መለኪዒታት ስንካለ ኣእምሮ
ስንካለ ኣእምሮ ወይ ሕማም ምዕባለ ኣኣምሮ፡ ኣብ መጀመርያ ምዕባለ ኣእምሮ ዝርአ ጉድለት ኮይኑ፡ ክልተኡ ኣእምሮኣዊን ልዕበታውን ተግባራት ከም ኣምራዊ፡ ማሕበራዊን ተግባርዊ ፍልጠትን የጠቓልል። ቀጺሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰለስተ መለክዒታ ድማ ንስንካለ ኣእምሮ ክውን ይገብርዎ።
- ጉድለት ንኣእምሮኣዊ ተግባር ከም ምኽንያታዊ፡ ምፍታሕ ግድል፡ ምሕሳብ ረቂቕነት፡ ምውሳን፡ ኣካዳምያዊ ትምህርቲን ካብ ተመክሮ ምምሃርን ብሕክምናዊ ዳህሳስን ውልቃዊ ደረጃኡ ብዝሓለወ ፈተና ብልሒ ኣእምሮ ይረጋገጽ።
- ጉድለት ልዕበታዊ ተግባር ዝመጽእ ካብ ፍሽለት ኣእምሮኣዊ ምዕባለን ደረጃ ማሕበረ-ባህላዊ ኣብ ውልቀ ናጽነት ሓደ ሰብን ማሕበራዊ ሓላፍንትን እዩ። ንልዕበታዊ ተግባር ቀጻሊ ሓገዝ እንተዘይተጌርሉ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ኣብ ሓደ ወይ ብዙሓት ንጥፈታት ድሩትነት ተግባራት የስዕብ እዩ። ከም ምብህሃል፡ ማሕበራዊ ሱታፌ፡ ናጽነት ዘለዎ ናብራ፡ ኣብ ብዙሕነት ዘለዎ ከባቢ ከም መንበሪ ገዛ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ቦታን ኮምን ድሩትነት ክህልዎ ይኽእል።
- ኣብ ግዜ ምዕባለ ኣእምሮ፡ ጉድለት ስንካለ ኣእምሮን ልዕበታዊ ተግባርን ይጅምር።
ደረጃታት ብርተዐ ስንካለ ኣእምሮ እንታይ ይመስሉ?
ዝርዝር ስንካላ ኣእምሮ
ዝተፈላለዩ ብርተዐ ደረጃታት ስንካለ ኣእምሮ ብብልሒ ኣእምሮ ዘይኮኑ፡ ብልዕበታዊ ተግባራት’ዮም ዝግለጹ። ምኽንያቱ ንሓገዛት ዘድልዮም ደረጃታት ዝውስን ልዕበታዊ ተግባራት እዩ። ብተወሳኺ ብልሒ ኣእምሮ ኣብ ታሕተዋይ ጫፍ ዝርጋሐ ብልሒ ኣእምሮ ትሑት ተቐባልነት’ዩ ዘለዎ።
1.ትሑት (Mild)
ሀ. ኣምራዊ ፍልጠት (Conceptual domain)
ኣምራዊ ፍልጠት ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ቆልዑት፡ ንጹር ዝኾነ ፍልልይ የብሉን። ኣብ ትምህርቲ ዘለዉ ቆልዑትን ኣባጽሕን ግን፡ ሽግር ኣምራዊ ፍልጠት ከም ዘለዎም ክንጸር ይከኣል። ከምዚ ዓይነት ሽግር ዘለዎም ኣብ ምምሃር ኣካድምያዊ ምንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ቅመራ፡ ግዜ ወይ ገንዘብ ኣብ ሓደ ወይ ብዙሓት ዓውድታት ምስ ዕድመኦም ብዝዛመድ ሓገዝ ይደልዩ እዮም። ኣብ ኣባጽሕ ረቂቕነት ዘለዎ ሓሳባት፡ ፈጻሚ ተግባራት (ምውጣን፡ ቀዳምነት ምሃብ፡ ስትራተጂ ምውጻእ፡ ተዓጻጻፍነት ኣስተብህሎ)፡ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ መዘክርን ኣካዳምያዊ ክእለት ኣብ ተግባር ምውዓል (ምንባብን ኣተሓሕዛ ገንዘብን)ን ኣብ ኣእምራዊ ፍልጠት ይጎድሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ሽግር ዘለዎም ሰባት ምስ መዛናኦም ብምውድዳር፡ ንሽግራቶምን መፍትሕኡን ዝኸውን ጭቡጥ ወይ ግብራዊ ኣቀራርባ ኣሎ።
