ብኻልኦት ሰባት ከይትምዘን ምሒር ትፈርሕዶ?
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ኵነታት፡ ምሒር ርእሰ ንቝሕ ዲኻ?
ምስ ሓደስቲ ሰባት ከይትላለ ትሕረምዶ?
ከምዚኦም ዓይነታት ስምዒታት ብውሕዱ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንተ ሰሪጾምኻ ከምኡ እውን፡ እዞም ስምዒታት ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ከም ኣብ ስራሕካ ወይ ቤት ትምህርትኻ ምስ ሰባት ምዝራብ – ብግቡእ ንኸይተሰላስል እንተ ደኣ ዓንቂጾምኻ – ጸገም ማሕበራዊ ሻቕሎት ኣጋጢሙካ ኣሎ ማለት እዩ።
ማሕበራዊ ሻቕሎት (ማሕበራዊ ዘይርትዓዊ ፍርሒ እውን ይበሃል እዩ)፡ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ እዩ። ማሕበራዊ ሻቕሎት ቀጻልን ጽዑቕን ፍርሒ፡ ብኻልኦት ሰባት ከይትጥመትን ከይትምዘንን እዩ። እዚ ዓይነት ፍርሒ ንስራሕካ፡ ትምህርትኻን ዕለታዊ ንጥፈታትካን ክጸሉ ይኽእል። ዓርከ መሓዙት ከይተጥርን ከይትዕቅብን ድማ፡ ክዕንቅጸካ ይኽእል። የግዳስ ማሕበራዊ ሻቕሎት ናብ ጥርዚ ብቕዓትካ ካብ ምብጻሕ ክዕንቅጸካ ከተፍቅደሉ ከቶ ኣይግባእን። ሕክምናዊ ክንክን ነዚ ሕማም ኣብ ምውጋድ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ማሕበራዊ ሻቕሎት እንታይ እዩ?
ማሕበራዊ ሻቕሎት ንቡር ዓይነት ሻቕሎት እዩ። ግዳይ ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀነ ሰብ ምልክታት ሻቕሎት ወይ ፍርሒ ኣብ ውሱናት ወይ ኵሎም ማሕበራዊ ኵነታት ክስምዖ ይኽእል። ምስ ሓደስቲ ሰባት ምልላይ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ምጅማር፡ ስራሕ ክትቍጸር ቃለ መጠይቕ ምግባር፡ ኣብ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ሕቶታት ምምላስ፡ ኣብ ዱኳን ኣቲኻ ዋጋ ዕዳጋ ምግባር፡ …ከፍርሓካ ይኽእል። ዕለታዊ ንጥፈታትካ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከም ምብላዕ ወይ ምስታይ ወይ ህዝባዊ ኦኣይኒ ምድሪ ምጥቃም – እውን ጠንቂ ሻቕሎት ወይ ፍርሒ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እወ እቲ ሰብ ከይነኣኣስ፡ ከይምዘን ወይ ከይንጸል ይፈርሕ።
ግዳይ ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ ኵነታት ዘለዎም ፍርሒ ምሒር ሓያል ስለ ዝዀነ፡ ክንዮ ቍጽጽሮም ምዃኑ እዩ ዝስምዖም። ከም ውጽኢቱ፡ ናብ ስራሕ እንክወፍሩ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ እንክኸዱ ወይ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ክነጥፉ እንከለዉ፡ ምሒር እዮም ዝጽገሙ። ግዳይ ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ብዛዕባ እዚኦምን ካልኦትን ካብ ቅድሚ ሰሙን እቲ ፍጻመ ምኽሳቱ ኣትሒዞም ክጭነቑ ይኽእሉ። እናሓንሳእ ካብቲ ዘሰክፎም ቦታታት ወይ ፍጻመታት ንነዊሕ እዋን ይርሕቁ።
ገለ ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ ኵነታት ሻቕሎት የብሎምን። ኣብ ክንዳኡ ኣብ ትግባረ እዩ ሻቕሎት ዘለዎም። ኣስተምህሮ ኣብ ዝህብሉ፡ ኣብ ስፖርት ኣብ ዝነጥፉሉ፡ ኣብ ዝስዕስዕሉ ወይ ኣብ መድረኽ መሳርሒታት ሙዚቃ ኣብ ዝጻወትሉ፡ ኣካላዊ ምልክታት ሻቕሎት የንጸባርቑ።
ማሕበራዊ ሻቕሎት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቶም ሓፋራት መንእሰያት እዩ ዝጅምር። ማሕበራዊ ሻቕሎት ዘይልሙድ ኣይኰነን። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብ ኣመሪካውያን እቶም ሸውዓተ ሚእታዊት ግዳይ ማሕበራዊ ሻቕሎት እዮም። ግቡእ ሕክምና እንተ ዘይረኺቡ፡ ማሕበራዊ ሻቕሎት ንሓያሎ ዓመታት ክቕጽል ይኽእል እዩ። ንሓዋሩ ምሳኻ ክቕጽል እውን ይኽእል። ከም ሳዕቤኑ፡ ነቲ ግዳይ ክሳብ ጥርዚ ብቕዓቱ ከይበጽሕ ሓሊኹ ይሕዞ።
ግዳይ ማሕበራዊ ሻቕሎት ምዃን እንታይ ይመስል?
“ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ዋላ ነቲ መልሲ እናፈለጥክዎ ብመምህረይ ከይሕተት ምሒር እየ ዝሽቝረር ነይረ። ኣነ ደንቆሮ ወይ ኣሰልካዪ ምዃነይ ሰባት ክፈልጡኒ እደሊ ኣይነበርኩን። ትርግታ ልበይ ልዕሊ ንቡር ትወቅዕ እሞ፡ ክስልክየኒ ወይ ሕማም ክስመዓኒ ይጅምር። ስራሕ ምስ ተቘጸርኩ ምስ ሓላፍየይ ምርኻብ ኣጽሊኡኒ። ኣብ ኣኼባ ናይ ስራሕ ከኣ፡ ክሓትት ይዅን ርእይቶ ምሃብ የጽልኣኒ ነይሩ። ዋላ ኣብ መርዓ ናይ ዝፈትዎም ዓርከ መሓዙተይ ክሳተፍ እኽእል ኣይነበርኩን። እቲ ምንታይሲ፡ ምስ ሓደስቲ ሰባት ምልላይ ምሒር እዩ ዘፍርሓኒ። ቅድሚ ኣብ ሓደ ፍጻመ ምስታፈይ፡ መድፈሪ ንክዀነኒ ክሳብ ክሰክር ዝደሊ ነቢት እሰቲ። ብድሕሪዚ፡ ንዅሉ ዕማማተይ ብድፍረት ንኸሳልጥ ክብል ቀጻሊ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ከዘውትር ጀሚረ።
“ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኵነታተይ ንዶክተረይ ኣካፊለዮ። እቲ ምንታይሲ፡ ብኸምኡ መንገዲ ህይወተይ ምምራሕ ምሒር እዩ ኣሰልክዩኒ። ካብ ስራሐይ ከይስጐግ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚመ። ሕጂ መድሃኒት ምውሳድ ጀሚረ ኣለኹ። ካብ ፍርሐይ ኣብ ምግልጋል ንኽሕግዘኒ ምስ ኣማኻሪ እራኸብ ኣለኹ። ካብ ፍርሒ ንኽገላገል ክብል ኣልኮል ምስታይ ኣቋሪጸዮ እየ። ሕጂ ቀስ ብቐስ ጽቡቕ ስምዒት ክሓድረኒ ጀሚሩ ኣሎ።”
ምልክታት ማሕበራዊ ፍትሒ እንታይ እዮም?
