ቅዛነት (Depression)
ቅዛነት እንታይ እዩ? (What is Depression?)
ቅዛነት (ዝዓበየ ኣዛሕታሊ ጸገም) ልሙድን ሓደገኛን ብሕክምና ዝፍለጥ ሕማም ኰይኑ፡ ንስምዒትና፡ ኣተሓሳስባናን ተግባርናን ብኣሉታ ይጸሉ። ዋላ’ኳ ከቢጽ ጸገም እንተኾነ፡ ብሕክምና ግን ክፍወስ ዝኽእል እዩ። ቅዛነት ስምዒት ጓሂ የስዕብ። ኣብ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝምስጠካ ዝነበረ ንጥፈታት ተገዳስነት ከም እተጥፍእ እውን ይገብረካ። ንብርክት ዝበሉ ስምዒታውን ኣካላውን ጸገማት የቃልዓካ። ኣብ ስራሕካ ኰነ ኣብ ገዛኻ ኣ
ምልክታት ቅዛነት እንታይ ይመስሉ?
ሀ. ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት፡ ሓሙሽተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ተመሳሳሊ ክልተ ሳምንቲ እዋን እንተተራኣዩ፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ንሽገር ክንህሉ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ዝሽገሩ ሰባት፡ ካብ ዝሓለፈ እዋን ተግባራቶም ለውጢ የርእዩ እዮም፡ ብፍላይ (1) ቅዙን ኵነተ ኣእምሮ ወይ (2) ዋሕዲ ተገዳስነት ወይ ባህታ እዩ።
መተሓሳሰቢ፥ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ምልክታት ከም መመርመሪ ረቛሒታት ክውሰዱ ይኽእሉ እዪም። ክንጥንቀቐሉ ዘለና ነገር ግን፡ እዞም ምልክታት፡ ብሰንኪ ኣካላዊ ሕማም ወይ መጉዳእቲ ዝመጹ ክኾኑ የብሎምን!
- ቅዙን ኩነት(Depressed Mood)፥ ዳርጋ ዅሉ ሻብ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሰዓታት ናይታ መዓልቲ ቅዙን ኵነተ ኣእምሮ የንጸባርቑ። ንኣብነት – ስምዒት ጓሂ፡ ባዶነት፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ብቐሊሉ ንብዓት ቑጽርጽር ምባል . . . ወዘተ። (መተሓሳሰቢ፦ ኣብ ህጻናትን በጽሒታትን ኣብ ክንዲ ቅዙን ኩነት፡ ምንጽርጻር ወይ ነድሪ ዘለው ኵነተ ኣእምሮ ክርአ ይኽእል እዩ።)
- እዝዩ ዝጎደለ ድሌት (Markedly Diminished Interest): ኣብ ኵሉ ነገራት ተገዳስነት ወይ ባህታ ምጥፋእ። ኣብ መብዛሕትኡ ንጥፈታቶም ዳርጋ ኵሉ ግዜ፡ ኣብ ዝበዝሕ ሰዓታት ናይ ሓንቲ መዓልቲ ተገዳስነትን ባህታን ምጥፋእ።
- ምጉዳል ሚዛን ሰብነት (Weight loss): ዋላ ናይ ኣመጋግባ ምቅይያር ከይገበርካ እንከለኻ፡ ብርኡይ ሚዛን ሰብነት ክንኪ ይኽእል። ብኣንጻሩ እውን ርኡይ ወሰኽ ሚዛን ሰብነት ክኽሰት ይከኣል። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 5% ለውጢ ሚዛን ሰብነት ይርአ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ምውሳኽ ወይ ምጕዳል ሸውሃት ይንጸባረቕ። (መተሓሳሰቢ፦ ኣብ ቆልዑ፡ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ሚዛን ኣካላት በጺሖምን ኣይበጽሑን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዋ።)
- ድቃስ ምስኣን ወይ ብዝሒ ድቃስ (Insomnia or hypersomnia): ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ስእነተ ድቃስ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይንቡር ድቃስ (hypersomnia; ልዕሊ 10 ሰዓት ኣብ መዓልቲ) ይኽሰት።
- ምዕግርጋር ወይ ምዝሕታል (Psychomotor agitation or Retardation): ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ምዕግርጋር (ምርባሽ) ወይ ዝሕታለ (ምቑሕማም) ኣብ ጠባይ (ባዕልኻ ንዝርደኣካ ይኹን ብኻልኦት ሰባት ንዝርአ) ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ረሸሽታ ወይ ሓይሊ ምስኣን (Fatigue or loss of energy): ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ረሸሽታ ወይ ምንካይ ጸዓት ክስመዓካ ይኽእል እዩ። እዚ ረሸሽታ ግን ምኽንያቱ ዘፍለት ወይ ከይሰራሕካ ድኻም ክስመዓካ ኸሎ እዩ።
- ስሚዒት ኮንቱነት ወይ ገበንነት (Worthlessness or guilt): ስምዒት ኮንቱነት ወይ ሕሉፍነት ወይ ዘይግባእ ገበንነት (ዋላ ህውረራ ወይ ሃተፍተፍ ክኸውን ይኽእል)። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ርእሰ ምግሳጽ ወይ መበገሲኦም ዘይፍለጡ ስሚዒታት ገበንነት ክስመዓካ ይኽእል እዩ።
- ምንካይ ክእለት (Diminished ability): ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ናይ ምሕሳብ፡ ምቱኳርን ምውሳንን ክእለትካ ክንክይ ይርአ። እዚ ባዕልኻ ዝተዓዘብካዮ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ብዘስተባህልሉ ክኸውን ይኽእል።
- ብተደጋጋሚ ብሞት ምሕሳብ (Recurrent thoughts of death): ፍርሒ ሞት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ሞት ብተደጋጋሚ ምስትንታን፡ ብዘይዝዀነ መደብ ርእሰ ቕትለት ንኽትፍጽም ምሕሳብ ወይ ፈተነ ርእሰ ቕትለት ምክያድ ወይ ርእሰ ቕትለት ንምፍጻም ውሱን መደብ ምግባር ብተደጋጋሚ ክርአ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን፡ ብህጹጽ ናብ ሕክምና ምኻድ የድሊ!!!
