ኣጉላዊ ብሂላትን ሓቅታትን ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ኣብ መንእሰያት
ብሂል፡ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ምዝራብ ወይ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ምሕታት፡ ሂወቶም ከሕልፉ መሊሱ ከተባብዖም ይኽእል እዩ።
ሓቂ፡ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ምዝርራብ፡ እሂን ምሂን ንክትበሃሃል ዕድላት እዩ ዝፈጥር።
- ፍርሕታት ንኽጎድሉን ክጠፍኡን ይሕግዝ።
- ሓደ ካብቶም ንሓደ ሰብ ንኽነብር ወይ ሂወቱ ንኸይሐልፍ ዝውሰዱ ናይ መጀመርያ ስጉምትታት ብዛዕባ ስሚዒታቱ ምዝራብ እዩ።
- ቀሊል ዝኾነ ሕቶ፡ ሂወቱ ከሐልፍ ሓሳብ ኣለዎን የብሉን ምሕታት፡ ብቐሊሉ ኩነታት እቲ ሰብ ንምግንዛብ ይሕግዙኻ እዮም።
- እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ኣብ ትሓተሉ፡ ብጥንቃቐ ክኸውን እለዋ። ንስለ ምሕታት ዝሕተት ሕቶ ወይ ወጀሃላይ ዝርአ ኣይኮነን።
ብሂል፡ መንእሰያት ወይ ንኣሽቱ ቀጻሊ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ዝዛረቡ፡ ሂወቶም ኣየሕልፉ ኣይፍትኑን ወይ ብነብሰ ቕትለት ኣይመቱን።
ሓቂ፡ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ቀጻሊ ዝዛረብ ሰብ፡ ዓቕሉ ጸቢብዋ፡ ሓገዝ ከምዝደሊ ንምትምባህ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ብነብሰ ቕትለት ምዝራብ፡ ከም ናይ መወዳእታ ደረጃ ምልክት መደባት ነብሰ ቕትለት እዩ ዝቑጸር።
- ዝኾነ ሰብ፡ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት እንተተዛሪቡካ፡ ብጽንታ፡ ከይኮላለፍካ ስምዓዮም። ሓገዝ ኪኢላ ስነ-ኣእምሮ ወይ ሕክምና ንኽረኽቡ ኣተባብዓዮም።
- እቲ ሰብ፡ ሂወቱ ከሐልፍ ሓሳብ እንተሃሊዋ እተቶ።
- እቲ ሰብ፡ ሂወቱ ከሐልፍ መደብ እንተሃሊዋ እተቶ።
- ብኸመይ ሂወቱ ከሐልፍ ከምዝሃስብ እንተነጊሩካ፡ ነቲ መደባቱ ኣትንዓቆ ወይ ኣይተነኣእሶ። ኩሎም ነብሰ ቕትለት ሓሳባትን መድባት፡ ንኣሽቱ ይምሰሉ ዓበይቲ፡ ዓቢ ጉድኣት ስለ ዝፈጥሩ፡ ብትኩርነት ክርኣዩ ኣለዋም። ገለ ሰባት፡ ዘተባብዑ ዘለው መሲልዋም፡ ነቲ ሓሳባት ነብሰ-ቕትለት ከነኣእስዎ ይኽእሉ እዪም። ንኣብነት፡ “እዋ. . . እንታይ ወሪዱካ ኣታ. . . ነውሪ. . . ሓጥያት. . . ቱፍ በሎ. . .” “ኣጆኻ’ታ. . . ኩሉ ይሓልፍ እንድዩ. . .” እዚ ከምዚ ዓይነት ምላሽ፡ ነቲ ሰብ ሽግሩ ንኸየካፍል ስለ ዝዕንቅጽን፡ ተስፋ ዘቑርጽን፡ ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ብኣግኡ ሓገዝ ክረክብን ሓግዞ።
- ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ኣብዝስመዖ እዋን፡ ብኸመይ ነብሱ ክሕግዝ ከምዘለው፡ መደብ ከውጽእ ሓግዞ። እዚ መድብ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ዝተጨነቐሉ እዋን ክድውለሎም ወይ ክውከሶም ዝኽእል ዓርከ-መሓዛ ወይ ቤተሰብ ኣስማቶም ቀጽሪ ተሌፎኖምን ምድላው፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ብመደብ ምስ መቕርብ ደሃይ ምሃብን ምትሕትታትን . . . ወዘተ ዘጠቓለለ ክኸውን ይኽእል።
