይ ንኣካላዊ ምልክታት ጸቕጥን ሻቕሎትን ኣብ ምግታእ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጭንቀት ብኸመይ ክትፍውሶ ትኽእል?
ንብዙሓት ሰባት፡ ገለ ድምር ናይ ቅዲ ህይወት ለውጢ ምግባር፡ ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ፡ መድሃኒትን ንጸገም ሻቕሎት ኣብ ምፍዋስ ክጠቕሙ ይኽእሉ እዮም። ኣድማዕነት ናይዞም ሓገዛት ድማ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ወይ ብዝተፈላለይ ነቲ ጭንቀት ዝፈጠረ ኩነታት ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም። ኣየናይ ከም ዝጠቕመካ ንኸተለሊ ገለ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ እታ ንዓኻ እትሰመማዓካ ኣገባብ ፍወሳ ግና፡ ከም ዝጠቕመካ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣገባባት ምዝናይ (Relaxation Techniques)
ጭንቀት ብዛዕባ ሻቕሎትን ፍርሕን እዩ። ጭዋዳታትካ ልዕሊ ንቡር ይወጣጠሩ፡ ሕጽረት ትንፋስ ድማ የጥቅዓካ። ከም ሳዕቤኑ፡ ተረጋጊእካ ኮፍ ክትብል ኰነ ክትድቅስ ይእግመካ። ምዝናይ ዉጹእ ኣንጻር ሻቕሎት እዩ። ኣገባባት ምዝናይ ከም ኣዕሚቝካ ወሽጢ ሰናቡእካ ምስትንፋስ፡ መድሃኒት ምውሳድ ከምኡ’ውን፡ ዮጋ (Yoga) ምዝውታር ኣእምሮኻ ካብ ሻቕሎት ኣብ ምንጋፍ ዓቢ እጃም እዩ ዘለዎም። ብፍላይ ካብ ኣርዓዲ መጥቃዕቲ ሓራ ኣብ ምግባር እምብዛ ሓገዝቲ እዮም።
ለውጥታት ቅዲ ህይወት (Lifestyle Changes)
ሓያሎ ልምድታት ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ክጸልዉዎ ይኽእሉ እዮም። ስሩዕ ድቃስ ምውሳድ፡ ጥዑይ ዝተመጣተጠነ መግቢ ኣብ ሰዓትካ ምምጋብን፡ ቀጻሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ብዙሕ ሓገዝቲ እዮም። ገለ ሰባት ካብ ምጥቃም ትሕዝቶ ካፈይን ዘለዋም ዝስተ ነገራት (ንኣብነት፡ ቡን፡ ሻሂ ወዘተ)፡ ኣልኮል ወይ ሓሽሽ ስለ ዝነከዩ ወይ ጨሪሶም ስለ ዘወገዱ፡ ኣብ ኩነታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን ኣካላዊ ጥዕንኦም ብዙሕ ረቢሖም እዮም። ነኣሽቱ ወይ ቐለልቲ ዝመስሉ ነገራት፡ ግና ኣብ ሂወትካ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዋም ኣድህቦ ግበረሎም። ንኣብነት ንገዛእ ርእስኻ ንምክንኻን ግዜ መድብ፡ ኣብ ባህታ ዝፈጥሩልካ ንጥፈታት ተሳተፍ፡ ምስ እትፈትዎም ዓርከ-መሓዙትካ ኣዕልል፡ ናብ ታሪኻውያን ቦታታት ብጻሕ … ወዘተ።
ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ (Therapy)
ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ባህርያትና እንልውጠሉ፡ ርእሰ ተኣማንነትና ክብ እነብለሉ፡ ሓደስቲ ክእለት እንቐስመሉ፡ ከምኡ’ውን ምስ ሰባት ብኽፉትን ብቕንዕናን ጉዳይና እንመያየጠሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሃት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተራፒ እዮም ዘለዉ። መብዛሕትኦም ፈወስቲ ከከም እቲ ዝፍውስዎ ተሓካሚ ተመርኵሶም፡ ብርክት ዝበሉ ኣገባባት ይጥቀሙ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ኣዝዩ ልሙድ ዓይነት ፍወሳ ኰይኑ ዘሎ፡ “ኮግኒቲቭ ብሄቭየር ተራፒ” (Cognitive-Behavior Therapy) ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ዓይነት ፍወሳ፡ ወዮ ፈዋሲ ንሓሳባትካን እምንቶኻን ከምኡ’ውን፡ ብኸመይ እዚኣቶም ንጠባይካ ከም ዝጸልዉዎ ንኽትምርምር ይህግዘካ። ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ኣገባባታት ስነ-ልበናዊ ምኽሪ ኣለው።