ለ. እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ምልክታት፡ ርኡይ ዝኾነ ማህሰይቲ ኣብ ማሕበራዊ፡ ሞያዊ ወይ ኣብ ካልኦት ኣገደስቲ ባይታታት ከውርዱ ኣለዋም።
ሐ. እዚ ቅዛነታዊ ስሚዒታት ወይ ጒዕዞ ብሰሪ ሓሽሽ ምውሳድ ወይ ካልእ ሕክምናዊ ኲነታት ወይ ኣካላው ሕማማት ዝሰዓበ ክኸውን የብሉን።
- መተሓሳሰቢ፦ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ምልክታት ከም መዐቀኒ ክውሰዱ’ኳ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ገለ ኣጋጣሚታት ሂወት ንኣብነት፡ እትፈትዎ ሰብ ብሰሪ ሞት ምኽሳር፡ ፊናንሳዊ ዕንወት፡ ብሰሪ ባህርያዊ ሓደጋ ምዕናው፡ ሓደገኛ ሕክምናዊ ሕማም ወይ ስንክልና ንስምዒታትና ብርቱዕ ጓሂ፡ ምስቊርቋር ብዛዕባ ዘጋጠመና ክሳራታት፡ ስእነተ ድቃስ፡ ድኹም ሸውሃት፡ ኣብ ረቛሒ ‘ሀ’ ዝተጠቕሰ ምንካይ ክብደት ሰብነት፡ ስሚዒታት ቅዛነት ክመሳሰል ይኽእል እዩ። ሽሕ’ኳ ከምዚኦም ምልክታት ርዱኣት ወይ እቲ ነርእዩ ምስቲ ክሳራ ወይ ሕማም ዝኸይድ ስሚዒታት ንቡር እንተኾነ፡ ስሚዒታት ቅዛነት ተደሪቦም ውን ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ምስ ክኢላ ስነ-ልቦና ወይ ሃኪም ብምዝርራብ፡ እቶም ምልክታት ብጥንቃቐ ክርኣዩ ይግባእ።
መ. እዚ ቅዛነታዊ ስሚዒታት ወይ ጒዕዞ፡ ብሰንኪ ካልኦት ከበድቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝሰዓበ ክኸውን የብሉን። ንኣብነት፡ ስኪዞፍረን (Schizophrenia)፡ ጸገም ህውረራ (Delusional disorder)፡ ሳይኮቲክ (Psychotic). . . ወዘተ።
ረ. ቅድሚ ሕጂ፡ ምልክታት ጽላለኣዊ ጕዕዞ ዛንታ (Manic episode) ወይ ሓውሲ ጽላለኣዊ ጕዕዞ ዛንታ (Hypomania) ዘይተራእየ ክኸውን እለዋ።
ቅዛነት ካብ ጓሂ ወይ ሓዘን ብኸመይ ይፍለ?
ሞት ናይ እትፈትዎ ሰብ፡ ስራሕ ምስኣን ወይ ዝምድናኻ ምብታኽ፡ ሓደ ሰብ ንኽጻወሮም ምሒር ከበድቲ እዮም። ኣብ ከምዚ ኵነታት ብስምዒታት ጓሂ ወይ ሓዘን ክትጒባእ ንቡር እዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ክሳራታት ዘጋጥሞም ሰባት፡ ንገዛእ ርእሶም ‘ቅዙናት’ ኢሎም ይገልጽዋ።
የግዳስ ምጒሃይ ልክዕ ከም ምቕዛን ኣይኰነን። መስርሕ ሓዘን ባህርያዊ እዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ ካብ ሕብረተሰብ ናብ ሕብረተሰብ ድማ ይፈላለ። እንተኾነ፡ ጓሂ ወይ ሓዘን ንገለ ካብ ባህርያት ቅዛነት ይካፈልዎም እዮም። ክልቲኦም ሓዘንን ቅዛነትን ምናልባት ንከቢድ ጓሂን ካብ ንቡር ንጥፈታት ምብኳርን ከጠቓልሉ ይኽእሉ። ኣብ ኣገደስቲ መዳያት እውን ዝተፈልዩ እዮም፥
- ኣብ ሓዘን፡ ኣቐንዘውቲ ስምዒታት ብማዕበል እዮም ዝመጽኡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዝተሓዋወሰ እወታዊ ዝኽሪ መዋቲ። ኣብ ከቢድ ቅዛነት ግን፡ ኲነተ ኣእምሮ ከምኡ’ውን፡ ተገዳስነት (ባህጊ) ኣብ ክልተ ሰሙን ብዙህ ክንኪ ይርአ።
- ኣብ ሓዘን፡ ርእሰ-ክብሪ (Self-esteem) መብዛሕትኡ ግዜ ይዕቀብ ወይ ኣይጎድልን ኣይጽሎን እዩ። ኣብ ከቢድ ቅዛነት ግን፡ ስምዒት ኪነሚንነትን ርእሰ-ጽልኣትን በትክነት ብቐጻሊ ይርኣዩ እዮም።
- ኣብ ጓሂ፡ ምስ እትፈትዎ መዋቲ ክትራኸብ ኣብ ፋንታዝያ ክትጽመድ እንከለኻ፡ ብዛዕባ ሞት ዘለካ ሓሳባት ይስዕርር። ኣብ ከቢድ ቅዛነት ዘሎ ሰብ ግን፡ ብሰሪ ስምዒት ኪነሚንነት ወይ ጽልኣት ህይወት ወይ ንቓንዛ ቅዛነት ክትጻወር ብዘይምኽኣልካ – ነብሰ ቕትለት ሓሳባት ወይ ሂወትካ ናብ ምጥፍእ ዘድሃበ እዩ።
ሓዘንን ቅዛነትን ብሓንሳእ ክኽሰቱ ይኽእሉ እዮም። ንገለ ሰባት ሞት ናይ ዝፈትዉዎ ሰብ፡ ካብ ስራሕ ምስንባቶም ወይ ግዳያት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወይ ከቢድ ሓደጋ ክዀኑ እንከለዉ፡ ቅዛነት ከድህበሎም ይኽእል። ሓዘንን ቅዛነትን ብሓንሳእ ምስ ዝኽሰቱ፡ እቲ ሓዘን ከኣ ካብቲ ሓዘን ብዘይቅዛነት ከውርዶ ዝኽእል ዝነበረ ሃስያ፡ ዝያዳ መሪርን ንዝነውሐ ግዜ ዝቕጽልን ይኸውን።
ኣብ መንጎ ሓዘንን ቅዛነትን ምፍላይ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ግዳያት ዘድልዮም ሓገዝ ወይ ፍወሳ ንኽረኽቡ ድማ ይጠቕሞም።
ሓደ ሰብ ግዳይ ቅዛነት ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል?
