ጉድለት ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ሓደ ካብቶም ከበድቲ ጸገማት ኣእምሮ ኾይኑ፡ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ቆልዑ ዘሸግር ኮይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ውን ምስ ዕቤት ዝቕጽል እዩ። ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት፡ ዝተፈላለየ ጸገማት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እቲ ዝበዝሕ ግን፡ ጸገም ኣተኩሮ (difficulty sustaining attention)፡ ዋዒ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ንጡፍነትን (hyperactivity) ብዘይ ምሕሳብ ወይ ብድፊኢት ዝትግበሩ ጠባያትን (Impulsive behavior) የጠቓልል።
ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዘለዋም ቆልዑ፡ ብነብሰ ምትሓት፡ ሙዕሩይ ምስ ዓርከ-መሓዛ ምፍጣርን ድኽመት ኣብ ትምህርትን የርእዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ እቶም ምልክታት ምስ ዕድመ እንዳሃድኡ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ሓደ ሰባት ምስዚ ጸገም ተወሃሂዶም ንምሉእ ሂወቶም ምስኡ ክነብሩ ይግደዱ እዪም። እዚ ግን ተስፋ ንሙቕራጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ጸገም ከቃልሉ ዝኽእሉን ብዘይ ጸገም ወይ ብውሑድ መሰናኽላት ብዕዉት ስራሕካን ሂወትካን ክተሰላስል እትኽእለሉ ስትራተጂታት ወይ ሜላታት ኣቐዲምካ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።
ዝተፈላለዩ ሕክምናታት ንጸገም ልዑል ንጡፍነት ወይ ኣተኩሮ ንምብዳህ ዝሕግዙና ኣለው። እዞም ሕክምናታት ግን፡ ነዚ ጸገም ጨሪሾም ከጥፍእዎ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣሸገርቲ ምልክታትን ጸገማትን ንምቅላል እዩ። እዞም ሕክምናታት፡ መድሃኒትን ናይ ባህሪ ለውጥታትን ዘጠቓለሉ ኾይኖም፡ ኣቐዲሙ ወይ ብኣግኡ እቲ ጸገም እንተለልዩ፡ ብዙሕ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ እዮም።
ኩነታትናን ኩነታት ደቅናን ክንግምት፡ ነዞም መርመሪ መሕትት ብምምላእ ግምት ክንወስድ ንኽእል።
ምልክታት ጸገም ኣተኩሮን ልዑል ንጡፍነትን እንታይ ይመስሉ?
እቶም ቀንዲ ምልክታት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት፡ ጸገም ኣተኩሮን ካብ መጠን ንላዕሊ ዋዒ ወይ ንጡፍነትን ሃንደበታዊ ወይ ብዘይ ምስትውዓል ዝርኣዩ ጠባያትን እዮም። ዝበዝሕ እዋን፡ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት፡ ቅድሚ ዕድመ 12 ዝጅምር ኮይኑ፡ ሳሕቲ ግን፡ ኣብ ገለ ቆልዑ፡ እዞም ምልክታት ኣብ ከባቢ 3 ዓመት ኣቢሎም ክርኣዩ ይጅምሩ እዮም። እዞም ምልክታት ብደረጃ ክብደቶም፡ ቀለልቲ (mild); ማእከላይ ጸገም (moderate) ወይ ከቢድ ጸገም (severe) ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ዋላኳ ብብዝሒ ኣብ ቆልዑ ዝረኣዩ እንተኾኑ፡ ሕክምናን ኣልያን እንተዘይ ረኺቦም፡ ምስቲ ሰብ ውን ኣብ ዕቤት ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም።
ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝርአ። እቶም ምልክታት ድማ ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ተነስትዮን ዝረኣዩ ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝበዝሕ እዋን ብልዑል ንጡፍነት ክሽገሩ ኸለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮት ግን ብጸገም ኣተኩሮ ይሽገራ።
ሰለስተ ክፋላት ወይ ዓይነታት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ኣለዉ፡
- ዝበዝሕ ጸገም ኣተኩሮ (Inattentive Type)፡ እቶም ዝበዝሑ ምልክታት ምስ ጸገም ኣተኩሮ ዝተኣሳሰሩ ይኾኑ
- ዝበዝሕ ጸገም ልዑል ንጡፍነት (Hyperactive/Impulsive Type)፡ እቶም ዝበዝሑ ምልክታት ምስ ጸገም ልዑል ንጡፍነት ዝተኣሳሰሩ ይኾኑ
- ክልቲኡ ጸገም ኣተኩሮን ልዑል ንጡፍነትን (Combined Type)፡ እቶም ምልክታት ምስ ክልቲኡ ጸገም ኣተኩሮን ልዕሉ ንጡፍነት ወይ ብዘይ ምስትውዓል ዝግበሩ ቅጽበታውያን ጠባያት ዝተኣሳሰሩ ይኾኑ።
ሓደ ቆልዓ ብጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ይሽገር ንኸይህሉ፡ ነዞም ዝስዕቡ መለኪዒታት ተጠቒምና ግምት ክንወስድ ንኽእል።
መለክዒ ነጸርታ
ሀ. ብ (1)ን/ወ (2)ን ዝግለጽ ምስ ተገባብሮ ወይ ምዕባለ ዝዕንቅጽ ቀጻሊ ዝጸንሕ ኣቀዋውማ ዘይምቕላብን ወይ ኣመና ንጡፍነት-ደራኺነትን፡
1. ዘይምቕላብ (Inattention)፡ ሽዱሽተ ወይ ልዕሊኡ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት፡ እንተወሓደ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ደረጃ ምዕባለ ዘይቃዶን ብቐጥታ ንማሕበራዊን ኣካደምያዊ ወይ ሞያዊ ንጥፈታትን ብኣሉታ ዝጸሉን መጠን።
መዘኻኸሪ፡ እቶም ምልክታት መግለጺ ተቓውሞኣዊ ጠባይ፡ ምሕንጋድ፡ ተጻይነት፡ ወይ ንዕማም ወይ መምርሒ ኣብ ምርዳእ ምፍሻል ጥራይ ኣይኮኑን። ንዕብይ ዝበሉ ኮተቴታትን ኣባጽሕን (ዕድመ 17ን ልዕሊኡን)፡ እንተወሓደ ሓሙሽተ ምልክታት የድልዩ።
ለ. መብዛሕትኡ እዋን ንዝርዝር ወይ ደቀቕቲ ነገራት ጽኑዕ ኣቕልቦ ምግባር ይፈሽሉ ወይ ኣብ ዕዮ ክፍሊ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ እዋን ካልኦት ንጥፈታት ናይ ሸለልትነት ጌጋ ይፍጽሙ። (ንኣብነት ንዝርዝር ወይ ደቀቕቲ ነገራት ዘይምቕላብ ወይ ምስሓት፡ ስራሕ ትኽክል ዘይኮነ)።