መድሃኒት
እቲ ካልእ ኣማራጺ መድሃኒታት ምውሳድ እዩ። ንዝተፈላለዩ ምልክታት ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ከሕውዩ ዝኽእሉ፡ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት ኣለዉ። መድሃኒት ንነፍሲ ወከፍና ብዝተፈላለየ መንገዲ እዩ ዝጸልወና። ክንዲ ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ መድሃኒት ኣባኻ ጽቡቕ ይሰርሕ ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ከኣ፡ ዋላ’ኳ ኣዝዩ ጽቡቕ ትሕዝቶ እንተሃለዋም፡ ገለ ጐድናዊ ሳዕቤን ውን ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር፡ ምስ ዶክተርካ ብምትሕብባር እቲ ዝበለጸ ንዓኻ ዝጠቅም መድሃኒት ክትረክብ ዘለካ። ንዝተፈለላዩ ጸገማት ንምፍዋስ ወይ ነቲ ጐድናዊ ሳዕቤን ናይቲ ዝወሰድካዮ መድሃኒት ንምንካይ ተባሂሉ፡ ኣብ ሓደ ግዜ ብርክት ዘበሉ መድሃኒታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ግምት ክተእትዋ ዘለካ ነገር እንተሃልዩ፡ እዞም ናይ ስነ-ኣእምሮ መድሃኒታት፡ ገሊኦም ከከም ኣድላይነቶም ኣብ ዝተሸገርካሉ እዋን (ንኣብነት፡ ከም መድሃኒት ሕማም ርእሲ ወይ ቃንዛ ሕቖ ፓናዶል ወይ ኣድቪል) ዝውሰዱ እዮም። እቶም ገሊኦም ድማ ንዝተወሰነ እዋን፡ ክሳብ ኩነታት ጥዕናኻ ዝመሓየሽ ዝውሰዱ ክኾኑ ይኽእሉ። ብሕማም ሽኮርያ ዝጥቃዕ ሰብ ንምሉእ ሂወቱ ኢንሱሊን እንዳተወግአ ወይ ከኒና እንዳወሰደ እዩ ዝነብር። ኮምኡ ድማ ገለ ውሑዳት መድሃኒት ስነ-ኣእምሮ ንምሉእ ሂወትካ ብዘይ ምቁራጽ ዝውሰዱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንዝበለጸ ሓበሬታ ምስ ኪኢላ ስነ-ኣእምሮ ወይ ሓኪም ተላዘብ።
ሓገዝ ካብ ፈተውትን ቤተሰብን (Support)
ካብ ካልኦት ሰባት ሓገዝ ክትረክብ ኣመና ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ሓገዝ ካብ ስድራ ቤት፡ ዓርከ-መሓዛ፡ ሞያውያን ወይ ጕጅለ ሓገዝቲ (support groups) ክትረኽቦ ትኽእል። እዚ ጕጅለ ሓገዝቲ ዝበሃል ዘሎ፡ ተመሳሳሊ ተመኵሮ ንዘለዎም ውልቀ ሰባት ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ እዞም ሰባት ብዛዕባ ተመኵሮታቶም ንኽመያየጡ ብስሩዕ ኣገባብ ይራኸቡ። ምስ ከም ናትካ ተመሳሳሊ ተመኵሮ ዘለዎም ሰባት ኢሂን ምሂን ምብህሃል፡ ካብ ጽምዋ የገላግለካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጸግዒ ዝዀኑኻ ዝኽእሉ ሰባት ንምርካብን፡ ኣገደስቲ ተመክሮታት ክትቀስብን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ገለ ካብቶም ደቂ ጕጀለኻ ንዘሕለፍዎ ዕዉት ተመኵሮ ከካፍሉኻ እንከለዉ፡ ኣብ መጻኢ ንስኻ ኸኣ ክትረብሓሉ ትኽእል። ካብ ዝሓለፍዎ መስገደል እውን ክትማሃር ትኽእል ኢኻ።
ስለምንታይ እየ ክድቅስ ዘይክእል?