ኣብቲ ናይቲ ሰብ ኲነተ ኣእምሮ፡ ባህሪ፡ ደረጃታት ጸዓት፡ ልምዲታት ወይ ውልቀ መንነት – ለውጢ እንተ ኣቕሊብካ፡ ጠንቂ እቲ ለውጢ ቅዛነት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ከተእትዎ ይግባእ። የግዳስ፡ ነቲ ሰብ ቅዛነት ከም ዘለዎ ገይርካ ክትምርምሮ ኣይግባእን። እቲ ምንታይሲ፡ በቲ ሞያ ዝሰልጠነ ጥራይ እዩ ከምኡ ክገብር ዝኽእል። ነቶም ዘቕለብካሎም ምልክታት ዕሽሽ ኣይትበሎም። ባዕላቶም ክጠፍኡ እዮም ኢልካ እውን ኣይትገምት።
ነዞም ምልክታት ምእንቲ ኸተለልዮምን ንሓደ ቅዛነት ዘማዕበለ ሰብ ንምሕጋዝን፡ ብዛዕባ ቅዛነት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ቅዛነት ሓበሬታ ንኽትረክብ – ከም ጠንቅታቱ፡ ምልክታቱን ኣፈዋውሳኡን፡ እኹል ግዜ ክትወስድ ይግባእ። ኣብ ከባቢኻ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዘሎ እውን ክትፈልጥ ይግባእ። ነዚ ፍሉጣት መጽሓፍቲ፡ ወብሳይት ብዛዕባ ቅዛነት ብምንባብ ወይ ንተመኵሮ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ቅዛነት ብምስማዕ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ግዳያት ቅዛነት ኰይኖም ዝነበሩን ዝተፈወሱን ምኽሪ ብምውካስ፡ ከተተግብሮ ትኽእል ኢኻ።
ግዳይ ቅዛነት ክኸውን ንዝኽእል ሰብ ብኸመይ ክቐርቦ ይግባእ?
ኣንጻር ናይቲ ብሂል፡ ብዛዕባ ቅዛነት ምዝራብ ንነገራት የማሓይሾም እምበር፡ ኣየብእሶምን እዩ። ሓደ እትፈልጦ ሰብ ቅዛነት ከም ዘማዕበለን ሓገዝ ከም ዘድልዮን እንተ ሓሲብካ፡ ፈለማ ንስኻ ዲኻ ክትሕግዞ ዘለካ ዋላ ካልእ ሰብ እዩ ዝያዳ ክሕግዞ ዘለዎ ክትውስን ይግባእ። ነቲ ሰብ ምሳኻ ድዩ ዋላ ምስ ካልኦት ሰባት እዩ ክዘራረብ ፍቓደኛ ዝኸውን ሕተቶ።
ንስኻ ዝበለጽካ ኣማራጺ እንተ ዄንካ ወይ ካልእ ሰብ ዝሕግዝ እንተ ዘይሃልዩ፡ ነቲ ሰብ ምሳኻ ንኽዘራረብ ዕድል ሃቦ። ነቲ ሰብ እዂል ግዜ መድበሉ። ኣብኦም ዘለካ ስክፍታ ብምቝልልነት ግለጸሉ። ንኣብነት፡ ዝተከዘ ወይ ዝጐሃየ ከም ዝመሰለ ጥቐሰሉ። መዓስ ክዛረበካ ከም ዝደሊ ንኽመርጽ ዕድል ሃቦ። የግዳስ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ ዝስምዖ ዘሎ ምሳኻ ክዘራረብ ባዕሉ እንተ ዘየዘየበጊሱልካ፡ ባዕልኻ ገለ ክትብሎ ይግባእ።
ንስኻን ንሱን ተራኺብኩም ንኽትዘራረቡ ዘኽእል፡ ንክልቴኹም ዝጥዕም ግዜ ምረጽ። ንክልቴኹም ኣብ ዝምችእ ጸጥታ ዘለዎ ቦታ ክትራኸቡ ይምረጽ። ብዛዕባ እቲ ሰብ ከም እተገደስካን ክትሕግዞ ከም ዘንቀድካን፡ ንሱ ባዕሉ ከም ዝፈልጥ ግበሮ። እቲ ሰብ እንታይ ከም ዝስምዖ ዘሎ ክነግረካ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ሕተቶ። ኣብ ክንዲ ብዛዕባ እቲ ሰብ ቅዛነት ክህልዎ ከም ዝኽእል ምሕሳብ፣ ብዛዕባ እቲ ሰብ እንታይ ከም ዝሓስብ ዘሎን ዝርኣየካ ዘሎ ለውጥን ኣድህብ። እቲ ሰብ ጋሂ ወይ ትካዘ ከም ዝስምዖ ዘሎ እንተ ገሊጹልካ፡ እቲ ስምዒት መዓስ ከም ዝጅመሮ ሕተቶ። ብዛዕባ ስምዒቱ ንኻልኦት ሰባት ኣዕሊሉ እንተ ዀይኑ እውን ተወከሶ።
ነቲ ሰብ ክትቀርቦ እንከለኻ፡ ንምሉእ ዝርገሐ ግብረ መልሲ (ንኣብነት፦ ሩፍታ፡ ዘይምግዳስ፡ ሕርቃን) ተዳሎ። ኣብ ኲነተ ኣእምሮ፡ ባህሪ ወይ መዓልታዊ ስራሖም ለውጢ ከም ዝገበሩ ክኽሕዱ ይኽእሉ። ናይቲ ሰብ ሓሳባት፡ ስምዒታትን እምንቶታትን፡ ንክውንነቱ ከም ዝውክል ኣይትዘንግዕ። ነዚ ብዘይሕቶ ክትቅበሎ ተዳሎ። እቲ ሰብ ንምልክታቱ ንዝገልጸሉ ኣገባብ ከተኽብሮ ይግባእ።
ካብ ቅዛነት ዝሓወዩ ገለ ሰባት፡ ተመሊሶም ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ዝሽመሙ ኣለዉ። እቲ ሰብ ብዛዕባ ቅዛነት ዋላ ሓንቲ እንዶ ከም ዘይብሉ ገይርካ ኣይትሕሰብ። እቲ ምንታይሲ ንሱ ባዕሉ ወይ ካልኦት መቕርቡ ሰባት፡ ኣቐዲሞም ግዳያት ቅዛነት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ፡ ዋላ እኳ እቲ ሰብ ሕሉፍ ጒዕዞ ዛንታ ቅዛነት እንተ ሃለዎ፡ ነቲ ህሉው ጒዕዞ ዛንታ ብኸመይ ከም ዝኣልዮ ኣፍልጦ ኣለዎ ኢልካ ኣይትገምት።
ጽቡቕ ዓይነት ምንጪ ሓበሬታታት ክትፈልጥ ይግባእ። ነቲ ሰብ ሓበሬታ እንተ ሂብካዮ፡ ነቲ ኲነታት ዝምጥን ንጹርን ግቡእን ጸጋታት ክትህቦ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ናይቲ ሰብ ናይ ምንባብን ምርዳእን ዓቕሚ ኣብ ግምት ከተእትዎ ይግባእ። ነቲ ሰብ ብጠገለ ዘይብሉ ሓበሬታን ጸጋታትን ዓቕሉ ከተጽብበሉ ከቶ ኣይግባእን።
ኣብ ቅዛነት ዘሎ ሰብ ብኸመይ ሓገዝ ከበርክተሉ ይኽእል?