ለ. ማህበራዊ ፍልጠት (Social domain)
ጉድለት ማሕበራዊ ፍልጠት ዘለዎ ሰባት ምስ ዕደመኦምን መሰታኦምን ብልክዕ ብምንጽጻር፡ ዘይብሱላትን ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝጎድሎምን እዮም። ንኣብነት ማሕበራዊ ፍልጠት ዝጎድሎም ሰባት ዘይከም መሰታኦም ጸገም ርድኢት ማሕበራዊ ኣንፈት ኣለዎም። መሰታኦም ኣብ ኣብ ምብህሃል፡ ምዝርራብን ቋንቋን ተጨባጢ ክእለት ክህልዎም ከሎ፡ ጸገም ማሕበራዊ ፍልጠት ዘለውም ግን ዘይብሱላት እዮም። ኣብ ስምዒታቶምን ባህሪያቶምን ጸገማት ከም ዘለዎም ዝገሃድ፡ ምስ መሳታኦም ኣብ ማሕበራዊ ሱታፌ ኣብ ዝራኸብሉ ኣጋጣሚታት ይኸውን። ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ድሩት ርድኢት ንሓደጋ ኣለዎም። ብመንጽር ዕድመኦም ብስለት ማሕበራዊ ምምዝዛን ስለዝጎድሎም፡ ብኻልኦት ሰባት ብቐሊሉ ስለዝዕሸዉ ወይ ስለዝጥበሩ ናብ ሓደጋ ይቃልዑ።
ሐ. ተግባራዊ ፍልጠት (Practical domain)
ጉድለት ተግባራዊ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ኣብ ውልቃዊ ግደሰ ብመንጽር ዕድመኦም ከተግብሩ ይኽእሉ እዮም። ምስ መዛናኦም ብምንጽጻር ንሕልኽልኽል ዝበሉ መዓልታዊ ንጥፈታት ገለ ገለ ሓገዛት የድልዮም እዩ። ጉድለት ተግባራዊ ፍልጠት ዘለዎም ኣብጻሕ ከም ኣብ ሸመታ፡ መጓዓዝያ፡ ናይ ገዛን ምክንኻን ቆልዑትን፡ ምድላው መኣዝዊ መግቢ፡ ናብ ባንክ ምኽዳን ምሕደራ ገንዘብን ፍሉይ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ዘይከም መሳትኦም፡ ኣብ መዘናግዕን ማሕበራዊ ምምዝዛንን ብምልእት ንምክዋን ሓገዝ የድልዮም እዩ። ጥቕልል ኣቢልካ ክርአ ከሎ፡ ኣባጽሕ ጥዕናዊ ክንክን ንምውሳን፡ ሕጋዊ ውሳነን ክእለት ዝሓትት ሞያዊ ብቕዓት ንምትግባርን ሓገዝ የድልዮም እዩ። ስድራ ቤቶም ክከናኸኑ፡ ሓገዝ የድልዮም እዩ።
2.ማእከላይ (Moderate)
ሀ. ኣምራዊ ፍልጠት
ጉድለት ኣምራዊ ፍልጠት ዘለዎም፡ ብመንጽር መሳታኦም ክርአ ከሎ ክእለቶም ብንጹር ዝደሓረ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዘለዉ ቆልዑት፡ ምልከት ቋንቋን ቅድመ ኣካደምያዊ ዘለዎም ክእለትን ዘገም እናበለ’ዩ ዝምዕብል። ትምህርቲ ዝጀመሩ ቆልዑት ኣብ ንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ቅመራ፡ ርድኢት ግዜን ገንዘብን ኣብ ትምህርቲ ዝጸንሑለን ዓመታትን ዘገም ክብሉ ከለዉ፣ ምስ መሳታኦም ብምንጽጻር ንጹር ዝኾነ ድሩትነት ኣለዎም። ኣብ ኣባጽሕ ክእለት ኣካዳሚ ልክዕ ኣብ መባእታ ደረጃ ከም ዘለዉ እዮም። ኣብ ስራሕ፡ ኣካዳምያዊ ክእለቶምን ውልቃዊ ህይወቶምን ሓገዝ የድልዮም እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም፡ መዓልታዊ ኣምራዊ ፍልጠቶም ንምምላእ ቀጻሊ ሓገዛት የድልዮም እዩ። ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ካልኦት መቕርቦም ብውልቂ ብምልኣት ንምሕጋዝ ሓላፍነት ክወስዱ የድሊ።