ኣብ እዋን ለይቲ ልዋም ድቃስ ምስትምቓር፡ ሓደ ካብቶም ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝሰርጸካ ዝገብሩ እዩ። ብመንጽሩ ዋላ ኣካላትካ ብድኻም ረሸሽ ኢሉካ እንከሎ ክትድቅስ ዘይምኽኣል፡ ሓደ ካብቶም ሕማቕ ስምዒት ከም ዝወርረካ ዝገብሩ እዩ። ንኣካልካ ኰነ ንኣእምሮኻ እውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ልዋም ድቃስ ምስትምቓር ንናይ ምዝካር ብቕዓትካ፡ ፈጠራውነትካ፡ ካብ ሕማም ናይ ምጽዋር ብቕዓትካ፡ … ኣመና ኣገዳሲ እዩ። እሞ’ኸ ደኣ እንታይ እዩ ልዋም ድቃስ ከይነስተማቐ ዝዕንቅጸና? ብኸመይከ ከነማሓይሾ ንኽእል?
ስለምንታይ እየ ክድቅስ ዘይክእል?
ኣብ እዋን ለይቲ ልዋም ድቃስ ንኸይተስተማቕር ዘሰናኽሉ ሓያሎ ጕዳያት ኣለዉ። እዚ ንዓኻ ሓድሽ ጸገም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ምናልባት ንስኻ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኣብ ጸቕጢ ተሸሚምካ ኣለኻ ማለት እዩ። ምናልባት እውን፡ ኣብ መጻኢ ክኽሰት ብዛዕባ ዝኽእል ሓደ ነገር ሰጊእካ ኣለኻ። ብዛዕባ ብውኖኻ ዘይፍለጠካ ሓደ ጕዳይ ክትጭነቕ እንከለኻ እውን፡ እዚ ነገር ክኽሰት ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዘጨንቐኻ ጕዳይ ኣብ ደብተርካ ምስፋር ወይ ምስ ዝምልከቶ ሰብ (ሓኪም፡ ኪኢላ ስነ-ልቦና ወዘተ) ምዕላል፡ ነቲ ጸገም ኣብ ምልላይ ሓጋዚ እዩ።
እቲ ስእነት ድቃስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ እንተ ደኣ ቀጺሉ፡ ብጸገም ድቃስ ክትጥቃዕ ጀሚርካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እናሓንሳእ ጸገም ድቃስ ባዕሉ ክኽሰት ይኽእል እዩ። ካልእ ግዜ እቲ ጠንቂ፡ ጐድናዊ ሳዕቤን ናይ ሕማም ኣእምሮ ክኸውን ይኽእል። ጸገም ድቃስ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሉ ኣይናገፈካን እዩ። ምእንቲ’ዚ፡ ግዳይ ጸገም ድቃስ ከም ዝዀንካ እንተ ሓሲብካ፡ ብዛዕባኡ ምስ ዶክተር ክትዘራረበሉ ይግባእ። ካብ ጸገም ድቃስ ወይ ሕማም ኣእምሮ ዘገላግል ሕክምና ምክትታል፡ እምብዛ ኣድማዒ ዝዀነ ውጽኢት እዩ ዝርከቦ።
ጸገም ድቃስ ይሃልኻ ኣይሃልኻ፡ ባዕልኻ እውን ንኵነተ ድቃስካ ኣብ ምምሕያሽ ሓያሎ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡
ጽሬት ድቃስ (Sleep Hygiene)