ነቲ ሰብ ብኽብሪ ሓዞ
ሕውየት፡ መብዛሕትኡ ክፋል፡ በቲ ሰብ ክምራሕ ይግባእ። ነቲ ናይቲ ሰብ ብሃወኽ ከተሕውዮ ንዝቐርበልካ ምሕጽንታ ወይ ንጸገማቱ ናይ ምምላስ ጠለብ ክትጻወሮ ኣለካ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ኲነታትን ድሌታትን ፍሉይ እዩ። እቲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ንገዛእ ርእሱ ክውስን ከም ዝኽእል፡ ንገዛእ ርእሱ ወይ ንኻልኦት ሰባት ክሳብ ክንደይ ይኽእል … ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ናይቲ ሰብ ርእሰ ምሕደራ ከተኽብር ግቡእ እዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ፡ እቲ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ወይ ንኻልኦት ክጎድእ ኣብ ዝኽእለሉ ሓደጋ ክሳብ ዘይተቓልዐ፡ ንብሕትዉና እቲ ሰብ ከተኽብር ኣለካ።
ስሩዕ ስምዒታዊ ሓገዝን ተገዳስነትን ሃቦ
ሽሕ’ኳ እቲ ሰብ እንታይ ከም ዝስምዖ ዘሎ ብልክዕ ክትፈልጥ ዋላ እንተ ዘይከኣልካ፡ ንስኻ ከም እትግደሰሉን ክትሕግዞ ባህጊ ከም ዘለካን ከም ዝፈልጥ ክትገብሮ ኣለካ። ንሱ ንዓኻ ኣገዳሲ ምዃኑ ንገሮ። ንሱ ብጽምዋ ንኸይወሓጥ፡ ንስኻ ኣብ ጐድኑ ከም ዘለኻ ግለጸሉ።
ኣብ ክንዲ ጸጽቡቑ ጥራይ ምዝራብ፡ ብግብርን ብቕንዕና ክትሕግዞ ኣመና ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ሰብ ሽሕ’ኳ ተመኲሮኡ ምሒር ውልቃውን ኣቐንዛውን እንተዀነ፡ ንበይኑ ከም ዘይኰነ ከም ዝፈልጥ ግበሮ። ብዙሕ ግዜ ምስቲ ሰብ ብምዕላልን ኣብ ጐድኑ ብምዃንን፡ ነቲ ሰብ ዝግደሱሉ ሰባት ከም ዘለዉ ከም ዝፈልጥ ግበሮ።
እቲ ሰብ ንሕማሙ ምእንቲ ክምክት፡ ተወሳኺ ደገፍን ሓልዮትን የድልዮ እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ንስኻ ተደናጋጺ፡ ሓላዪን ዕጒስን ክትከውን ይግባእ። ንሓደ ግዳይ ቅዛነት ዝዀነ ሰብ ክትሕግዝ እንከለኻ፡ ዘይትሕለልን ኣተባባዕን ክትከውን ኣለካ። ምስቲ ሰብ ዘለካ ርክብ ቀጻልነት ዘለዎን እቲ ሰብ ዝጽበዮን እንተዀነ ተመራጺ እዩ።
ግዳያት ቅዛነት ዝዀኑ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይርትዓዊ ፍርሒ ይጕብኡ እዮም። ክንዲ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊኦም ጭውነትን ሓልዮትን ከተርኢ ይግባእ። ነቲ ሰብ ሕያውነትካን ኣድህቦኻን ኣርእዮ- ዋላ እቲ ሰብ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ኣየርእኻ። ዋላ ንዓኻ ኣይፈለጥካ፡ ሓገዝካ እወታዊ ጽልዋ ከምጽእ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
እቲ ሰብ ምሳኽ ንኽዘራረብ ኣተባብዓዮ
ነቲ ሰብ ብዛዕባ ሓሳባቱ፡ ስምዒታቱ፡ ምልክታቱን ካልኦት ዘሕልፎም ዘሎ ጸገማቱን ንኽዛረብ ኣተባብዓዮ። ብኸመይ እቶም ምልክታቱ ንዕለታዊ ናብራኡ ከም ዝጸልዉዎ ዘለዉ፡ ምስቲ ሰብ ብሓባር ኴንካ ዳህስስ። ብጸቕጢ ይጽገም ከይህሉ ሕተቶ። ብጸቕጢ እንተ ደኣ ይጽገም ሃልዩ፡ ንጸቕጡ ዘፋዂሰሉ መንገዲ ሃሰው ንኽብል ኣተባብዓዮ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ጠንቂ እዚ ዘለዎ ስምዒት ክኸውን ዝኽእል፡ ገለ ነገር ኣጋጢምዎ እንተ ዄይኑ እውን ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።
ወዮ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ስምዒት ክዛረብ ድሌት እንተ ዘይብሉ ወይ ጸዓት እንተ ዘይብሉ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ኣይትግበር። እቲ ሰብ ድሉዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ከተዛርቦ ፍቓደኛ ከም ዝዀነካ ኣፍልጦ። እቲ ሰብ ንሓሳባቱን ስምዒታቱን ብቕሉዕ ክመያየጠሉ እንተ ኣጊምዎ፡ እቲ ሰብ ብቐሊሉ ክዛረበሉ ዝኽእል ንጥፈታት ክትእምት ተመራጺ እዩ። ንኣብነት ምስቲ ሰብ ሻሂ ብሓባር ስተዩ ወይ ብሓባር ብእግርኹም ተዛወሩ። እቲ ሰብ ብኻልእ ኣገባብ ንኻልኦት ሰባት ክዛረብ ከም ዝኽእል እውን፡ ከተፍልጦ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣገልግሎት ምኽሪ ብቴለፎን ክጥቀስ ይከኣል።
ንፉዕ ሰማዒ ዂን