በ. ዝበዝሕ እዋን ኣብ ዕማም ወይ ንጥፈታት ጸወታ ቀጻልነት ዘለዎ ኣቓልቦ ምህላው ይሽገሩ። (ንኣብነት ኣብ እዋን ኣስተምህሮ፡ ዝርርብ ወይ ንውሕ ዝበለ ንባብ ንንውሕ ዝበለ ኣተኩሮ ምግባር ምሽጋር)።
ሐ. ዝበዝሕ እዋን ብቐጥታ ክትዛረቦም ከለኻ ዝሰምዑ ዘለዉ ኣይመስሉን። (ንኣብነት ዋላ’ውን ዝኾነ ርኡይ ኣቕልቦ ዝሰልብ ነገር ኣብ ዘይብሉ፡ ኣእምሮኦም ኣብ ካልእ ዘሎ ይመስል)።
መ. ዝበዝሕ እዋን መምርሒ ኣብ ዝወሃበሉ ኣይከታተሉን፡ ንዕዮ ክፍሊ፡ ስራሕ ገዛ ወይ ሓላፍነታት ኣብ ቦታ ስራሕን ድማ ኣብ ምዝዛም ይፈሽሉን። (ንኣብነት ዕማም ይጅምሩ እንተኾነ ቀልጢፎም ኣተኩሮኦም የጥፍኡን ብቐሊሉ ሓሳቦም ይቕይሩን ወይ ይስረቑን)።
ረ. ዝበዝሕ እዋን ንዕማማትን ንጥፈታትን ኣብ ምውዳብ ይሽገሩ። (ንኣብነት መስርዓዊ ዕማማት ኣብ ምውጋድ ምሽጋር፣ ነገራትን ውልቃዊ ንብረትን ብስርዓት ኣብ ምሓዝ ምሽጋር፣ ግዕዙይ፡ ዝተዘራረገ ስራሕ፣ ድኹም ምሕደራ ግዜ ምህላው፣ ሓጹር ግዜ ኣብ ምሕላው ምፍሻል)።
ሰ. ዝበዝሕ እዋን ቀጻሊ ኣእምሮኣዊ ጻዕሪ ዘድልዮ ስራሕ ካብ ምስታፍ የወግዱ፡ ይጸልኡ ወይ ዕጥይጥይ ይብሉ። (ንኣብነት ዕዮ ክፍሊ ወይ ዕዮ ገዛ፣ ንዕብይ ዝበሉ ኮተቴታትን ኣባጽሕን ድማ ጸብጻብ ምድላው፡ ቅጥዒታት ምዝዛም፡ ነዋሕቲ ወረቓቕቲ ምትንታን)።
ሸ. ዝበዝሕ እዋን ንዕማማት ወይ ንጥፈታት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ይጠፍኦም። (ንኣብነት ናውቲ ትምህርቲ፡ ርሳሳት፡ መጻሕፍቲ፡ መሳርሒታት፡ ማሕፉዳታት፡ መፋትሕ፡ ዕዮ ወረቐት፡ መነጽር ዓይኒ፡ ሞባይል ቴለፎናት)።
ቀ. ዝበዝሕ እዋን ብግዳማዊ ድፍኢት ብቐሊሉ ኣቕልቦኦም ይስለብ። (ንዕብይ ዝበሉ ኮተቴታትን ኣባጽሕን ከም ዘይዛመዱ ሓሳባት ከጠቓልሉ ይኽእሉ)።
በ. ዝበዝሕ እዋን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ረሳዕቲ እዮም። (ንኣብነት ስራሕ ገዛ ምስራሕ፡ መልእኽቲ ምብጻሕ፡ (ንዕብይ ዝበሉ ኮተቴታትን ኣባጽሕን ድማ ከም መልእኽቲ ቴለፎን ምምላሽ፡ ምኽፋል ክፍሊት ቢል/ዕዳ፡ ቆጸራ ምኽባር)።
2. ኣመና-ንጡፍነትን ድርኺትነትን (Hyperactivity and impulsivity)፡ ሽዱሽተ ወይ ልዕሊኡ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተወሓደ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምስ ደረጃ ምዕባለ ዘይቃዶን ብቐጥታ ንማሕበራዊን ኣካደምያዊ ወይ ሞያዊን ንጥፈታት ብኣሉታ ዝጸሉን፣ መዘኻኸሪ፡ እቶም ምልክታት መግለጺ ተቓውሞኣዊ ጠባያት፡ ምሕንጋድ፡ ተጻይነት፡ ወይ ንዕማማት ወይ መምርሒታት ኣብ ምርዳእ ምፍሻል ጥራይ ኣይኮኑን። ንዕብይ ዝበሉ ኮተቴታትን ኣባጽሕን (ዕድመ 17 ወይ ልዕሊኡ)፡ እንተወሓደ ሓሙሽተ ምልክታት የድልዩ።
ሀ. ዝበዝሕ እዋን ፍሕትሕት ይብሉ ወይ ብኣእዳዎም ወይ ኣእጋሮም ይጥብጥቡ ወይ ኣብ ኮፍ መበሊኦም የዕለብጡ።
