እዞም ኣብዚ ገጽ ተጠቒሶም ዘለው ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስነ-ኣእምሮ ጥዕና ሃበሬታ ንምርካብ ዝሕግዙና መባእታዊ ጽሑፋት እዮም። በዚ ተመርኩስና ድማ ሓፈሻዊ ኣፍልጦና ኣኻዕቢትና፡ ኩነታት ጥዕናና ወይ ጥዕና መቕርብና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከብ ገሚትና: ብኣግኡ ጉዳይ ኣእምሮና ክንከታተል ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ መፍቲሒ ወይ ውን ከምዘለዎ ብዘይ ናይ ኪኢላ ስነ-ኣእምሮ መርመራን ምኽርን ክንጥቀመሉ ኣይኮነን ተዳልዩ። ህጹጽ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምስዘድልዪኩም/ክን ኣብ ከባቢኹም/ኽን ንዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ረዲኤት ኣግልግሎት ክትውከሱ/ሳ ብትሕትና ንሕብር። ብውልቂ ዝሕተቱ ሕቶታት፡ ርኢቶታት፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ይኹን ኩነታት መርመራ ብሰንኪ ዝመጹና ብዝሒ ሕቶታት ንግዚኡ ክንምልስ ከምዘይንኽእል፡ ኣጸዲምና ይቕሬታ እንዳሓተትና፡ ብትሕትና ክንሕብር ንፈቱ።
– ጭንቀትን ትካዘን ኣብ ኮተቴ (Adolescents)
– ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ኣብ ቆሊዑ (Childhood- ADHD)
– ምትሃት በይንነት ወይ ኦቲዝም (Autism spectrum)
– ስንካለ (ምዕባለ) ኣእምሮ (Intellectual Disability)
– ምምዝባል ጸገም ቀልቀልን ሽንትን (Elimination disorders)
– ትካዘ ድሕረ- ሕርሲ (Postpartum Depression)
- መርመራ ጭንቀት (Anxiety Disorder Test)
- መርመራ ስነ ኣእምሮኣዊ ትካዘ (General Depression Test)
- መሕትት ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ኣብ ቆሊዑ (Childhood- ADHD Test)
- መርመራ ጸገም ኣተኩሮ ወይ ልዑል ንጡፍነት ኣብ ዓበይቲ (Adult – ADHD)
- መርመራ ስነ ኣእምሮኣዊ ስንባደ (Posttraumatic Stress Disorder Test)
- መሕትት ሓሳባትን መደባትን ነብሰ ቕትለት (ብኣለይቲ፡ ወለዲ፡ መቕርብ ክምላእ ዘለዋ)
- መሕትት ሓሳባትን መደባትን ነብሰ ቕትለት (ባዕልና ንነብስና ክንመልኦ ዘለና)