ንሓደ ግዳይ ቅዛነት ዝዀነ ሰብ፡ ፍርድኻ ከይሃብካ፡ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። እቶም ቀንዲ ኣመለኻኽታታት ኣብ ዘይፍርዳዊ ምስማዕ ዝካተቱ – ምቕባል፡ ቅኑዕነትን ምድንጋጽን እዮም። ብዛዕባ እቲ ሰብ ወይ ኲነታቱ ዘለካ ፍርዲ ንገለ ወይ ንዅሉ ብምዕቃብ፡ ኣብቲ ሰብ ዘለካ ኣመለኻኽታ ተቐባልነት ኣረጋግጽ። ኣብ ድሌታት እቲ እትሕግዞ ዘለኻ ሰብ ምእንቲ ከተድህብ፡ ንዝዀነ ኣሉታዊ እምንቶታት ወይ መልሰ ግብርታት ኣወግድ። ካብ ዝዀነ ዓይነት መጥቃዕቲ ምእንቲ ክትሕየብ፡ ንእተውጽኦም ቃላት ብዕቱብ ምረጾም። ንኣብነት ወዮ ሰብ ሃካይ ምዃኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነዚ ክትገልጸሉ ከቶ ኣይግባእን።
ንኣካላዊ ወስታታትካ ምስቶም ካብ ኣፍካ ዝወጽኡ ዘለዉ ቃላት ከም ዝሳነዩ ብምግባር፡ ነቲ ሰብ ሓቅነትካ ወይ ቅኑዕነትካ ኣመሓላልፈሉ። ንኣብነት፡ ክፉት ኣቃውማ ኣካላትን ግቡእ ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማትን ብምዕቃብ፡ ንስምዒቱ ከም እትቕበሎን እተኽብሮን ነቲ ሰብ ንገሮ። ነቲ ሰብ ብሓቂ ከም ዝሰማዕካዮን ከም እተረዳእካዮን መታን ክፍለጦ፡ ተደናጋጽነትካ ግለጸሉ። ንኣብነት፦ “እቲ ንስኻ ሕጂ እተሕልፎ ዘለኻ፡ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።” ክትብሎ ትኽእል።
ዘይፍርዳዊ ምብህሃል ንምድራኽ ነዞም ዝስዕቡ ዘይቃላውያን ክእለታት ተጠቐም፥
- ኣብ ጐድኒ እቲ ሰብ ኮፍ በል። ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ብኣንጻሩ፡ ብስያፍ ናቱ ኮፍ በል።
- እቲ ሰብ ንስኻ ክሳብ ክንደይ ክትፍንተተሉ እንከለኻ ከም ዝብርሆ ኣቕልበሉ። ኣኽብረሉ ድማ።
- እቲ ሰብ ዝያዳ ዝብርሆ ኰይኑ ዝስመዓካ መጠን ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማት ተጠቐም።
- ክፉት ኣካላዊ ኣቃውማ ዓቅብ (ንኣብነት፦ ኣእዳውካ ኣብ ኣፍልብካ ኣይተጣምሮም፡ እቲ ምንታይሲ ከም ተኻላኻሊ እዩ ዘምስለካ።)
- ዓንቀፍቲ ዝዀኑ ወስታታት ኣወግድ። (ንኣብነት፦ ብቢሮ ምዕልባጥ፡ ናብ ካልኦት ነገራት ምጥማት ወይ ብእግርኻ ወይ ብኣጻብዕትኻ ምጥብጣብ)፡ እዚኣቶም ከም መግለጺ ዘይምግዳስ እዮም ዝትርጐሙ።
- ነቲ ናይቲ ሰብ ወስታታት ኣካላት ጽቡቕ ገይርካ ኣቕልበሉ። ከመይሲ፡ እቲ ሰብ እንታይ ይስምዖ ከም ዘሎ ወይ ምሳኻ ክዛረብ ክሳብ ክንደይ ተሰማሚዕዎ ከም ዘሎ ኣንፈት ክህበካ ይኽእል እዩ።
ብጽሞና እትሰምዕ ኲን። ቅድሚ ብሓሳባትካ ምምላስካ፡ እቲ ሰብ ንዝበላካ ጽቡቕ ገይርካ ተረድኣዮ። እቲ ሰብ ክዛረበካ እንከሎ ኣይትዂለፎ። ብፍላይ ርእይቶኻ ወይ ተመኲሮኻ ክትገልጽ ኢልካ ዘረባኡ ኣይተቋርጾ። እቲ ሰብ ዝዛረበካ ዘሎ ዋላ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ወይ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ይዂን፡ ተጠንቂቕካ ክትሰምዖ ይግባእ። ነቲ ናይቲ ሰብ ስምዒታት፡ ውልቃዊ ክብርታትን ተመኲሮታት ዋላ ካብ ናትካ እተፈልዩ ይዂኑ ወይ ዘይትሰማምዓሎም ኲን፡ ከም ቅቡላት ዝዀኑ ገይርካ ኣኽብረሉ።
ንፉዕ ሰማዒ እትዀነሎም ካልኦት መንገድታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፥
- ብሓቂ ነቲ ሰብ ከም እትግደሰሉን እንታይ ከም ዝዛረበካ ዘሎ ክትርደኣሉ ከም እትደልን ንምርኣይ ሕቶታት ኣቕርበሉ።
- እቲ ሰብ ዝደለዮ ክዛረብ ምእንቲ ዕድል ክረክብ፡ ክፉታት ሕቶታት ሕተቶ።
- እቲ ዝርርብ ምእንቲ ክቕጽል፡ ዘቃላጥፉ ቃላት ወይ ሓረጋት ወስ ኣብል። ንኣብነት፦ ‘ኣሃ’ ከምኡ’ውን፡ ‘እህም’ ዝብሉ ክትጥቀም ትኽእል።
- እቲ ሰብ ክሕተም ወይ ጸጥ ክብል እንከሎ ተጻወሮ። እቲ ሰብ ዋላ ባህ ኣይበሎ፡ እናሓንሳእ ንኽሓስብ ወይ ዝበለጸ ቃል ንኽረክብ ግዜ ከድልዮ ይኽእል እዩ።
- ነቲ ሰብ ዝነገረካ፡ ብናትካ ኣበሃህላ ብምድጋም ወይ ጸሚቝካ ብምቕራብ፡ ብግቡእ ከም ዝተረዳእካዮ ኣረጋግጽ።
- ነቲ ሰብ ዝበለካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኸመይ ኢልዎ እውን ስምዖዮ። ንኣብነት፡ ንቓና ድምጹ ጽቡቕ ገይርካ ስምዓዮ።
- ልክዕ ከምቲ እቲ ሰብ ተመኵሮኡ ክገልጽ እንከሎ ዝጥቀመሉ ኣሰያይማ ተጠቐም። እቲ ሰብ ዘይሓጋዚ ወይ ኣናሻዊ ቋንቋ እንተ ተጠቒሙ ግዳ፡ ኣይትስዓቦ።
- እቲ ሰብ ኣብ ሕማም ኣእምሮ ኣናሻዊ ኣመለኻኽታ እንተ ሒዙ፡ ብዝተኻእለካ መጠን ተቐባሊ ከም ዝኸውን ሓግዞ።
ካብቲ ሰብ ኲውንነታዊ ትጽቢት ይሃልኻ