ለ. ዝበዝሕ እዋን ኮፍ ኢሎም ክጸንሑ ኣብ ትጽበዮ እዋን ኮፍ መበሊኦም ይሓድጉ። (ንኣብነት ኮፍ መበሊኦም ኣብ ክፍሊ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወይ ካልእ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ወይ ካልእ ኣብ ቦታኻ ምጽናሕ ዝጠልቡ ኩነታት ንሱ/ሳ ቦታኡ/ኣ ይሓድጉ)።
ሐ. ዝበዝሕ እዋን ኣብ ዘይግባእ ኩነታት ይጎዩ ወይ ይሓኹሩ። (መዘኻኸሪ፡ ኣብ ኮተቴታት ወይ ኣባጽሕ፡ ምስ ስምዒት ዘይምቕሳን ዝተሓጸረ ክኸውን ይኽእል።)
መ. ዝበዝሕ እዋን ኣብ ትርፊ ግዚኦም ብህድኣት ክጻወቱ ወይ ክነጥፉ ኣይክእሉን።
ረ. መብዛሕትኡ እዋን “ብዋኒን ጽሙዳት”፡ ከም ብ”ሞተር ዝዝወሩ” ኮይኖም ይዋስኡ። (ንኣብነት ንዝተናውሐ እዋን ከም ኣብ ቤት መግቢ፡ ኣኼባታት ረጊኦም ኮፍ ክብሉ ኣይክእሉን ወይ ኣይምችኦምን። ምናልባት ብኻልኦት ከም ዘይርጉኣት ወይ ማዕረ ማዕረኦም ክትከይድ ኣጸገምቲ ክኾኑ ይኽእሉ)።
ሰ. ዝበዝሕ እዋን ልዕሊ ዓቐን ይዛረቡ።
ሸ. ዝበዝሕ እዋን ሕቶ ከይተዛዘመ ከሎ መልሲ ይድርጉሑ። (ንኣብነት ናይ ሰባት ምሉእ ሓሳባት ይዛዝሙሎም፣ ኣብ ዝርርብ ግዲኦም ክጽበዩ ዝይክእሉን)።
ቀ. ዝበዝሕ እዋን ግዲኡ ወይ ግዲኣ ኣብ ምጽባይ ይሽገሩ። (ንኣብነት ሪጋ ኣብ ዝጽበዩሉ እዋን)።
ቐ. ዝበዝህ እዋን ንካልኦት ይኾልፉ ወይ ጠብሎቕ ይብሉ። (ንኣብነት ናብ ዕላላት፡ ጸወታታት ወይ ንጥፈታት ጠብሎቕ ይብሉ፣ ፍቓድ ከይሓተቱ ወይ ከይተዋሃቡ ናይ ካልኦት ሰባት ኣቓሑ ክጥቀሙ ይጅምሩ፣ ንዕብይ ዝበሉ ኮተቴታት ወይ ኣባጽሕ፡ ዝኾነ ይኹን ካልኦት ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ነገራት ጠብሎቕ ይብሉ ወይ ይቆጻጸሩ)።
በ. ሓያለ ናይ ዘይምስትብሃል ወይ ኣመና ንጡፍነት-ደራኺነት ምልክታት ቅድሚ 12 ዕድመ ዝነበሩ እዮም።
ተ. ሓያለ ናይ ዘይምስትብሃል ወይ ኣመና ንጡፍነት-ደራኺነት ምልክታት ኣብ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ኩነታት ህሉዋት እዮም። (ንኣብነት ኣብ ገዛ፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ፣ ምስ ኣዕሩኽቲ ወይ ኣዝማድ፣ ኣብ ካልእ ንጥፈታት)።
ቸ. እቶም ምልክታት ኣብ ዓይነት ማሕበራዊ፡ ኣካደምያዊ ወይ ሞያዊ ትግባረ ጣልቃ ከም ዝኣትዉ ወይ ዘጉድልዎ ንጹር ዝኾነ ጭብጢ ኣሎ።
ኢ. እቶም ምልክታት ኣብ መስርሕ ስኪዞፍረንያ ወይ ካልእ ኣእምሮእዊ ሕማም ጥራሕ ብፍሉይ ዘጋጥሙ ክኾኑ የብሎምን። ከምኡ’ውን ብኻልእ ኣእምሮኣዊ ጸገም (ንኣብነት ጸገም ኩነተ-ኣእምሮ፡ ሕማም ሻቕሎት፡ ጸገም ተነጽሎ፡ ጸገም ሰብኣዊ መንነት፡ ብባእታት ምስካር ወይ ምምራዝ ወይ ምቁራጽ መስተን ወልፍታትን) ብዝበለጸ ኣይግለጹን እዮም።
ዝርጋሐ (Prevalence)
ግምገማ ህዝቢ ከም ዝእምሞ፡ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ኣብ መብዛሕትኦም ባህሊታት ዳርጋ ኣብ 5% ህጻናትን 2.5% ኣባጽሕን ከምዝኽሰት’ዩ ዝሕብር።
ሓደጋን ረቛሒታት ገምጋማዊ ኣመዓባብላን