- ኣብ ሓደ ወይ ክንዮኡ ማሕበኣዊ ኵነታት፡ ሰባት ከም ዝከታተልዎም ዘለዉ ክስምዖም እንከሎ ፍርሒ ወይ ሻቕሎት ይወርሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት (ዝርርብ ምክያድ፡ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ምርኻብ)፡ ሰባት ክትበልዕ እንከለኻ ወይ ክትሰቲ እንከለኻ ክርእዩኻ እንከለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰባት ምስዕሳዕ፡ ምድራፍ ምምዳር፡ …።
መተሓሳሰቢ፦ ኣብ ህጻናት እቲ ሻቕሎት ኣብ ርክብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስ መዛንኦም እዩ ዘጋጥሞም።
- እቲ ውልቀ ሰብ ብኣሉታ ክግምገም ዝኽእል ምልክታት ሻቕሎት ከየንጸባርቕ ይፈርሕ። (እቲ ምልክታቱ ዘነኣእስ ወይ ዘጠራጥር ከይከውን ይፈርሕ። እዚ ድማ ተነጽሎ ዘስዕብ ከይከውን ወይ ንኻልኦት ከየጕሂ የስክፎ።)
- ማሕበራዊ ኵነታት ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ ፍርሒ ወይ ሻቕሎት የለዓዕል።
መተሓሳሰቢ፦ ኣብ ህጻናት እቲ ፍርሒ ወይ ሻቕሎት ብብኽያት፡ ጸርጸር፡ ከትከት ምባል፡ ልሕግ ምባል፡ ምሽምቃቕ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ኵነታት ዘይምዝራብ… እዩ ዝግለጽ።
- እቲ ማሕበራዊ ኵነታት ብሰሪ ዓሚቝ ፍርሒ ወይ ሻቕሎት ይንጸል ይጽመም።
- እቲ ፍርሒ ወይ ሻቕሎት ምስቲ ናይ ብሓቂ ኣብ ማህበራዊ ኵነታትን ጭቡጥ ኵነት ማህበረ-ባህላዊ ስግኣት ክነጻጸር እንከሎ፡ ምሒር ዝተጋነነ እዩ።
- እቲ ፍርሒ፡ ሻቕሎት ወይ ምንጻል ንኣስታት መንፈቕ ወይ ክንዮኡ ክቕጽል ይኽእል።
- እቲ ፍርሒ፡ ሻቕሎት ወይ ተነጽሎ ቀንዲ ጠንቂ ጭንቀት ወይ ጠንቂ ማሕለኻ ኣብ ማሕበራዊ፡ ሞያዊ ወይ ካልኦት ኣገደስቲ ስራሕ ክኸውን ይኽእል።
- እቲ ፍርሒ፡ ሻቕሎት ወይ ተነጽሎ ብሰሪ ኣካላዊ ጽልዋታት ናይ ግዛዓት ከም ሓሽሽ ወይ መድሃኒት ዝነቅል ኣይኰነን።
- እቲ ፍርሒ፡ ሻቕሎት ወይ ተነጽሎ ብኻልኦት ሕማም ኣእምሮ ከም ጸገም ምብህራር፡ ኦቲዝም… ክግለጽ ኣይክእልን እዩ።
- ግዳይ ካልእ ሕክማናዊ ኵነታት (ሕማም ፓርኪንሰን፡ ምኽራሽ፡ ምብልሻው ቅርጺ ሰብነት ብሰሪ መጕዳእቲ፡ …) እንተ ደኣ ዄንካ፡ እቲ ፍርሒ፡ ሻቕሎት ወይ ተነጽሎ ከቶ ዘይዛመድ ወይ ዝተጋነነ እዩ።
ረቛሒታት ሓደጋን ትንበያን
ዝንባለኣዊ፦ንውልቀ ሰባት ንማሕበራዊ ሻቕሎት ዘቃልዑ ባህርያት ንሽቝራረን ንፍርሒ ብኣሉታ ከይትግምገምን የጠቓልል።
ኣከባቢያዊ፦ ከም ሕማቕ ኣተዓባብያ ኣብ ግዜ ህጻንነት ወይ ካልኦት ስነ ልቦናዊ ጸገም ኣብ ግዜ ህጻንነት ጠንቂ ምምዕባል ማሕበራዊ ሻቕሎት ክዀኑ ኣይክእሉን እዮም። የግዳስ ሕማቕ ኣተዓባብያን ጸገማትን ኣብ ግዜ ህጻንነት፡ ንማሕበራዊ ሻቕሎት ሓደገኛታት ረቛሒታት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ተወርሶኣውን ኣካላውን፦ ንውልቀ ሰባት ንማሕበራዊ ሻቕሎት ዘቃልዑ ጠባያት ከም ምሽቝራር፡ ብተወርሶ እምብዛ እተጸልዉ እዮም። ተወርሶኣዊ ጽልዋ ምስ ተወርሶን ኣከባብን ምሒር እተኣሳሰረ እዩ። እቶም ብባህሪኦም ልዑል ምሽቝራር ዘለዎም ህጻናት፡ ዝያዳ ንጽልዋታት ኣከባቢ እተቓልዑ እዮም። ንሳቶም ካብ ወለዶም ዝቐድሕዎ ማሕበራዊ ሻቕሎት ክህልዎም ይኽእል። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ማሕበራዊ ሻቕሎት ብውርሻ ዝመሓላለፍ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ ምቕራብ ሻቕሎት ግዳ፡ ብትሑት መጠን እዩ ዝውረስ። ቀዳማይ ደረጃ ኣዝማድ ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ዕጽፊ ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎም። ተጥቃዕነት ናይዚ ሕማም፡ ነቲ ውሱን ሕማም (ንኣብነት፡ ፍርሒ ብኣሉታ ከይትግምገም) ከምኡ’ውን፡ ዘይውሱን (ነውጺ ኣእምሮ) ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ተወርሶ የጠቓልል።
ሓደጋ ርእሰ ቕትለት
ሻቕሎት ምፍልላይኣብ ህጻናት ምስ ምውሳኽ ሓደጋ ርእሰ ቕትለት ክተኣሳሰር ይኽእል እዩ። ኣብ ቅምሶ ማሕበረሰብ – ህላወ ጸገም ኵነተ ኣእምሮ፡ ሻቕሎት ወይ ምጥቃም ግዛዕ (ንኣብነት ሓሽሽ) ምስ ፈተነ ርእሰ ቕትለት ልዑል ምትእስሳር ከም ዘለዎ እዩ ኣንጸባሪቑ። የግዳስ እቲ ምትእስሳር ብፍላይ ምስ ሻቕሎት ምፍልላይ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ሻቕሎት እውን ይርከብ እዩ።
ምስ ጾታ ዝዛመዱ ናይ መርመራ ጕዳያት
ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀና ደቀንስትዮ ብርክት ዝበለ ማሕበራዊ ፍርሒ፡ ነውጺ ኣእምሮን ሻቕሎትን ከም ዝርኣየን ይገልጻ። ብመንጽሩ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቀንስትዮ ብፍቕሪ ምዛር፡ ተቓውሞ ከይገጥሞም፡ … ይፈርሑ። ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ፡ ሓሻሽ ብምጥቃም፡ … ድማ ካብቲ ምልክታት እቲ ሕማም ክገላገሉ ይህቅኑ።
ጠንቂ ማሕበራዊ ሻቕሎት እንታይ እዩ?
ማሕበራዊ ሻቕሎት እናሓንሳእ ኣብ ስድራ ቤታት ዕንክሊል ይብል እዩ። የግዳስ ስለምንታይ ገለ ኣባላት ስድራ ቤት ግዳይ ማሕበራዊ ሻቕሎት ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ስለምንታይ ከም ዘይኰኑ ዋላ ሓደ ሰብ ርግጸኛ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሊቃውንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ብርክት ዘበለ ካብ ክፋላት ኣእምሮና ኣብ ፍርሕን ሻቕሎትን ይሳተ እዮም። ገለ ተመራመርቲ፡ ንባህርያት ካልኦት ሰባት ብጌጋ ምንባብ ኣብ ምብኣስ ማሕበራዊ ሻቕሎት ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ይሓስቡ። ንኣብነት፡ ካልኦት ሰባት ፈጺሞም ኣብ ዘይሓሰብሉ እዋን፡ ንዓኻ ከም ዘፋጠጡልካ ወይ ከም እተጸወጉልካ ኰይኑ ክስመዓካ ይኽእል። ዘይማዕበሉ ማሕበራዊ ክእለታት እቶም ካልኦት ጠንቂ ማሕበራዊ ሻቕሎት ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ንኣብነት፡ ንዓኻ ዘይማዕበለ ማሕበራዊ ክእለታት እንተ ደኣ ሃልዩካ፡ ምስ ሰባት ድሕሪ ምዝራብካ ዘይክትተባባዕ ትኽእል። ኣብ መጻኢ ከምኡ ከይትገብር ከኣ፡ ኣብ ጭንቀት ክትሽመም ትኽእል። ኣብ ኣእምሮና ብዛዕባ ዘሎ ፍርሕን ሻቕሎትን ድሕሪ ምምርማር፡ ስነ ፍልጠታውያን ዝበለጸ ሕክምና ከማዕብሉ ይኽእሉ ይዀኑ እዮም። ተመራመርቲ እውን ንተራ ጸቕጥን ኣከባብን ንምፍላጥ ይሰርሑ ኣለዉ።
ማሕበራዊ ሻቕሎት ብኸመይ እዩ ዝፍወስ?