ነቲ ሰብ ከም ዘለዎ ተቐበሎ። ካብቲ ሰብ ከኣ፡ ኲውንነታዊ ትጽቢት ይሃልኻ። ዝዀነ ንጥፈታት ከም ምጽራይ ገዛ፡ ምኽፋል ቅብሊታት ወይ ምቕላብ ከልቢ – ምናልባት ነቲ ሰብ ምሒር ከቢድ ክመስሎ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ‘መደናገሪ’፡ ‘ሃካይ’፡ ‘ድኹም’ ወይ ‘ስሱዕ’ ከም ዘይኰነ ከተረጋግጽ ይግባእ። ኣብ ክንዮ ዓቕሙ ኰይኑ ንዝስምዖ ንጥፈታት ንኽሳተፍ ኣይትድፍኣዮ።
ንብልጫታት እቲ ሰብ ግለጽ
እቲ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ከም ሕሱም ዝነቅፍ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ (ንኣብነት፦ ድኹም ወይ ፍሹል ምዃኑ ዝገልጽ እንተ ደኣ ዀይኑ)፡ ንብልጫታቱ ኣዘኻኽሮ። ንኽማሓየሽ ዘካይዶ ዝዀነ ይዂን ጻዕሪ ኣፍልጦ ሃቦ። ግዳይ ቅዛነት ስለ ዝዀነ ጥራይ፡ እቲ ሰብ ድኹም ወይ ፍሹል ከም ዘይኰነ ከም ዝፈልጥ ግበሮ። ሓያላትን ክኢላታትን ሰባት ከማን ግዳያት ቅዛነት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ሰብ ከም ጐድሎ ከም ዘይትጥምቶ ንገሮ።
እቲ ሰብ ከም ዝሓዊ ተስፋ ሃቦ
እቲ ሰብ ዋላ ንሕጂ ኣይእመንካ፡ ምስ ግዜን ብሳላ ፍወሳን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዝበጽሕ ኣተባብዓዮ። እቲ ሰብ ከም ዝቕበለካ ዝዀነ ዓይነት ቅርጺ ተጠቒምካ፡ ዝያዳ እወታዊ መጻኢ ይጽበዮ ከም ዘሎ ገይርካ ተስፋ ሃቦ። ህይወቱ ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ከም ዝፈልጥ እውን ግበሮ።
ቀጻልነት ዘለዎ ደገፍ ምሃብ
ነቲ ሰብ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክትገብረሉ ከም እትኽእልን ዘይትኽእልን፡ ንጹርን ቀጻልን ዝዀነ ርድኢት ክህልወካ ይግባእ። ከተተግብሮ ዘይትኽእል ቃል ኣይትእቶ። ከም ቀዳማይ ረድኤት ወሃቢ መጠን ገለ ሕጽረታት ክህልወካ ከም ዝኽእል ብዘይሕብእብእ ነቲ ሰብ ግለጸሉ። ንኣብነት፡ ንስኻ ክኢላ ኣማኻሪ ከም ዘይኰንካ ኣፍልጦ። ነቲ ሰብ እቲ ንስኻ ትገብረሉ ዘለኻ ይሕግዞ ብዛዕባ ምህላዉ ሕተቶ። እንታይ ካልእ ተወሳኺ ክትሕግዞ ከም እትኽእል እውን ተወከሶ።
እንታይ እዩ እቲ ዘይሕግዝ?
ቅዛነት ብሕክምና ክፍወስ ዝኽእል ሕማም እዩ። ሓደ ሰብ ግዳይ ቅዛነት ዝኸውን ብናቱ ጒድለት ኣይኰነን። ነቲ ሰብ፡ ‘ረስዓዮ’፡ ‘ተጻወሮ’፡ ‘ነብስኻ ኣውጽእ’፡ … ምባል ኣርባሒ ኣይኰነን። እዚ ዝከኣል እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ እቲ ሰብ ባዕሉ ምገበሮ ነይሩ። ነቲ ሰብ፡ “ኵሉ ነገር ኣብ ርእስኻ እዩ ዘሎ” ወይ “ንገዛእ ርእስኻ ብዝዀነ ነገር ከም እትጽመድ ግበራ” ዝዓይነቱ ምኽሪ ወስ ኣይተብለሉ።
ነቲ ሰብ፡ ‘ፍሽኽ በል’፡ ‘እምባሕ በል’ ወይ ‘ገጽካ ኣብርሃዮ’ እናበልካ ጸቕጢ ኣይትግበረሉ። ገለ እወታዊ ነገር ክትዛረብ ምፍታን (ንኣብነት፦ “ንዓይ ክሳብ ክንድቲ ዝተሃሰኻ ኣይትመስለንን ኢኻ።”) ምባል ንጸገም እቲ ግዳይ ከም ምንእኣስ ወይ ምንጻግ ስለ ዝቚጸር፡ ክውገድ እዩ ዝግብኦ።
ነቲ ሰብ ዝዀነ ስያመ ካብ ምሃብ ተቘጠብ። እቲ ምንታይሲ ከም ምንሻው ገይሩ ክቘጽሮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦ ‘ኣእምሮኡ ዝሓመመ’ ክትብሎ ከቶ ኣይግባእን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምስቲ ሰብ ክትዛረብ እንከለኻ፡ ብስም ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ፡ ካልእ ሕማማት ኣይትጥቀሰሉ። ንኣብነት፦ “ጸገም ከቢድ ቅዛነት ዘለካ ኢኻ እትመስል።” ክትብሎ ኣይግባእን።
ነቲ ሰብ ብኣካሻማሺ ቃና ካብ ምዝራብ ተቘጠብ። ብመንጽሩ፡ ዝተጋነነ ምድንጋጽ ከተርእዮ እውን ኣይትፈትን። ኣብ ልዕሊ እቲ ልዕሊ ዓቐን ሓልዮት ወይ ምትታይ ከተርኢ ጽቡቕ ኣይኰነን። ንኵነታቶም ኣብ ምሕጋዝ ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ክትገብረሎም ልዕሊ ዓቕምኻ ምዃኑ እውን ክትድርጓሓሎም ኣይግባእን።
ነቲ ኣብ ንብር ኵነታት እንከለዉ ዝዓምምዎ ዝነበሩ ሕጂ ክሰርሕዎ ኣይትጨቕጭቆም። ካብ ምፍጣጥ ተሓየብ። እቲ ሰብ ጐዳኢ ወይ ሓደገኛ ተግባር ክፍጽም ከንቅድ እንከሎ ጥራይ ኢኻ ክትዓግቶ ዝግባእ። እቲ ሰብ ጽቡቕ ንኽስምዖ፡ ኣልኮላዊ መስተ ክሰቲ ወይ ሓሽሽ ንኽጥቀም ኣይትምዓዶ።
ምስቲ ሰብ ንኽዛረብ ጸገማት እንተ ኣጋጠሙኒኸ?