ብዛዕባ ‘ጽሬት’ ክትሓስብ እንከለኻ፡ ምናልባት ብዛዕባ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ስንኻ ምጽራይ፡ … ትሓስብ ትኸውን። እዚ ልምዲ እዚ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝሓድረካን ብጽቡቕ ከም እትርአን ዝገብር እዩ። ድቃስካ ድማ ምስ ልምድኻ ብዙሕ ዘተኣሳስር ነገር ኣለዎ። ጽሬት ድቃስ ነቶም ምስ ድቃስ ዝተኣሳሰሩ ልምድታት ዘመልክት እዩ። እዞም ነገራት ንኵነተ ድቃስካ ይሕግዙ ወይ ይጐድኡ።
እዞም ዝስዕቡ ሒደት ነጥብታት ጽሬት ድቃስ፡ ንኵነተ ድቃስካ ኣብ ምምሕያሽ ሓገዝቲ እዮም፥
- ቅድሚ ምድቃስካ ሒደት ሰዓታት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራ፡ ካፈይን ወይ ከቢድ መግቢ ካብ ምጥቃም ተሓየብ።
- ዓይኒ ዝደጕሕ መብራህቲ ኣይትጠቀም። ደሚቕ ብርሃን ንኣካላትካ ከም ቀትሪ ኰይኑ ከም ዝስምዖ እዩ ዝገብር። ካባቢ 1 ሰዓት ቅድሚ ምድቃስካ፡ ኤለክትኖኒካውያን መሳርሒታት ከም ቴለቪዥን ሞባይል ተሌፎን ካብ ምጥቃም ተቖጠብ።
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣዘውትር። ብፍላይ ምሕንባስ፡ ብእግርኻ ንውሕ ዝበለ ምኻድ፡ ጭዋዳታትካ ክፈታትሑ ዝኽእሉ ካልኦት ምንቅስቓሳትን።
- ዘይትደልዮ ድምጺ ንኸየሸግረካ፡ ኢር-ፎን ተጠቐም። ቨንቲለተር እንተ ደኣ ሃልያትካ ተገልገለላ። ቨንቲለተር ሹሽ ዝብል ድምጺ ክትፈጥር ስለ እትኽእል፡ ነቲ ብግዳም ዝመጽእ ረባሺ ድምጺ ክውሕጦ ይኽእል እዩ።
- ገለ ዘዛንየካ ነገር ስራሕ። እግሪ ጕዕዞ ምዝውታር፡ ነብስኻ ምሕጻብ፡ ክላሲካል ሙዚቃ ምስማዕ፡ … ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍቲ ምንባብ እውን፡ እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ። እንተኾነ ናይቲ ተንብቦ መጽሓፍ ወረቐት ብርሃን ዘየንጸባርቕ እንተኾነ ይሓይሽ።
- ንዓራትካ ከም መደቀሲ ጥራይ ተጠቐመሉ። ቅድሚ ኣብ ዓራት ምድቃስካ መጽሓፍ ምንባብ ኣዛናዪ እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ዓራትካ ኴንካ መጽሓፍቲ ከተንብብ ኣይግባእን። ኣብ መንበርካ ኴንካ መጽሓፍቲ እናንበብካ እንከለኻ ድቃስ እንተ መጺኣትካ፡ ኣብ ዓራትካ ተሰቒልካ በጥ በል። ኣብ ዓራትካ ምስ ደቀስካ ድቃስ ንኣስታት 20 ደቓይቕ እንተ ሓንጊዳ፡ ካብ ዓራትካ ተንሲእካ ሓደ ዘዛንየካ ነገር ስራሕ። ንሱ እንተ ኣብዩካ እውን፡ ካልእ ዘዛንየካ ክትረክብ ፈትን። ካስብ ድቃስ ዝመጻካ ናብ ዓራትካ ኣይትመለስ።
ንጥዕና ኣእምሮይ ብኸመይ ባዕለይ ከማሓይሾ እኽእል?
ጥዕና ኣእምሮኻ ኣብ ምምሕያሽ፡ ፍወሳን መድሃኒትን ጥራይ ኣይኰኑን ዝጠቕሙኻ። ባዕልኻ ብርክት ዝበሉ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ!
