ዝርገሐ ነብሰ-ቕትለት ኣብ ሕ.መ.ኣ
- ማእከላይን ካልኣይ ደረጃን ዘለው ተመሃሮ መንእሰያት (12-18 ዕድመ)፡ ነብሰ ቕጥለት 2ይ ደረጃ ይሕዝ (For middle and High school, age 12-18, suicide is the 2nd leading cause of death.)
- ኣብ ኮለጅ ተመሃሮ (18-22 ዕድመ) ድማ፡ 2ይ ደረጃ ይሕዝ (For college youth (ages 18-22), suicide is the 2nd leading cause of death)
- ሓፈሻዊ ኣብ ክሊ ዕድመ 10-24 ዘለዉ፡ ነብሰ ቕትለት 2ይ ደረጃ ይሕዝ (Overall, suicide is the 2nd leading cause of death for youth ages 10-24)
- ኩሎም መንእሰያት ብሰንኪ ካንሰር/መንሽሮ፡ ልቢ ድኻም፡ ኤይድስ፡ ተፈጥሮኣዊ ሕማም፡ ወቕዒ/ስትሮክ፡ ኑሞንያ፡ ኢንፍልወንዛ፡ ናይ ሳንቡእ ጸገም ዝመቱ ደሚርካ፡ ክንዲ’ቶም ብነብሰ ቕትለት ዝመቱ ኣይመጹን እዮም። (More teenagers and young adults die from suicide than from Cancer, heart disease, AIDS, birth defects, Stroke, pneumonia, influenza, and chronic lung disease, COMBINED!!)
- ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከባቢ 3041 መንእሰያት ተመሃሮ (ደረጃ ትምህርቲ ካብ 9ይ ክሳብ 12 ዘለው) ነፍሰ-ቕትለት ይፍትኑ። (There are 3,041 suicide attempts by young people grade 9-12 every day in the US.)
- 4 ካብ 5 ነፍሰ-ቕትለት ዝፍትኑ፡ ንጹር ዝኾነ ምልክታት የርእዩ እዮም። (Four out of five teens who attempt suicide have given clear warning signs.) እብታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ምልክታት ተመልከት።
ናይ ነብሰ-ቕትለት ክፍጽም ዝሓስብ ወይ ዝደሊ ዘሎ ሰብ ሓበርቲ ምልክታት
ሀ. ካብ 50-75% ነብሶም ከጥፍኡ ዝደልዩ ሰባት፡ ሂወቶም ከሕልፉ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ ሓበርቲ ምልክታት የርእዩ ኢዮም። ሓደ ካብዞም ምልክታት እዚኦም ድልየት ናይ ሞት ከምዘለዎም ብተደጋጋሚ ምጥቃስ ኢዩ።
ለ. ትካዘ፡ ምሕዛን፡ ወይ ብዙሕ ናይ ባህሪ ምቅይያር ምርኣይ
ሐ. ዝን ምባል:- ብፍላይ ድማ ካብ የዕሩኽቲ ይኹን መቕርብ መሓዙት ምርሓቕ። ኣብ መዓልታዊ ዝገብርዎም ስራሓት ይኹኑ ዘሐጉስዎም ንጥፈታት ተገዳስነት ምጉዳል ወይ ምጥፋእ።
መ. ናይ ባህሪ ለውጢ፦ ምሕዛን፡ ዝንታ፡ ናይ ሓንጎል ርባሼ፡ ቁጥዐ፡ ኣካላውን ስሚዒታዊ ድኻም፡ ምው’ልዋል፡ ኣብ ገጽና ዝንጸባረቑ ስምዒታት ዘይምርኣይ።
ሰ. ናይ ጠባይ ለውጢ፦ ኣብ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ወይ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኣተኩሮ ምጉዳል።
ረ. ናይ ድቃስ ለውጢ፦ ድቃስ ምእባይ፡ እኹል ዘይምድቃስ ወይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምድቃስ፡ ምብህራር።
ሸ. ለውጢ ሸውሃትን ኣመጋግባን፦ ዘይተደልየን ዘይንቡር ነብሰ-ሚዛን ምጉዳል ወይ ከኣ ምውሳኽ፡ ብሰንኪ ጭንቀት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ምምጋብ።
ቀ. ቅድሚ ሕጂ ብቐሊሉ ክኣልይዋም ዝኽእሉ ዝነበሩ ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኮይኖም ዝስምዕዋም ወይ ዓቕሎም ክጽብብሎም እንተጀሚሮም ወይ ውን ናይ ምቁጽጻር ዓቕሞም እንተጎዲሉ። ኣብ ነብሶም ይኹን ካልኦት ሰባት መጉዳእቲ ከውርዱ ይሓስቡ እንተኾይኖም።
ቐ. ነብስኻ ዘይምልዓል:- ጭሕምኻ ይኹን ጾግርኻ ዘይምቑራጽን ዘይምምሻጥን፤ ነብሰ-ጽሬት ዘይምሕላው።