ቅድም ቀዳድም ንዶተርካ ወይ ካልኦ ሞያውያን ሓካይም ብዛዕባ እቶምዝርኣዩኻ ምልክታት ኣዘራርቦ። እቲ ሓኪምካ መርመራ ምስ ገበረልካ፡ ብዛዕባ ጥዕናዊ ድሕረ ባይታኻ ክሓትተካ እዩ። ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት፡ ዘይተዛመድቲ ኣካላውያን ጸገማት ነቶም ዝርኣዩኻ ዘለዉ ምልክታት ጠንቂ ከም ዘይኰኑ ንምርግጋጽ እዩ። ዶክተርካ ናብ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ከም ሳይክያትሪስት፡ ሳይኮሎጂስት ወይ ካውንስለር (ኣማኻሪ) ከሕልፈካ ይኽእል ይኸውን። እቲ ቀዳማይ ደረጃ ንኣድማዒ ሕክምና መርመራ ምክያድ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብክኢላ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እዩ ክካየድ ዘለዎ።
ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ
ሓደ ካብ ዓይነታት ፍወሳ ሕማም ኣእምሮ ዝዀነ፡ ‘ተገንዝቦኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ’ ብፍላይ ኣብ ምፍዋስ ማሕበራዊ ሻቕሎት ጠቓሚ እዩ። ‘ተገንዝቦኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ’ ኣብ ምቅላል ሻቕሎት ወይ ፍርሒ ክሕዙኻ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣዘራርባን ባህርያትን ይምህረካ። ማሕበራዊ ክእለታት ኣብ ምምሃርን ምትግባርን እውን ክሕግዘካ ይኽእል።
ሓገዝቲ ጕጅለታት
ሓያሎ ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት፡ ምርካብ ሓገዝቲ ጕጅለታት ጠቓሚ ምዃኑ እዮም ዘስምርሉ። ካብታ ኵሎም ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ኣባላት ዘለዉዋ ጕጅለ፡ ቅኑዕን ኣድልዎ ዘይብሉይን ኣመለኻኽታ ኣብ ልዕሌካ ኢኻ እትረክብ። ብኸምዚ መንገዲ፡ ኣብ ምፍራድን ተነጽሎን ዘለካ ኣተሓሳስባ ግጉይን ዝተዛብዐን ምዃኑ ክትግንዘብ ትኽእል። ካልኦት ግዳያት ማሕበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ብኸመይ ንፍርሒ ማሕበራዊ ኵነታት ከም ዝገጥምዎን ዘወግድዎን እውን ክትፈልጥ ትኽእል።
መድሃኒት
ንማሕበራዊ ሻቕሎት ዝፍውሱ ሰለስተ ዓይነት መድሃኒታት ኣለዉ፥
- መድሃኒት ኣንጻር-ሻቕሎት
- ኣንጻር-መዐንዘዚ
- ቤታ-ብሎከር
መድሃኒት ኣንጻር-ሻቕሎት ኣዝዮም ሓያላት እዮም። ነቲ መድሃኒት ክተወስዶን ብእኡ ንብኡ ንስምዒት ሻቕሎትካ ክንክየልካን ሓደ እዩ ዝኸውን። የግዳስ ነዚ መድሃኒት መብዛሕትኡ ግዜ ንነዊሕ ግዜ ክትወስዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነዚ መድሃኒት ንነዊሕ ግዜ እንተ ወሲድካዮ፡ ኣካላትካ ክለምዶ ወይ ክጻወሮ እዩ ዝጅምር። ከም ሳዕቤኑ፡ ንሓደ ዓይነት ሕማም ምሒር ልዑል መጠን መድሃኒት ክትወስድ ትቕሰብ ትኸውን።ገለ ሰባት እውን፡ ክሳብ ጽግዕተኛታት እቲ መድሃኒት ኰይኖም ዝተርፉ ኣለዉ። ነዞም ጸገማት ንምውጋድ፡ ዶክተራት መብዛሕትኡ ግዜ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ዝውሰድ መድሃኒት ኣንጻር ሻቕሎት ክእዝዙልካ ይኽእሉ።እዚ ብፍላይ ንዓበይቲ ሰባት ሓጋዚ እዩ።