ብዛዕባ ኩነታት ኣእምሮኻ ብዝተኻእለካ መጠን ብዙሕ ፍለጥ
ካብ ኢንተርነት ብዙሕ ሓበሬታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዝተኻእለካ መጠን ብዛዕባ ጸገማት ኣእምሮ ብዙሕ ኣንብብ። ሕማም ኣእምሮ እንታይ ከም ዝዀነን ብኸመይ ከም ዘጥቅዓካን ክትፈልጥ ፋሕተርተር በል። ዝዀነ ዓይነት ጸገም ኣእምሮ ከም ዘለካ ብሓኪም እንተ ተረጋጊጹ፡ ብዛዕባ እቲ ሓሚምካዮ ዘለኻ ዉሱን ጸገም ሓበሬታ ንኽትረክብ ክትጽዕር ይግባእ። (እንተ ዘየሎ፡ ንሓደ ካብ ናትና መርመራ ጥዕና ኣእምሮ ክትወስድ ጀምር።)
ዛንታ ናይቶም ብሕማም ኣእምሮ ዝተጠቕዑ ሰባት ምንባብ ወይ ምስማዕ እውን ሓጋዚ እዩ። ርእሰ ታሪኽ ናይ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ምንባብ ወይ ብመልክዕ ቪድዮ ምዕዛብ ወይ ብኦድዮ መልክዕ ምስማዕ ይከኣል እዩ። ብፍላይ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ተመኵሮታት ናይ ካልኦት ሰባት ምስማዕ፡ ካብ ጽምዋ ከም እተገላገልካ ከም ዝስመዓካ ክገብረካ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ከባቢኻ እንታይ ይሰላሰል ከም ዘሎ ንኸተስተውዕል የበራብረካ። ከም ውጽኢቱ፡ ንዓኻ ዝጠቅም ሓሳባት ንኽትምእርር የኽእለካ።
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ብዝተኻእለካ መጠን ብዙሕ ፍለጥ
ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ምስ ኣተሓሳስባኻ፡ ስምዒታትካን ተግባራትካን ኣመና እተጠናነገ እዩ። ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ኣካል እንታይነትካ እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ ከይፈለጥካ፡ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ክትሰርሕ ምሒር ከቢድ ይገብሮ። ንገዛእ ርእስኻ ብዘይመጠን ትፈልጣ ኰይኑ ክስመዓካ ይኽእል ይኸውን። የግዳስ ንዅላትና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘይነድህበሎም ጕዳያት ኣለዉና። ምናልባት እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ክንቅበሎም ዘጸግሙና መዳያት ክህልዉ ይኽእሉ። እዞም ዝስዕቡ መንገድታት ንገዛእ ርእስና ዝያዳ ኣብ ምፍላጥ ዝሕግዙና እዮም፥
- ንኵነተ ኣእምሮኻ ኣልሾ፦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ወይ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ፡ እንታይ ከም ዝስመዓካ ዘሎ ኣብ ደብተርካ ጽሓፍ። ከምኡ ከም ዝስመዓካ ዝገበረካ ጠንቂ እንተ ኣለሊኻዮ፡ ብዝግባእ ጽሓፎ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ገለቅጥዒ ከተውጽእ ክትክእል ኢኻ። ምናልባት ሻቕሎት ከም ደበና ኣብ ልዕሌኻ ኣብ ዘንጠጥየሉ መዓልቲ፡ ቅዛነት ሕሪሕራይ ገይሩ ኣጥቂዕካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ሓደስቲ ሰባት ክትራኸበ እንከለኻ እውን፡ ልዑል ሻቕሎት ክሰርጸካ ይኽእል እዩ። ንኵነታት ኣእምሮኻ ኣቐዲምካ ክትንበዮ ብዝኸኣልካዮ መጠን፡ ዝያዳ ክትቈጻጸሮ ብቕዓት ከተጥሪ ትኽእል። ንእወታውያንን ኣሉታውያንን ኵነተ ኣእምሮኻ ብዝግባእ ኣብ ምልላይ ክትሰርሓሉ ይግባእ።
- ንኣተሓሳስባኻ ኣድህቦ ግበረሉ፦ ኣተሓሳስባኻ ንስምዒትካ ይጸልዎ እዩ። ስምዒታትካ ድማ ንጠባይካ ይጸልዉዎ። ክንዲ ዝዀነ፡ ካብ ኣሉታዊ ዝርርብን ዘይርትዓውያን እምንቶታትን ብዝተኻእለካ መጠን ክትሕየብ ይግባእ።