ስምዒታውነትት ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ምስ ዝጎደለ ጠባያዊ ሕንከት፡ ጻዕሪ ዝበዝሖ ቁጽጽር፡ ግዳደ፡ ኣሉታዊ ስምዒታውነት፡ ንዝበረኸ ብርቅነት ምንዳይን ዝተኣሳሰረ እዩ። ከምዚ’ም ዝኣመሰሉ መለለዪ ባህርያት፡ ንገለ ህጻናት ናብ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ከቃልዕዎም ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን፡ ነዚ ሕማም ጥራይ ዝውሰኑ ኣይኮኑን።
ከባብያዊ፡ ምውላድ ኣዝዩ ትሑት ሚዛን ዕሸል (ትሕቲ 1,500 ግራም) ንተጠቃዕነት ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ዕጽፊ የቃልዕ። ይኹን’ምበር፡ ብዙሓት ብትሑት ሚዛን ሰብነት ዝጥቅዑ ህጻናት ነዚ ጸገም ኣየማዕብሉን እዮም። ዋላ’ኳ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ምስ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝተኣሳሰር እንተኾነ፡ ገለ ካብዚ ምትእስሳር ንሓፈሻዊ ተወርሶኣዊ ተጠቃዕነት የንጸባርቕ እዩ። ውሑዳት ጉዳያት ምስ ግብረ መልሲ ንመዳያት መግቢ ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ታሪኽ ዓመጽ ቆልዓ፡ ሸለልትነት፡ ሓያለ ግዜ መንበሪ መናበዪ ምልዋጥ፡ ምቅላዕ ንመርዚ መትኒ (ንኣብነት ዓረር)፡ ረኽስታት (ንኣብነት ነድሪ ሓንጎል)፡ ወይ ኣብ ማህጸን ከሎ ዕሸል ንኣልኮል ምቅላዕ ክህሉ ይኽእል እዩ። ምቅላዕ ንኣከባብያዊ መረዝቲ ምስ ቀጺሉ ዝስዕብ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ተኣሳሲሩ እዩ። እንተኾነ እዞም ምትእስሳራት ብወዝቢ ዘጋጥሙ እንተኾይኖም ኣይፍለጥን እዩ።
ተወርሶኣዊን ስነ-ህይወታዊን፡ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ኣብ ቀዳማይ-ደረጃ ባይሎጅያዊ ኣዝማድ ብሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዝተጠቕዑ ውልቀሰባት ዝላዓለ እዩ። ተወርሰኣውነት ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ውሱናት ፈርዕታት ምስ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዝተኣሳሰሩ እኳ እንተኾኑ፡ ግዴታዊ ወይ እኹላት ጠንቃዊ ረቛሒታት ግን ኣይኮኑን። ናይ ምርኣይን ምስማዕን ጉድለታት፡ ጸገማት ምህናጽን ምንዳቕን መኣዛዊ መግብታት ኣብ ዋሃዮታት(ሜታቦላዎ ጸገማት)፡ ጸገማት ድቃስ፡ ሕጽረት መኣዛታት መግቢን፡ ሕማም ምንፍርፋርን ከም ክዉን ጽልዋታት ኣብ ምልክታት ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ኣብ ግምት ክኣትዉ ይግባእ። ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ምስ ውሱናት ኣካላዊ ጠባያት ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር መጠን ንኣሽቱ ኣካላዊ ዘይንቡርነት (ንኣብነት ኣብ መንጎ ክልተ ክፋላት ሰብነት ዘሎ ርሕቀት ምውሳኽ፡ ልዑል ቀስታዊ ቅርጺ ትንሓግ፡ ትሑት ኣቃውማ ኣእዛን) ብተዛማዲ ክብርኽ ይኽእል እዩ። ረቂቕ ምድንጓይ ኣንቀሳቓሲ መትኒን ካልኦት ፈኮስቲ ስነ-መትናዊ ምልክታትን ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም። (ርኡይ ሓቢሩ ዝኽሰት ደርገፍገፍ ምባልን ምድንጓይ ኣንቀሳቓሲ መትኒን በበይኖም ኮድ ክወሃቦም ከዘለዎም ኣስተብህል። ንኣብነት ጸገም ምዕባለኣዊ ምውህሃድ።)