እቲ ሰብ ጽቡቕ ዘይበሃሃል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ (ቀስ ኢሉ ዝዘራረብ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ናይ ቀደሙ ዝተሓተ ንጹርነት ኣብ ኣዘራርባኡ እንተ ኣንጸባሪቑ፡ ዘረባ ዝደጋግም እንተ ዀይኑ)፡ ክሳብ ዝከኣለካ ተዓገሶ። ነቶም መልስታቱ፡ እቲ ሰብ ኣብዚ እዋን ክገብሮ ዝኽእል እቲ ዝበለጸ ከም ዝዀኑ ገይርካ ተቐበሎም። ብዝተኻእለካ መጠን ተሓጋጋዚ ኵን። ኣይትዅለፎ፡ ኣይትንቀፎ፡ ብስጭትካ ኣይትግለጸሉ ወይ ኣይትጻብኣዮ ወይ ኣይትሓጭጨሉ።
ኣብቲ ሰብ ብሰሪ እቲ ሕማም ዝዀነ ዓይነት ነድሪ ወይ ባህ ዘየብሉ ባህርያት ከተስተውዕል ፈትን። ነዚኦም ከም ኣብ ውልቅኻ ዘጋጠሙ ኣይትቝጸሮም። እቲ ሰብ ምሳኻ ኣብ ዝዘራረበሉ ህሞት እንተ ደኣ ሓሪቑ፡ ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ሕርቃኑ ናትካ ግምት ኣይትውሰድ። ክትሃድእ ፈትን። ንሕርቃን ናይቲ ሰብ ኣፍልጦ ሃብ። የግዳስ፡ ንዝዀነ ይኵን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክወርድ ዝኽእል ዓመጽ ክትቅበሎ የብልካን። ነቲ ሰብ ክትሕግዞ እንከለኻ፡ ንዅነታት ጥዕና ኣእምሮኻ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይተእትዎ።
እቲ ሰብ ምሳኻ ክዛረብ እንተ ዘይተበሪህዎ፡ ስምዒቱ ምስ ካልእ ሰብ ንኽመያየጥ ኣትባብዓዮ።
ባህላዊ ፍልልያት ነቲ ሰብ ክትሕግዞ እንከለኻ ዝዕንቅፈ እንተ ደኣ ሃልዩ፡ ኣየናይ ባህሉ ዝሓሸን ኲውንነታውን ከም ዝዀነ ነቲ ሰብ ሕተቶ። ንቃላውን ዘይቃላውን ባህርያትካ ከተመዓራሪ ፍቓደኛ ኲን። ንኣብነት፡ እቲ ሰብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምጥምማት ዓይኒ ንዓይኒ ወይ ካባኻ ርሕቕ ኢሉ ኮፍ ክብል ዝደሊ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከባቢኻ ንዝተፈላለዩ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ዝህቡ ትካላት እንተ ደኣ ሃልዮም፡ ከተዘራርቦም ትኽእል ኢኻ።
ንግዳይ ቅዛነት ዝዀነ ሰብ ክትሕግዝ እንከለኻ፡ ዘይተጸበኻዮ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ከስዕበልካ ይኽእል እዩ። ነቲ ሰብ ምስ ሓገዝካዮ ስምዒት ሕርቃን ወይ ድኻም እንተ ወሪርካ፡ ብመሰረት ስትራተጂ ርእሰ ምሕላይ መርትዖ ተጠቐም።
ነቲ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ንኽረክብ ከተባብዖዶ ኣለኒ?
እቲ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ንኽረክብ መዓስ ከተተባብዖ ከም ዘለካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ቅዛነት ንሳምንቲ እንተ ቐጺሉን ንዕለታዊ መነባብሮኡ እንተ ጸልዩዎን ሞያዊ ሓገዝ ግቡእ ይኸውን። ቅዛነት ናይቲ ሰብ ባዕሉ ክገድፎ እዩ ኢልካ ኣይትገምት። እቲ ምንታይሲ፡ ንቕዛነት ኣብ ፈለማ ደረጃ እንከሎ ክትፍውሶ እንከለኻ እዩ ዝበለጸ ውጽኢት ዝርከቦ። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ነገር፡ ንባህሪ እቲ ሰብ ክትብል፡ ክትሕሱ ወይ ምኽኒት ከተቕርብ ከም ዘይብልካ እዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ሓገዝ ኣብ ምርካብ ከደንጕ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ኣብ ምህትፍታፍን ዓጀውጀው ምባልን እንተ በጺሑ፡ ህጹጽ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት።
ኣብቶም ኣብ ምፍዋስ ቅዛነት ሓገዝቲ ዝዀኑ ዓይነታት ፍወሳ፡ ገለ ሓፈሻዊ ፍልጠት ክህልወካ ይግባእ። ኣብቲ እቲ ግዳይ ዝነብረሉ ከባቢ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዘሎ ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ እዩ። ናብ እቶም ሞያዊ ሓገዝ ዝህቡ ዝወስዱ መንገድታት ከኣ ፍለጦም። ንኣብነት፡ ልዑል ክእለት ዝለዎም ሓካይም ንምርካብ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ምኻድ የድሊ። እዚ ከከም ናይቲ ሰብ ባህላዊ ድሕረ ባይታን ሃይማኖታዊ እምነታትን ክፈላለ ይኽእል።
ብዛዕባ ጥቕሚ ሞያዊ ሓገዝ ምሕታት ተመያየጥ። እቲ ሓገዝ ከም ዝጠቕሞ ዝሓስብ እንተ ዀይኑ ነቲ ሰብ ሕተቶ። ብዛዕባ ሞያዊ ሓገዝ ምሕታት ክትዘራረብ እንከለኻ፡ ዘተሃዳድእ ክኸውን ይግባእ። ንኣብነት፡ እቲ ጕዳይ ባህርያዊ ተግባር ከም ዝዀነ ገይርካ ተዘራረበሉ። ጸገም ሕማም ኣእምሮ ንቡራትን ክፍወሱ ዝኽእሉን ከም ዝዀኑ ግለጾም። ምስቲ ሰብ ብዛዕባ ዘድልዮ ሓገዝ ኣብ እትዘራረበሉ ህሞት፡ ንባህርያት ወይ ስምዒታት እቲ ሰብ ከም ምልክታት ቅዛነት ገይርካ ካብ ምግላጽ ክትቍጠብ ይግባእ። ሓገዝ ከም ዘድልዮ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ኣብቶም ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ ኣማራጺታት፡ ኣብ ሓዲኦም ክውስን ኣተባብዓዮ። እቲ ሰብ እንተ ደልዩዎ፡ ዝከኣለካ ደገፍ ኣበርክተሉ።
እቲ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ እንተ ወሲኑ፡ ኣብ ፈለማ ቈጸራኡ ምስቶም ናይ ጥዕና ሞያውያን ምስ ተራኸበ ዘቕርቦም ዝርዝር ሕቶታት ከውጽእ ኣተባብዓዮ። እቲ ሰብ ምስቲ ዶክተር ኣብ ዝህልዎ ቈጸራ ምእንቲ ክትሕግዞ ንኸተሰንዮ እንተ ደኣ ሓቲቱካ፡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተሓባበርካዮ ይምረጽ። እቲ ምንታይሲ፡ ግዳያት ቅዛነት ብዝተኻእለ መጠን ናቶም ውሳነ ክወስዱ እዩ ዝምረጽ።
ቅዛነት መብዛሕትኡ ግዜ ብሰብ ሞያ ጥዕና ኣይልለን እዩ። መርመራ ክትገብረሉ ገለ ግዜ ይወስድ። ምስቲ ሰብ ጽቡቕ ዝምድና ክፈጥር ዝኽእል ክንክን ጥዕና ዝህብ ሰብ ርኸበሉ። ነቲ ሰብ ግቡእ ሞያዊ ሓገዝ ኣብ ምርካብ ከይተሓለለ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ኣተባብዓዮ።
ወዮ ሰብ ሓገዝ እንተ ዘይደለየኸ?