- ጸገም ወይ ሽግር ናይ ምእላይ ክእለታትካ ኣለልዮም፦ ንነፍሲ ወከፍና ስምዒትና እንቈጻጸረሎም ዝተፈላለዩ መንገድታት እዮም ዘለዉና። ጸቕጢ ክስመዓካ እንከሎ ብዙሕ መግቢ ትወስድ’ዶ? ክትሓርቕ እንከለኻ ልዕሊ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ’ዶ? ክትጭነቕ እንከለኻ ጕያ ተዘውትር’ዶ? ክትጭነቕ እንከለኻ ምርኢት ቪድዮ፡ ምስማዕ ሙዚቃ ወይ ምስ ንዓርከ መሓዙትካ ምድዋል ተዘውትር’ዶ? እዞም ኵሎም ናይ ምቍጽጻር ክእለታት እዮም። እወታውን ኣሉታውን ጐድንታት ድማ ኣለዉዎም። ነቲ ንስኻ እትጥቀመሉ መቘጻጸሪ ኣገባብ፡ ‘ጽቡቕ’ ወይ ‘ሕማቕ’ ኢልካ ኣይትመድቦ። ኣብ ክንድኡ፡ ብዛዕባ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሰርሕ ጥራይ ሕሰብ። ንሓጺር ግዜ ድዩ ዋላስ ንነዊሕ ግዜ እዩ ዝሰርሕ ኢልካ ጥራይ ኢኻ ክትሓስበሉ ዘለካ።
- ካብ እትኣምኖም ሰባት መልሰ ዕንጋለ ርኸብ፦ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃኻ ክትወርድ እንከለኻ፡ ምናልባት ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ሓገዝን ምትብባዕን የድልየካ ይኸውን። እንተዀነ ሓንሳእ ኣብቲ ክትቈጻጸሮ እትኽእል ደረጃ ምስ ሓዀርካ፡ ተወሳኺ ሃናጺ መልሰ ዕንጋለ ከም ዘድልየካ ኣይትዘንግዕ። ተገዲሶም መልሰ ዕንጋለ ክህቡኻ ዝኽእሉ ሰባት ክትረክብ ሃሰው በል። የግዳስ ንዓኻ ዘይምችኣካ ግን ሓገዝቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ክትሰምዕ ከም እትኽእል ድሉው ኵን።
ምስ ግዜ ገለ ለውጥታት ግበር
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ ክትፈልጥ እንከለኻ፡ ምናልባት ኣብ ገለ ካብ ኣተሓሳስባኻ፡ እምቶታትካን ባህርያትካን ለውጢ ክትገብር ከም ዘድልየካ ክስቈረካ ይኽእል። ነቶም ክትልዉጦም ከም ዘለካ ዝኣመንካሎም ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት፡ ብሓንሳእ ክትሰርሓሎም ፈትን። ብዝተኻእለ መጠን በቶም ቀለልቲ ኰይኖም ዝተራእዩኻ ጀምር። ሓንሳእ ኣብዚኦም ለውጢ ምስ ኣመዝገብካ፡ ርእሰ ተኣማንነትካ ክብ ክብል እንከሎ ክፍለጠካ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነቶም ዓበይቲ ነገራት ክትገጥሞም ትኽእል። ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት ለውጥታት ክትገብር እንተ ሃቂንካ ግን፡ ዓቕልኻ ክጸብበካ ስለ ዝኽእል፡ ጥንቅቕ በል።
ክፉት ኣእምሮ ይሃልኻ
እንታይ ዓይነት ነገራት ክትፍትን ከም ዘለካ ኣብ እትውስነሉ፡ ብዛዕባ እትሰርሖ ክፉት ኣእምሮ ይሃልኻ። እናሓንሳእ እቶም ንኸይትቕይሮም ኣትሪርካ እትዕቅቦም ጕዳያት፡ እቶም ዝያዳ ዘርብሑኻ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብ ነዊሕ ግዜ ሓንሳእ ጥራይ እትሰርሖም ነገራት፡ ተመሊስካ ክትርእዮም ፈትን። እቶም ኣድማዕትን ዘየድማዕትን ዝዀኑ ጕዳያት ኣብ ወረቐት ኣስፍሮም። ከም ሰብ ክትዓቢ እንከለኻ፡ ኵነታትካ ይልወጥ እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ኣእምሮኻ ጥዑይ ኰይኑ ንኽቕጽል፡ ዝተፈላለዩ ነገራት ክትፍትን የድልየካ ይኸውን።
ተወሰኽቲ ኣርእስትታት. . .
ኣጠንቀቕቲ ረቛሒታት ነብሰ ቕትለት እንታይ ይመስሉ (Warning Signs of Suicide)?
ንነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ክትገብሮም ዝግብኣካ ነገራት
ሓሳባት ወይ ፈተነ ነብሰ-ቕትለት ምስ ሕማም ስኪዞፍረንያ (Schizophrenia disorder) እንታይ ምትትእስሳር ኣለዎ?
Read More →
ትካዘ ድሕረ-ሕርሲ (Postpartum Depression)
ምልክታት ድሕረ ሕርሲ ዘጋጥም ትካዘ እንታይ ይመስሉ?
ቅዛነት እንተ ኣጋጢሙካ ብኸመይ ነብስኻ ክትሕግዝ ትኽእል?