ምስ ጾታ-ዝተኣሳሰሩ ነጸርታዊ ጉዳያት
ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ካብ ኣብ ደቀንስትዮ ዝያዳ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝርአ ኮይኑ፣ ኣብ ህጻናት ኣስታት 2፡1፣ ኣብ ኣባጽሕ ድማ 1.6፡1 ይበጽሕ። ደቀንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ቀዳምነት ብዝንጉዕ ጠባያት ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ኣለወን።
ተግባራዊ ሳዕቤናት ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ
ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ምስ ዝተሓተ ብቕዓት ትምህርቲን ኣካደምያዊ ዓወትን፡ ማሕበራዊ ንጽገትን፡ ኣብ ኣባጽሕ ዝደኸመ ሞያዊ ትግባረ፡ ዓወት፡ ተሳትፎን፡ ዝለዓለ ተኽእሎ ሽቕለት-ኣልቦነትን ከምኡ’ውን ዝበረኸ ሓድሕዳዊ ግርጭትን ዝተኣሳሰረ እዩ። ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዘለዎም ህጻናት፣ ካብ’ቶም እዚ ጸገም ዘይብሎም መሳቱኦም ብዝለዓለ ጸገም ባህሪ ኣብ እዋን ኩትትናን ጸገም ጸረ-ማሕበረሰብ ሰብኣዊ መንነት ድማ ኣብ እዋን ብጽሕናን ከማዕብሉን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንጸገማት ወልፍታትን ማእሰርቲን ዝለዓለ ተጠቃዕነት ይህልዎም። ናይቲ ዝስዕብ ኣጠቓቕማ ጸገም ዝለዓለ እዩ። ብፍላይ ድማ ጸገም ጠባይ ወይ ጸረ-ማሕበረሰብ ሰብኣዊ መንነት ምስ ዝምዕብል። ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዘለዎም ውልቀሰባት ካብ መሳቱኦም ንላዕሊ ክጉድኡ ዝላዓለ ተኽእሎ ኣለዎም። ሓደጋ ትራፊክን ግህሰትን ኣብ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዘለዎም መራሕቲ መካይን ይዛይድ። ኣብ ሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዘለዎም ውልቀሰባት ዝለዓለ መጠን ክራሸ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ዘይእኹል ወይ ዝፈላለ ባዕላዊ-ምምልካት ንቀጻሊ ጻዕሪ ዘድልዮም ዕማማት፣ ዝበዝሕ እዋን ብካልኦት ከም ትህኪት፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ወይ ኣብ ምትሕብባር ምፍሻል ኮይኑ ይትርጎም እዩ። ስድራቤታዊ ዝምድናታት ብዘይምቅዳውን ኣሉታዊ ዝምድናታትን ክግለጹ ይኽእሉ እዮም። ዝምድና ምስ መሳቱ ዝበዝሕ እዋን ነቲ ብሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዝተጠቕዐ ውልቀሰብ ብመሳቱ ምንጻግ፡ ሸለልትነት፡ ወይ ባጫን ይዝረግ እዩ። ዋላ’ኳ ልዑል ፍልልይ እንተሃለወ፡ ብገምጋም ብሕማም ጉድለት ንጡፍ ኣስተብህሎ ዝጥቅዑ ውልቀሰባት ካብ መሳቱኦም ዝተሓተ ትምህርቲ ይረኽቡ፣ ዝደኸመ ሞያዊ ዓወት ይህልዎምን፡ ዝተሓተ ኣእምሮኣዊ ውጽኢት የመዝግቡን። ኣብቲ ዝበኣሰ ኩነት፡ እቲ ጸገም ብርኡይ ዝጎድእ፡ ንማሕበራዊ፡ ስድራቤታዊን ትምህርታዊ ወይ ሞያዊን ምልምማድ ዝጸሉ እዩ።
ኣካደምያዊ ድኽመታት፡ ምስ ትምህርቲ-ዝተኣሳሰሩ ጸገማትን፡ ሸለልትነት መሳቱን ዝያዳ ምስ ዝዛየደ ምልክታት ዝንጋዐ ዝተኣሳሰሩ ይመስሉ። እንተኾነ፡ ምንጻግ መሳቱን ብዝወሓደ መጠን ድማ ሓደጋዊ ማህሰይቲን ምስ ርኡይ ምልክታት ኣመና ንጡፍነትን ደራኺነትን ዝያዳ ይጎልሑ።
ምክልኻል (Prevention)
ተኽእሎታት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ንምጉዳል፡
- ኣብ ግዜ ጥንሲ፡ ነቲ ዕሸል ክጎድኡ ዝኽእሉ ነገራት ኣወግድ። ንኣብነት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ንምዝናይ ዝሕግዙ ሓሽሽን ድራግን ወይ ትባኾ/ሽጋራ ምትካኽን። እዚ ማለት ግን፡ እቲ ቆልዓ ብጸገም ትኩርነት ወይ ልዑል ንጡፍነት ስለ ዝተሸገረ፡ እታ ኣደ መስተ ሰትያ ወይ ሽጋራ እትኪኻ ማለት ኣይኮነን።
- ንውላድካ ካብ መርዛማት ቀመማትን ብከላ ዘለዎ ከባቢታትን ተኸላኸለሎም። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢኻ ሽጋራ ንዘትክኹ ወይ ሊድ ዘለዋ ቦያ (Lead paint).
- ግዜ ተለብጂን፡ ቪድዮ ጌም፡ ሞባይል ተለፎን ኣጉዱሎ። ዋላኳ ኣሉታዊ ጽልዋታት ተለቪጂን፡ ኣብ ቪድዮ ጌምን ተለፎንን ተድፊእካ ምውዓል ማዕረክንደይ ጸገም ከምዝፈጥር ብመጽናዕትታት ጌና ተዘይነጸረ፡ ክሳብ ዕድመ 5 ዝበጽሑ ምውጋድ ወይ ምጉዳል ግን ብዙሕ ጥቕምታት ከምዘለዋን እዩ ዝግለጽ።
ምስ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዝመሳሰሉ ጸገማት ኣእምሮን ካልእን
ብዙሓት ጸገማት ኣእምሮ፡ ኣካልን ጥዕናን ዝተፈላለዩ መድሃኒታትን ሕክምናታትን ምስ ምልክታት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ዝመሳሰሉ ምልክታት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡
- ጸገም ቋንቋ (Learning or language problems)
- ጸገማት ትካዘን ጭንቀትን (Mood disorders such as depression or anxiety)
- (Seizure disorders)
- ጸገም ምርኣይን ምስማዕን (Vision or hearing problems)
- ጸገም ኦቲዝም (Autism spectrum disorder)
- ንኣተሃሳስባ ወይ ጠባያት ክትንክፉ ዝኽእሉ ሕክምናዊ ጸገማት ወይ መድሃኒታት (Medical problems or medications that affect thinking or behavior)
- ጸገም ድቃስ (Sleep disorders)
- ማህረምቲ/መጉዳእቲ ሓንጎል (Brain injury)
ተወሳኺ ኣርእስትታት. . .