ብሂል፡ ፈተነ ነብሰ ቕትለት ወይ ሞት፡ ሃንደበት ብዘይ መጠንቀቕታ እዩ ዘጋጥም።
ሓቂ፡ መብዝሓትኦም ፈተነ ነብሰ ቕትለት ዝገበሩ ሰባት ብዝሕብርዋ መሰረት፡ ብዝተፈላለየ መገዲ (ብግህዶ ትራሕ ዘይኮነ) ንመቕርቦ ከምዝሕብሩ እዮም ዝገልጹ። ዝበዝሕ እዋን፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እቶም ኣጠንቀቕቲ ምልክታት ነብሰ ቕትለት፡ ከይተለለዩ ይሓልፉ እዪም። ገለ ካብቶም ምልክታት ንምጥቃስ፡
- ኣብ ቀረባ እዋን ነብሰ-ቕትለት ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ሞት ናይ ቤተሰብ፡ ኣዝማድ ወይ ዓርከ-መሓዛ።
- ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ፈተነታት ነብሰ ቕትለት እንተሃልዮም።
- ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ወይ ብዛዕባ ሞትን ኣማውታን ብዘይ ምቁራጽ ምሕሳብን ምዝራብን።
- ጸገማት ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ፡ ጸገማት ጠባይ፡ ጸገማት ምውህሃድ ምስ ለውጥታት፡ ንኣብነት፡ ብሰንኪ ጸገም ፈልፍታት ምሰተን ድራግን ዝመጹ ናይ ምውህሃድ ሽግራት። ካብዞም ጸገማት ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ (ንኣነት፡ ትካዘን ጸገም ወልፍን) እንድሕር ብሓንሳብ ኣጋጢሙ፡ ተኽእሎታት ነብሰ ቕትለት ተዓጻጻፊ እዩ ዝኸውን።
- ንብረቶም ንካልኦት ሰባት ሃንደበት ክዕድሉ እንተጀሚሮም፡ ናይ ለበዋ ወይ ቅጽበት ደብዳቤ ምድላው።
- ሃንደበት ዓቢ ለውጢ ኣብ ድቃስ፡ ብዘይ መጠን ብዙሕ ምድቃስ ወይ ጨሪሾም ዘይምድቃስ።
- ሃንደበትን ዓቢ ለውጢ ኣብ ሽውሃት፡ ሚዛን ኣካላትን (ምውሳኽ ወይ ምጉዳል)
- ካብ መቕርብን ዓርከ-መሓዛን ብዘይ ምኽናያት ምርሓቕ ወይ ኣብ ጠባዮም ርኡይ ዝኾነ ለውጢ ምግባር።
- ምስ ካልኦት ሰባት ብእኩም ዝገብርዋ ዝነበሩ ነገራት፡ ምግዳፍ። ንኣብነት፡ ስፖርት፡ ስራሕ፡ ማሕበር . . . ወዘተ።
- ናይ ባህሪ ለውጢ ምርኣይ፡ ንኣብነት፡ ምርባሽ፡ ሃንደበት ገርጨው ምባል ወይ ምሕራቕ፡ ዝንቡዑን ኣዕናውን ጠባያት ምርኣይ፡ ዘይምግዳስ (ብፍላይ ኣብ ሂወቶም፡ ካልኦት ሰባት፡ ጽሬት ኣካላቶምን ጥዕንኦምን)።
- ቀጻሊ ምንጽርጻር ወይ ምኽንያት ዘይብሉ ምብካይ።
- ብቐጻሊ ስሚዒታት ነብሰ ምትሓት፡ ሂወቶም ዋጋ ዘይብላን፡ ፍሽልትን ኮይኑ ይስመዖም።
- ኣብ መጻኢ ሂወቶም ተስፋን ተገዳስነትን የጥፍኡ።
- ሃንደበት መንፈሶም ክበራበርን ሂወት ክመልስን ምርኣይ። እዚ ጽቡቕ እኳ ዝመስል እንተኾነ፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ገለ ካብቲ ዘለውዋ ኣቕዛኒ ስሚዒታት ዘበራብር ምስ ዝኸውን፡ ሂወቶም ንኸሕልፉ ሃንደበት ሓድሽ ሓይሊ ዝፈጠረሎም ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ፡ ቀጻሊ ምክታታል ኣገዳሲ እዩ።