ተወሰኽቲ ምልክታት ክነስተባህለሎም ዘለና
- እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ምስተስተባህል
- ተስፋ ምቁራጽ
- ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ሕርቃን ወይ ሕነ ክፈዲ ምድላይ
- ብብዝሒ ኣልኮሆልን ድራግ ምውሳድ
- ዝንቡዕ ኣካይዳ
- ኣብ መጻወድያ ዝኣተወ/ት ኮይኑ ክስመዖም ከሎ
- ጭንቀት፡ ነውጺ፡ ክቱር ድቃስ ምስኣን ወይ ተደጋጋሚ ድቃስ ምብዛሕ
- ቅጽበታዊ ናይ ስሚዒት ለውጥታት (ንኣ፡ ካብ ሕጉስ ናብ ቅዙን መንፈስ ተደጋጋሚ ምቅይያር)
- ዘይንቡር ሽውሃት ምስኣን ወይ ምኽፋት
- ትርጉም ሂወት ምስኣን
ንነብሱ ከጥፍእ ዝሓስብ ዘሎ ሰብ ንምሕጋዝ ክትገብሮም ዝግብኣካ ነገራት
ሀ. ከይተመሳመስካ/ኪን ከይፈራሕካ/ኪ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሕተት/ቲ፥
- ነብስኻ ክተጥፍእ/ኢ ሓሳብ ወይ መደብ ኣላካ/ኪ ድዩ፧
- ብኸመይ መንገዲ ነብስኻ/ኺ ክትቀትል/ሊ ትሓስብ ኣለኻ፧ እንታይ ዓይነት መሳርሒታት(መድሃኒታት፡ ሽጉጥ፡ ካራ፡ ገመድ ወይ ገመድ-መሰል፡ ምስ ተሰተየ ጎዳኢ ዝኾነ ኬሚካል) ክትጥቀም ትሓስብ/ቢ ኣለኻ/ኺ፧
- ጭንቀት ኣለካ/ኪ ድዩ ወይ ትጭነቕ/ቒ ኣለኻ/ኺ ዲኻ፧
- ናይ ስነ-ኣእሙራዊ ጥዕና ሓኪም ወይ ቴራፒስት ትውከስ ዶ፧ ናይ ስነ-ኣእምሮ መድሃኒት ከ ትወስድ/ዲ ኣለኻ/ኺ ዲኻ/ኺ፧
ለ. ኣተኲርኻ ብልቦናን ፍቕርን ጽን ኢልካ/ኪ ምስማዕ
- እቲ ዝነግሩኻ ነገራት ኣስተውዒልካ ስማዕ፡ ኣይትካታዓዮም፡ ኣይተፈራርሓዮም፡ ዓው-ዓው ኢልካ ኣይትመልሰሎም።
- ካብ ነብስኻ ኣይትቕተል ምባል፡ ስነ-ኣእሙራዊ ጭንቀት ሓላፋይን ተፈዋስን ምዃኑ ኣረድኣዮምን ኣተባብዓዪምን።
- ነብሰ-ቕትለት ሓጥያት እዩ ወይ ውን ቅኑዕ ወይ ጌጋ እንዳበልካ ኣይትካተዓዮም። ምኽንያቱ፡ እቲ ቀንዲ ሓላፍነትካ/ኪ ነቲ ሰብ ኣስተውዒልካ/ኪ ምስማዕን፡ ብተገዳስነት ፍቕርን ደገፍን ምርኣይን ኢዩ። ካብ ምፍራድ ወይ ካብ እንታይ ስለዝጎደለካ/ኪ ኢኻ/ኺ ምባል ወይ ምጭቕጫቕ ተቖጠብ።
ሐ. ተግባር ወይ ስጉምቲ ፍታሕ ምንዳይ
- ናይ ነብሰ ቕትለት ምፍጻም ሓሳባት ዘለዎ ሰብ በይኑ ክኸውን ኣይትግደፎ። ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤተሰብን የዕሩኽትን ሓገዝ ብምሕታት ሓገዝ ክተበርክተሉ/ላ ፈትን።
- እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መሳርሒታት (መድሃኒታት፡ ሽጉጥ፡ ካራ፡ ገመድ ወይ ገመድ-መሰል፡ ምስ ተሰተየ ጎዳኢ ዝኾነ ኬሚካል) ከረክቡኻ ሕተቶም። በላሕቲ ወይ ከኣ ነብሰ-ቕትለት ከፈጽሙ ዝኽእሉ ነገራት ካብ ኣከባቢኦም እለዮም።
- ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ኣተባብዓዮም። ኮምኡ ውን፡ ርግእ ኢልካ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትጽውዓሎም ወይ ናብ ሓኪሞም ክትድውለሎም ወይ ክትወስዶም ፍቓድ ሕተቶም።
- ብዝተኻእለካ/ኪ መጠን ነቲ ሰብ ኣዝሕሎን ኣረጋግኣዮን።
- ቅጽበታዊ ነብሰ-ቅትለት ክፍጽም ዝሓበረካ ሰብ፡ ተቓላጢፍካ 9-1-1 ብምድዋል ህጹጽ ረዲኤት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኢመርጀንሲ ሩም ብቐጥታ ውሰዶም።
ኣጋደድቲ ረቛሒታት ነብሰ-ቕትለት
- ስነ-ኣእምሮኣዊ ትካዘ፡ ሓፈሻዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም፡ ኣልኮሆልን ድራግን (Depression, mental illness, & substance abuse)
- ሕርቃንን ባእስን (Aggression and fighting)
- ኩነታት ስድራቤት (Home Environment)
- ከባብያዊ ጽልዋ (Community environment)
- ጽልዋ ቤትምህርቲ (School environment)
ሓሳባት ወይ ፈተነ ነብሰ-ቕትለት ምስ ሕማም ስኪዞፍረንያ (Schizophrenia disorder) እንታይ ምትትእስሳር ኣለዎ?