ንመሰናኽላት ኣብ ምድላይ ምፍዋስ ቅዛነት ምርዳእ፡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ክረክብ እንተ ዘይደልዩ፡ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝመረጸ ምኽንያት እንተ ሃልዩዎ ክትፈልጥ ፈትን። ንኣብነት፡ እቲ ሰብ ዝዀነ ካልእ ሰብ ዝሕግዝ ከም ዘየለ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል። ብዛዕባ ፊናንስ ተሰኪፉ እውን ክኸውን ይኽእል። ንሱ ዝፈትዎ ሓኪም ዘይረክብ ወይ ናብ ሆስፒታል ዝለኣኽ ኰይኑ ኸማን ክስምዖ ይኽእል። እዞም ምኽንያታት ኣብ ጌጋ እምንቶታት እተሰረቱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ሰብ ብዛዕባ ሓገዝ ምድላይ ዘለዎ ጭንቀት ኣብ ምውጋድ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ምኽንያታቱ ምስቲ ሰብ ኴንኩም ድሕሪ ምድህሳስኩም፡ እቲ ሰብ ሓገዝ ከም ዘየድልዮ እንተ ወሲኑ፡ ኣብ መጻኢ ሓሳቡ እንተ ቐይሩ ንዓኻ ክረኽበካ ከም ዝኽእል ሓብሮ።
ንገዛእ ርእሱ ወይ ንኻልኦት ሰባት ናይ ምጕዳእ ሓደጋ ከብጽሕ ከም ዘይክእል እንተ ኣሚንካ፡ እቲ ሰብ ኣብ ዝዀነ ግዜ ሓገዝ ናይ ዘይምድላዩ መሰል ሓልወሉ። እቲ ሰብ ድሉዊ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሓገዘ ሞያውያን ንኽረክብ ኣይትቐስቦ። እቲ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ምእንቲ ክረክብ ኢልካ – ምትላል፡ ቀስቢ ወይ ምፍርራሕ ኣይትጠቐም። ነቲ ሰብ ሓገዝ ንኽሓትት እንተ ቐሲብካዮ፡ ኣብ መወዳእት ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ እዩ ዘጽልኦ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ ወይ ካልኦት ሓደጋ እንተ ኣንጠጥዩኸ?
እቲ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ወይ ንኻልኦት ሓደጋ ከውርድ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ እንተ ሓልዩ፡ ንድሕነት ኵሎም ተሳተፍቲ ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣለካ። ዝዀነ ናይ መከላኸሊ ስጕምቲ ውሰድ። ንኣብነት፡ ኣምቡላንስ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ሓደጋ ወይ ጕጅለ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ፡ … ጸውዕ። ነቲ ሰብ ሓገዝ ንኽረክብ ገለ ስጕምቲ ክወስድ ሕተቶ። (ንኣብነት፦ ምስ GP ተራኸብ)። ኣብ እዋን ሓደጋ መን ክንገር ከም ዘለዎ ኣብ ምውሳን ከም ዝሳተፍ ግበሮ።
መርመራ ስነ ኣእምሮኣዊ ትካዘ (General Depression Test)
እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መሕትት፡ ንኩነታት ስነ-ኣእምሮና ንምግምጋም ዝሕግዘና መለኪዒ እዮ። በዚ ውጺኢት ተመርኩስና ድማ ኩነታት ጥዕናና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከብ ገሚትና: ብኣግኡ ጉዳይ ኣእምሮና ክንከታተል ክሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኣግኡ ጉዳይ ኣእምሮና ክንከታተል ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መፍቲሒ ወይ ውን ከምዘለዎ ብዘይ ናይ ኪኢላ ስነ-ኣእምሮ መርመራን ምኽርን ክንጥቀመሉ ኣይኮነን ተዳልዩ።
ተወሰኽቲ ኣርእስትታት. . .
ኣጠንቀቕቲ ረቛሒታት ነብሰ ቕትለት እንታይ ይመስሉ (Warning Signs of Suicide)?
ንነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ክትገብሮም ዝግብኣካ ነገራት
ሓሳባት ወይ ፈተነ ነብሰ-ቕትለት ምስ ሕማም ስኪዞፍረንያ (Schizophrenia disorder) እንታይ ምትትእስሳር ኣለዎ?
ምልክታት ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ኣብ መንእሰያት እንታይ ይመስሉ?
ውላድካ ብትካዘ ዝሳቐ እንተኾይኑ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል?
ትካዘ ድሕረ-ሕርሲ (Postpartum Depression)
ምልክታት ድሕረ ሕርሲ ዘጋጥም ትካዘ እንታይ ይመስሉ?
ቅዛነት እንተ ኣጋጢሙካ ብኸመይ ነብስኻ ክትሕግዝ ትኽእል?