ብሂል፡ ሓደ ሰብ፡ ቅድሚ ሕጂ ሂወቱ ከሐልፍ ፈቲኑ ግን እንተዲሒኑ፡ ካልኣይ ግዜ ሂወቱ ከሐልፍ ኣይፍትንን እዩ።
ሓቂ፡ ቅድሚ ሕጂ ፈተነ ነብሰ ቕትለት ተኻይዱ እንተ ኔሩ፡ ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም ንምትንባይ ዝሕግዙ ምልክታት እዩ።
- እቲ ተኽእሎታት ፈተነ ነብሰ ቕትለት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ወሰኸ እዩ ዝኸይድ።
ብሂል፡ ሓደ ሰብ፡ ሂወቱ ናይ ምሕላፍ ሓሳብ እንተጌሩ፡ ብዝኾነ መገዲ ጠጠው ክተብሎም ኣይትኽእልን ኢኻ።
ሓቂ፡ ነብሰ ቕትለት ብኣግኡ ክውገድ ይኽእል እዩ። ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዋ ሰብ፡ ብብዙሕ መገዲ ክሕገዝ ይኽእል እዩ።
- እዋናውያን ሓገዛት፡ ንኣብነት፡ ምስቲ ሰብ ኮፍ ምባል፡ ንኸዘራርቡኻን ሓገዝ ንኽሓቱን ምትብባዕን ካልእን፡ ነቲ ሓሳባት ወይ መደባት ነብሰ ቕትለት ክዝርጎን ክኣልዮን ይኽእል እዩ።
- ከምዚኦም እዋናውያን ሓገዛት፡ ዋላ’ኳ ቀለልቲ እንተ መሰሉ፡ ኣብቲ ኣጨናቒ ኩነታት ግን፡ ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ዘለዋም። እንተኾነ ግን፡ ኣኸልቲ ስለ ዘይኮኑ፡ ናብ ሕክምና ምኻድ ወይ ምስ ኪኢላ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ።
ብሂል፡ ሂወተይ ከሐልፍ እየ ኢሎም ዘፈራርሑ ሰባት፡ ኣቓልቦ ናይ ካልኦት ሰባት ስለ ዝደልዩ ጥራሕ እዪም።
ሓቂ፡ ኩሎም ሓሳባትን ዘረባታትን ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት፡ ብዕቱብነት ክረኣዩ ኣለዋም።
- ዝኾነ ሓሳባት ወይ ብዛዕባ ነብሰ-ቕትለት ዘረባታት፡ ኣቓልቦ ደልዮም እዮም ኢልካ ሸለል ኣይትበሎ።
- እቲ መንእሰይ፡ ኣቓልቦ ደልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ናይ ካልኦት ሰባት ኣቓልቦ ንምርካብ ከም ፍታሕ ክወስዶ ይኽእል እዩ።
- እቲ ዝረኽብዎ ኣቓልቦ፡ ሂወቶም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ብሂል፡ ነብሰ-ቕትለት ተወርስኣዊ (ካብ ወለዲ) እዩ።
ሓቂ፡ ዋላ’ኳ ነብሰ-ቕትለት ኣብ ሓንቲ ስድራ ብብዝሒ ከጋጥም ዝኽእል እንተኾነ፡ ፈተነታት ነብሰ-ቕትለት፡ ካብ ወለዲ ዝውረስ ኣይኮነን።
- ዝኾነ ሓሳባት ወይ ብዛዕባ ነብሰ-ቕትለት ዘረባታት፡ ኣቓልቦ ደልዮም እዮም ኢልካ ሸለል ኣይትበሎ።
ብሂል፡ ገለ ውሑዳትን ፍሉያትን ሰባት እዮም ሂወቶም ከሕልፉ ዝፍትኑ። ኩሉ ሰብ ኣይኮነን።
ሓቂ፡ ኩሉ ሰብ ንሓሳባትን ፈተነ ነብሰ ቕትለት ክቃላዕ ይኽእል እዩ።
- ብዙሓት መጽናዕትታ ከምዝሕብርዋ፡ ብዝተፈላለየ ኣቃላዕቲ ዝኾኑ ጸገማት ኣእምሮን ኣሉታዊ ባህርታትን ዝሽገሩ ሰባት፡ ናብ ፈተነታት ነብሰ ቕትለት ከምርሑ ይኽእሉ እዮም።
- እቶም ጸገማት ስነ-ኣእምሮን ካልእ ኣሉታዊ ባህርያታትን ዘይብሎም ሰባት (ንኣብነት፡ ትካዘ፡ ጸገም ጠባይ፡ ወልፊ መስተን ድራግን፡ ስሚዒታት ተነጽሎ፡ ሕርቃን . . . ወዘተ) ናብ ፈተነ ነብሰ ቕትለት ከምርሕሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ብጣዕሚ ውሑድ እዩ።