- ስኪዞፍረንያ ቀንዲ ጠንቂ ወይ ኣጋዳዲ ነብሰቕትለት ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ቀንዲ ረቛሒታት ናብ ነብሰ ቕትለት ክብጽሑ ዝኽእሉ ኣብ ብስኪዞፍረንያ ዝጥቅዑ ሰባት
- ደቂ ተባዕትዩን ከባቢ 30 ዓመት ምስ ዝኾኑ
- በላሕቲ ምስ ዝኾኑ – ብፍላይ ኮተቴን መንእሰያት ከለኡ ብትምህርቲ ብጣዕሚ ንፉዓት ምስዝነብፉ
- ዘይተመርዓዉ
- ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕንኦም (ኣሎታው ጽልዋ ስኪዞፍረንያ) እኹል ኣፍልጦ ምስ ዝህልዎም
- ብስኪዞፍረንያ ዝሓመሙ ሰባት፡ ብሃውሪን ብዘይ መጠንቀቕታን ስጉምቲ ስለ ዝወስዱ ምክልኻል ነብሰ-ቕትለት ብዘይ መጠን ከቢድ እዩ።
ብስኪዞፍረንያ ዝሓመመ ሰብ ንምሕጋዝ ክነስተባህለሎም ዘለና ነገራት
- ምልክታት ተስፋ ምቁራጽን ጓህን ኣስተባህለሎም።
- ሓደ ሓደ ግዜ፡ ብስኪዞፍረንያ ዝሓመመ ሰብ ካብ ሆስፒታል ክወጹ ከለዉ ጥቡቕ ምክትታል የድልዪም እዩ። ሃንደበት ጽምዋ፡ ተስፋ ምቕራጽ ይኹን ናፍቆት ሓከምቶምን ናብ ዘይመደብዋ ስሚዒታት ነብሰ ቕትለት ከድህበሎም ይኽእል እዩ።
- ካብ ሆስፒታል ምስ ወጹ፡ ዝኾነ ስሚዒታት ተስፋ ምቑራጽን፣ ነብሰ-ቅትለት ሓሳባትን ባህርያትን ኣስተባህል። ብፍላይ አቲ ተሓካሚ ብጉዳይ ጥዕንኡ እኹል ኣፍልጦ ምስዝህልዎ።
- ናይ ስነ-ኣእምሮ መድሃኒታት ሓንሳብ ሓንሳብ ሓሳባት ነብሰ-ቕትለትን ባህርያት ንከጋድዱ ይኽእሉ እዪም። ስለዚ ተሓካሚ ኣንቲዲፕረሳንትስን ኣንቲስይኮቲክ (Antidepressants and Antipsychotics) ዝወስዱ ተአኾይኖም ምስ ሓኪሞም ተዘራርብ።
መሕትት ሓሳባትን መደባትን ነብሰ ቕትለት (ባዕልና ንነብስና ክንመልኦ ዘለና)
መሕትት ሓሳባትን መደባትን ነብሰ ቕትለት (ብኣለይቲ፡ ወለዲ፡ መቕርብ ክምላእ ዘለዋ)
ህጹጽ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምስዘድልዪኩም/ክን ኣብ ከባቢኹም ወይ ከባቢኽን ንዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ረዲኤት ኣግልግሎት ክትውከሱ/ሳ ብትሕትና ንሕብር።