ለ. ማሕበራዊ ፍልጠት
ኣብዚ ደረጃ’ዚ ጉድለት ማሕበራዊ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊን ምብህሃልን ካብ መሳታኦም ርኡይ ዝኾነ ፍልልይ ኣለዎም። ኣብ ማሕበራዊ ምብህሃል ንዝርርብ ዝጥቀመሉ ቋንቋ መሰረታዊ ኮይኑ ከም ናይ መሰታኦም ብዙሕ ዝተሓላለኸ ኣይኮነን። ምስ ስድራ ቤቶምን ኣዕሩኽቶምን ንጹር ዝኾነ ምትእስሳር ኣለዎም። ኣብ ህይወቶም ድማ ዕዉት ዝኾነ ምሕዝነትን ፍቕራዊ ህይወትን ኣለዎም። እንተኾነ ኣብ ማሕበራዊ ኣፋፍኖት ብልክዕ ክርድእዎ ወይ ክቕበለዎ ኣይክእሉን እዮም። ማሕበራዊ ምምዝዛን ክእለት ምውሳንን ድሩትነት ኣለዎም። ኣብ ክንክን እንተኾነ፡ ናይ ሰባት ሓገዝ የድልዮም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስ መሳታኦም ዝገበርዎ ዕርክነት ብምብሃሃልን ማሕበራዊ ድሩትነትን ይጽሎ እዩ። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ድማ ኣገዳሲ ዝኾነ ማሕበራዊን ምብህሃላዊ ሓገዛት የድልዮም እዩ።
ሐ. ግብራዊ ፍልጠት
ኣብ ማእከላይ ስንካለ ኣእምሮ ጉድለት ግብራዊ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት፣ ነብሶም ክኽእሉ ዝተናወሐ ግዜን ትምህርቲን እንተተወሃቦም፣ ባዕላቶም ክብለዑ፡ ክኸደኑ፡ ደገ ክወጹ(ከም ሽንቲ ማይን ውልቀልን)ን ክጸራረዩን ይኽእሉ እዮም። ይኹን’ምበር ነቲ ባዕላቶም ዝገብርዎ ንጥፈታት ምዝኽካር የድልዮም እዩ። ዝተናውሐ ግዜን ትምህርቲን እንተድልዮም፡ ኣብ ግዜ ኣባጽሕ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ ክዋስኡ ይኽእሉ እዮም። ድሩትነት ዘለዎም፡ ኣምራዊን ምብህሃላውን ክእለት ዝሓቱ ዕዮታት ክዋስኡ ይኽእሉ እዮም። ግን ኣብ ከም ማህበራዊ ትምኒታት፡ ዝተሓላለኹ ዕዮታት፡ ሓገዝ ዘድልዮም ሓላፍነታት ከም ምውጣን፡ መጓዓዝያ፡ ጥዕናን ምሕደራን ገንዘብን ኣገዳሲ ሓገዛት ካብ ተቖጻጸርትን ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታትን የድልዮም። ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ፍሉያት ዝኾኑ፡ ተወሳኸቲ ሓገዛትን ዕድላት ምምሃርን ብምፍጣር ዝተፈላለዩ ክእለት ዘለዎም መዘናግዒታት ምድላው ይከኣል እዩ። ኣብ ዝወሃቦም ንውሓት ግዜን ትምህርትን ገለ ዘየግድሱ ንኣሽቱ ባህርያት ማሕበራዊ ሳዕቤናት ከኽተሉ ይኽእልሉ እዮም።
3.ከቢድ (Severe)
ሀ. ኣምራዊ ፍልጠት