ብሂል፡ ነብሰ ቕትለት ቃንዛ የብሉን።
ሓቂ፡ መብዝሓትኦም ፈተነታት ነብሰቕትለት ብጣዕሚ ሃሰይቲ እዮም።
ብሂል፡ ትካዘን ንሂወት የዕናዊ ዝኾነ ጠባያትን ሳሕቲ እዮም ኣብ መንእሰያት ዝረኣዩ።
ሓቂ፡ ኣብ ኮተቴን መንእሰያትን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘን ኣዕናዊ ዝኾኑ ጠባያትን ብብዝሒ እዮም ዝረኣዩ። ምልክታት ትካዘ ኣብ ኮተቴን ቆልዑን ዝርአ ካብ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን፡ ብብዝሒ የጋጥም እዩ። ኣዕነውቲ ዝኾኑ ጠባያት፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ዕድመ ኮተቴ እዮም ክርኣዩ ዝጅምሩ፡ ካብኡ ኣትሒዞም ድማ እንዳ ወሰኹ ክኸዱ ይጅምሩ።
ብሂል፡ ኩሎም ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዋም መንእሰያት ትኩዛት እዮም ወይ ብጸገም ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ ይሽገሩ እዪም።
ሓቂ፡ ዋላ’ኳ ትካዘ ሓደ ካብቶም ኣጠንቀቕቲ ምልክታት እንተኾነ፡ ሓደ ሰብ ሂወቱ ከሐልፍ ዝፈተነ ግን፡ ትካዘ ክህልዋ ኣለዋ ማለት ኣይኮነን።
ብሂል፡ ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ ነብሰ-ቕትለት ሓንሳብ ክሓስብ ምስ ጀመረ፡ ኣኺሉዋ ንኹሉ ግዜ እዩ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ዝሓስብ።
ሓቂ፡ መብዝሓትኦም መንእሰያት ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ንሓጺር እዋን፡ ሂወቶም ኣብ ጭንቀት ዘለኣትሉ እዋን ጥራሕ እዮም ዝሓስቡ። ጽቡቕ ክንክንን ሓገዝን እንተረኺቦም፡ ካብቲ ሓሳባት ነብሰ-ቕትለት ወጺኦም፡ ምዕሩይን ትርጉም ዘለዋን ሕጉስን ሂወት ክመርሑ ይኽእሉ እዮም።
ብሂል፡ ሂወቱ ናይ ምሕላፍ ሓሳባት ዘለዋ መንእሰይ፡ ባዕሉ ንሂወቱ ክሕግዝ ኣይክእልን እዩ።
ሓቂ፡ ኣብ ሓሳባት ነብሰ-ቕትለት ዝተሸመሙ መንእሰያት፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ግጉይን ዘይምዕሩይን ኣረኣእያ ኣብ ኩነታት ሂወቶምን ኩውንነትን ክህልዎም ይኽእል እዩ። በዚ መጠን ድማ፡ ነብሰ-ቕትለት እንኮ ፍታሕ ኮይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ ጽቡቕ ክንክንን እዋናዊ ሓገዝን ካብ መቕርቦን ኪኢላታት ጥዕናን እንተረኺቦም፡ ምሉእ ብምሉእ ኩነታት ሂወቶም ንኽቆጻጸሩን ከስተኻኽሉን ይኽእሉ እዮም።
ብሂል፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ሓገዝ ወይ ፍታሕ፡ ካብ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዋም ኪኢላታት ስነ-ኣእምሮ ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል።