ኣንጻር-መዐንዘዚ መድሃኒታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምፍዋስ ቅዛነት እዮም ዘገልግሉ።የግዳስ ኣብ ምፍዋስ ማሕበራዊ ሻቕሎት እውን ሓገዝቲ እዮም። ዘይከም ‘መድሃኒት ኣንጻር-ሻቕሎት’፡ እቲ መድሃኒት ንኽሰርሓልካ ሓያሎ ሳምንቲ ክወስደሉ ይኽእል። መድሃኒት ኣንጻር መዐንዘዚ፡ ገለ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣይሰኣኖን እዩ። ገለ ካብኣቶም ርእስኻ ጽርውሩው ምባል፡ ስምዒት ተምላስ ወይ ዕግርግር ምባል ወይ ጸገም ድቃስ ክጥቀሱ ይኽእሉ። እዞም ጐድናውያን ሳዕቤናት ንዝበዝሑ ሰባት ጽኑዓት ወይ ሓያላት ኣይኰኑን። ብፍላይ ከኣ እቲ መጠን መድሃኒ ብዉሑድ ጀሚሩ በብቝሩብ እንተ ወሲኹ፡ እቲ ጐድናዊ ሳዕቤን ብዙሕ ሃሳዪ ኣይከውንን እዩ። ብሰሪ እቲ መድሃኒ ምውሳድካ ዝተሰምዓካ ዝዀነ ዓይነት ጐድናዊ ሳዕቤን እንተ ደኣ ሃልዩ፡ ንዶክተርካ ንገሮ ኢኻ።
‘ቤታ-ብሎከርስ’ መድሃኒታት ኰይኖም፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ኣካላትካ ዝርኣዩ ምልክታት ሻቕሎት ከም ምውሳኽ ትርግታ ልቢ፡ ምርሃጽ ወይ ምንፍጥፋጥ ዝዓግቱ እዮም። እዞም ዓይነት መድሃኒታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ እዋን ህዝባዊ ምርኢት ዝስመዓና ሻቕሎት ኣብ ምፍዋስ እዮም ተመረጽቲ።
ዶክተርካ እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ንኽትረክብ፡ ቅኑዕ ዓቐን ክትወስድን ንኽንደይ ግዜ ክትወስዶ ከም ዘለካን ክሕግዘካ እዩ። ዝበዝሑ ግዳያት ማህበራዊ ሻቕሎት ዝዀኑ ሰባት ብድምር ናይ መድሃኒታት፡ ‘ተገንዝቦኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ’ ወይ ካልኦት ፍወሳ ሕማም ኣእምሮን ዝበለጸ ውጽኢት እዮም ዝረኽቡ።
ኣብ ፍወሳ ቀልጢፍካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ፍወሳ ሕማም ኣእምሮን መድሃኒታትን ንኽሰርሑልካ ግዜ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ጥዑይ ቅዲ ህይወት እውን፡ ኣብ ምቅላል ሻቕሎት ሓጋዚ እዩ። እዅል ድቃስ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር፡ ዝተመጣጠነ መግቢ ምውሳድ፡ ምስ ዓርከ-መሓዙትካን ኣባላት ስድራ ቤትካን ኢሂን ምሂን ምብህሃል፡ … ካብ ሻቕሎት ከም ዘናግፉኻ ዘይምዝንጋዕ።