ኣብ ከቢድ ስንካለ ኣእምሮ፡ ፍጻመ ኣምራዊ ፍልጠት ድሩት እዩ። ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ፡ ኣብ ከቢድ ስንካለ ኣእምሮ ጉድለት ኣምራዊ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት፣ ውሱን ዝኾነ ርድኢት ጽሑፋዎ ቋንቋ ወይ ኣምር ምውሳኣ ኣብ ቁጽሪ፡ ብዝሒ፡ ግዜን ገንዘብን ኣለዎ። ንኹሉ ጸገማቶም ዝፈትሕ ንምሉእ ዕደመኦም ፍታሕ ዘምጽእ ኣለይቲ ይገበረሎም።
ለ. ማሕበራዊ ፍልጠት
ኣብዚ ደረጃ ‘ዚ ዘለዉ ሰባት ብመንጽር ስዋስዎኣዊ ቋንቋን ቃላትን፡ ኣብ ቋንቋ ዝገብርዎም ዝርርብ ብንጹር ድሩት እዩ። ንዝዛረብዋ ሓንቲ ቃላ ወይ ሓረግ ብሜላ ሓገዝ ክምልእዋ ይኽእሉ። ኣብ መዓልታዊ ፍጻመታት ዘተኮረ ዝርርብን ምብህሃልን የዘውትሩ። ቋንቋ ካብ መግለጺ ንላዕሊ ንማሕበራዊ ምብህሃል ይጥቀምሉ። ተራ ዘረባን ኣካላዊ ምብህሃልን ይርደኦም እዩ። ምስ ስድራቤትን ቤተሰብን ዝገብርዎ ርክብ ምንጪ ሓጎሶምን ሓገዞምን እዩ።
ሐ. ተግባራዊ ፍልጠት
ኣብዚ ደረጃ ዝርከቡ ጉድለት ተግባራዊ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ኩሉ ዓይነት መዓልታዊ ንጥፈታቶም ከም ምምጋብ፡ ምኽዳን፡ ምሕጻብ ሰብነትን ደገ ምውጻእን(ሽንቲ ማይን ቀልቀልን) ሓገዝ ይደልዩ። ኩሉ ግዜ ድማ ምክትታል የድልዮም እዩ። ኣብ ኩነታት ጥዕና ነብሶምን ካልኦትን ሓላፍነት ኣይወስዱን እዮም። ኣባጽሕ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ፡ ምዝንጋዕን ስራሕን ቀጻሊ ሓገዝን ድጋፍን ይጠልቡ። ኣብ ኩሉ ፍልጠት ክእለት ተወሳኺ ቅስመት ንምድላብ፡ ንነዊሕ ግዜ ዝኸይድ ምምሃርን ሓገዝን የድልዮም። ንዝወሃቦም ትምህርትን ግዜን ምጽዋር ስለዝስእንዎ ኣብ ውሑዳት ነብሰ-ጉድኣት ይርአ።
4. ዝኸፈአ ስንካለ ኣእምሮ (Profound)
ሀ. ኣምራዊ ፍልጠት
ከምዚ ዓይነት ሰባት ኣብ ውክልናዊ መስርሕ ዘይኮኑ ኣብ ኣካላዊ ዓለም ይውሳኡ። ኣብ ነብሰ ክንክን፡ ስራሕን ምዝንጋዕን፡ ንሸቶ ዘነጻጸረ ሜላ ነገራዊ ትሕዝቶ ይጥቀሙ። ገለ ገለ ብምርኣይ ዝግበር ክእለት ከም ምዝማድን ምልላይ ኣካላዊ ብህሪታት ነገራዊ ትሕዝቶ የድሊ ይኸውን። ኮይኑ ግን ኣብ ብሓንሳብ ንዝፍጸሙ ምንቅስቓሳውን ስምዒታውን ጉድለት ኣብ ምጥቃም ነገራዊ ተግባራት ክከላኸል ይኽእል።
ለ.ማሕበራዊ ፍልጠት
ኣብ ዝኸፍአ ስንካለ ኣእምሮ ማሕበራዊ ፍልጠት፡ ኣብ ውክልናዊ ዝርርብ ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣመና ድሩት ዝኾነ ርድኢት ኣለዎም። ንገለ ቅልል ዝበለ መምርሒታት ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክርድኡ ይኽእሉ እዮም። ድሌታቶምን ስሚዒታቶምን ብዘዓበየ መልክዑ ብዘይ ዝርርብ ወይ ብዘይ ተጓርኖኣዊ ምብሃሃል ይገልጹ። ምስ ፍሉጣት ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣለይቲን ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትን ርክብ ምግባር የሕጉሶም። ንማሕበራዊ ምትሕውዋስ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ወይ ስምዒታዊ ምልክት የበግስዎን ግብረ መልሲ ይህብሉን። ብሓንሳብ ንዝፍጸሙ ስምዒታውን ኣካላውን ጉድለት ካብ ብዙሓት ማሕበራዊ ንጥፈታት ክከላኸሉ ይኽእሉ።
ሐ ግብራዊ ፍልጠት
ኣብዚ ደረጃ’ዚ ዘለው ስንካለ ኣእምሮ፡ ኣብ ገለ ገለ ንጥፈታት ክሳተፋ ዓቕሚ እንተሃለዎም፡ ንኩሉ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ከም ኣካላዊ ጽሬት፡ ጥዕናን ድሕነትን ኣብ ካልኦት ሰባት ጽግዕተኛታት እዮም። ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ገለ ገለ መዓላታዊ ዕዮ ገዛ ከም ምልዕላ ናውቲ መግቢ መመግቢ ጣውላ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ቀጻልነት ዘለዎ ዝላዓለ ሓገዝ ዘድልዮም፡ ቅልል ዝበለ ተግባራት ከም ምልዓል ኣቕሓ፡ መሰረታዊ ሱታፌ ንገለ ሞያዊ ንጥፈታት ክኽውን ይኽእል እዩ። ብሓገዝ ካልኦት፡ ንጥፈታት ምዝንጋዕ ከም ምስማዕ ሙዚቃ፡ ምርኣይ ፊልም፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ጉዕዞ፡ ምውሳእ ኣብ ማይ ዝግበር ንጥፈታት ወዘተ ክግበር ይከኣል። ብሓንሳብ ንዝፍጸሙ ኣካላውን ስምዒታውን ጉድኣት፡ ካብ ገዛ ወጻኢ ንዝግበሩ ንጥፈታት፡ ምዝንጋዓትን ሞያዎ ንጥፈታታ ዕንቅፋታት እዮም። ብንእሱ መጠን ድማ ባህሪ ዘይተጻወርነት ክህሉ ይኽእል።
ዝርገሐ ስንካለ ኣእምሮ (Prevalence)
ስንካለ ኣእምሮ ኣእምሮ ካብ ጠቕልላ ህዝቢ ዓለም 1 ሚእታዊት ዝግምገም እኳ እንተዀነ፡ ቁጽሪ ግዳያት ግን ካብ ዕድመ ናብ ዕድመ ይፈላለ እዩ። ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝርገሐ ስንካለ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት፡ ካብ 1000፡ 6 ክበጽሑ ይኽእሉ።
ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን
ስነ-ሰረታዊ(ፈርዓዊ)ን ተግባራዊን (Genetic and physiological)፡ጠንቅታት ስንካለ ኣእምሮ ቅድመ-ወለዳዊ ስነ-ሰረታዊ ሕማም፡ ተፈጥሮኣዊ ጌጋ ኣብ ምንዳቕን ምፍራስን መኣዛዊ መግብታት፡ ዘይንቡር ቅርጺ ሓንጐል፡ ሕማም ወላዲት (ከም ሕማም መድሓንቲ)፡ ከባብያዊ ጽልዋታት (ወልፊ ኣልኮል፡ መድሃኒታት፡ መርዝታት ወዘተ) የጠቓልል። ኣብ እዋን-ምላድ ዝኸሰቱ ጠንቅታት ድማ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ቅልውላውን ሕርሲን ዝተሓሓዙ ፍጻመታት ተግባራት ሓንጎል ዕሸል ክትንክፍዎ ይኽእሉ። ድሕሪ ወሊድ ድማ ዋሕዲ ቀረብ ኦክስጅን ናብ ሓንጐል፡ መጉዳእቲ ሓንጐል፡ ረኽሲ፡ ሕማም ሽፋን መትኒ፡ ሕማም ምንፍርፋር (ኣብ ግዜ ዕሸልነት ዝርአ ምጭብባጥ ሓንጐል)፡ ዝኸፍአን ሕዱርን ማሕበራዊ ምግላል፡ መርዛም ምንዳቕን ምፍራስን መኣዛዊ መግብታት ኣብ ዋሃዮታትን ምረዛ( ርሳስን መርኩሪን) የጠቓልል።
ፍልልይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን
ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ደቂንስትዮ ኣብ ክልተኡ፡ ማለት ኣብ ትሑትን ሓደገኛን ስንካለ እእምሮ ይነጸሩ። መጠን ስንካለ ኣእምሮ ኣብ ትሑት ክርአ ከሎ 6፡1 ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ድማ 2፡1 እዩ። እንተኾነ መጠን ጾታዊ ስንካለ ኣእምሮ ብገፊሕ ከም ዝፈላለ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕታዊ ጸብጻብ የነጽር። ኣብ ገለ ገለ ጾታዊ ፍልልይ፡ ምስ ሰረ-ዘርኢ ጾታ ብዝተኣሳሰር ረቛሒታትን ተቓልዕነትን ወዲ ተባዕታይን ንጉድኣት ሓንጐል ኣብ ግምት ክኣቱ ይኽእል።
ተወሰኽቲ ጸገማ ኣብ ልዕሊ ስንካለ ኣእምሮ (Comorbidity)
ጉድለት መትኒንሓንጐልን፡ ውሽጣዊ ሕማማት፡ ኣካላዊ ኩነታት ብተደጋጋሚ ምስ ስንካለ ኣእምሮ ሓቢሮም ዝነብሩ እዮም። በዚ ምኽንያት ስንካለ ኣእምሮ ምስ ገለ ገለ ኩነታት (ከም ሕማም ኣእምሮ፡ ስንካል ሓንጐልን ምንፍርፋርን) ሰለሰተ ወይ ኣርባዕተ ዕጽፊ ካብ ጠቕላል ህዝቢ ዓለም ይዛይድ። ኣመትን ውጽኢትን ተወሰኽቲ ሕማማት ንምንጻር ብህላወ ስንካለ ኣእምሮ ክጽሎ ይኽእል እዩ። ምስ ስንካለ ኣእምሮ ዝኽሰቱ ተወሰኽቲ ሕማማት ንምንጻር መስርሕ ዳህሳስ ምምሕያሽ የድልዮም እዩ። ምኽንያቱ ተዛመድቲ ሕማማት ከም ሕማም ምብህሃል፡ ዝርገሐ ምትሃት በይንነት፡ሕማም ምንቅስቓስ፡ ስምዒትን ካልኦትን ምልክታት ንምልላይ፣ ፍልጠታዊ ሓበሬታት ከም ቁጠዐ፡ ዘይርጉእ ወኒ፡ ጎነጽ፡ ጸገም ምብላዕ፡ ሽግር ድቃስ፡ ዳህሳስ ልዕበታዊ ተግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ኮማዊ ቦታታት ኣገድስቲ እዮም።
ኣብ ልዕሊ ጉድለት ምዕባለ መትኒን ሓንጐልን ዝውቱራት ዝርኣዩ ሕማማት ጉድለት ኣስተብህሎ፡ ቅዛነትን ኣታዊ ወጻኢ ሕማም ኣእምሮን፡ ሕማም ሸቕልቀል፡ ዝርገሐ ምትሃታዊ በይንነት፡ ሕማም ቅዳሕ ምንቅስቓስ(ምስ ወይ ብዘይ ነብሰ መጉዳእቲ ባህሪ) ሕማም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስምዒትን ዝዓበየ ጉድለት ኣስተብህሎ-ኣእምሮን እዮም። ዝዓበየ ሕማም ቅዛነት ኣብ ዓቐን ኩሉ ሸነኽ ስንካለ ኣእምሮ ይርአ። ባዕላዊ መጉዳእቲ ሽዑ ንሽዑ ነጸርታ ዘድልዮ ኣስተብህሎ ኮይኑ፡ ንንጽል ነጸርታ ቅዳሓ ምንቅስቓስ ከጠንቅቕ ወይ ክሕብር ይኽእል። ስንካለ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ብፍላይ እቶም ዝኸፍአ ስንካለ ዘለዎም ጎነጻዊን ረባሽን ባህሪ ከርእዩ ይኽእሉ እዮም። ብፍልዩ ድማ ንካልኦት ክጎድኡን ንብረት ክዕንዉን ይኽእሉ።