ሓቂ፡ ንኣብ ጭንቀትን ቅልውላውን ዝርከብ ኮተቴ ወይ መንእሰይ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኩሉ ሰብ ሞራላዊ ሓገዝን ምትብባዕን ከበርክተሉ ይኽእል እዩ። ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ ብዘይ መጠን ሓጋዚ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ሓካይም ዝህብዋ ሓገዝን ምኽርን፡ ኣብ ስድራቤትን ዓርከ-መሓዛን ተሓካሚ ዝተሞርከሰ እዩ።
ብሂል፡ መብዝሓትኦም ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዋም መንእሰያት፡ ጸገሞም ንብዳህ ከነጭራሹ ሓገዝ ኣይሓቱን እዮም።
ሓቂ፡ መጽናዕትታ ከምዝሕብርዋ፡ መብዝሓትኦም ኮርተቴ ሓሳባትን መደባትን ነብሰ ቕትለት ዘለዋም፡ ንመማህርቶም ወይ መሓዝቶም የካፍሉ እዮም። መብዝሓትኦም መንእሰያት ሓሳባትን መደባትን ነብሰ ቕትለት ዘለዋም፡ እንተወሓደ ሓንሳብ፡ ካብቲ ሂወቶም ከሕልፉሉ ዝወሰኑሉ እዋን፡ ከባቢ 3 ወርሒ ቀዲሞም ናብ ሓኪሞም ይኸዱ እዮም። ኮተቴ፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ሓግዝ ምስ ዝደልዩ፡ ብቃል ወይ ኣፎም ኣውጺኦም ኣይሓቱን እዮም። ብተዘወዋሪ መገዲ ምልክታት ጭንቀት ይኹን ለውጢ ኣብ ጠባያት ብምግባር እዮም ምልክት ክህቡ ዝፍትኑ።
ብሂል፡ ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዎም መንእሰያት፡ ኩሎም ጸገም ስነ-ኣእምሮ ዘሎዎም ወይ ብዓይኒ ሕጊ ‘ጹሉላት (Insane)’ እዮም።
ሓቂ፡ ዋላ’ኳ መብዝሓትኦም ሓሳባት ነብሰ ቕትለት ዘለዎም ኮተቴን መንእሰያትን ኣብ ሂወቶም ዘይሕጉሳትን፡ ጸገማት ትካዘን ጭንቀትን ዘርእዩ እንተኾኑ፡ ጽላለ ዘለዋም ኣይኮኑን። እንተኾነ ግን፡ ገለ ብቑጽሪ ዉሑዳት፡ ኩነታት ኣእምርኦም፡ ንመርመራዊ ቅጥዕታት ገለ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ዘማልኡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ብሂል፡ መብዝሓትኦም ነብሰ ቕትለታት፡ ኩነታት ኣየር ናብ ቁሪ (winter) ምስ ተቐየረ እዮም ዘጋጥሙ።
ሓቂ፡ ምስ ወቕቲ ዝተኣሳሰሩ መጽናዕትታት ነብሰ ቕትለታት፡ መብዝሓትኦም ኣብ ዓበይቲ ዝተመርኮሰ እዩ። ብዛዕባ ኮተቴ ዝተኣከቡ ሓበሬታት ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም። እንተኾነ ግን፡ ነብሰ ቕትለት ኣብ ኮተቴ፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ኣብ ጽድያን (Spring) መጀመርያ ክረምትን (Summer) ዘለው ኣዋርሓት እዮም ዘጋጥሙ።
ብሂል፡ ነፍሲ ወከፍ ከጋጥም ዝኽእል ሞት ክውገድ ይከኣል እዩ።
ሓቂ፡ ዋላ’ኳ ቅኑዕ ተበግሶን፡ ድልውነትን፡ ጻዕርን እንተተገብረ፡ ነፍሲ ወከፍ ፈተነ ነፍሰ ቕትለት ዘጋጥም ክውገድ ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ሓሳባት ነፍሰ ቕትለት፡ ሃንደበትን፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ዝጽሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። በዚ መጠን ድማ፡ ንኹሉ ነገር ክትቆጻጸር ኣይከኣልን እዩ።